‹‹ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቱ ዘመሓላለፎ ውሳነ እናተካየደ ኣብ ዘሎ ከይዲ ምፅራይ ኢድ ምእታው ኢዩ›› ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

 ኣዲስ ኣበባ(ኤፍቢሲ)፡-ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቱ ዘመሓላለፎ ውሳነ እናተካየደ ኣብ ዘሎ ከይዲ ምፅራይ ኢድ ምእታዊ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።ኣብ ትግራይ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቱ ዘመሓላለፎ ውሳነ ከምዘሕዘኖ ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምፅራይ ካብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ምስ ዝተውፃእፅኡ ኣካላት ብምትሕብባር መርማሪ ጉጅለ ንምውፋር መንግስቲ ምስምዕምዑ ተመልኪቱ።

እቲ ሓበራዊ ጉጅለ ኣብዚ ዓመት ወርሒ ጉንበት ምርመራ ዝጀመረ እንትኸውን፣ ነሓሰ 2021 ስርሑ ክዛዝም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን’ውን ወታደራዊ ስርዓት ፍትሒ፣ ሰብ መዚ መኽበርቲ ሕጊ፣ መርመርቲን ዓቀብቲ ሕጊን ፌዴራል ብምውድዳር ምርመርኡ ብስፍሓት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ኣገንዚቡ።

ሕብረት ኣውሮፓ እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ውሳነ ሓሳብ ዝምልከት ዘቕረቦ ቅሬታ ኣብ ውሽጢ ግምት ከምዘየእተወ ገሊፁ።

እቲ ውሳነ ኣዚዩ ዝቀልጠፈነን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዝተዋደደ ምርመራ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኢድ ምእታው ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ።

መንግስቲ እቲ ጉዳይ ንኽፃረ ኣድላዪ ምትሕብባር እገበረ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ውሳነ ምምሕልላፉ ግቡእ ከምዘይኮነ’ውን ገሊፁ።

እዚ ኹሉ ፃዕሪ እናተገበረ ኣብ ዝርከበሉ ውሳነ ምምሕልላፉ ሞራላዊ ይኹን ሕጋዊ መሰረት ከምዘይብሉ ብምግላፅ፤ ‹‹እቲ ውሳነ ፖለቲካዊ ድሌት ከምዘለዎ ዘንፀባርቕ ኢዩ›› ኢሉ።

ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013

Recommended For You