ናብ ትግራይ ዝኣትዋን ዝወፅኣን ኣውሮፕላናት ፈለማ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክዓርፋ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ ቢ ሲ):- መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝኣትዋን ካብ ትግራይ ናብ ወፃኢ ይኹን ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝግበሩ ኩሎም በረራታት ፈለማ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክዓርፋ ከምዝግባእ እዋናዊ መፃረዪ ኩነታት ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሳነ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ምስ ገበረ ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ድጋፍ ምስ ዝህቡ ኣካላት ብምትሕብባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘለዎ ዳግም ኣፍሊጡ።

ሲቪል ኣቪየሽን ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክልል በረራ ኣየር ይዕፀዎ ‘ምበር፣መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ካብ 5ሓምለ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርቡ ዝደሊዩ ኣካላት ኩሎም በረራ ክገብሩን ሓገዝ ከብፅሑን ከምዝኽእሉ ምግላፁ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ዝተወሰኑ ፀብፃባት መንግስቲ ኢትዮጵያ በረራ ከምዝኸልከለ ኣምሲሎም እናወፅኡ ንማሕበረሰብ ዓለም እናሰሓሓቱ ከምዝርከቡ ብምግላፅ እቶም ፀብፃባት ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ዓይነት በረራታት ከምዘይከልከለን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብኽልተ ኣውሮፕላናት ናብ ትግራይ በረራ ንምግባር ሕቶ ከምዘቕረበን ኣፍሊጡ።

ሰብኣዊ ሓገዛት ሒዞም ናብ ትግራይ ኣብ ዝግበሩ በረራታት ኣድላዪ ፍተሻ ከምዝግበር’ውን ተገሊፁ።

ኩነታት በረራ ንምቅልጣፍ ናብቲ ክልል በረራ ክገብሩ ዝደልዩ ኣካላት ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ዝምልከቶም ኣካላትን ፍቓድ ክረክብ ከምዝግበኦ ምግላፁ ካብ መርበብ ሓበሬታ መፃረዪ እዋናዊ ኩነታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013

Recommended For You