ስራሕቲ ምዕቓብ ታሪኻዊ ቅርስታትን መስሕብ ቱሪዝም

ሃገርና ብብርኪ ኣህጉር ይኹን በዓለም ካብ ዝትልለይሎም ሓደ ብዘለዋ ዕቁር ሃፍቲ መስሕብ ቱሪዝም ‘ዩ እንተተበሃለ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይኸውንን።መረዳእታት ታሪኽን ኳዕቲ ኣርኪኦለጂ ከምዘሕብርዎ ድማ ትግራይ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንመበቆል ጥንታዊ ስልጣነ መርኣያ ካብ ዝኾኑ ከባቢታት ብቐዳምነት ዝትፅራሕ ‘ያ።

ብተወሳኺ ድማ መእተዊ በሪ ቐዳሞት ሃይማኖታት ውን ‘ያ። ኣብ ዓለምና ካብ ጥንቲ ጅሚሩ ክሳብ ሐዚ ብሚሊዮናት ዝቐፀሩ ኣመንቲ ዝነበርዎምን ዘለዎምን ሃይማኖታት ኦሪት፣ ክርስትናን እስልምናን በትግራይ ኣቢሎም ኣትዮም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተሰፋሕፍሑ ‘ዩ ኣብ ፅሑፋት ታሪኽ ዝግለፅ።

ነዚ ሓቂ ካብ ዝምስክሩ ዝተፍላለዩ ሓድግታት ትግራይ ድማ ካብ ከተማ መቐለ ናብ ዓዲ ግራት ካብ ዝወስድ ፅርግያ መንገዲ 60 ኪሎ ሜትር ወይ ድማ ካብ ከተማ ውቕሮ ንኣንፈት ሰሜን 10 ኪሎ ሜትሮ ርሒቃ ኣብ ዝትርከብ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ንእሽተይ ከተማ ነጋሽ ዝትርከብ ድሪሕ ኣልነጃሺ ሓደ ‘ዩ።

ነጋሽ ሰዓብቲ ነብይ መሓመድን ገለ ቤተሰቡን ካብ መካ መዲና ተሰዲዶም ዘዓረፉላን፤ ፈላመይቲ ሰዓብቲ እስልምና ሃይማኖት ከይተሸቁረሩ እምነቶም ብነፃነት ዘካየዱላን ገለገሊኦም ድማ ዝተቀበሩላ ‘ውን ስፍራ ‘ያ። እዚ ብምዃኑ ድማ ኣብ ታሪኽ እስልምና ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦ ስፍራ ‘ዩ። ኣብ ሃገርና ብመንፈሳዊነትን ብፈላማይነቱን ኣብ ዓለም ካብ ሰዓብቲ እቲ እምነት ዝለዓለ ደረጃን ክብሪን ዘለዎ መስጊድ ነገሽ “ዳግማዊ መካ“ ተባሂሉ ብሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ዝግለፅ መስሕብ ቱሪዝም ‘ውን ‘ዩ።

ታሪኽ ነጋሽ ካብ ሻብዓይ ክፍለ ዘበን ‘ዩ ዝጅምር። ነብይ መሓመድ ኣብ ሃገሮም ሃይማኖት እስልምና ምስባኽ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን ተኸተልቶም ቁረይሽ ብዝብሃሉ ዓሌት እናተሃደኑ መጥቃዕቲ ይበፅሖም ኣብ ዝነበረ፤ ‘ቶም ነብይ ድማ “ዓዲ ፍትሒን ርትዕን“ ኢሎም ዝፅውዕዋ ናብ ዝነበሩ ምድሪ ሓበሻ ንክኸዱ ብምሕባር ኣመላኺቶም ሰዲዶሞም ‘ዮም።

እቶም ሰዓበቲ ነብዪ መሓመድ ዕቁባ ንምርካብ ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ብ615 ብመካ መዲና ኣቢሎም በኽልተ ጉዕዞ (ሂጅራ) ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ እንትኾኑ፤ እቶም መጀመርያ ዝመፁ 16 ሰባት 11 ደቂ ተባዕትዮን 5 ደቂ ኣንስተዮን ‘ዮም። በቲ ኻልኣይ ጉዕዞ (ሂጀራ) ዝመፁ ተኸተልቲ ነብዪ መሓመድ ድማ 101 ኮይኖም፤ 83 ደቂ ተባዕትዮን 18 ድቂ ኣንስትዮን ‘ዮም። ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ሩቅያ /ጓል ነብዪ መሓመድ/ ሓቢባን ሰልማን /ሂንዲ/ ደሓር ናይቶም ነብዪ በዓለቲ ቤቶም ዝኾና/፣ ከምኡ ‘ውን ጃዕፈር ኢብን ኣቡጣሊብ/ ወዲ ሓወቡ ኦም ንነብይ መሓመድ/ ይረከብዎም።

ከምዝፍለጥ ታሪኻዊ ቅርሲ ነጋሽን ካልኦት ከምዚኦም ዝበሉን ሃይማኖታዊ ቦታታት መስሕብ ቱሪዝም ብብርኪ ኢትዮጵያ ይኹን ከም ክልል ትግራይ ትኹረት በፃሕቲ ዓዲ ዝበለፀ ብምስሓብ ዓብይ ግደ ከፃወቱ ካብ ዝኽእሉ ቅርስታት ‘ዮም። ኣብዚ ብዛዕባ ነጋሽ ታሪኻዊ ቅርሲን መስሕብ ቱሪዝምን ዘልዐልኩሉ ብዘይምኽንያት ኣይኮነን።ከምዝፍለጥ ደሪሕ ኣልነጃሺ ብዘጋጠመ ኣዕናዋይ ኵናት ንዝበፅሖ ሓደጋ ምፍርራስ ስዒቡ ክሳብ ሐዚ ስለ ዘይተፀገነ ቅርስታት እቲ ደሪሕ እናተበላሸው ከምዝርከቡ እናተገለተፀ ስለ ዘሎ እኹል ቆላሕታ ክግበረሉ ስለዝግባእ ‘ዩ።

ነበርትን ኣገልገልቲ እቲ ደሪሕን ከም ዝበልዎ፤ ንፈለማ እዋን ስሓባታት ነብዩ መሓመድ ካብ ስዑድ ዓረብ ኣብ መበል ሻብዓይ ክፍለዘመን ብምምፃእ ዝዓረፍሉን ካብ መካ ቀፂሉ ዝለዓለ ሃይማኖታዊ ስፍራ ተባሂሉ ዝእመነሉ ደሪሕ ኣልነጃሺ ኣብ 2013 ዓ.ም ብዘጋጠመ ኵናት ከባድ ዕንወት ከም ዘጋጠሞን በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ቁባ፣ሚናራን ኣዳራሽን እቲ ደሪሕን መስጊድን ጉድኣት ዘጋጠሞም ኮይኑ ዝናብ ኣብ ዝወቕዐሉ እዋን ንዋየ ቅዱሳንን ጥንታዊ መቓብራንት ማይ ይፈሶም ስለ ዘለው እናተበላሸው ይርከቡ ኣለዉ።

ነዚ ኣብ ዓቢ ሓደጋ ዘሎ ቅርሲ ደሪሕ ነጋሽ ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ቱሪኪ ነቲ ዝፈራረሰ ደሪሕ ከፀግኖ ከም ዝኾነ ዕላዊ ዋላ እንተተገበረ ክሳብ ሐዚ ግና እዚ ዝበሃል ምንቅስቓስ ከም ዘይተጀመረ ብምረዳእ፤ እዚ ታሪኻዊ ቅርሲ ቅድሚ ክረምቲ ምእታው እንድሕር ዝኮነ ይኹን መፍትሒ ዘይተገይርሉ ክጋጥም ዝኽእል ዕንወት ዝገደደ ከም ዝኸውን ብምሕባር፤ ነበርትን ኣገልገልቲ እቲ ደሪሕን ስግኣታቶም ክገልፁ ይስማዕ ኣሎ።

ስለ ዝኾነ እዚ ዓብዪ ዋጋ ካብ ዘለዎም ታሪኻዊ ቅርስታትና ሓደ ዝኾነን ኣብ መስሕብ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኾነ ኣብ ቱሪዝም ትግራይ መተካእታ ዘይርከበሉ ደሪሕ ኣልነጃሺ ካልኦት ፀጋታት ቱሪዝምን ንፅባሕ ከይተበሃለ ልዑል ቆላሕታ ብምሃብ ንበፃሕቲ ንምልላይን ንመዕቃብን ምስ ኩሎም ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ክስራሕ ይገባእ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You