ብምኽንያት በዓል ወሰኽ ዋጋ ከይህሉ እኹል ምድላው ተገይሩ ኣሎ

አዲስ ኣበባ፡- ብምኽንያት በዓል ወሰኽ ዋጋ ከይህሉ እኹል ምድላው ስለተገበረ ሕፅረት ቐረብ ይኹን ወሰኽ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘየለ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ከተማ መቐለ ገሊፁ፡፡

ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ከተማ መቐለ ኣይተ በርሀ ኣርከበ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከም ዝበልዎ፤ኣብ ከተማ መቐለ ድሮ በዓል ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ብፍላይ ኣብ መሰረታዊ ሸቐጣሸቐጥ ዝተፈለየ ለውጢ ዋጋ ዕዳጋ የለን፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መሰረታዊ ሸቐጥ ዘድሀበ ኢግዚብሽን ተኻይዱ ምንባሩ ዘዘኻኸሩ ኣይተ በርሀ፤እቲ ዝተገበረ ኢግዚብሽን ድሌት ማሕበረሰብ ንምቅላል ፅቡቕ ኣስተዋፅኦ ምግባሩ ብምሕባር፤ በዓል ትንሳኤ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ከምቲ ቕድም ክብል ዝርኣይ ዝነበረ ሕፅረት ቐረብን ወሰኽ ዋጋ ዕዳጋን ኣይርኣይን ዘሎ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ነጋዳይ ምስ ማሕበረሰብ ብምትእስሳር ስሩዕ ዕዳጋ ንኽመዓራረይ እቲ ቻምበር ምንቅስቓሳት ከም ዝገብር ብምጥቃስ፤ ኣብ ዕዳጋታት ዓዲ ሓቂ፣ቐዳማይ ወያነ፣ ዓዲ ሓውስን ዓይደርን ዳህሳስ ዕዳጋ ዘተገበረ እንትኸውን፤በዚ መሰረት ድማ ፍሉይ ወሰኽ ዋጋ ይኹን ሕፅረት ቐረብ ከምዘየለ ኣረዲኦም።

ኣይተ በርሀ ከም ዝበልዎ፤ብብርኪ ከተማ ኣብ ዝተገበረ ዳህሳስ ፤ ፃዕዳ ጣፍ ንኩንታል ዓሰርተ ሽሕን ሰለስተ ሚኢትን እንትኸውን ቐይሕ ጣፍ ድማ እስካዕ ዓሰርተ ሽሕ እናተሸጠ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ሽጉርቲ ሓደ ኪሎ ሓምሳ ቕርሺ እንትኸውን፤ዘይቲ በቲ ዝነበረ ዋጋ እናተሸጠ ከምዝኾነ ብምጥቃስ፤ ኻልኦት ‘ውን በቲ ዝፀንሐ ዋጋ ዕዳጋ ንሸማታይ እናቐረቡ እንትኾኑ ንሓረስታይ ግና ምስቲ ፃዕርታቱ ዝምጥን ዋጋ ከምዘይኮነ ገሊፆም።

ምስ ምህርቲ ወፃኢ ተተሓሒዙ ወሰኽ ከምዘሎ ዝሓበሩ እንትኾኑ ብፍላይ ሕፅረት ነዳዲ ኣፍቲ ክልልን ብብርኪ ሃገርን ኣዝዩ ፀገም ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ምስዚ ተተሓሒዙ በዓል ምኽንያት ብምግባር ናብ ዝተፈላለየ ቦታ ንዝጉዓዙ ሰባት ኣፀጋሚ ከምዝኸውንን ብወገን ኣሽከርከርትን ተጠቀምትን ዝልዓሉ ሕቶታት ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

ከም ኣገላልፃ ኣይተ በርሀ፤ እቲ ሕብረተሰብ በቲ ዝነበሮ ስእነት ሰላም፤ መነባብርኡን እቶቱን ኣዝዩ ከም ዝተሃሰየ ዝፍለጥ ‘ዩ፤ በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ምዕዳግ ዓቕሙን ድሌትን ስለ ዘይብሉ ኣፍቲ ዕዳጋ ‘ውን ለውጢ ዘይተርኣየን ሕፅረት ዘየጋጠመን።

በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ዝሐሸ መነባብሮ ንክንስግጋር ኹሉ ተሓጋጊዙ ከሕልፎን፤ብፍላይ ድማ ጉዳይ ሰላም ዋና መሰረት ስለዝኾነ ትኹረት ብምሃብ ክንሕልዎ ይግበአና ምስ በሉ ንተኸተልቲ እምነት ክርስትና ሰናይ በዓል ትንሳኤ ንክኾነሎም ትምኒቶም ገሊፆም።

ሔርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You