“ሰናይ ድልየትናን ባህግናን ክሰምር እንተኾይኑ፣ ንሰላም ዝተኸፍለ ረዚን መስዋእቲ ምስትምቓር ግድን ‘ዩ” -ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፡– ከም ህዝቢ ሰናይ ድልየትናን ባህግናን ክሰምር ንሰላም ዝተኸፍለ ረዚን መስዋእቲ ብዋጋ ዕዳጋ ዝግመት ከምዘይኮነ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ጌታቸዉ ረዳ ነዚ ምስትምቓር ግድን ‘ዩ ድሕሪ ምባል ከም ህዝቢ ዝኸፈልናዮ ክቡር መስዋእቲ ከዓ ዛጊድ ፍረታት ሰላም ክንቋደስ ከምዘኽኣለና ምርዳእ ኣድላዪ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም።

ነዚ ዝገለፁ ፕሬዝደንት ጌታቸው ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ሰናይ ትምኒቶም ኣብ ዝገለፁሉ ኮይኑ፤ ንሕና ተጋሩ ዋጋ ሰላም ክንፈልጥ፣ ሰላም ክንስእን ግድን ኣይኮነን። ኣብ መዋእልና ሰላም ስኢንና እንታይ እናኾንና ከምዝመፃእና ናይ ቀረባ ታሪክና ምስክር ‘ዩ ክብሉ ‘ውን ዋጋ ሰላም ክንድምንታይ ከምዘኾነ ኣረዲኦም።

ንህዝቢ ትግራይ ትርጉም ሰላም ከምህር ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን ዝበሉ ፕሬዝደንት ጌታቸው፤ ርሑቕ ከይከድና ናብ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ንምብፃሕ ዝተኸፍለ ዋጋ ምዝካር ጥራሕ እኹል ከምዘይኮነን፤ ብተወሳኺ ውሑስን ነባርን ሰላም ምርግጋፅን ብሓፈሻ ሓርነት፣ ፍትሕን ማዕርነትን ምንጋስን ንፅባሕ ዘይበሃል ዋኒን ከምዘይኮነ ኣብሪሆም።

ዉዕሊ ፕሪቶርያ ዘጨብጠና ረብሓ ሰላም መዳርግቲ ዘይብሉ ከም ዝኾነ ዝገለፁ እቶም ፕረዚደንት ሰላም ምስኣን ድማ ዘስዕቦ ኪሳራ ዙርያ መለሽ ምዃኑ ግልፂ ጌሮም። ንሰላም ዝኽፈል ዋጋ መብዛሕትኦም ንህልዉናና ዝፃብኡ ነገራት ስለ ዘትርፍ ብቕጥዑን ብሚዛኑን ዋጋ ሰላም ምፍላጥ፣ ምስልሳልን ምርዳእን ኣገዳሲ ‘ዩ ክብሉ ‘ውን ኣስሚሮምሉ ።

ካብ ዉግእ ዝኸስብ ወገን ከም ዘየለ ዝሓበሩ እቶም ፕረዚደንት ሰላም ሰፊኑ ፣ ፍትሕን ማዕርነትን እንትነግስ ጥራሕ ‘ውን ‘ዩ ምልኣተ- ህዝብናን መላእ ሃገርን ድሕንነቶምን ረብሓኦምን ተዓቂቡ ውሑስና ዝረጋገፅ ‘ውን ኢሎም ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 01 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You