መውፅኢ ፈተና ዩኒቨርስቲ ካብ 14 ክሳብ 21 ሰነ ክወሃብ ‘ዩ – 250 ሽሕ ዝኾኑ ተምሃሮ ክፍተኑ ‘ዮም

ኣዲስ ኣበባ:- መውፅኢ ፈተና ዩኒቨርስቲ ካብ 14 ክሳብ 21 ሰነ 2016 ዓ.ም ከምዝወሃብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ። እቲ ፈተና 250 ሽሕ ንዝኾኑ ተምሃሮ ንምሃብ ምድላው ከምዝተገብረ ‘ውን ገሊፁ።

መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ኣካዳሚክ ጉዳያት እቲ ሚኒስቴር ኤባ ሚጀና (ዶ/ር) ንትፕኢ ከምዝገለፅዎ፤ ናይ ዩኒቨርስቲ መውፅኢ ፈተና ተምሃሮ ትምህርቶም ዛዚሞም እንትወፁ ክህልዎም ዝግባእ ፍልጠት፣ ክእለትን ኣመለኻኽታን ንምልካዕ ዝወሃብ ‘ዩ። ዝወፁ ሕቶታት ‘ውን ምሩቓን ክፍልታት ትምህርቲ ንኽህልዎም ትፅቢት ዝግበር ፍልጠት፣ ክእለትን ኣመለኻኽታን መሰረት ገይሮም ዝዳለዉ ‘ዮም።

እቲ ሚኒስቴር ነቲ ፈተና ንምሃብ ኣድላዪ ምድላው ከምዝዛዘመን እቲ ፈተና ተዳሊዉ ንኽግምገም ከምዝተገበረን ተዛሪቦም። ዶክተር ኤባ ከምዝገለፅዎ፤ ተፈተንቲ ተምሃሮ መረዳእታ እናተኣኻኸቡ ይርከቡ። ብተወሳኺ ቕድሚ ሕዚ ብኤክስኤል ‘ዮም ይቕበሉ ነይሮም፤ ኣብዚ ሕዚ ግና ከጋጥሙ ዝኽእሉ ስሕተታት ንምእራም ንኽከኣል መረዳእታ ተፈተንቲ ኣብ ኦንላይን ንኽቕመጥ እናተሰርሐ ‘ዩ።

እቲ ፈተና ኣስታት 250 ሽሕ ንዝኾኑ ተምሃሮ ንምሃብ ምድላው እናተገበረ ምዃኑ ብምቓስ፤ ዝርዝር ካብ ውልቃዊ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፈተና ዝወስዱ ተምሃሮ ብበዓል መዚ ትምህርትን ስልጠናን ተረጋጊፁ ናብቲ ሚኒስቴር ከምዝለኣኽ ኣመላኺቶም።

ምዝገባ ብውልቀ ተመዝጊቦም ነቲ ፈተና ዳግማይ ዝወስዱ ተምሃሮ ‘ውን ብቐፃልነት ዝካየድ ብምዃኑ ኣብዚ ሕዚ ትኽክለኛ ቑፅሪ ንምቕማጥ ከምዘፀግም ተዛሪቦም። ዩኒቨርስትታት ተምሃሮ ንፈተና ድሉዋት ንክኾኑ ካብ ምግባር ጀሚሩ ኣድላዪ ስራሕቲ ቕድመ ምድላው ከምዝዛዘሙ ገሊፆም፤ ብምኽንያት ምቁርራፅ መብራህቲ ኣብቲ ፈተና ፀገም ንኸየጋጥም ብጄኔሬተር ንምሃብ ምድላው ከምዝገበሩ ‘ውን ገሊፆም።

ናብቲ ፈተና ሞባይል ሒዙ ዝመፅእን መለለዪ መንነት ከይሓዘ ዝመፅእን ተምሃራይ ፈተና ኽወስድ ከምዘይኽእል ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ 114 ዝኾኑ ተምሃሮ ሞባይል ሒዞም ብምእታዎም ውፅኢቶም ንኽስረዝ ተገይሩ ‘ዩ፤ ብምዃኑ ተምሃሮ ነዚ ፈሊጦም ግቡእ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግብኦም ተዛሪቦም።

ኣብ ዝቕፅሉ ግዜታት ነቲ ፈተና ብካሜራን ብናይ ኣፃብዕቲ ዓሸራን ተደጊፍካ ንምሃብ ትልሚ ከምዘሎ ‘ውን ወሲኾም ገሊፆም። ለካቲት ኣብ ዝተውሃበ ፈተና መምህራን ናይ ሓደ ዩኒቨርስቲ ናብ ኻልእ ዩኒቨርስቲ ኸይዶም ንኽምልከቱ ከምዝተገበረ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ቐፃሊ ኣብ ዝወሃብ ፈተና መምህራን ሓደ ትካል ናብ ኻልእ ትካል ኸይዶም ፈተና ንኽህቡ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ‘ውን ሓቢሮም።

ኣብቲ ፈላማይ መውፅኢ ፈተና ካብ ተፈተንቲ እቶም 40 ሚኢታዊ ነቲ ፈተና ከምዝሓለፉ ብምዝኽኻር፤ ተፈተንቲ ዝሓሸ ውፅኢት ንኸመዝግቡ ብዩኒቨርስትታት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ኣመላኺቶም። ኣብ ዝቕፅሉ ግዜታት ሕድሕድ ዩኒቨርስቲ ኽንደየናይ ዝኣክል ተምሃራይ ከምዘፈተነን ኽንደየናይ ዝኣክል ውፅኢት ከምዘመዝገበን ዘርእይ መረዳእታ ዕላዊ ከምዝግበር ‘ውን ወሲኾም ገሊፆም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 01 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You