ምህርቲ መዓድን ክልል ትግራይ ሕጋዊ መልክዕ ንክሕዝ ስርዓት እናተዘርገሐ ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ፡- ምህርቲ መዓድን ክልል ትግራይ ብሕጋዊ መንገዲ ንኽስራሕን ናብ ስርዓት ንምእታውን ፃዕሪ እናተገበረ ‘ዩ ክብል ቢሮ መሬትን መዓድንን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ቢሮ መሬትን መዓድንን ክልል ትግራይ ኣይተ ፍስሃ ግርማይ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከም ዝገለፅዎ፤ ኣብ ትግራይ ዝተፈላለየ ዓይነት መዓድን ኣሎ፤ ናይ ኮንስትራክሽን፣ ንመጋየፂ ዝውዕልን ፍሉያት ዝበሃሉ መዓድናትን ይርከቡ፡፡

ምስቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ኵናት ብዝተፈላለዩ ኣካላት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ተታሒዙ ዝፀንሐ ናይ መዓድን ቦታታት ምንባሩ ብምግላፅ፤ድሕሪ እቲ ኵናት ድማ ብሕጋዊ መገዲ ቦታታት ሒዞም ስራሕቲ ምፍራይ መዓድን እናሰርሑ ዝርከቡ ማሕበራት ምህላዎም ተዛሪቦም፡፡

ብኻልእ ወገን ድማ በቢኸባቢኡ ብጉልበትን ሕጋዊ ብምምሳልን ብዘይ ኣግባብ መዓድን ናይ ምጉሓል ኹነታት ከም ዘሎ ዝገለፁ እንትኾኑ፤ ነዚ ንምቁፅፃር ድማ ምስቲ ኣፍቲ ክልል ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ ብዝተወሰነ ብርኪ ኣፀጋሚ እንተኾነ ‘ኳ ምስ ህዝቢ ብምዝርራብ ናብ ስርዓት ንምእታው ዝተጀመረ ጅማሮ ምህላዉ ገሊፆም፡፡

ዘይሕጋውያን ምስ ዘይሕጋውያን ሰባት እናተራኸቡ መዓድን ብፍላይ ወርቂ ብኮንትሮባንድ ናይ ምሻጥ ተርእዮታት ከም ዘለዉ ብምግላፅ፤ ምስቲ ሐዚ ዘሎ ዘይምዕሩይ ኹነታት ብቕልጡፍ ንምልዋጥ ብዝተኽኣለ መጠን ምስ ህዝብን መናእሰይን እናተዘራረብናን እናተረዳዳእናን ናብ ሕጋውነት ዝኣትወሉ ኹነታት ፃዕሪ እናተገበረ ‘ዩ ኢሎም፡፡

እቶም ሓላፊ ከም ዝበልዎ፤እቶም ሕጋውያን ዝበሃሉ ድማ ቕድም ክብል መረዳእታ ወሲዶም፤ ብሕጋዊ መገዲ እቲ ቦታ ተዋሂብዎም ኣብ ምልማዕ ዝነበሩ ‘ዮም፡፡ እቲ ዝባኸነ ዓመታት ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ስራሕ ክኣትዉ ተገይሩ ‘ዩ ምስ በሉ፤ ኻልኦት ሓደሽቲ ድማ ብሕጋዊ መገዲ ናብ ስራሕቲ መዓድን ዝኣተዉ ከም ዘለዉ ገሊፆም፡፡

ብኻልእ ወገን ድማ ንኽሰርሑ ቦታ ወሲዶም ሒዞሞ ሱቕ ዝበሉ ምህላዎም ብምግላፅ፤ እቲ ዝወሰድዎ ቦታ እንድሕር ዘይሰርሑሉ ወይ ክሰርሑሉ ዘይከኣሉ እኹል ምኽንያት እንተዘይሃልይዎም፤ ብዙሓት ስራሕ ደለይቲ መናእሰይን ተጋደልትን ስለ ዘለዉና ብማሕበር እናወደብና ክሰርሑ ክንገብር ኢና ኢሎም፡፡

ብርክት ዝበሉ መናእሰያት ብሕጋዊ መገዲ ኣብዚ ስራሕ ተሰማርዮም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ብምሕባር፤ በዚ ልክዕ ድማ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዝተወደቡ መናእሰይ ከም ዘለዉ ብምሕባር፤ ኾይኑ ግና ካፍቲ ቕድሚ ሐዚ ዝነበረ ኣካይዳ ኣዝዩ ዝተቐየረ ኣሰራርሓን ስርዓትን እናተዘርገሐን ስርዓት እናሐዘን ይርከብ ክብሉ ገሊፆም፡፡

መዓድን ወርቅን ኻልኦትን ካብ መንጎ ዝርከበለን ቦታታት ማእኸላይ ከባቢ ወርዒ፣ሽረ፣ ምብራቓዊ ገጠራት ከም ዝርከብ ብምሕባር፤ ቕድም ክብል ብመዓድን ወርቅን ኻልኦትን ኣፍልጦ ካብ መንጎ ዝነበሮም ትካላት ኢዛና ተጠቃሲ ከም ዝኾነን ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ኹለን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ጥንኩር ስራሕቲ ንምስራሕ ዓቕመን ትሑት ስለ ዝኾነ ዓቕሚ ንምፍጣር እናተሰርሐ ከም ዝርከብ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ስራሕቲ ምውፃእ መዓድን ብስርዓትን ብሕጋዊ መገዲን ንኽካየድ ቐዳምነት ትኹረት ተገይሩ እናተሰርሐ ከም ዝርከብ ብምግላፅ፤ ህዝብን መናእሰይን እቲ ክልል ንሃፍቲ መዓድን ትኹረት ብምሃብ ሓለዋን ሓበሬታን ብምልውዋጥ ሓለዋ ክገብር ይግበኦ ኢሎም፡፡

ሄርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You