ኣቓልቦ ዘይረኸበ ጉዳይ ስደት

ኣብ ዓለምና ደቂ ሰባት ብዝተፈላላዩ ምኽንያታት ናብ ሓደጋ ክሳጥኹ ንርኢ ኢና። ካብዚ እቲ ሓደ ብዘይ ሕጋዊ ብዝግበር ናይ ደቂ ሰባት ስደት ‘ዩ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ እዋን ዝፍፀም ብዘይ ሕጋዊያን ደላሎ ወይ መዛዋወርቲ ‘ዩ። ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ከንብል እንተለና ዘይግቡእ ጥቕሚ ንምርካብ ክበሃል ብምጭብርባርን ምትላልን ዝግበር ምጉዕዓዝ ወይ ዝውውር ደቂ ሰባት ‘ዩ።

በዚ ኣቢሉ ድማ እቶም ናብ ስደት ዘምርሑ ኣካላት ዝተፈላላዩ ግፍዕታት ይበፅሖም። ከም ሞት፣ ፆታዊ ርክብ፣ ባርነት፤ ክፍሊ ኣካላት ምውሳድ ወዘተ ምጥቓስ ይከኣል። ብፍላይ ዘይሕጋዊያን ዘሰጋግሩ ብምብዝሖምን ኣብ ልዕሊኦም ጥንክር ዝበለ ቑፅፅር ብዘምህላዉን ገበናት ምስግጋር ደቂ ሰባት ብፍላይ ኣብ ሃገርና ተጣናኺሩ እናቐፀለ ይርከብ። ከምዚኦም ዝበሉ ገበናት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብዓለም ደረጃ ‘ውን እንተኾነ እናተስፋሕፈሐ ‘ዩ ዝርከብ።

ስደት ክልተ ዓይነት መንገዲታት ተኸቲልካ ዝግበር ምንቅስቓስ እንትኸውን፤ እቲ ሓደ ብሕጋዊ እንትኸውን እቲ ካሊእ ድማ ብዘይሕጋዊ ዝግበር ናይ ደቂ ሰባት ዝውውር ‘ዩ። ሕጋዊ ማለት ሓደ ሰብ ካብ ሃገሩ ናብ ካሊእ ሃገር ምኻድ እንትደሊ መንግስቲ ብዝፈልጦ ድሕንነቱ ተሓልይሉ ዝግበር ስደት ‘ዩ።

ዘይሕጋዊ ስደት ከንብል እንተለና ድማ ከምቲ ልዕል ኢለ ንምግላፅ ዝፈተንክዎ መንግስቲ ብዘይፈልጦ ወይ ብኢሕጋውያን መዘዋወርቲ ወይ ደላሎ ዝካየድ ናይ ደቒ ሰባት ዝውውር ‘ዩ። እዚ ድማ ንተፈላላዩ ሓደጋታት ዘሳጥሕ ‘ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቶም ናብ ስደት ዘምርሑ ናብቲ ዝኸድዎ ሃገር ከይበፅሑ ወይ ምስበፅሑ ግዳያት ሓደጋ ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም።

ብጭቡጥ እናኾኑ ‘ውን ‘ዮም። ዘይሕጋዊ ናይ ኩናት መሳርሕን ስደትን ተስፋሕፊሖም ስለ ዝርከቡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ብዙሕ ሰብ ህይወቱ ክስእን ድማ ይስትውዐል። ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ እንተሪእና ስደት ቐዳማይ መማረፂ መናእሰይ ደቒ ኣንስትዮን ደቒ ተባዕትዮን ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ ክልል ትግራይ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድል ምስ ዘይምህላዉ ብፍላይ ድማ ምስቲ ዝነበረ ኩናትን ድርቕን ተተሓሒዙ ብዙሓት መናእሰይ በረኸታት ሊብያን የመንን ኣቋሪፆም እንትጎዓዙ ከበድቲ ሓደጋታት እናጋጠሞም ይርከቡ። ገሊኦም ናብቲ ዝሓሰብዎ ቦታ ከይበፅሑ ኣብ መንገዲ ተዓጊቶም ገንዘብ ኣምፅኡ እናተባህሉ ህይወቶም ይስእኑ።

ገሊኦም ኣብ ባሕሪ ቐለብ ዓሳ እንትኾኑ ክሳብ ሕዚ ፍታሕ ዘይተገበረሉ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ እዚ ዓበይቲ ሚድያታት ዓለም ብተደጋጋሚ ዝፅብፅበኦ ጉዳይ ‘ዩ። ‘ኣብ ሜድትራንያን ባሕሪ ተገልቢጦም ቐለብ ዓሳ ዝኾኑ ብዙሓት ‘ዮም። ብሶማልያን ጁቡትን ገይሮም ብቐይሕ ባሕርን ኤደንን ብምቑራፅ ናብ የመን ንምእታው ኣብ ዝፍትንሉ ዝሞቱ ቑፅሮም ቐለልቲ ኣይኮኑን።

ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ እዋን ብቐይሕ ባሕሪ ገይሮም ናብ የመን ንምእታው ኣብ ዝፍትንሉ ብዙሓት ኣብቲ ባሕሪ ቀርዮም ‘ዮም። ልዕሊ 60 ኢትዮጵያውን ከምዝሞቱ ዝዝከር ‘ዩ። ካብዚኦም ድማ ቑፅሪ ተጋሩ ቐሊል ከምዘይኮነ ‘ዩ ዝግለፅ። ገሊኦም ድማ ብርክት ዝበለ ኢ-ሰብኣዊ ብምሕላፍ ናብቲ ዝሓሰብዎ ዓዲ እንትበፅሑ ከምቲ ዝተፀበይዎ ኩነታት ኣይገጥሞምን።

ኣብቲ ዝሓሰብዎ ቦታ ምስ በፅሑ ሕጋውያን ስደተኛታት ስለ ዘይኮኑ ቐጥታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይድጎኑ። ግቡእ ቖላሕታ ስለ ዘይተገበረሉ ኣብ ክልልና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘይሕጋዊ ስደት እናወሰኸ ይርከብ። በርግፅ በቲ ዘጋጠመ ኩናትን ድርቕን መንእሰይ ሰንፈለል እናበለ ‘ዩ ዝርከብ። እዚ ድማ ኮፍ ካብ ዝብል ዕድለይ ዘይምኩር ብምባል ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ።

ናብ ስደት ኣምሪሑ ግና ከምትዝሓሰቦ እንተይኮነስ ህይወት ምስኣን ‘ውን ‘ዩ ዘጋጥሞ ዘሎ። ዝሓሸ ኩነታት ኣይገጥሞን ዘሎ። ኣብዚ ንዘይ ሕጋዊ ስደት ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝኾኑ ዘለዉ ድማ ዘይ ሕጋውያን ደለልቲ ‘ዮም። እዚ ብህይወት ሰብ ምሽቓጥ ‘ዩ። ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ‘ውን ‘ዩ። ነዚ መንግስቲ ክከላኸሎ እንተኾይኑ ህዝቢ ክተሓባበር ኣለዎ።

እቲ መንእሰይ ‘ውን ግዝያዊ ፀገም ጥራሕ ክሓስብ የብሉን። ዋላ ብዙሕ ፀገም የሃልዎ ካብ ኣደዳ ደላሎን ሸፋቱን ብምዃን ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ ሙማት ኣብ ዓዱ ኮይኑ ንእሽተይ ሰሪሑ ንምልዋጥ ክፍትን ይግባእ። ቐይሕ ባሕሪ ብምቑራፅ ሳውዲ ዓረብያ ንምብፃሕ ኢሉ ‘ውን እንተቐኒዕዎ ናብ ኣውሮፓ ንምብፃሕ ብዙሕ ከቢድ ፈተና ይበፅሖ። ገና ናብ ዝዓለሞ ቦታ ከይበፅሐ ‘ውን ዘስካሕኽሕ ግፍዕታት ‘ዩ ዝበፅሖ።

መንእሰይ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ክልወጥ መንግስቲ ሓገዛት ክገብር ኣለዎ። መንግስትን ህዝብን ተናቢቡ እንተሰሪሑ ስራሕ ስእነት ክቓለል ይኽእል ‘ዩ። እቲ መንእሰይ ብወገኑ ካብ ስደት ከይዱ ክልወጥ ‘የ ኢሉ ምሕሳብ ኣብ ዓዱ በርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ። በርቲዑ እንተሰሪሑ ዝልወጥ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ።

ኣብ ትግራይ ብዘጋጠመ ኩናት ስዒቡ ኢኮኖሚያዊ ጉድኣት ብምብፅሑ ዝፍለጥ ‘ዩ። ኮይኑ ግና እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ምኽንያት ነቲ ስደት። ስደት ዝሓሸ መማረፂ ገይሩ ስለ ዝወስድ ‘ዩ። ኢሉ ‘ውን መንግስትን ህዝቢን ተናቢቡ ብዘይ ምስርሑ ‘ዩ። ዋላ ቕድሚ ኩናት ‘ውን ብዙሓት መናእሰይ ናብ ስደት ይውሕዙ ነይሮም ‘ዮም። ብፍላይ እቲ ስደት ሕጋዊ ምስ ዘይምዃኑ ተተሓሒዙ ብዙሕ ፀገም እናበፅሖ ‘ዩ።

ብሓፈሻ ነዚ ከም ውሕጅ ዝውሕዝ ዘሎ ስደት መናእሰይ ንምፍታሕ ቖላሕታ ክግበረሉ ኣለዎ። ብፍላይ ስራሕ ፈጠራን ዕድል ስራሕን እንተዘይተማቻችዩሉ ከቢድ ሓደጋ ‘ዩ። ካብ ኣብ ፈቖዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ፣ የመን ፣ሊቢያን ካልኦት ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ወገናትና ትምህርቲ ብምውሳድ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ንምልዋጥ ክፍትን ይግባእ።

ነዚ ዘይሕጋዊ ስደት እዚ ንምቕልባስ ድማ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ግቡእ ኣቓልቦ ሂቡ ክሰርሓሉ ይግባእ። ቖላሕታ ገይሩ ክሰርሐሉ ኣለዎ ከንብል እንተለና ዝተፈላላዩ ዕድል ስራሕን ስራሕ ፈጠራን ከማቻቹ ክኽእል ኣለዎ። እቲ መንእሰይ ድማ ብዘይሕጋዊያን ደላሎ ተታሊሉ ናብ ሓደጋ ከይወድቕ ጥንቓቐ ክገብር ኣለዎ። ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ንምልዋጥ ክፍትን ይግባእ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You