አዲስ ኣበባ፡–ኹሉ ግዘ በዓላት እንትኽበሩ ፍቕሪ ዕርቅን ምትሕግጋዝን ዘስርፁ፤ንፅጉማት ወገናት ብምሕሳብን ብምሕጋዝን ምኽባር ፈላማይ ሃይማኖታዊ ግቡእ ከም ዝኾነ ኣቦታት መራሕቲ ሃይማኖት ገሊፆም፡፡
ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፤በዓል ልደት ክርስቶስ ኣመልኪቶም ከም ዝበልዎ፤ ባእሲ ምፍልላይን ጥፍኣትን ኣይጠቕመናን እኳድኣስ ይጎድአና ‘ዩ ክብሉ ምዒዶም፡፡
ብፁእነቶም በዓላት እንትነኽብር ፍቕሪ፣ዕርቅን ሰላምን ዘስርፅ ተግባር ክህልወና ከም ዝግባእ ብምግላፅ፤ናብ ልብና ፍቕሪ፣ዕርቅን ማዕርነትን፤ስኒትን ሕውነትን ክነምፅእ ከም ዝግባእ ብምምዓድ፤ንዝተመዛበለ ህዝቢ ብምሕጋዝን እግዚኣብሄር ሰላም ከምፅእ ብምፅላይ፤እግዚኣብሄር ብምኽባርን ንስሃ ብምእታውን ምዃኑ ገሊፆም፡፡
ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነኢየሱስ ብወገኖም፤ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፤ህዝበ ክርስትያን በዓላት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተብዕል ንዝተፀገሙ ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው ክኸውን ይግባእ ኢሎም፡፡
እቶም ካብ ሃገሮምን መረበቶምን ርሒቖም ኣብ ስደት ዘለዉ ወገናት፣ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ፣ወለዶም ዝሰኣኑ ዕሸላት ብምሕጋዝን ብምትብባዕ ብሰላምን ብፍቕርን ምኽባር እግዚኣብሄር ዝፈትዎ ተግባር ‘ዩ፡፡
ብፁእ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነክርስቶስ በዓል ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክነብዕል ከለና ነቶም ኣብ ዘይምችው ኹነታት ኮይኖም ዘብዕሉ ምፅላይ ግቡእ ‘ዩ ኢሎም፡፡ብፍላይ ነቶም ካብ ሃገር ወፂኦም ንገዛእ ርእሶምን ሃገሮምን ክጠቕሙ ዝወፁ ብምፅላይ ቤተ ክርስትያን ከም እተብዕሎ ገሊፆም፡፡
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ ‹‹ሰላም ኣብ ምድሪ›› ዝብል ብስራት ተሰምዐ፡፡እዚ ድማ አገዳስነት ሰላም ዘመላኽት ነበረ፤ስለዝኾነ ዋጋ ሰላምን ሓጎስን በምፍላጥ በዓላት ምኽባር ኣገዳሲ ‘ዩ ኢሎም፡፡
ከምኡ ‘ውን ፕሬዚደንት ኣብያተ ክርስትያናት ወንጌላውያን ኢትዮጵያ መጋቢ ፃድቁ ኣብዶ፤በዓላት ጎይታና መድሐኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንትነኽብር ካብ ኽፍኣት ርሒቕና ከም ሓውን ሓፍትን ብሰላምን ሓጎስን ብዘይሰኸፈት ክነኽብርን ክንተሓሳሰብን ይግባእ ኢሎም፡፡
መጋቢ ፃድቁ፤በዓል ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስዒቡ መላእኽቲ ‹‹ክብሪ ንጎይታ ይኹን፣ ሰላም ንደቂ ሰባት ይኹን፤ፍቓደ እግዚኣብሄር ድማ ምስ ደቂ ሰባት ትኹን›› ኢሎም ዘሚሮም ዮ‘ም፤ንሕና ደቂ ሰባት ድማ ካብ ኽፍኣት ወፂእና ብሰላም እንነብረሉ ግዘ ፈጣሪ ይሃበና ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ብኣሻሓት ንዝቑፀር ዓማውቲ ካብ እግዚኣብሄር ዝጠፍአ ወዲ ሰብ ባዕሉ እግዚኣብሄር ክእልሾ ናብ ምድሪ ዝመፀሉ ምኽንያት፤እግዚኣብሄር ብዘይ ሓንቲ ምኽንያት ነዛ ዓለም ብምፍታዉ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ንሕና ድማ ነንርእስና እናተፋተውና ንስኡናት ወገናት ምሕጋዝና ንቐፅለሉ ክብሉ ተላብዮም፡፡
ሔርሞን ፍቃዱ
ወጋሕታ 1 ጥሪ 2017 ዓ.ም