‹‹ክብር ለጥበብ›› ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ምድላው ብርክት ዝበለ ሰብ ተዓዲሙ፤ውሑዳት ድማ ብዝተፈላለየ ዘፈር ንሽልማት ተሓፅዮም በቲ ዝሰርሕዎ ብሉፅ ስራሕ ክሽለሙ ዝተዓደሙ ‘ዮም። ካብ መንጎ እቶም ንሽልማት ዝተሓፀዩ ዘፈራት ሙዚቃ፣ስዕሊ፣ሰርከስ፣ባህላዊ ኢደ ጥበብ ማእለማ (ሽመና)ን ካልኦትን ብሉፅ ስራሕቲ ንህዝቢ ተበፃሒ ዝገበሩ ክሽለሙ ክኢሎም ‘ዮም።
እቲ ንመበል ራብዓይ ግዘ ብኣዳላውነት ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ዝተሰናደአ ‹‹ክብርለጥበብ››ዝተብሃለ ምድላው ብሉፅ ስራሕቲ ዝሰርሑ ናይ ኪነ ጥበብ ሰባት ኣፍልጦን ሽልማትን ዝሃበ እንትኸውን፤ኣፍቲ ምድላው ካብ ኹለን ክልላት ዝተውፃፅኡ 67 ተሸለምቲ ከም ዝተመረፁ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ‘ዩ፤ኻልኦት ሽዱሽተ ተሸለምቲ ድማ ናይ ኽብሪ ሽልማት ተበርኪትሎም ‘ዩ።
ኣፍቲ ዕለት ካብ መንጎ ዝተሸለሙ ጥበባውያን ሓደ ቐሺ ረዳኢ ሃይሉ ‘ዮም፤ካብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ኵሓ ከም ዝመፁ ይዛረቡ። ካብ ገጠር ናብ ከተማ ትምህርቲ ንምምሃርን ናብራ ንምምሕያሽን ከም ዝመፁ ይዛረቡ፤ትምህርቲ ድሕሪ ምውደኦም ኣብ ስራሕ መንግስቲ እንተተቖፀሩ ‘ኳ፤ ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ድሌት ጥበብ ማእለማ (ሽመና) ካብ 1985 ዓ/ም ጀሚሩ እስካብ ሐዚ ብሙሉእ ፍቕሪ ዝሰርሕዎ ስራሕ ከም ዝኾነ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ይዛረቡ።
እቲ ንሶም ዝሰርሕዎ ስራሕቲ ማእለማ ኣብ ከባቢ እንደርታን ራያን ዝዝውተር ባህላዊ ኽዳን ቦፌ፣ድርባድር፣ዝርዝር እንትኸውን ሓደሽቲ ምህዞታት ብምፍጣር ናብ ዕዳጋ ከም ዘቕርቡ ይዛረቡ። እቶም ቐሺ መንፈሰይ እናተሓደሰ ካፍቲ ሞያ ብዝረኸብክዎ እቶት ንምድራዊ ናብራይ ኣዝዮም ኣድለይቲ ዝተብሃሉ ነገራት ዘበናዊ ገዛን መኪናን ዓዲገ ‘የ ይብሉ።ንቦኽሪ ወዶም ሞያ ማእለማ ብምርኣይ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ትልሚ ብምውፃእ ናይ ባዕሉ መኪና ከም ዝዓደገን ኻልኦት ተቖፂሮም ተጠቀምቲ ንክኾኑ አስተዋፅኦ ከም ዝገበሩ ይሕብሩ።
‹‹መንፈስን ስጋን ምውህሃድ ዝከኣል ብጥበብ ‘ዩ›› ዝብሉ ቐሺ ረዳኢ ስጋና ምስ ነብስና ሚዛን ሒዛ ንክትእዘዝ ሓደሽቲ ምህዞታት ብተደጋጋምን ብዘላቕነትን እንትነተግብር ዋና መልክዕ ኪነ ጥበብ ምዃኑ እምነትና የረድአና ‘ዩ ይብሉ። ካብ መንጎ ጥቕስታት መፅሓፍ ቅዱስ ‹‹ክሰርሕ ዘይደልይ ኣይብላዕ››ይብል ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሉ እቶም ቐሺ፤ኣብ ቤተ መቕደስን ኻልኦት ትካላትን ተቖፂረ ካብ ዝረኽቦ መሃያ ንላዕሊ ብናፅነትን ብፍቕርን ዝሰርሖ ሞያ ማእለማ ይበልፀኒ ይብሉ። ኣፍቲ ምድላው ብዝተገበረሎም ሽልማትን ኣፍልጦን ኣዝዮም ከም ዝተሓጎሱ ድማ ይዛረቡ።
ኪነ ጥበብ ንዕብየት ሃገር ቀንዲ መሳርሒ ‘ዩ ዝበሉ እንትኾኑ፤ሰሪሖም ብዝረኽብዎ እቶት ግብሪ ንሃገሮም ምኽፋል ከም ዘሐጉሶም ይዛረቡ፤ንነዊሕ ዓማውቲ ሐምለ ሓደ ግብሪ ምኽፋል እንትጅመር ቑፅሪ ሓደ ፈላማይ ኸፋሊ ግብሪ ከም ዝኾኑ ብኹርዓት ይዛረቡ። ብተመሳሳሊ ኣፍቲ ምድላው ተሸለምቲ ካብ መንጎ ዝኾኑ ንነዊሕ እዋን ብሞያ ምፍላጥ ምህርቲዝፍለጡን ተፈታውነት ዘትረፉን ኣርቲስት ሰራዊት ፍቅሬን ኣርቲስት ሙሉኣለም ታደሰን ሽልማቶም ካብ መንጎ ዝወሰዱ ተጠቀስቲ ‘ዮም።
ኣርቲስት ሰራዊት ፍቅሬ ኣፍቲ ምድላው ተረኺቡ ሽልማት ተቐቢሉ ‘ዩ። በቲ ዝተገበረሉ ሽልማትን ኣፍልጦን ኣዝዩ ሕጉስ ከም ዝኾነ ገሊፁ ‘ዩ።እስካዕ ሎሚ ብዘፈር ምፍላጥ ምህርትን ኣልባሳትን ይኹን ትካላት ሽልማት ተዋሂቡ ኣይፈልጥን ሎሚ ነዚ ዝገበሩ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ክምስገኑ ይግባእ ክብል ተዛሪቡ።
ኣፍቲ መደብ ዝተረኸባ ሚኒስትር ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ወይዘሮ ሸዊት ሻንካ ፤ንዕዱማትን ንተሸለምትን ፅዕንቶ ፈጣርነት ጥበብ ገሊፀን።እተን ሚኒስትር ንጥበብ ኽብርን ትኹረትን ከም ዝግባእ፤ኣብ ኹሉ መኣዝን ሃገር ንዝርከቡ ኪነ ጥበባውያን ሕውነት ንኸጠናኽሩ ሓቢረን ‘የን። ካብ ኹለን ክልላት ዝተወፃፅኡ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ብዝተፈላለየ ዘፈርን ኻልኦት ስራሕቲ ጥበብን ብልጫ ዘርኣዩ ተሸለምቲ ሽልማቶም ወሲዶም ‘ዮም።
ሄርሞን ፍቃዱ
ወጋሕታ 26 ሕዳር 2017 ዓ.ም