ኣብ ልዕሊ ትካላት ማይ ዝግበር ጉሕለት ንምክልኻል ህዝብን መንግስትን ተዋዲዱ ክሰርሕ ፃውዒት ቀሪቡ -ኣብ ልዕሊ 1800 ትካላት ማይ ጉሕለት ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትካላት ማይ ዝግበር ጉሕለት ንምክልኻል ህዝብን መንግስትን ተዋዲዱ ትካላቱ ክሕሉን ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

እቲ ፃውዒት ዝቀረበ ማሕበር ረድኤት ትግራይ ምስ ነበርቲ ወረዳ ስሓርቲ ኣብ ማያዊ ትካላት ዝበፅሐ ሓደጋ ንምፍታሕ መድረኽ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘሳለጦ ‘ዩ፡፡ ነበርቲ ሰሓርቲ ጣብያ ማርያም ውቖን ብሰንኪ ኣብ ትካላት ማይ ዝበፀሐ ጉሕለት ንዝተፈላለዩ ናይ ጥዕናዊ ማሕበራዊን ቁጠባዊ ፀገማትን ከምዝተሳጥሑ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ኣረጋዉያን፣ ነብፍሰ ፁራትን ኣዴታትን እዚ ፀገም ዝተደራረበ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ከምዘብፀሓሎም ግዳይ እቲ ፀገም ዝኾነ ነበርቲ ገሊፆም። ብማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ዝተመረሐ ጉጅለን መዳርግቲ ኣብያተዕዮን ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ኣብ ትካላት ማይ ዘበፀሐ ስርቅን ዕንወትን ተዓዚቦም ።

ትግራይ ተሌብዥን ከምዝፀብፀቦ ምስ ነበርቲ ኣብ ዝተገበረ ዘተ መልእኽቲ ዘሕለፉ ምክትል ዳይሬክተር መስተማይ ማረት ኣይተ ረዳኢ ከበደ ህዝቢ ሓደጋ እቲ ጉሕለት ተረዲኡ ካብ ተወሳኺ ጥፋት ክከላኸል ይግባእ ኢሎም ።

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ርክብ ህዝቢ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ኣይተ ሃይለኪሮስ ከለል ብወገኖም ኣብትግራይ ዛጊድ ልዕሊ 1800 ትካላት ማይ ጉሕለት ከምዝተፈፀመን ምስ ኣካላት ፀጥታ ብምትሕብባር ሰረቕቲ ኣብቁፅፅር ንምውዓል ከምዝተጀመረን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ተዛሪቦም።

ከም ቢሮ ማይን ኢነርጅን ኣብ እግዚቢት ኣብትሕቲ ቁፅፅርሕጊ ኣብ ዛአተዉ ትካላት ማይ ዳግም ንምህናፅ ተሊሞም ይሰርሑ ምህላዎም ብምግላፅ፤ ኣብ ትካላት ማይ ዝበፅሕ ጉሕለት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሓ ሓደገኛ ተግባር ምዃኑ ተረዲኡ ካብ ተመሳሳሊ ሓደጋ ንምክልኻል ምስ ኣካላት ፀጥታ ክተሓባበር ከምዝግባእ ተገሊፁ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 01 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You