ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ቱሪስታት ወፃኢ መስሕባት ቱሪዝም ትግራይ ጎብንዮም

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2016 ከባቢ 3 ሽሕ ዝኾኑ ቱሪስታት ወፃኢ ዝተፈላለዩ መስሕባት ቱሪዝም ትግራይ ክምዝጎብነዩ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ብቕዓት ምርግጋፅ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ኣይተ የማነ ገድሉ ገሊፆም፡፡

ኣይተ የማነ ገድሉ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከም ዝበልዎ፤ ቕድሚ እቲ ዂናት ካብ 80 ክሳብ 90 ሽሕ ዝኾኑ ቱሪስታት ወፃኢን ናብ 2ን3ን ሚልየን ዝኾኑ ድማ ናይ ውሽጢ ዓዲ ይጉብነዩ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ድማ ከባቢ 3 ሽሕ ዝኾኑ ቱሪስታት ጎብንዮም ‘ዮም።

ናይ ውሽጢ ዓዲ ቱሪዝም ብዝምለከት ኣብ ዝተፈላለዩ ፌስትቫላትን ፍፃመታትን ከምኡ ‘ውን መናእሰይ ትግራይ በቢከባቢኦም ብጉጅለታት እናተወደቡ ብፍላይ ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ምሕዃር ጎቦታት ዝኣምሰሉ ተግባራት ይነጥፉ ብምህላዎም ኣብ ቱሪዝም ተስፋ ዝህብ ምንቕስቓስ ይርኣይ ኣሎ ኢሎም።

ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ፈጠራታት ኢደ ጥበብን ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላዎምን ከምኡ ‘ውን ቦታታት መስሕባት ቱሪዝም እናሰፍሐ ይኸይድ ስለዘሎ ናብ ትግራይ ዝመፅኡ ቱሪስታት ፃንሒት ግዜኦም ንምንዋሕ ተስፋ ዝህቡ ምንቕስቓሳት ይግበር ኣሎ ክብሉ ኣይተ የማነ ተዛሪቦም።

ቕድም ክብል ኣብዝሓ ምንቅስቓሳት ቱሪዝም ኣብ ኣኹሱም ከባቢ ተወሲኑ ከምዘነበረ ዝገለፁ ኣይተ የማነ፤ ሎሚ ገና ናብ ካልኦት ከባቢታት ከም ገርዓልታ፣ ጉሎ መኻዳ፣ ጋንታ ኣፈሹም፣ ኣፅብን ውቕሮን ዝበሉ ከባቢ መስሕባት ቱሪዝም እናሰፍሐ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢሮም።

መስሕብ ቱሪዝም ንዑደተኛታት ውሑስ ኣብ ምግባር ብዝምለከት ካብን ናብን ምንቕስቓሳት ቱሪስታት ሰላማዊ ንክኸውን ብመኽበርቲ ፀጥታ ዝተጠናኸረ ሓለዋ ይግበረሎም ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ የማነ፤ ሰምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ካብ ዝግበር ጀሚሩ ኣብ ቱሪስታት እዚኣ ፀገም በፂሓ ዝብሃል የለን። እዚ ድማ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ቱሪዝም ዘለዎ ግንዛበ ‘ውን ዝለዓለ ስለዝኾነ ‘ዩ ብምባል ገሊፆም።

መሰረተ ልምዓታት ቱሪዝም ብዝምልከት ኣብ ገርዓልታ ብፌደራል መንግስቲ ዝስራሕ ዘሎ ኣካል መዓዲ ንወለዶ ዝኾነ ስራሕቲ ሎጅ ኣብ ፅቡቕ ምንቕስቓስ ይርከብ ከም ዘሎ ኣይተ የማነ ወሲኾም ሓቢሮም ።

ብተወሳኺ ገርዓልታ ከም ሓደ መስሕብ ቱሪዝም “ብሉፅ ቱሪዝም መንደር” ኮይኑ ንክወዳደርን ንክምረፅን ነቲ ውድድር ዝምጥኑ ስራሕቲ ዶክመንትታት ፅሑፍ፣ ፎቶ ግራፍን ቪድዮታትን ተዳልዮም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝተላኣኸ ዝገለፁ ኣይተ የማነ፤ ገርዓልታ ኣብ ናይ ዓለም ብሉፃት ምስሕብ ቱሪዝም ዝርዝር ክኣትው ከሎ ካብ ኢኮኖሚያዊ ረበሓኡ ዝዛየደ ብዙሕ ረብሓ ከምዝህልዎ ገሊፆም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You