ኣብ ምፅናዕ ሰላም ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዓብይ ግደ ኣለዎ

ሰላም ማለት ናይ ኩሉ ነገር ውሕስና ‘ዩ። ሰሪሕኻ ንምልዋጥ፣ ቤተሰብ ንምምራሕ፣ ወፂእኻ ንምእታው፣ ዘሪእኻ ንምፍራይ ኮታስ ብሓፈሻ ደቂ ሰባት ንምንባር ብዘይ ምንም ምቁርራፅ እንተንፍሶ ኣየር ከምዘድልየና ኹሉ ካብ ኣየር ብዘይንእኣስ ኣብ ሂወትና ዓብይ ዋጋ ኣለዎ እንተበልና ዝተጋነነ ኣይኮንን። ሰላም እንተዘይሃልዩ ፅባሕ የለን፡ ፡

ብዛዕባ መፃኢ ድልየትናን ባህግናን ምሕሳብ እንኽእል ኣብ ሰላም ውሽጢ እንትንኸውን ‘ዩ። ምዝራግ ሰላም እንትፍጠር ድማ ኣብ ደቂ ሰባት ካብ ዘስዕቦ ናይ ሂወትን ንብረትን ኪሳራታት ብተወሳኺ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘስዕቦ ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ኢኮኖምያዊ ፅዕንቶ ብቐሊል ፈሊኻ ኣይግለፅን።

ሰላም እታ ዋና መሰረት ናብራን፤ ሃገር ብኽልተ እግራ ጠጠው ኢላ ንኽትራመድ፤ መገዲ ዕብየት ቑጠባን ዝተረጋግዐ ፖለቲካ ንኽሰፍን ህዝብታት ተረጋጊዖም ንክነብሩ እቲ ዋና ጉዳይ ሰላም ‘ዩ። ሰላም ኣብ ሃገርና ጥራሕ ዘይኮነስ ብብርኪ ዓለም ‘ውን ክንደየናይ ኣድላይን ትኹረት ዝዋሃቦን ከምዝኾነ ኹላትና ንፈልጦ ኢና። ዋጋ ሰላም ንምፍላጥ ርሑቕ ምኻድ ኣየድልን ዝሓለፈ መከራታትን ምሕሳብ ጥራሕ እኹል ‘ዩ::

ብሰንኪ ስእነት ሰላምን ምርድዳእን ጉድኣት ማህበረሰብ የለን። ኮታስ ዘይትንከፍ ክፋል ማሕበረሰብ ኣይህልውን፤ ስእነት ሰላም ሃፍታም ይኹን ድኻ፤ ዓብዪ ይኹን ንእሽተይ፤ በዓል ስልጣን ይኹን ተመራሒ፤ ገባር ይኹን ነባሪ ከተማ ንኹሉ ብማዕረ ካብ ዘይምርግጋዕ ጀሚሩ ስእነት ህይወትን ዕንወት ናውትን ከተማታትን ከምኡ ‘ውን ብጠቕላላ ሃገር ኣብ ቅልውላው ዘእቱ ኣዝዩ ዓብዪን ትኹረት ክወሃቦ ዝግባእ ጉዳይን ‘ዩ::

እዚ ሰላም ናይ ሓደ ወገን ጥራሕ ኣይኮነን፤ ሰላም እንትሳኣን ንኹላትና ከምዝጎድእ ሰላም እንትሰፍን ድማ ረብሕኡ ንኹላትና ‘ዩ። እቲ ዝሓለፈ ዘየድልን ኹነታት ብሰላምን ብራህዋን ንምትካእ፤ እሞ ድማ ኹሉ ዜጋ ተረጋጊዑ ኽነብር እንተኾይኑ ናይ ኹላትና ሓላፍነት ‘ዩ። ኣብ ኩነታት ምርግጋዕ ካብ ኸባቢና ስለዝጅምር።

መንግስቲ ድማ ኣብ ሰላም ምፅናዕ ናይ ባዕሉ ስራሕቲ ምስራሕ ትፅቢት ይግበረሉ። ኣብ ላዕሊ ኾይኖም ዝመርሑ ኣካላት ድማ እቲ ዝምርሕዎ ህዝቢ መገዲ ሰላም ከርእይዎን ግድን ‘ዩ:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ዳርጋ ኣብ ኹሉ ኹርናዕ ሃገርና ድሌትን ስሕበትን ሰላም ብሃቀውታ ዝድለይ ጉዳይ እንተኾነ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ሰሜን ብሰንኪ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርግጋዕ ናይ ባዕሉ ዝኾነ በሰላ ኣቕሚጡ ሓሊፉ ‘ዩ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ንምፅናዕ ናይ ኹሉ ህዝቢ ትግራይ ባህጊ ‘ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ንጉዳይ ሰላም ቀዳምነት ዝህብ መንግስቲ ከምዝኾነ እናገለፀ ‘ዩ። እዚ ድማ መንግስቲ ጥራሕ ትኹረት ስለዝገበረሉ ጉዳይ ፀገማት ኹሎም ክፍትሑ ‘ዮም ማለት ኣይኮነን። ካብ ማሕበረሰብ ‘ውን ሓገዝ ክህሉ ግድን ‘ዩ።

እዚ ኣተሓሳስባ ብትኽክል ናብ ባይታ ወሪዱ ብህፁፅ ተግባራዊ ዝኾነሉ ኹነታት እንድሕር ተፈጢሩ ጉዳይ ሰላም ዘተሓሳስብ ኣይኸውንን። ምኽንያቱ ከምቲ ዝፍለጥ ህዝቢ ስእነት ሰላም ኹነታት ቑጠባን ማሕበራዊ ቕልውላውን ዘምፀኦ ፅልዋ ስለዝፈልጥ ቐዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ጉዳይ ክኸውን ድልየቱ ‘ዩ።

ሃገርና ካብቲ ዝነበረቶ ደረጃ ኣብ ክንዲ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ምስግጋር ብሰንኪ ዘይምርግጋዕን ስእነት ሰላምን ግዳያት ድኽነትን ጉስቑልናን ክንኸውን ከለና ብጣዕሚ ዘሐዝን ‘ዩ። ኣብዚ ብሰንኪ ፈተውቲ ስልጣን፣ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ክሕሉዎ ዘለዎ ብቐዳምነት ህዝቢ ‘ዩ። ምኽንያቱ ብሰንኪ እዞም ፀላእቲ እዚኦም ሰላም ተዘይሃልዩ ህዝቢ ብቐንዱ ተጎዳኢ ‘ዩ። እዚ ድማ ንዝሓለፉ ዓመታት ዓብይ ትምህርቲ ዝሃበና ከምዝኾነ ንፈልጥ ኢና።

ስለዚ ኩሉ ዜጋ ብንቕሓት ሰላሙ ክሕሉ ይግባእ። ፀገማት ብመሰረት ሃገራዊ ባህልናን ተሞክሮናን ክንፈትሖም እናኸኣልና ፍፁም ናብ ጎንፂ ክነምርሕ የብልናን። ነዚ ካብ ወለድና ዝወረስናዮም ክብርታት ኣብ ተግባር ክነውዕምን ክንኽተሎምን ኣለና። ብኸምዚ ኣገባብ ሰላምና ናይ ምሕላው ልምዲ ክነዕብይ ይግበአና። ሓድነትን ምትሕግጋዝን ልምድና ብምግባር ንኽብሪ ሃገር ብሓባር ጠጠው ክንብል ይግባእ።

ወለድና ዘረክቡና ሃገር ንመፃኢ ወለዶ ብምንታይ መገዲ ክነረክቦም ከምዝግባእ ቀዲምና ክንሓስብ ይግባእ። ብፍላይ ድማ ኣብ ፍቕርን ሓድነትን ክንሰርሕ ትፅቢት ይግበረልና። ኣብ ሃገርና ዘሎ ድኽነት ንምቕናስ መሰረተ ልምዓት ምስፍሕፋሕ፣ ሰላምን ድሕንነትን ሃገርና ካብ ናይ ደገ ፀላእቲ ብምሕላው ንሃገርና ብሓደ ጠጠው እንድሕር ኢልና ናብ ምዕባለ እንጓዓዘሉ መገዲ ከም ምፅራይ ‘ዩ ።

ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ኸዚ ሰላሙ ክረበሽ ክፈቕድ የብሉን፤ ሰላም እንትርበሽ ናይ መጀመርያ ተጎዳኢ ህዝቢ ‘ምበር ፖለቲካዊ ውድባት ኣይኮኑን። ዝዓነወ ንብረት ዝትክእ ዘሎ ህዝቢ ‘ዩ። ኹናት ንህዝቢ ዘገልግሉ ትካላት ‘ዩ ዘዐኑ ንዕኡ ንምትካእ ድማ ህዝቢ ይፅዕር። ዘይሩ ዘይሩ ካብ ርእሲ ህዝቢ ኣይወርድን። ነዚ ‘ውን ‘ዩ ኣብ ምፅናዕ ሰላም ህዝቢ ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ዝዝረብ።

ብፍላይ ድማ መራሕቲ ትግራይ ናብ ዝነበረቶ ኩነታት ንምምላስ ኣብ ዳግመ ህንፀት ኩሉ ዝረባረበሉ እዋን ምዃኑ ተረዲኦም ካብ ባዕሎም ጀሚሩ ንቁሕ ተሳትፎ ክገብሩ ይግባእ። ህዝቢ ናብ ዝሓሸ ናብራ ንክምለስ ክረባረቡ ኣለዎም። ዓለምለኸ ትካላት’ውን ኣብ ዳግመ ህንፀት ግዴኦም ዓብይ ‘ዩ። ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዋና ተዋሳኢ ህዝቢ ትግራይ እንተኾነ ግን ሓገዝ ድማ ግድን ‘ዩ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You