ልምዓት ኮሪደር ንመስሕብነት ቱሪዝም!

ቱሪዝም ኣብ ውሽጢ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንጂዲፒ ብዘለዎ ኣበርክቶ፣ ብዝፈጥሮ ዕድል ስራሕን በዘርክቦ ሸርፊ ወፃኢን ብምብጋስ ብጣዕሚ ኣድላይ ዓምዲ ዕብየት ‘ዩ። ኢትዮጵያ ካብ ቀዳሞት ሓሙሽተ መባፅሕቲ ቱሪዝም ኣፍሪካ ሓንቲ ንክትኸውን ኣብ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ቱሪዝም እናሰረሐት ከም እትርከብ ‘ውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ ድሕረ ገፆም ኣብ ዘስፍርዎ ምልእኽቲ የመላኽት።

ካብ 2010 ዓ.ም. ጀሚሩ መንግስቲ ብዘላቂ ልምዓት፣ ብሓለዋ ባህልን ኣብ ዓለምለኸዊ ተወዳዳሪነት ትኹረት ዝገበሩ ፖሊሲን ብመንፅር ዝተፈላላዩ ስራሕቲ ነቲ ዘፈር ቀዳምነት ተዋሂብዎ ይስራሕ ከምዘሎን እዞም ብስትራቴጂክ ሰነዳት ዝተተለሙ ፃዕርታት ልምዓት ንምቕልጣፍ ንኢንቬስትመንታትን ንዘላቂነትን ትኹረት ከም ዝወሃቡ ‘ውን ይሕብሩ።

ኢትዮጵያ ካብ ቀዳሞት ሓሙሽተ መባፅሕ ቱሪዝም ኣፍሪካ ሓንቲ ከምዝትኸውን ብዝተወሃበ ትንቢት ብምብጋስ መንግስቲ ከም ሆቴል፣ ምዝርጋሕ መንገዲን መዕረፊ ኣውሮፕላን ዝበሉ መሰረተ ልምዓት ቱሪዝም ኢንቬስት ብምግባር እዚ ልዕል ዝበለ ራእይ ንምስኻዕ እናሰረሐት ትርከብ።

ነዚ ምስክር ዝኸውን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክፋል እታ ሃገር ዝተሰርሑን እናተሰርሑ ዝረከቡን ስራሕቲ ልምዓት መሰረተ ልመዓት ሓደ ‘ዩ። ካብዞም ዝካየዱ ዘለው ልምዓታት ንምርኣይ ናብ ረሑቅ ከይከድና ኣብዚ ኣብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝስራሕ ዘሎ ብምርኣይ ‘ውን ክነረጋግፅ ንኽእል ኢና።

ምስዚ ተተሓሒዙ ዝሓለፈ ዓርቢ ብከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ አዳነች አቤቤ ዝተመርሐ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ሓዊሱ ኸይዲ ልምዓት ኮሪደር እታ ከተማ ንምምልካት ኣብ ዝተገበረ ዑደት እተን ከንቲባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መብርሂ ከምዝበልኦ፤ እቲ ዝካየድ ዘሎ ልምዓት ኮሪደር ብብረኪ ዓለምለኸ ኣብ መስሕብነት ቱሪዝም ተወዳዳሪ ከምዝገበራ ‘ዩ ዘመላኽት። ብተወሳኺ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ዝግብኦም ከብሪ ንክረኸቡ ከምሓደ ግብዓት ከምዝኸውን ‘ውን ገሊፀን ‘የን፡፡

ኮሪደር ልምዓት ኣብ ዕብየት ልምዓት ቱሪዝም ካብ ዘለዎ ግደ ጎና ጎኒ ኣብ ኢኮኖሚ ናይ ፅባሕ ዕብየት እታ ከተማ ‘ውን ክሽከም ብዝኽእል ተሓሳቢ ተገይሩ ዝተሃነፀ ከምዝኾነን፤ ስራሕቲ ልመዓት እቲ ኮሪደር ካብ ካልኦት ሃገራት ካብ ዝተረኸቡ ልምድታት እንትትግበሩ ኢትዮጵያዊ መንነትን ተሓሳቢ ዝገበረ ምዃኑን ብምግላፅ፤ ዓላምኡ ድማ ታሪኻታትና ንቱሪስታት ምጉብናይ ጥራሕ ዘይኮነስ መፃኢ ወለዶ ናይ ትማሊ ታሪኽ ከይረስዓ ሎሚ ዝሐሸ ህይወት ንክንብር ምግባር ከምዝኾነ ‘የን እተነ ከነቲባ ዘረድኣ፡፡

ኣብዚ ልምዓት ኮሪደር ዝተሰርሑ መብራህትታት፣ ናይ ደሕንነት ካሜራታትን ጎብነይቲ ቱሪስታትን ነባሪ እቲ ኸተማን ደሕንነት ተሰሚዕዎ ንክንቀሳሰስ ዝገብር ከምዝኾነ ብምሕባር፤ በመንፅር ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ምንቅስቃስ ዕዳጋ እነትርኣይ ድማ ልምዓት ኮሪደር ዝተሰርሐሎም ኣካባቢታት ቅድም ክብል እቶም ትካላት ዝነበሮም ኣታዊ ብ25 ሚእታዊ ዕበየት ምርኣዩ ብምሕባር፤ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት እታ ከተማ ክሽከም ዝኽእልን መፃኢ ወለዶ ተሓሳቢ ዝገበሩን ከምዝኾኑ እተን ከንቲባ ይገልፃ፡፡

ዋና ዋና ስራሕቲ ናይ መጀመሪያ ዙር ልምዓት ኮሪደር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝተረኸብሉ ንህዝቢ ክፍቲ ምግባሮም ዘዘኻኸራ ከንቲባ ኣዳነች፤ ናይ ዋና መንገዲ መገብቲ መንገድታት ዝኾኑ 10 ነጥቢ 2 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎም 13 መንገድታት ተሃኒፆም ‘ዮም ብምባል፤ ካብ ዓላማ መንገድታት ልማዓት ኮሪደር ድማ ፀገማት ትራፊክ ምፍታሕን፣ ልምዓታት ምርኻብ፣ ፅርየት እቲ ከባቢ ምርግጋፅን ምስ ዝረስሑን ዝኣረጉን ነገራት ምንባር ብምልቃቅ ፅሩይን ምልክዑን ዝኾነ ኣካባቢ ብምፍጣር ዘነቃቅሕ ኣካባቢ ንክህልው ምግባር ምዃኑ ተዛሪበን ‘የን፡፡

ህንፀት መንገድታት ንምንቅስቓስ ኢኮኖሚ፣ ዕብየት ኣታዊን ምንቅስቓስ ሰባትን ወሳኒ ብምዃኑ፤ ዋና መንገድታት ሓዊሱ ንነባሪ እቲ ከተማን ንምንቅስቓስ ንግድን ብጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ እቲ ልምዓት ኮሪደር ኢኮኖሚ ንምንቕቃሕ፣ ምንቕስቓስ ትራፊክ ንምስላጥን ንሰባት ኣማራፂ መንገዲ እግሪ ንክረኽቡ ዘኽእል ‘ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ቀዳማይ ዙር ልምዓት ኮሪደር ታሪኽ ፒያሳን ኣካባቢኡን ምቕያር ዝኽእሉ፣ ኣብ ልዑል ብራኸ ዘቕምጡ መሰረተ ልምዓታት ተሰሪሆም ከምዘለው ሓቢረን ‘የን፡፡

ኣብቲ ልምዓት ኮሪደር ፓርክታት መኻይን፣ ተርሚናላት ኣውቶቢስን ታክሲን፣ ፕላዛታትን መገብቲ መንገድታትን ምስርሖም ብምሕባር፤ ኣብ ውሽጢ መሬት ዝተሰርሑ ናይ ማይ፣ ፍሳሲ፣ መብራህቲ፣ ምሕደራን ቁፅፅርን ትራፊክ፣ ኣብ መሰረተ ልመዓት ሲሲ ቲቪ ካሜራን ዓብይ ለውጢ ምምፅኦም ‘ውን ብምምልኻት፤ ኣብ ሓወልቲ ኣቡነ ጴጥሮስ ፣ዳግማዊ ምኒልክ፣ ኣደባባይ ቴዎድሮስ፣ ሆቴል ሽዋ፣ ቲያትር ሜጋ ኣንፊ፣ ሲኒማ ኢትዮጵያ፣ ቲያትር ሃገር ፍቅርን ዝተሓደሱ እንትኾኑ፤ ከብ ምሕዳስ እቶም ነባራት ብተወሳኺ ሓደሽቲ ምስራሕ ዘካተተ ምዃኑ ‘ውን ተሓቢሩ ‘ዩ፡፡

ምስዚ ተተሓሒዙ ልምዓት ኮሪደር ምስ ቱሪዝም ልዑል ምትእስሳር ከምዘለዎ ‘ውን ቅድም ክብል ሓላፊት ቢሮ ባህሊ፣ ኪነጥበብን ቱሪዝምን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሂሩት ካሳው (ዶ/ር) ዝገለፃ ከይነን፤ እቲ ልምዓት ኮሪደር ዝተፈላለዩ ቦታት መስሕብ ቱሪዝም፣ ሰሓብትን ውቁባትን ቦታት፣ መሰረተ ልምዓታትን መኣከቢ ኣደራሻትን ከምኡ ‘ውን ቅርስታት ኣጉሊሁ ብምርኣይ፣ ዝበለፀ ብሕላው፣ ብምሕዳስን ብምፅጋንን ንቕድሚት መፂኦም ንክረኣዩ ገይሩ ‘ዩ። እዚ ድማ ሓንቲ ከተማ ቱሪስት ከተማልኦ ካብ ዘለዋ መስፍርቲ ከተማልእ ኣኽኢልዋ ‘ዩ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 10 ታሕሳስ  2017 ዓ.ም

Recommended For You