‹‹ስርዓት ዘለዎ ኣጠቓቕማ መዓድን ብምርግጋፅ ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ልዑል ኣስተዋፅኦ ምግባር ይከኣል ‘ዩ›› – ኣይተ ፍስሃ ግርማይ

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ስዒቡ ኩናት ብምውልዑ ብዙሓት ፀገማት ምፍጣሮም ዝፍለጥ ‘ዩ። በቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝፀንሐ ኩናት ስዒቡ ህዝቢ ኣዝዩ ተጎዲኡ ‘ዩ፤ ብዙሕ ህይወት ጠፊኡን ኣካል ጎዲሉን ‘ዩ።

ኢሉ ‘ውን ብዙሓት መሰረተ ልምዓታት ከም ኣብያተ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ፋብሪካታትን ካልኦት ዓበይቲ ይኹኑ ኣናእሽቲ ኢኮኖሚያዊ ትካላት ዝተፈላላዩ ዕንወታት በፂሕዎን ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ብዙሕ ህዝቢ ተጎዲኡ ‘ዩ። ኢኮኖሚያዊ ትካላት እቲ ክልል ‘ውን ገሊአን ዓንየን፤ ገሊአን ተዘሪፈን ቐርየን ‘የን።

ካብቶም ጉድኣት ዝበፅሖም ሓደ ዘፈር መዓድን ኮይኑ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ኣብቲ ዘፈር እዚ ዝበፅሐ ጉድኣት ኢሉ ‘ውን ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከብን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣድሂብና ምስ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ቢሮ መሬትን መዓድንን ክልል ትግራይ ኣይተ ፍስሃ ግርማይ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ነዚ ዝስዕብ ይመስል። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት መዓድንን ኣሳራርሓን እንታይ ከምዝመስል ተዝገልፁልና፤

ኣይተ ፍስሃ፡– ኣብ ትግራይ ብዛዕባ መዓድን ከንዛረብ እንተኾይና ዝተፈላለዩ መዓድናት ‘ዮም ዘለዉ፤ ንኮንስትራክሽንን ንመጋየፂን ዝጠቕሙ ኢልካ ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ዝተፈላላዩ መዓድናት ኣለዉ ከንብል እንተለና ዳርጋ ኩሎም ዓይነት መዓድናት ‘ዮም ዘለዉ።

ኮይኑ ግና በቲ ዝተፈጠረ ኩናት ስዒቡ ብዙሓት መዓድናት ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዝተተሓዙ ኣለዉ። ከምኡ ‘ውን ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብ ዕዳጋ ዝቐርብሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ብሕጋዊ መገዲ ዝሰርሑ ‘ውን ኣለዉ። እቶም ዘይሕጋውያን እንብሎም ዘለና ዳርጋ ኩሎም ድሕሪ ኹናት ዝመፁ ‘ዮም። ገሊኡ ብጉልበት ወርቒ ዝኣሪ ኣሎ፤ ገሊኡ ድማ ብማሽናት ተጠቒሙ ናብ ስራሕ መዓድን ዝኣተወ ኣሎ። ብዘይ ኣግባብ መዓድናት ናይ ምጉሓል ኣሎ ማለት ‘ዩ።

ሕዚ ነዚኦም ናብ ሕጋዊ መንገዲ ንምእታው እናተሰርሐ ‘ዩ። ዝተወሰነ ዝተጀመረ ክያዶ ኣሎ፤ ኮይኑ ግና ብዙሕ ይቐሪ ‘ዩ። እቶም ዘይሕጋውያን ምስ ዘይሕጋውያን ኣካላት እናተራኸቡ ብመልክዕ ኮንትሮባንድ እናሰርሑ ‘ዮም ዝርከቡ። ብዘይ ሕጋዊ መዓድናት ናይ ምጉሓል ኩነታት ኣሎ።

እዚ መብዛሕትኡ ድሕሪ ኩናት ዝተፈጠረ ኮይኑ ነዚ ናብ ሕጊ ንምእታው ምስ ህዝቢ ብምምኽኻር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣለዉ። እዚኦም ተጣናኺሮም ዝቕፅሉ ድማ ይኸውን። ዝበዝሕ ኢሕጋዊ ስራሕ ዝስራሕ ዘሎ ኣብ ናይ መዓድን ወርቂ ‘ዩ:: እቶም ሕጋውያን ንብሎም ዘለና ፈቓድ ተዋሂብዎም ዝሰርሕሉ ቦታ ተዋሂብዎም ኣብ ምልማዕ ዝነበሩ ‘ዮም።

እዞም ኣካላት እዚኦም ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኩናት ንኸባቢ ሰለስተ ዓመት ዘይሰርሑ ስለ ዝነበሩ ነቲ ዘይሰርሕሉ እዋን ተሓሳቢ ተገይሩ ውዕሎም እናተሓደሰ ‘ዩ ዝርከብ። ቦታ ተዋሂቦም ዘይሰርሕሉ ‘ውን ኣለዉ። እዚኦም ክሰርሑ ዘይኽእሉ እንድሕር ደኣ ኮይኖም ብዙሕ ስራሕ ዘይብሉ መንእሰይ ስለ ዘሎ እቲ ቦታ ንኻልኦት ዘልምዑ መናእሰይ ክዋሃብ ‘ዩ። ብማሕበር ወዲብካ ነዚኣቶም ዝወሃብሉ ኩነታት እናመቻቸና ኢና ዘለና።

ወጋሕታ፡- እቲ ቦታ ወሲዶም ናብ ስራሕ ክኣትዉ ዘይኸኣልሉ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ ይብሉ?

ኣይተ ፍስሃ፡- ምኽንያቶም እንታይ ከምዝኾነ እናፃረና ኢና ዘለና፤ እቲ ኩናት ዝፈጠሮ እንተኾይኑ እናረኣኻን እናተዛራረብካን ዝፍታሕ ‘ዩ ዝኸውን። ካሊእ እንተኾይኑ ‘ውን ፈቲሽካ ዝስተኻኻል ይስተኻኸል፣ ዘይስተኻኸል እንተኾይኑ ድማ ከምቲ ቅድም ዝበልክዎ ንዘልምዑ ኣካላት ይወሃብ። ናይ በዓሎም ፀገም ወይ ስንፍና እንተኾይኑ ሕዚ ‘ውን ከምቲ ቅድም ዝበልክዎ ተመንጢሉ ነቲ ስራሕ ዘይብሉ መንእሰይ ይዋሃብ። ብፍላይ ጉድእ ኣካል ዝኾኑ ኣብ ግምት ብምእታው ይኸውን።

ወጋሕታ፡- ክሳብ ሕዚ ብማሕበራት ተወዲቦም ዝሰርሑ ዘለዉ ብቑፅሪ ክንደይ ይኾኑ?

ኣይተ ፍስሃ፡- ቑፅሮም ንግዚኡ ኣይሓዝክዎን፤ ኮይኑ ግና ብርክት ዝበሉ ብማሕበራት ተወዲቦም እናሰርሑ ‘ዮም ዝርከቡ። ከምቲ ቕድም ዝበልክዎ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ‘ውን እቲ መዓድን ብኮንትሮባንድ መልክዕ ዝሰርሑ ኣለዉ። ሕዚ ዝስራሕ ዘሎ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ኣካላት ንምቑፅፃር ‘ዩ።

ማለት ካብ ሕጊ ወፃኢ ገንዘብ ህዝቢ ከይምዝምዙ ንምግባር። እቲ ቢሮ ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምንባብ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ቕድሚ ሕዚ እቶም ዘይሕጋውያን ነጋዶ ከምድሌቶም ናብ ደስ ዝበሎም ዓዲ እናወሰዱ ‘ዮም ዝሸጡዎ ነይሮም። እዚ ኣካይዳ እዚ ድማ ነቲ ህዝቢ ኣዝዩ ጎዳኢ ነገር ‘ዩ። ብዝተኸኣለ መጠን እዞም ኣካላት እዚኦም ናብ ሕጊ ንምእታው ኩሉ ክረባረብ ኣለዎ። እዚ ንመንግስቲ ጥራሕ ዝወሃብ ዕዮ ኣይኮነን። ናይ ኩሉ ምትሕብባር ዝደሊ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- እቶም ናይ መዓድን ከባቢታት ዝበሃሉ ተዝገልፁልና፤ ኢሉ ‘ውን ክሳብ ሕዚ ካብ መዓድን ክንደይ ዝኣክል እቶት ተረኺቡ?

ኣይተ ፍስሃ፡– ናይ መዓድን ቦታታት ኣብ ዞባ ምብራቕ፣ ዞባ ማእኸላይ ከባቢ ወርዒ ዝበሃል ቦታ ከምኡ ‘ውን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣሎ። ክሳብ ሕዚ ብቑፅሪ ክንድዙይ ዝኣክል እቶት ተባሂሉ ንምዝራብ እኳ ዳታ ኣይሓዝኩም።

ኮይኑ ግና ድሕሪ እቲ ኩናት ተስፋ ዘለዎ ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ። ኮይኑ ግና ከምቲ ቅድም ዝበልክዎ ገና ‘ዩ መሊኡ ኣይፀረየን። ብዙሕ ስራሕ ‘ዩ ዝፅበየና። ሕዚ ናብቲ ዋና ናይ ቑፅፅር ስራሕ ንኣቱ ኣለና ኢና። እዚ ኩሉ ምስ ፀፈፈ ክንዲዚ ዝኣክል እቶት ተረኺቡ ምባል ይከኣል ‘ዩ። ሕዚ ሃፍቲ እቲ ከባቢ ኣብ ቑፅፅር ዝውዕለሉ ስራሕ ኢና ንምስራሕ እናተንቐሳቀስና ንርከብ።

ወጋሕታ፡- ክልል ትግራይ በቲ ዘጋጠመ ኩናት ስዒቡ ዝበፅሓ ጉድኣት ብሃፍቲ መዓድን ብኸመይ ንምድጋፍ ይሕሰብ ኣሎ? ማለት ንዳግመ ሕውየት እቲ ክልል?

ኣይተ ፍስሃ፡- ብሃፍቲ መዓድን ነቲ ክልል ብኸመይ ንምድጋፍ ይሕሰብ ኣሎ ንዝብል ሕቶ፣ ከምዝፍለጥ እቲ ክልል በቲ ዘጋጠመ ኩናት ስዒቡ ኣዝዩ ዝተጎድአ ክልል ‘ዩ፤ ፍሉይ ሓገዝ ከምዘድልዮ ድማ ይፍለጥ።

እቲ መዓድን ብፍላይ ወርቒ ናበይ ይሽየጥ ኣሎ? መን ከ ‘ዩ ብዘይ ሕጋዊ ዝጥቀመሉ ዘሎ? ዝብል ነፂርካ ብምፍላጥ ምቑፅፃርን ምክትታልን የድሊ። ተኸታቲልካ ድማ ሕጋዊ መስርሕ ንኽህልዎ ኣብ ዝግበር ስራሕቲ ምርብራብ እንተልዩ እቲ ክርከብ ዝግበኦ እቶት ክርከብ ይኽእል ‘ዩ። እቲ እቶት እንትርከብ ድማ ንቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ንምሕዋይ ንጥቀመሉ ይኸውን።

እቲ ሕብረተሰብ ምስ መንግስቲ ጥብቕ ዝበለ ምንባብ እንተፈጢሩ ንረብሓ ኢኮኖሚያዊ እቲ ክልል ንምሕጋዝ ዝጠቅም ይኸውን። ስለዚ እቲ ክልል ካብ ሃፍቲ መዓድን ክረኽቦ ዝግባእ ሃፍቲ ክረክብ እንድሕር ደኣ ኮይኑ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ክተሓባበር ክኽእል ኣለዎ።

ሓደ ቢሮ ጥራሕ ክቖፃፀሮ ኣይኽእል። ወይ ንመንግስቲ ጥራሕ ዝግደፍ ኣይኮነን። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘድምዕ ስራሕ እንድሕር ደኣ ተሰሪሑ ኣብ ዳግመ ሕውየት ኣብዝግበር ስራሕ ዘይነዓቕ ኣስተዋፅኦ ከብርክት ይኽእል ‘ዩ። ውሑሉል ኣሰራርሓን ስርዓትን እንተተዘርጊሕሉ ብፍላይ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ነቲ ክልል ብኢኮኖሚ ንምሕጋዝን ርኡይ ተራ ክህልዎ ከምዝኽእ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓድን ንትግራይ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዝውዕለሉ ስራሕቲ ከንሰርሕ ኣለና። እዚ ድማ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ተናቢብካ ብምስራሕ ‘ዩ ዝኸውን። ናይ ህዝቢ ሃፍቲ ስለዝኾኑ ኩሉ ይምልከቶ ‘ዩ። ከምዚ እንተኾይኑ ፍትሓዊ ተጠቓምነት ክሰፍን ይኽእል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ መዓድን ክሳብ ሕዚ ዝግበር ዘሎ ምቑፅፃር በቲ ልሙድ ‘ዩ። እዚ ኣሳራርሕኡ ንምዝማን ወይ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ቑፅፅር ንክኸውን ዝተሓስበ ነገር ኣሎ ዶ?

ኣይተ ፍስሃ፡- ኣብ ሃገርና ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ቑፅፅር መዓድን ዳርጋ የለን። ሕዚ ዓለምና ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣሰራርሓ በፂሓቶ ዘላ ናይ መዓድን ቑፅፅር ኣባና ኣይተበፅሐን ዘሎ። ናይ ሃገርና ብርኪ ምዕባለ ዝፍለጥ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ኣብ ስራሕ መዓድን ዝተወሰነ ብምምሕያሽ ብዝሓሸ ዋጋ ንምሻጥ ዝፍትን ዝነበረ ኢዛና ዝተባህለ ትካል ‘ዩ ነይሩ።

ኮይኑ ግና እዚ ትካል እዚ በቲ ዝነበረ ኩናት ስዒቡ ጉድኣት ስለ ዝበፅሖ ሕዚ ብዙሕ ኣይነጥፍን ዘሎ። ዝሓሸ ዓቅሚ ዝነበሮ እዚ ትካል እዚ ‘ዩ ነይሩ። እቶም ማሕበራት ምስቶም ዓቕሚ ዘለዎም ውልቀ ትካላት ብምርኻብ ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ብፅፈት ብምስራሕ ዝሓሻ ስራሕ ክስራሕ ይከኣል ‘ዩ። ኮይኑ ግና ምስቶም ዘለዉ ፀገማት ናብ ዘመናዊ ኣሳራርሓ ኣይኣተናን ዘለና። ሕዚ ንሰርሕ ዘለና ናብ ሕጋዊ መስርሕ ንምእታው ‘ዩ። ገና ኣብ ቑፅፅር ንምውዓል ኢና ንሰርሕ ዘለና። ኣብዚ ብርኪ እዚ ኢና ዘለና።

እዚ ኣካይዳ እዚ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅርና ምስ ኣውዓልና ከምኡ ‘ውን ዳግመ ሕውያት ትግራይ ምስተረጋገፀ ብዝተኸኣለ መጠን ናብቲ ዘመናዊ ኣሰራርሓ ክንኣቱ ንኽእል ኢና። እዚ ክብል እንተለኹ ግና ዓለም በፂሓቶ ዘላ ናይ መዓድን ኣሳራርሓ ብርኪ ከንበፅሕ ንኽእል ኢና ማለት ኣይኮነን።

ብዝኾነ ኣጣቓቕማ መዓድን ብግቡእ እንተተረጋጊፁ ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ልዑል ኣስተዋፅኦ ክገብር ይኽእል ‘ዩ። ኣጣቓቅማ መዓድን ትግራይ ብዘመናዊ ኣሰራርሓ ክድገፍ ዝተፈላላዩ ሙሁራን መፅናዕቲ ክገብሩ ይግባእ። ብመፅናዕቲ መሰረት ድማ ዝስራሕ ክኾን ይኽእል ‘ዩ።

ብሓፈሻ ኩነታት ምህርቲ መዓድን ትግራይ ሕፅር ብዝበለ መልክዑ ንምግላፅ፣ ምህርቲ መዓድን ክልል ትግራይ ብሕጋዊ መንገዲ ንኽስራሕን ናብ ስርዓት ንምእታውን ፃዕሪ እናተገበረ ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ዝተፈላለየ ዓይነት መዓድን ኣሎ፤ ናይ ኮንስትራክሽን፣ ንመጋየፂ ዝውዕልን ፍሉያት ዝበሃሉ መዓድናትን ኣለው።

ምስቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ኵናት ብዝተፈላለዩ ኣካላት ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ተታሒዙ ዝፀንሐ ናይ መዓድን ቦታታት ኣለዉ። ድሕሪ እቲ ኵናት ድማ ብሕጋዊ መገዲ ቦታታት ሒዞም ስራሕቲ ምፍራይ መዓድን እናሰርሑ ዝርከቡ ማሕበራት ኣለዉ። ኣብ ትግራይ ኩነታት መዓድን ከንርኢ እንተለና፣ በቢኸባቢኡ ብጉልበትን ሕጋዊ ብምምሳልን ብዘይ ኣግባብ መዓድን ናይ ምጉሓል ኹነታት ‘ዩ ዘሎ።

ነዚ ንምቁፅፃር ድማ ምስቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ ብዝተወሰነ ብርኪ ኣፀጋሚ ኮይኑ ፀኒሑ ‘ዩ። ነዚ ድማ ምስ ህዝቢ ብምዝርራብ ናብ ስርዓት ንምእታው እናሰራሕና ንርከብ። ዘይሕጋውያን ምስ ዘይሕጋውያን ሰባት እናተራኸቡ መዓድን ብፍላይ ወርቂ ብኮንትሮባንድ ናይ ምሻጥ ተርእዮታት ኣለዉ። ምስቲ ሐዚ ዘሎ ዘይምዕሩይ ኹነታት ብቕልጡፍ ንምልዋጥ ብዝተኽኣለ መጠን ምስ ህዝብን መናእሰይን እናተዘራረብናን እናተረዳዳእናን ናብ ሕጋውነት ዝኣትወሉ ኹነታት እናሰራሕና ኢና ንርከብ።

እቶም ሕጋውያን ዝበሃሉ ቕድም ክብል መረዳእታ ወሲዶም፤ ብሕጋዊ መገዲ እቲ ቦታ ተዋሂብዎም ኣብ ምልማዕ ዝነበሩ ኾይኖም፤ እቲ ዝባኸነ ዓማውቲ ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ስራሕ ክኣትዉ ተገይሩ ‘ዩ፤ ኻልኦት ሓደሽቲ ‘ውን ብሕጋዊ መገዲ ናብ ስራሕቲ መዓድን ዝኣተዉ ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ድማ ንኽሰርሑ ቦታ ወሲዶም ሒዞሞ ሱቕ ዝበሉ ኣለዉ፤ እቲ ዝወሰድዎ ቦታ እንድሕር ዘይሰርሑሉ ወይ ክሰርሑሉ ዘይከኣልሉ እኹል ምኽንያት እንተዘይሃልይዎም፤ ብዙሓት ስራሕ ደለይቲ መናእሰይ ስለ ዘለዉና ብማሕበር እናወደብና ክሰርሑ ክንገብር ኢና።

ሕዚ ብርክት ዝበሉ መናእሰያት ብሕጋዊ መገዲ ኣብዚ ስራሕ ተሰማርዮም ይሰርሑ ኣለዉ ‘ዮም፤ በዚ ልክዕ ድማ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዝተወደቡ መናእሰይ ኣለዉ። ኾይኑ ግና ካፍቲ ቕድሚ ሐዚ ዝነበረ ኣካይዳ ኣዝዩ ዝተቐየረ ኣሰራርሓን ስርዓትን እናተዘርገሐን ስርዓት እናሐዘን ‘ዩ ዝርከብ።

መዓድን ወርቅን ኻልኦትን ካብ ዝርከበለን ቦታታት ማእኸላይ ከባቢ ወርዒ፣ሽረ፣ ምብራቓዊ ገጠራት ቐንዲ ተፀራሕቲ ኮይነን ቕድሚ ሕዚ ብምውፃእ መዓድን ወርቂን ኻልኦትን ኣፍልጦ ካብ ዝነበሮም ትካላት ኢዛና ተጠቃሲ እንትኾን ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ብሰንኪ እቲ ኩናት ዝፈጠሮ በሰላ ኹለን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ጥንኩር ስራሕቲ ንምስራሕ ዓቕመን ትሑት ስለ ዝኾነ፣ ዓቕሚ ንምፍጣር እናተሰርሐ ‘ዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ስራሕቲ ምውፃእ መዓድን ብስርዓትን ብሕጋዊ መገዲን ንኽካየድ ቐዳምነት ትኹረት ተገይሩሉ ይስራሕ ስለ ዘሎ ኣብዚ ስራሕ እዚ ህዝብን መናእሰይን እቲ ክልል ንሃፍቲ መዓድን ትኹረት ብምሃብ ሓለዋን ሓበሬታን ብምልውዋጥ ክተሓባበር ኣለዎ፤ ምኽንያቱ ንመንግስቲ ጥራሕ ዝዋሃብ ስራሕ ኣይኮነን፤ ውፅኢታዊ ክኸውን ዝኽእል ‘ውን ህዝቢ ምስ መንግስቲ ተናቢቡ ክሰርሕ እንተሎ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡– ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና።

ኣይተ ፍስሃ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You