‹‹ኢትዮጵያ ካብ ኢኮኖሚያዊ ፅግዕተኝነት ተናጊፋ መርኣያ ነፃነት፣ ሓድነትን ብልፅግናን ኣፍሪካ ክንገብራ ኢና›› – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፡- ኢትዮጵያ ካብ ኢኮኖሚያዊ ፅግዕተኝነት ተናጊፋ መርኣያ ነፃነት፣ ሓድነትን ብልፅግናን ኣፍሪካ ክንገብራ ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። ናይ ለውጢ መንግስቲ ዝድግፍ ህዝባዊ መድረኽ ኣብ ከተማ ወልቂጤ ተኻይዱ ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ጉራጌ ጎጎት ብዝተብሃለ ቃል ኪዳኑ ብዛዕባ ሓድነትን ሓበራዊነትን ዘምሃረን ብተግባር ዝነበረን ማሕበረሰብ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ንምክፍፋልን ጎንፂ ንምፍጣርን በቢእዋኑ ንዝፅዕሩ ፀላእቲ መላእ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ ሓድነት ብምርዳእ እዛ ድንቂ ሃገር ንመፃኢ ወለዶ ኣበልፂግካ ንምርካብ ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ጉራጌ ብዛዕባ ሰላም ዘምህርን ብሰላም ዝነብርን መርኣያ ህዝቢ ምዃኑ ብምግላፅ ብዛዕባ ሰላም ከይሓሰብናን ከይነበርናን ሰላም ምርካብ ኣይከኣልን ኢሎም። ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሰላም ብምድላይ፣ብሓባር ብምንባር ዝበልፀገትን ንኹሉ ትምችውን ኢትዮጵያ ንምርኣይ ንክሰርሕ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኢትዮጵያውያን ብዙሕ መግለፂ መንነት ከምዘለና ብምቕባል ኣፈላላይ ባህሊ፣ቋንቋን ከባብያዊ ኣቀማምጣን ኢትዮጵያ ዝብትን ክኸውን ከምዘይብሉ ‘ውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

ህዝቢ ጉራጌ ዋላ ‘ኳ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ መንነታት እንተሃለውዎ ብጉራጌነት ሓደ ኮይኑ ብምንባር መርኣያን ምልክትን ሓድነት ኢትዮጵያ ኮይኑ ከምዝነበረ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ዋላ ‘ኳ ብተደጋጋሚ ንነፃነታ ዝተቓለሰትን ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተገዝአትን እንተኾነት ካብ ኢኮኖሚያዊ ፅግዕተኝነት ብምንጋፍ ናፅነታ ሙሉእ ንምግባር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኽልተ ኣመላኻኽታ ኣሎ ኢትዮጵያ ትፈርስ ‘ያ ትበታትን ‘ያ ዝብሉን ንሕና ድማ ኢትዮጵያ ክትብልፅግ ‘ያ ናይ ኣፍሪካ ኣብነት ኢኮኖሚ ሓድነትን ክትኾን ‘ያ እናበልና ኢና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፤ እዚኦም ኽልተ ሓሳባት ብቀሊሉ ኣይተዓረቑን ንሕና ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብልፅግናን ሰላምን ሓድነትን ምፅዓርን ምቅላስን መሪፅና ኢና ኢሎም፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You