ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኩናት ብፖለቲካ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ኣምፂኡ ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ብሰላም ንምፍታሕ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም፣ ኩናት ብፖለቲካ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ኣምፂኡ ‘ዩ ክብል ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ገሊፁ፡፡

ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ትማሊ ኣብዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ፤ እዚ ናይ ሰላም ስምምዕነት ዛንታ ሰዓርን ተሳዓርን ብቂምታ ንመፃኢ ወለዶታት ከይመሓላለፍ ዝተገብረ ብሱልን ቆራፅን ውሳነ ‘ዩ። ነዚ ኣማራፂ ብምኽታል ደም ምፍሳስን ግጭትን ደው ከነብሎ ክኢልና ኢና።

ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ምሕዋይን ተጀሚሩ ‘ዩ። ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዕንቅፋት ናብ ትግራይ ክበፅሓሉ ዝኽእል ባይታ ፈጢርና ኢና ዝበለ እቲ ቤት ምኽሪ፣ ድሕሪ ምፍርራም ስምምዕነት ሰላም፣ መንግስቲ ኣብ ስምምዕነት ሰላም ካብ ዝነበሮ ግቡእ ንላዕሊ ብምኻድ ምትእምማን ንምፍጣርን ሰላም ንምዕቃብን ኣድላዪ ‘ዩ ዝበሎ ተኸታታሊ ስጉምትታት ወሲዱ ‘ዩ ክብል ገሊፁ።

ኣስዒቡ ክሳብ ሕዚ በቲ ስምምዕነት ሰላም ዝተረኸበ ውፅኢትን ራሕዋን ከምዘለዎ ኮይኑ፣ ዝቐረየ ክስራሕ ዘለዎ ስራሕ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ዕጡቓት ህወሓት ዕጥቆም ክፈትሑ ኣለዎም። ሕቶ መንነትን ምምሕዳራዊ ዶባትን ዘለዎም ከባቢታት ንምፍታሕ እቲ ዝተቐመጠ ኣንፈት ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ ኢሉ።

ብኲናት ዝተመዛበሉ ንምምላስን ንምጥያሽን ዝተጀመረ ስራሕ ክዛዘም ኣለዎ። ካብ ዝሓለፈ ጌጋ ዘይምምሃር ናይ ቀዳማይ ጌጋ ካብ ምፍፃም ዝኸፍአ ‘ዩ። ካብ ሕሉፍ ጌጋታቶም ከይተማሃሩ ሎሚ ‘ውን ተመሳሳሊ ሽግራት ንምፍጣር ዝሰርሑ ኩልና ተሓቢርና ስርዓት ክነትሕዝ ኣለና፡፡ ድሕሪ ትዕግስቲ ዝፍፀም ምኽባር ሕጊ ዘስዕቦ ኣሰቃቒ ሳዕቤን ካብ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ክንመሃር ይግባእ ኢሉ እቲ መግለፂ።

መንግስቲ ዝተቋረፁ መሰረተ ልምዓትን ግልጋሎታትን ንምፅጋንን ዳግማይ ንምጅማርን ኣበርቲዑ እናሰርሐ ‘ዩ፤ ኣብ ክልል ትግራይ ፋይናንሳውን ቁጠባውን ንጥፈታት ንምስላጥ ብዙሕ ገንዘብ ኣውፂኡ ‘ዩ። ናይ ሰላም ብፅሒት መኽሰብ ዓቢዪ ስለዝኾነ መንግስቲ ነቲ ቁስሊ ንከሐዩ ትፅቢት ካብ ዝግበረሉ ንላዕሊ እናሰርሐ ‘ዩ፡፡ እዚ ግን ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ‘ምበር ከም ፍርሒ ክውሰድ የብሉን ክብል ኣረዲኡ።

ከምቲ ኣብ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝተገልፀ፣ ኣብ ሕገመንግስትና ከም ዝተቐመጠ፣ ከም ሃገር ዝህልወና ሓደ ሓይሊ ምክልኻል ጥራይ ‘ዩ። ክልላት ብደረጃ ክልል ሕጊ ንምትግባር ካብ ዘድልዮም ፖሊስን ምልሻን ሓሊፉ ካሊእ ዕጡቕን ዝተወደበን ሰራዊት ክህልወን ኣይክእልን፤ ክኸውን የብሉን፤ ብምዃኑ ምፍታሕ ዕጥቕን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ብመሰረት ትልሚ ኮሚሽን ተሃድሶ ብቕልጡፍ ክፍፀሙ ይግባእ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You