ሰላምና ብምፅናዕ ልምዓትና ነሰጉም

ክልል ትግራይ ንኸባቢ ክልተ ዓመታት ኣብ ከቢድ ኹናት ድሕሪ ምፅንሓ እቲ ፀገም ብስምምዕነት መዕለቢ ረኺቡ ‘ዩ። ብምዃኑ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተርኣዩ ለውጥታት ብዙሓት ‘ዮም። ብፍላይ እቲ ፈላማይ ሕቶ ህዝቢ ሰላም ምስቲ ምንባሩ እቲ ስምምዕነት ነቲ ሕቶ ኣወንታዊ ምላሽ ሒቡ ‘ዩ።

ሓፈሻዊ ስራሕቲ ሲቪል እቲ ክልል ቕድሚ ኵናት ኣብ ፅቡቕ ኩነታት እንተነበረ፣ ድሕሪ ኵናት ግና ዳርጋ መብዛሕትኡ ናብ ባዶ ክወርድ ክኢሉ ነይሩ ‘ዩ። ድሕሪ ምርካብ ሰላም ግና ክንድቲ ዝድለይ ለውጥታት ዋላ ክመፅእ ተዘይተኽኣለ ዓርሱ ዝኸኣለ ጊዚያዊ መፍትሕታት ንኽመፁ ማዕፆ ከፊቱ ‘ዩ ምባል ይከኣል።

ካብ መንጎ እቶም ኣገደስቲ ስራሕቲ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ስሩዕ ትምህርቲ፣ግልጋሎት ጥዕና፣ ቴሌኮም፣ ባንክን ኻልኦትን ብዝተኽኣለ መጠን ናብ ንቡር ስርሖም ክምለሱ ክኢሎም ‘ዮም። ዝቋራረፅ ዝነበረ ምቕራብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝተማሕየሸ ብርኪ ክቕፅል ኪኢሉ፤ መንግስቲ ንተመዛበልትን ብድርቂ ንዝተጎድኡን ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ እናገበረ ‘ዩ።

ብተወሳኺ ድማ መዳርግቲ ኣካላት ‘ውን ሓገዝ እናገበሩ ፀኒሖም ‘ዮም። ኾይኑ ግና ሕዚ ‘ውን ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ስለ ዘድልዮም እቲ ሓገዝ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ። ኮይኑ ግና ብሓገዝ ነባሪ መፍትሒ ስለ ዘይመፅእ ሰላም እናሓለና ኣብ ልምዓት በርቲዕና ከንሰርሕ ኣለና። ረድኤት ዘላቒ መፍትሒ ስለዘይኮነ ህዝቢ በዓሉ ዘላቒ መፍትሒ ከናዲ ኣለዎ።

ሰላሙ ብምፅናዕ ኣብ ልምዓት ክነጥፍ ኣለዎ። ኣብ ልምዓት ይኹን ሰላም ክተሓጋገዝ ኣለዎ። እቲ ህዝቢ ነንርእሱ እንተተሓጋጊዙን እንተደጋጊፉን እቲ ፀገም ካብ ዓቕሙ ንለዓሊ ክኸውን ኣይኽእልን። ኩሉ ግዜ ሓገዝ ምሕታት ጥራሕ ክኸውን የብሉን። እቲ ቐንዲ ኣብ ዓርሰ ሙርኮሳ መሰረት ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ኩሉ መፍትሒኡ ካብ ሰላም እንተይረሓቕካ ኣብ ልምዓት ምሱጓም ‘ዩ።

ከምኡ ‘ውን እቶም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣብ ሰላም ፀቒፅና ከንሰርሕ ኣለና። ናብ መረበቶም ተመሊሶም ናብርኦም ከጣይሹ ከንሰርሕ ኣለና። ብዘይ ሰላም ዝመፅእ ለውጢ የለን። ኣብ ሰላምን ፀጥታን ቕድሚኣ ተዋሂብዎ እንተዘይተሰሪሑ ዝመፅእ ኣወንታዊ ለውጢ የለን።

ብምኽንያት እቲ ኵናት ኣብ ህይወት ሰብን ኢኮኖሚያዊ ትካላትን ዘብፀሐ ጉድኣት ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን። ስለዚ ኩናት ክንደየናይ ዝኣክል ጉድኣት ከምዘለዎ ንኹሉ ግልፂ ‘ዩ። ቕድሚ ኩናት ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝነበረት ዝፍለጥ ‘ዩ። ስለዚ ናይ ሰላም ዋጋ ቐሊል ኣይኮነን። ሳላ ሰላም ዝተረኸበ ‘ዩ ሕዚ ልምዓት ተጀሚሩ ዘሎ።

ዋላ ሙሉእ ኣይኹን ህፁፅ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ሓገዝ እናቐረበሎም ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ትምህርቲ፣ ግልጋሎት ሕክምና ወዘተ እናተዋሃበ ‘ዩ። ነዚ ድማ መሰረቱ ሰላም ‘ዩ። ብፍላይ ህፃናትን ኣዴታትን ካብቲ ኩናት ብዘይንእስ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ተጠቒዖም ‘ዮም። ሕዚ ግና ብዙሓት ካብ ሞት እናዳሓኑ ‘ዮም።

ጉዳይ ማሕበራውን ደቂ ኣንስትዮን፣ መንግስቲ ፌደራል፤ ከምኡ ‘ውን ሚኒስቴር ሰላም መናእሰይ ዕድል ስራሕ ክፍጠረሎምን ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ክረኽቡን ሓገዝ እናገበሩ ‘ዮም። ቕድም ክብል ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ይፈጥሩ ዝነበሩ ምዃኖም ዝፍለጥ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ናብ ስራሕ ዝምለሱ ዘለዉ ነባራትን ሓደሽቲን ቐለልቲ ኣይኮኑን።

ብመዳይ ትምህርቲ ክንርኢ ኸለና ተመሳሳሊ ኽያዶታ እናተኸደ ከምዝርከብ መረዳእታታት እናሓበሩ ‘ዮም። በርግፅ ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ተታሓሒዙ ሕፅረት ፋይናንስ እናጋጠመ ከምዝኾ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ እናሓበሩ ‘ዮም። ንኣብነት ሓላፊ ኣካዳሚክ ፋካሊቲ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶክተር ዓብድልቃድር ከሪም ንኸይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዕንቅፋት ካብ ዝኾኑ ጉዳያት ሓደ ሕፅረት በጀት ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም ነይሮም።

ኾይኑ ግና እዚ ከምዚ እናሃለወ እተን ዩኒቨርሲቲታት ይኹና ካልኦት ካብ ዩኒቨርስቲ ንታሕቲ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲታት ዘሎ ፀገማተን ብምፅዋር ዝኸኣለኦ ኩሉ ንጥፈታት እናካየዳ ‘የን ዝርከባ። እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ ሰላም ስለ ዘሎ ‘ዩ። በርግፅ ምስቲ እቲ ኩናት ዝገደፎ በሰላን ድርቕን ምኽንያት ኩሉ ተማሃራይ ናብ ትምህርቲ ከቲቱ ‘ዩ ምባል ዝከኣል ዋላ እንተዘይኮነ ብዙሓት ለውጥታት ግና ኣለዉ።

ኩሉ ብሓደ ግዜ ክፍታሕ ኣይኽእልን። ምኽንያቱ ኣብ ፅባሕ ኩናት ኮይንካ ከምዚ ዓይነት ፀገማት ከምዝገጥም ትፅቢት ዝግበር ‘ዩ። ኮይኑ ግና እዞም ነገራት እዚኦም ህዝቢ እንተተረባሪብሎም ንምፍተሖም ዝኸብድ ኣይኮነን። በርግፅ እቲ ክልል ብዙሓት ነገራት ተፃዊሩ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ዘሎ ከይዲ ዝነኣድ ‘ዩ። እዚ ግና እኹል ስለዘይኮነ ካብዚ ንለዓሊ ምኻድ የድሊ።

ሰላም ኣስጢምካ ብምሓዝ ኣብ ልምዓት ካብ ምስጓም ካሊእ መፍትሒ የለን። ኣብ ልምዓት መስኖ ይኹን ኣብ ካልኦት ስራሕቲ ፅቡቕ ምንቕስቓስ ኣሎ። እዚ ሰላም ተዘይህሉ ነይሩ ዝሕሰብ ኣይኮነን። እዚ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ። ካብዚ ንላዕሊ ምኻድ የድሊ። ምኽንያቱ ሕቶ ልምዓት ህዝቢ በዚ ሕዚ ዘሎ ምንቕስቓስ ልምዓት ዝምለስ ኣይኮነን። ነቲ ዘጋጠመ ዕንወት ንምክሕሓስ ብዙሕ ክያዶ ምኻድ የድሊ።

ብሓፈሻ፣ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም፣ መናእሰይ ስራሕ ንምፍጣር ፃዕርታ እናገበሩ ‘ዮም። ውሑዳት መናእሰይ ኣብ ስራሕቲ ግብርና ተሰማርዮም ዝነኣድ ውፅኢት የርእዩ ኣለዉ ‘ዮም። ብፍላይ ከም ኣብ መስኖ ዝመሳሰሉ ነገራት ተዋፊሮም ዘርእይዮ ዘለዉ ውፅኢታት ዘተባብዕ ‘ዩ።

ሳላ ሰላም ዝተረኽበ ‘ውን ተቋሪፆም ዝነበሩ ከም ባንኪ፣ ቴሌኮም፣ መንገዲ፣ ጥዕና ፣ትምህርቲን ሰብዓዊ ሓገዛትን ክጅምሩ ተገይሩ ‘ዩ። ብምዃኑ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩለመዳያዊ ንጥፈታት ብዝተወሰነ ደረጃ ናብ ስሩዕ ኩነታት እናመፀ ‘ዩ። እዚ ድማ መንግስትን ህዝብን ተናቢቦም ብምስረሖም ‘ዩ።

መንግስቲ ፌዴራል ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ጉድኣት ዝበፅሖም ትካላት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱ ብዙሕ ርሕቀት ብምኻዱ ኣድማዒ ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም። በዚ መሰረት ብዙሕ ሰራሕተኛ ናብ ስርሑ እናተመለሰ ይርከብ። ብሓፂሩ ዝስርሑ ዘለዉ ልምዓታት ተጣናኺሮም ክቕፅሉ ምጥንኻር ሰላም ቐዳማይ ኣጀንዳና ክኸውን ኣለዎ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You