6ይ ሃገራዊ መረፃ ኣብ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ጥንኩር መሰረት ዘንበረ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ(ኤፍ ቢ ሲ)፡-6ይ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ተዓዋትነት ኢትዮጵያ ዘረጋገፀ ኣብ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ጥንኩር መሰረት ዘንበረ ከምዝኾነ ፓርቲ ብልፅግና ገሊፁ።

ፓርቲ ብልፅግና 3 ሓምለ 2013 ዓ.ም ዝተገለፀ ቐዳማይ ብርኪ ውፅኢት መረፃ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፣14 ሰነ 2013 ዓ.ም ዝተኻየደ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ናይ ብሓቂ’ውን ኢትዮጵያ ዝሰዓረትሉን ኣብ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ጥንኩር መሰረት ዘንበረ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ኢትዮጵያውያን ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳዮም ባዕሎም ክፈትሑ ዝኽእሉን ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን መረፃ ብምግባር ዝሰልጠነ ፖለቲካዊ ባህሊን ጥንኩር ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ምህናፅ ከምዝጀመሩ ዘርኣየ መረፃ ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቲ ፓርቲ ኣብ መግለፂኡ፥ “ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያ ዝተዓወተትሉ መረፃ ብምክያዱ እንኳዕ ደስበለኩም” ክብል ሓቢሩ።

እቲ መረፃ ብሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ኮይኑ ንኽዛዘም ብዙሓት መዳርግቲ ኣካላት ዘይትካእ ርኡይ ግደ ከምዝተፃወቱ ዝገለፀ ፓርቲ ብልፅግና ፤ ኣብቲ ከይዲ ተሳትፎ ንዝነበሮም ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቡ።

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ መግለፂኡ፥ ህዝቢ ዝሃቦ ሓላፍነትን ሓደራን ካብ ኩልና ብኹልና ንኹልና ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣሳታፊ ብዝኾነ መልክዑ ብብቕዓት እናተዋፅአ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ብትግሃት ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፁ።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ውፅኢት መረፃ ኣመልኪቶም ኣብ ዘሕለፍዎ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ፣

ህዝቢ ዴሞክራሲያዊ ብዝኾነ መገዲ ብናፃ ፍቓዱ ዝመረፆ መንግስቲ ንክህልዎ ብዙሕ ፈተነታት እኳ እንተገበረ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ክሰናኸል ፀኒሑ ኢዩ ኢሎም። ኣብ ከይዲ ድማ ብዙሓት ተምሃሮ፣ ሓረስስቶት፣ ምሁራን፣ እዝቢ ልዑል ዋጋ ከፊሉ ኢዩ ኢሎም።

ሎሚ ዘበን ዝተኻየደ መረፃ ኢትዮጵያውያን ኣርሒቖም ዝእምቱ ከምዝኾን ዝተረጋገፀሉን ህዝቢ ዝደሊዮ ዝገብር ከምዝኾነ ብተግባር ዝተረጋገፀሉን ኢዩ ክብሉ ሓቢሮም።ስለ ዝኾነ ኣብዚ መረፃ ሰዓሪ ዝኾነ ህዝቢ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ቐፃሊ ኣዋርሕ ብልፅግና ኣብ ዘጣይሾ መንግስቲ ውሽጢ ኣብ ኣፈፃሚ ኣካል ይኹን ኣብያተ ፍርዲ፣ ኣብ ካልኦት ትካላት ፌዴራልን ክልልን ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎም ንተነሓናሕቲ ፓርቲታት ከምዝካተቱ ኣመልኪቶም።

ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013

Recommended For You