ዘይሕጋዊ ስደት ንምክልኻል ኹለመዳያዊ ግንዛበ መዕበዪ እናተሰርሐ ‘ዩ -49ሽሕ 491 ተመለስቲ ዕድል ስራሕ ተፈጢርሎም

ኣዲስ ኣበባ፡- ዘይሕጋዊ ፍልሰት ንምክልኻል ኹለመደያዊ ናይ ግንዛበ ምዕበዪ ስራሕቲ ኣጠናኺሩ እናሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳይ ማሕበራዊን ደቂ ኣንስትዮን ኣፍሊጡ፡፡ 49ሽሕ 491 ተመለስቲ ዕድል ስራሕ ተፈጢርሎም ‘ዩ፡፡

ኣብቲ ሚኒስትር ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ንምክልኻልን ዝተመለአ ሓገዝ ዜጋታት ድጋፍን ክትትልን መራሒ ስራሕ ኣፈፃሚ ኣይተ ደረጀ ተግይበሉ ንትፕኢ ከምዝለፅዎ፤ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሳባት ግደ ይህለዎም ‘ዩ ተባሂሎም ዝሕሰቡ ክፍልታት ሕብረተሰብ ስሩዕ ብዝኾነ መልክዑ መዕበዪ ግንዛበ እናተወሃበ ‘ዩ፡፡

ኣብቲ ግንዛበ ምዕበዩ ኣብ ሃገርና ኾነ ብብርኪ ዓለም ለኸ ምስ ፍልሰት ተተሓሒዙ ዘሎ ሓቂ እንታይ ይመስል? ስሩዕ ዘይኾነ ስደት እንታይ ዓይነት ጉድኣት የስዕብ ኣብ ዝብል ጉዳይ መናእሰይ ግንዛበ ንክህልዎም ተገይሩ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ኩነታት ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሰባት እንታይ ይመስል፣ ሰደተኛታት ኣብ ዝኸድሉ ሃገራት እንታይ ዓይነት ኩነታት ከምዝገጥሞምን ስደት ዘስዕቦ ኣካላውን ስነልቦናውን ጉድኣት ዘረድእ ግንዛበ ‘ውን ክወሃብ ‘ዩ፡፡

ዘይስሩዕ ፍልሰት መናእሰይ ጥራሕ እንተይኾነስ ዕድሚኦም 14-17 ዘለዉ ሰገናት ‘ውን ሓዊሱ ከምዝጓዓዙ ኣይተ ደረጀ ዘልዓሉ እንትኾን፤ እቲ ግንዛበ መውሃቢ ኹለመደያዊ ከምዝኾን ‘ውን ኣረዲኦም ፡፡ ንሶም ከምዝበልዎ፤ ፅቡቕ ነገር ‘ዩ ኢሎም ብምሕሳብ ቤተሰብ ንብረቱ ሸይጡ ሓደ ሓደ ‘ውን ተለቂሑ ደቁ ናብ ስደት ይልእኽ፡፡ ብኣቦታት ሃይማኖት ደቅኻ መሪቅኻ ንስደት ምፉናይ ዝተለመደ ‘ዩ፡፡

ስራሕ ግንዛበ መጨበጢ ኣብ ዝስርሑሉ እዋን እዚኦም ሓቅታት ዘማእኸለ ብዝኾነ መልክዑ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ተሳተፍቲ ንክኾኑ ክግብር ‘ዩ ብምባል፤ ብቤት ዕዮ ሚኒስቴር ካብ ዝስረሑ ስራሕቲ ብተወሳኺ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ክስራሕ ‘ዩ ኢሎም፡፡

ምስ ካልኦት ትካላት ብምትሕብባር ተመለስቲ በድልየቶም ስልጠና ንክረኽቡ ካብ ምግባር ጀሚሮም፤ ዕድል ስራሕን ምበገሲ ካፒታል ንክረኽቡ ናይ ምግባር ስራሕቲ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ደረጀ፤ በዚ ድማ ካብ ዝሓለፈ 2015 በጀት ዓመት ጀሚሩ ክሳብ 2016 በጀት ዓመት ፍርቂ ናብ ሃገሮም ካብ ዝተመለሱ 148 ሽሕ ነቶም 49ሽሕ491 ዝኾኑ ስራሕ ዕድል ተፈጢርሎም ‘ዩ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ካብ ካልኦት ትካላት ብምትሕብባር ኣብ ሃገር ውሽጢ ዘለዉ መማረፂ ዕድል ስራሕ ንክረኽቡ ሓገዝ ካብ ዝተገበረሎም ዜጋታት ብተወሳኺ ብባዕሎም መንገዲ ኣተዊ ምፍጣር ዝኻኣሉ ተመለስቲ ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 01 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You