ኢትዮጵያ ወናኒት ብዙሓት ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድግታት ‘ያ። ካብዚኦም ኣብ ትግራይ ዝርከብ ታሪኻዊ ሓወልቲ ኣክሱም ሓዊሱ ናብ 18 ዝኾኑ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድግታት ኣብ ትካል ትምህርቲ፣ሳይንስን ባህልን ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ዩኔስኮ) ሓድግታት ከተመዝግብ ‘ውን ክኢላ ‘ያ።
ካብዞም ዝተመዝገቡ ኣብ ምድብ ዝድህሰሱ ካብ ዝተመዝገቡ እቶም 10 ባህላዊ ቦታታት እቶም 2 ድማ ተፍጥሮኣዊ ኮይኖም ብድምር 12 ‘ዮም። ካብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት ካብ ዘተመዝገቡ ከዓ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመዝገብ ”ሄር ኢሴ” ባህላዊ መተሓዳደሪ ዘይተፅሓፈ ሕጊ ማሕበረሰብ ሓዊሱ ናብ 6 ዝኾኑ ተመዝጊቦም ይርከቡ። እዚ ድማ ብዙሕ ሓድግታት ዝርከቡላ ሃገር ምዃና ብተወሳኺ ነታ ሃገርን ህዝባን ብዙሕ ረብሓታት ዝህብ ከምዝኾነ ‘ዩ ዝፍለጥ።
ብፍላይ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመዝገበ ሓድጊ ”ሄር ኢሴ” ባህላዊ መተሓዳደሪ ዘይተፅሓፈ ሕጊ ፍልይ ዘብሎ ብምትሕብባር ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣብ (ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ሶማሊያን) ዝርከቡ ማሕበረሰብ ዒሳ ኮይኑ፤ እዚ ዝተሃንፀን ስርዓት ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ፤ ሰለስተ ቀንዲ ኣካላት ኣለዎ።
ሓደ ፖለቲካዊ ቅዋም ምክፍፋል ስልጣንን መስርሕ ውሳነን ዝገልፅ፤ ካልኣይ ኣብ ዕርቅን ካሕሳን ዘተኮረ ማሕበረሰባዊ ፍትሒ ዘቐምጥ ሕጊ ቅፅዓት፤ ከምኡ ’ውን ሳልሳይ ንሓባራውን ውልቃውን ባህርያት ንምቁፅፃር መንፈሳውን ማሕበራውን መትከላትን ክብርታትን ዝገልፅ ስርዓተ ማሕበራዊ ኣካይዳ ዝሓዘ ‘ዩ።
እዞም ዘይተፅሓፉ ሕግታት እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብን ምስ ካልኦት ብሄራትን ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ንምርግጋፅ ይሕግዙ። ከምኡ ‘ውን ዓለምለኻዊ ክብርታትን መትከላትን ዘጠቓልሉ ኮይኖም ምኽባር መሰል ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ንምዕቃብ ከባቢን ሰላማዊ ምፍታሕ ግጭታትን ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ዝኣመሰሉ ‘ዮም።
ባህላዊ መተሓዳደሪ ሕጊ ”ሄር ኢሴ” ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ሲቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘበን 44 ኣባላት ማሕበረሰብ ዒሳ ተቐሚጦም ዘፅደቑዎ ከምዝኾነ ዝዝረበሉ።ካብቲ እዋን ጀሚሩ ሓደ ኣካል ህዝቢ ሶማሌ ዝኾነ ማሕበረሰብ ዒሳ ነቲ ሕጊ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብቃል እናተቐባበለ እናተመርሐሉ ከምዝፀንሐ ‘ውን ዝግለፅ ኮይኑ እዚ ድማ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ብዛንታታት፣ ምስላታት፣ ፀወታታት፣ ግጥምታትን ስርዓታት እናተመሓለፈ ዝመፅአን ብተወሳኺ ብወግዓዊ ትምህርታዊ ስርዓተ ትምህርቲ፣ ፓነል ዘተ፣ ሲምፖዝየምን ሕትመትን ኤሌክትሮኒክስን ሚድያን ይመሓላለፍ ‘ዩ።
እዚ ድማ ንሶማሊያውያን ማሕበረሰብ -ዒሳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዝርከቡ ማሕበረሰባቶም ዝጥርንፍን ሓባራውን ውልቃውን መንነቶም፣ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዞምን ማሕበራዊ ምትእስሳሮምን ዝገልፅን ከምኡ ‘ውን እቲ ስርዓት ምፍታሕ ጎንፅታት ሰላም፣ ምትሕብባርን ሞራላዊ ኣካይዳን ዘስፋሕፍሕ ኮይኑ፤ ማሕበራዊ ፍትሓውነትን ሰናይ ምምሕዳርን ዘዕቢ ከምዝኾነ ይግለፅ።
ብተወኺ እቲ ሕጊ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ሶማሊያን ዝርከቡ ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ዘተኣሳሰረ ከምዝኾነን እዚ ባህላዊ ሕጊ ኢትዮጵያ ንተሃንፆ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት እታወት ክኸውን ከምዝኽእል ‘ዩ ይግለፅ። ከምኡ ‘ውን እዚ መግለፂ መንነት ማሕበረሰብ ዒሳ ምዃኑ ዝዝረበሉ “ ሄር ኢሴ” ብዓለም ሓድግነት ምምዝጋቡ ምስሊ ሃገር ብኣውንታ ካብ ምግላፁ ብተወሳኺ ንዕብየት ሃፍቲ ቱሪዝም ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ‘ውን ይሕበር ‘ዩ።
ኢትዮጵያ፣ጅቡቲን ሶማሊያን ብሓባር ዘቕረብኦ ባህላዊ ስርዓት ዳይነት ማሕበረሰብ ዒሳ ሶማሌ “ሄር ኢሴ” ኣብ ትካል ትምህርቲ፣ሳይንስን ባህልን ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (ዩኔስኮ) ኣብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት ንክምዝገብ ዘፅደቐ ብኮሚቴ በይነ መንግስትታት ሓለዋ ዘይድህሰሱ ባህላዊ ሓድግታት ኣብ ዩኔስኮ መበል 19 ኣኼብኡ 23 ሕዳር 2017 ዓ/ም ኣብ ዋና ከተማ ፓራጓይ ኣሱንሲዮን ኣብ ዝተኻደሉ ‘ዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ፣ጅቡቲን ሶማሊያን ዝነብሩ ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ማእኸል እቲ ምምሕዳር ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብዝገበረ ሓደ መራሒ ወይ ድማ ‹‹ኡጋስ›› ዝምርሑ ኮይኖም እቲ ባህላዊ ስርዓት ዳይነት ብኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ሰለስቲአን ሃገራት ልዑል ክብሪ ዝወሃቦን ማዕረ ዝመሓደርሉን ነቲ ዞባ መሰረት ሰላም ዝኾነ ሓባራዊ ሃፍቲ ‘ዩ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምዝገባ ዝተረኸቡ ምኽትል ርዕሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሊ ኢብራሂም ዑስማን፤ እቲ ባህላዊ ስርዓት ዳይነት ብሓድጊ ምምዝጋቡ ኣብ መንጎ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ምትእስሳር ባህልን ጠንካራ ምሕዝነትን ንምፍጣር ከምዝሕግዝን ከምኡ ‘ውን ኣባላት ማሕበረሰብ ዒሳ ኣብ ናይ ሓባር ጉዳዮም ዘለዎም ምትሕብባር ብዝበለፀ ዘጠናኽር ምዃኑ ‘ዩ ተገሊፁ።
ከምኡ ‘ውን ናይቲ ሓድጊ ምምዝጋብ ዝሓሸ ሓለዋ ምንክብካብ ንምግባር ከምዝሕግዝ ‘ውን ኣመልኪቶም። ባህላዊ ሃፍትታት ኢትዮጵያን፣ ጥበባትን ፍልጠታትን ናብ ረብሓ ንክውዕሉ ትኹረት ብምሃብ ዘላቂ ሰላም፣ንምርግጋፅ ልምዓትን ዕብየትን ዝሕግዙ ተግባራት ምርብራብ ከምዝግባእ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ ‘ዩ።
ሄር ኤሲ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ጅቡትን ሶማሊያን ውሽጢ ብዘለዉ ኢሳታት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ተሓሊዉ እናተመሓላለፈ ዝፀንሐ ባህላዊ ስርዓት ፍትሒ ‘ዩ። እዚ ስርዓት ተሓሊዉ ንኽፀንሕ ስለዝተገበረ ዘይድህሰስ ቕርሲ ዓለም ኾይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ። ቅድሚ ሐዚ ካብ ኢትዮጵያ ንሃይማኖታዊ በዓላት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ጥምቀትን መስቀልን ሓዊሱ፣ ፌስቲቫል ሸዋል ሃረሪ፣ ስርዓት ገዳ ኦሮሞ፣ ፊቼ ምበላላን ኣብ ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ወኪል ወዲሰብ ዘይድህሰስ ባህላዊ ቅርሲ ኮይኖም ተመዝጊቦም ‘ዮም።
ብተመሳሳሊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሓድግታት ብተወሳኺ ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም (ዩኔስኮ) ንምስፋር ዘይተሓለለ ፃዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ምግላፁ ‘ውን ዝዝከር ‘ዩ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም