ስርቂ መሰረተ ልምዓታት- መርኣያ ሕመቕ

ብሰንኪ ዝተፈጠረ ኹናት ከም ሃገር ብፍላይ ድማ ከም ትግራይ ሰፍ ዘይብል ናይ ሂወት ሞት፣ ናይ ኣካል መጉዳእትን መቑሰልትን ንዋታዊ ዕንወታትን ብምግጣሙ ኣብቲ ክልል ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላውን ኢኮኖሚያዊ ዕንወትን ኪሳራን ምብፅሑ ከይኣክል፤ ብሰንኪ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ተደራራቢ ፀገማት ኣብ ክልዕሊኡ ተወሲኽዎ ድማ ካብ ኹናት ዝተረፈ ህዝቢ ብሰንኪ ሕፅረት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ መድሓኒትን ብጥሜትን ሕማምን ኣብ ከቢድ ፀገማት ወዲቁ ዝርከብ ህዝቢ ቀሊል ‘ዩ ኢልካ ዝግመት ኣይከውንን።

ብፍላይ ድማ በሰንኪ እቲ ኹናት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ካብ መረበቶም ተፈናቂሎም ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ኸተማታት እታ ክልል ዝርከቡ ተመዛበልቲ ኣብ ዝተሓላለኸ ፀገማት ኮይኖም፤ ምንባር እንተኾይኑስ ኣብ ዘስካሕክሕ ናብራ ኾይኖም ይነብሩ ከምዘለው ዝፍለጥ ‘ዩ።

ድሕሪ ዝተኻየደ ከቢድ ኣዕናዋይ ኹናት ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዝተረበኸ ኣንፃራዊ ሰላም ድምፂ ጠያይትን ቁንብላታትን ደው ካብ ምባል ብተወሳኺ ቀሊል ዘይብሃል ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ረብሓ ዘርከበ ኩነታት እንተተፈጠረ ‘ውን ሙሉእ ድልየትን ባህግን ህዝቢ ብዘማልእ ብርኪ ሰላም፣ ፀጥታን ድሕንነት መሊኡ ተረኹቡ ኢልካ ከይትዛረብ ዝግብሩ በቢመዓልቱ ዝስሙዑ መሰከፍቲ ነገራት ካብ ምስማዕ ደው ኣይበልናን።

እቲ ህዝቢ ብኹናት ካብ ዝበፅሖ ፀገማት ብስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብዝተረኽበ ኣንፃራዊ ሰላም መሊኡ እፎይ ከይበለ ብብዙሓት መሰከፍቲ ነገራት፤ ንኣብነት በብዓይነቱ ስርቅን ጉሕለትን ምትላልን ካብ ዓበይቲ ዝተፈላለዩ ሰብ ስልጣናት ዝብሃሉ ጀሚሩ ክሳብ ተራ ናይ መንደር ሰራቂ ካብ ናይ ጥሙያት ሓገዝ እኽሊ መድሃኒትን ከምኡ ‘ውን ዝተፈላለዩ መዓድናትን ሓፂን መፂንን ኢሉ ድማ መሰረተ ልምዓታት እታ ክልል ይጎሓሉ ከምዘለው ብተደጋጋሚ ካብ ዝስሙዑ ፀገማት ‘ዮም።

እዚ ከይኣክል ድማ እቲ ህዝቢ ብመንፅር ዘሎ ሰላምን በመንፅር ድልየትን ባህግን ክረኽቦ ዝግባእ ኣብ ሰላም፣ ፀጥታን ድሕነትን ከምኡውን ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ረብሓታት እኹል ኣይኮነን ኢሉ ካብዚ ንላዕሊ ኣብ ዝሕተተሉ እዋን፤ “ንኢስኒ ‘ያ እንትበልኩስ ተቆርመመኒ” ከም ዝብሃል ኣብ ልዕሊ ፀገም ካሊእ ተወሳኺ ፀገም ካብ ምስማዕ ደው ዝበለሉ ኩነታት ኣይርኣይን ዘሎ። እዞም ፀገማት ከይዶም ከይዶም ድማ ኣብቲ ካብ ቀደሙ እንተኾነ ‘ውን ሰፊሕ ሕፅረት ዝረኣየሉ ኣብ ዝተፈላልዩ መሰረተ ልምዓታትን ‘ውን ከይተረፈ ተወሳኺ ከቢድ ፀገም እናበፀሐ ይርከብ ኣሎ።

“ኣብ ርእሲ ድኽነተን ምራኽ ሞተን” ከምዝብሃል ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ሰፊሕ ሕፅረት መሰረተ ልምዓታት ነተን ዘለዋ ውሑዳት ከም ማይ፣ መብራህትን ካልኦት መሰረተ ልማትን ስርቅን ጉሕለትን የጋጥመን ከምዘሎ እንትትሰምዕ ኣርሒቅካ ዝትሪኦም ተስፋታትካ ‘ውን ዝፈታተኑ ‘ዮም ዝኾኑ።

ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ኣድላይ ዘይኮነ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሑቱኽቱኽን ዕንክሊልን ተወሲኽዎ፤ ብፍልይ ፈታዊ ዓዱ ዝኾነ መንእሰይ፣ ሙሁር፣ ዝተፈላለየ በዓልሞያን ኣብ ሃገሩ ተስፋ ቆሪፁ ከይሓሰቦ ናብ ስደት ሃፅ ኢሉ ንክብተን ዝደፋፍኡ ተርእዮታት ‘ዮም ዘለው ምባል ይክኣል።

ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ዝስማዕ ዘሎ ስርቂ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ማይ ብዝምልከት ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ህፁፅ እዋናዊ መልእኽቲ ኢሉ ናብ ኹለን ከተማታት፣ ወረዳታትን ጣብያታት ትግራይ ዘሕለፎ መልእኽቲ ብምርኣይ እቲ ፀገም ክንዲ ምንታይ ዝተሓሳስብን ቁልጡፍ ፍታሕ ዝጠልብን ከምዝኾነ ኢኻ ትዕዘብ።

መልእኽቲ እቲ ቢሮ ከምዘመላኽቶ ፤ብመንግስትን ብዝተፈላለዩ ገበርቲ-ሰናይን ሓገዝ ወሃብቲ ኣካላትን ተሃኒፆም ንሕብረተሰብ ግልጋሎት እናሃቡ ዝነበሩ ትካላት መስተ ማይ በቲ ዝተፈጠረ ኵናት ብዝበፅሖም ዕንወት ብርክት ዝበሉ ናይ መስኖን መስተ ማይ ትካላትን ውፅኢት ኢነርጂን ብምዕናውን ብምዝራፍን ብቐሊሉ ዘይሓዊ ፀገማት ኣብ ኩሉ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ ሕፅረት ቐረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ከምዘጋጠመ ‘ዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስራሕ ምስጀመረ ቢሮ ማይን ኢነርጂን ምስ ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባርን ሕብረተሰብ ብምስታፍን በቲ ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝረኸበ ውስን በጀት ብምጥቃምን ብምዉዳድ ብውስን ሃፍቲ ኣብ ገጠርን ከተማን ብርክት ዝበላ ማይ ትካላት ፅገና ብምክያድ ናብ ግልጋሎት ክኣትዋ ፃዕሪ ከምዝገብረ ብምምልካት፤ ድሕሪ ኩናት ፅገና ዝተገበረለን ተሓቆንቲ ትካላት መስተ ማይ ኣብ መላእ ትግራይ ብዝተዋደደ ኣገባብ ኮነ ተባሂሉ ብጉግይ ኣተሓሳስባ ይጎሓላን ይስረቃን ከምዘለዋ ህዝቢ ንዓፀቦን ንማይ ፃምእን ከምኡ ‘ውን ንማይ ወለድ ሕማማትን እናተቃልዐ ከም ዝርከብ ገሊፁ ‘ዩ::

ብዋናነት እዚ ሕማቅ ተግባር ካብ ዝተረኣየለን ከባቢታት ብመሰረት ናብ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ዝበፅሐ ሪፖርት እንትኾይኑ መጀመርያ እቲ ስርቂ ካብ ተምቤን ትሕት ኢልካ ዘሎ ከባቢ ጣንቋ ምላሽ ዝብሃል ‘ዩ ዘጀመረ ከምዝኾነን። ካብኡ ድማ ኣብ ኣምባስነይቲ፣ ማይ ቅነጣል፣ እንዳባ ፃሕማን ከባቢ ዓዴትን ኣብዝሓን ኣብ ከባቢ ማእኸላይ ዞባ ዝርከባ ከባቢታትን፤ ከምኡ ‘ውን ንእሽተይ ናብ ከባቢ ሓውዜን ‘ውን ክርኣይ ጀሚሩ ነይሩ ‘ዩ:: ይኹን ‘ምበር ኣካልት ፀጥታ እቲ ከባቢን ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ብቅልጡፍ ክቆፃፀርዎ ክኢሎም ‘ዮም።

ስለዝኾነ ካብ ዞባ ክሳብ ጣቢያ በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓን ኣካላት ፀጥታን ብምዉዳድ ህዝቢ ኣተሓባቢርካ እቲ ዝግበር ዘሎ መዕነዋይ ተግባር ሕብረተሰብና ኣብ ልዕሊ ፀገሙ ተወሳኺ ፀገም ንምፍጣር ዝዓለመ ተግባር ስለዝኾነ ብዘይወዓል ሕደር ዝኾነ ዓይነት ኣብ ግልጋሎት ዝወዓላ መሳርሒ ተሓቆንቲ ትካላት መስተ ማይ ካብን ናብን ንከይጓዓዓዝ ፣ ኣብ ሕድ ሕድ ኬላ ክትትልን ተፍትሽን ክግበር ፣ ዝኾነ ኣካል ክሸጥን ክዕድግን ዝተረኸበ ብሕጊ ተሓታቲ ከምዝኸውን፣ ሕብረተሰብን በቢከባቢኡ ዘሎ ምምሕዳርን ብዝተወደበ ኣገባብ ትካላት መስተ ማይ ግቡእ ሓለዋን ክንክንን ክግበረለን ሕብረተሰብ ድማ እተን ዝጥቀመለን ትካላት መስተ ማይ ንብረቱ ምዃኑ ተረዲኡ ጉሒላታት ከቃልዕን ሓለዋን ክንክንን ክገብር ኣተሓሳሲቡ ‘ዩ::

በሓፈሻ ማይ ንደቂ ሰባት ሓዊስካ ንመላእ ሂወታውያን ናይ ህላወ መሰረት ብምዃኑ፤ ኣብ ማይ ዘለና ግንዛበ ክዓብን ግቡእ ክንክንን ሓለዋን ክገበሮን ስለ ዝገባእ ኣብዚ መንግስታውን ዘይመንግሰታውን ትካላት ሚድያን ካልኦት መዳረግቲ ኣካላትን ንጉዳይ ማይ ልዑል ቆላሐታ ብመሃብ ክሰርሑ ይግባእ።

ኣበዚ ትኹረት ገይሮም ዝሰርሑ ምሰጋናን ኣድናቆትን ከምዘድልዮም ኩሉ ድማ ኣብ ማይ ጉዳይ ስርቂ ሓዊሱ ሕማቅ ዝሰርሑ ትካላት ይኹኑ ሰባት ኣብዚ መነወሪ ተግባር ምስታፍ ካብ ኩሉ ሕመቅ ዝለዓለ ሕመቅ ምዃኑ ክርድኦምን ካብ ሕማቅ ተግባሮም ድማ ክእርነቡን ይግባእ። ነዚ ተግባር ደው ንምባል ድማ ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ኩሉ በሓደ ደው ብምባልን ብምትሕብባርን ክሰርሕ ይግባእ ይብል:: ወደሓንኩም።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 03 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You