ውፅኢት ሓድነት- ህንፀት ግድብ ኣባይ

መበል 13 ዓመት ህንፀት እቲ ግድብ ብቕድሚ ትማሊ ብድምቀት ተኸቢሩ ኣሎ። እዚ ግድብ እዚ ቅድሚ 13 ዓመት ብ24 መጋቢት 2003 ዓ.ም ዝተጀመረ ‘ዩ። ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ዝነበሩ ኣይተ መለስ ዜናዊ ኣብ ሩባ ኣባይ ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ኣብ ዓለም ‘ውን ብዕቤት ዝወዳደር ግድብ ንምህናፅ እምነ ሰረት ብዕሊ ምቕማጦም ዝዝከር ‘ዩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ግድብ ብዙሕ ውፃእ ውረድ ብምሕላፍ ኣብቲ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ደረጃ ክበፅሕ ክኢሉ ‘ዩ። ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ፀቕጢ ቴክኒካዊ ፀገማት እናሰገረ መፂኡ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ስራሕቲ ኤሌክትሮ- መካኒካል ብዝተፈጠረ ምድንጓይ ኣብቲ ዝተቐመጠሉ መደብ ክዛዘም ኣይከኣለን።

ኮይኑ ግና ኣብ 2010 ዓ.ም ለውጢ ምስ መፀ ጀሚሩ ኣብቲ ህንፀት ፕሮጀክት ዝተስተውዐሉ ጉድለታት ተኣሪሞም ሕዚ ኣገደስቲ ስራሕቲ ተሰሪሖም ብወሳናይ መልክዑ ኤሌክትሪክ ናብ ምፍልፋል ብርኪ በፂሑ ይርከብ። ኣብዚ ብርኪ ክበፅሕ ዝኸኣለ ድማ ጠንካራ ሓድነት ህዝቢ ብምህላዉ ‘ዩ።

ብምዃኑ ጠቕላላ ስራሕቲ እቲ ግድብ ናብ 95 ሚኢታዊ በፂሑ ይርከብ። ህዝቢ ክምነዮ ዝፀንሐ ፍረ ንምርካብ ጀሚሩ ይርከብ። ሕዚ ክልተ ተርባይናት ግልጋሎት እናሃቡ ዝርከቡ ኮይኖም ኣብ ቐፃሊ ቐረባ እዋናት 5 ተርባይናት ስራሕ ክጅምሩ ከምዝኾኑ ‘ውን መንግስቲ ገሊፁ ‘ዩ። መንግስቲ ኣብ ዝቕፅሉ 7 ዓዋርሕ እቲ ህንፀት ንምዝዛም ለይትን ቀትርን እናተሰርሐ ይርከብ። ብናይ ምትሕብባር ህዝቢ እዚ ግድብ ብገንዘብን ብዓይነትን ብዙሕ ሓገዝ እናተገበረሉ ይርከብ።

ኣብ በጀት ዓመት 2016 ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ኣዋርሕ ንህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣስታት 932 ሚልዮን ብር ምእካቡ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ኣፍሊጡ ‘ዩ። ንህንፀት እቲ ግድብ እምነ ኩርናዕ ካብ ዝተነብረሉ ኣትሒዙ ብህዝቢ ብድምር ልዕሊ 19 ቢልዮን ብር ተኣኪቡ ‘ዩ።

ሕዚ ‘ውን እዚ ግድብ እዚ መሊኡ ክሳብ ዝዛዘም ህዝቢ ሓገዙ እናጣናኸረ ‘ዩ ዘሎ። ኣብዚ በጀት ዓመት ንህንፀት እቲ ግድብ ልዕሊ 2 ቢልዮን ብር ንምእካብ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ‘ውን ዳይሬክተር ርክብ ህዝብን መንግስትን ርክብ ኮሙኒኬሽን ሚድያን ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሃይሉ ኣብርሃም ገሊፆም ‘ዮም።

መበል 13 ዓመት ምቕማጥ እምነ ኩርናዕ እቲ ግድብ ‹‹ብሕብረት ከንገብሮ ክኢልና›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ መደባት እናተኸበረ መፂኡ ‘ዩ። ንሕና ኢትዮጵያውያን ህንፀት እቲ ግድብ ክሳብ ዝዛዘም ደገፍና ንደሓር ክብል የብሉን። ብሕብረት እንተሰሪሕና ድኽነት ነበረያነበረ ከንገብሮ ንኽእል ኢና።

ህዝቢ ብሕብረት እንተተላዒሉ ብዙሕ ታሪኽ ክሰርሕ ይኽእል ‘ዩ። ታሪኽ ብተናፀል ንምስራሕ ክኸብድ ስለ ዝኽእል ኩሉ ግዜ ኣብ ሓድነትን ምትሕግጋዝን ክነድህብ ኣለና። እንተሓቢርና ዘይንሰርሖ ነገር ኣይህሉን። ነዚ ድማ ግድብ ኣባይ ሓደ ዓብዪ ምስክር ‘ዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ንልምዓትን ለውጥን ዘለዎ ድሌትን ተሳትፎን ልዑል ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ኣብ ፖለቲካ ብዝፍጠሩ ስሕተታት ሓድነትና ከይሽርሽሩ ጥንቓቐ ከንገብር ኣለና። ብፖለቲካ ከይተገደብና እዚ ግድብ እዚ መሊኡ ክሳብ ዝዛዘም ተሳትፎና ከም ናይ ትማሊና ክነኽይል ይግባእ። ህዝቢ ክሳብ ሕዚ እናገበሮ ብዝመፀ ብርቱዕ ተሳትፎ ‘ዩ 95 ሚኢታዊ ተሰሪሑ ዘሎ። ስለዚ ሳላ ሕብረት እዚ ግድብ እዚ ኣብ ዘሕብን ብርኪ በፂሑ ኣሎ።

ከም ቦንዲ ብምግዛእ ካልኦት ኣብ ዝግበር ዘሎ ምውፃእ ኣዝዩ ዝነኣድ ‘ዩ። ህዝቢ ከምቲ መጀመርታ ነዚ ግድብ እዚ ንምውዳእ ቓል ዝኣተዎ ብኹሉ ዓይነት እናተረባረበ ‘ዩ ዝርከብ። ከምኡ ‘ውን ኩሉ ህዝቢ በቢሞይኡ ዝተፈላለዩ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ‘ዩ። እዚ ግድብ እዚ ብምትሕብባር ህዝብን መንግስትን ኣብዚ ብርኪ እዚ ምብፅሑ ሓድነት ክንደየናይ ሓይሊ ምዃኑ ዘርኢ ‘ዩ።

ቐዳሞት ኣቦታት ብሕብረት ኣብ ዓድዋ ታሪኽ ሰሪሖም ሓሊፎም ‘ዮም። እቲ ናይ ሕዚ ወለዶ ‘ውን ኣብዚ ግድብ እዚ ዝሰርሖ ዘሎ ታሪኽ ልዑከል ‘ዩ ናይዚ ዋና ምሽጢር ድማ ሓድነት ‘ዩ። እዚ ካልኣይ ዓወት ኩናት ዓድዋ ናይዚ ሓዱሽ ወለዶ ድማ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ግድብ እዚ ብዙሕ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ጥቅሚ ዘለዎ ስለዝኾነ ሕዚ ‘ውን ሓድነትና ብምጥንኻር ክሳብ መወዳእታ ከንቕፅለሉ ኣለና።

ሓድነት ተዘይህሉ ነይሩ እንኳን ነዚ ታሪኻዊ ዝኾነ ግድብ ከንሰርሕ ንምሕሳብ ‘ውን ኣይምተኻእለን። ብሕብረት እንተተሰሪሑ ዝተደለየ ውፅኢት ወይ ዕቤት ንምምፃእ ዝኸብድ ኣይኮነን። ሓድነትና ኣስጢምና ብሕብረት እንተሰሪሕና ዘዕግብ ውፅኢት ክነመዝግብ ንኽእል ኢና። ካብ ድሕረትን ድኽነትን ከንወፅእ ንኽእል በዚ መንገዲ ‘ዩ። ሳላ ብሕብረት እናሰራሕና ዝመፃእና ክሳብ ሕዚ ዘሎ ውፅኢት ‘ውን ብዓይንና እናረኣና ኢና።

ህዝቢ ብናይ በዓሉ ዓቕሚ ብዘይ ምንም ልቃሕ ኣብዚ ብርኪ እዚ ከብፀሖ ክኢሉ ‘ዩ። ህዝቢ ብኹሉ መዳይ ብዙሕ ፃዕሪ እናገበረ ‘ዩ። ብዘይተሳትፎ ህዝቢ እዚ ግድብ እዚ ኣብዚ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ክበፅሕ ኣይምኸኣለን ነይሩ። ሕዚ ድማ እቲ ዝቀረየ ሙሉእ ብሙሉእ ክዛዘም ህዝቢን መንግስቲን ከም ናይ ትማሊኡ ብኹሉ መዳይ ምትሕብባሩ ኣጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።

ብሓፈሻ ንሕና ኢትዮጵያውያን እንተሓቢርና፣ ብዙሕ ታሪኽ ንምስራሕ ኣይንፅገምን። ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሓደ ልቢ ኮይና ስለተሳትፍና ነዚ ዓብይን ታሪኻውን ግድብ እዚ ክንሃንፅ ክኢልና ኢና። ሓድነትን ሕብረትን እንተሃልዩ ካብዚ ንለዓሊ ‘ውን ክስራሕ ከምዝከኣል እዚ ግድብ እዚ ይኹን ዓወት ኩናት ዓድዋ ዓበይቲ ምስክራት ‘ዮም። ሓድነት እንተሃልዩ ድኽነት ልዕሊ ዓቅምና ክኸውን ኣይኽእልን። ስለዚ ሕብረትን ሓድነትን ብምምዕባል ንሃገር ዝጠቕሙ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ቖላሕታ ከንገብር ይግባእ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 26 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You