ዲሽታ ጊና ዘመን መቐየሪ ብሄረሰብ ኣሪ

ዲሽታ ጊና ናይ ኣሪ ብሄረሰብ ናይ ዘመን መለወጫ በዓል፤ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ ዝመፀ ፤ በቲ ህዝቢ ግዜ ኣቆፃፅራ ወርሒ ታሕሳሳ ኣብ መጀመርያ ብድምቀት ዝኽበር ‘ዩ፡፡

ብ ኣሪ ናይ ዘመን ቐመር መሰረት ፤ወርሒ ታሕሳስ (ሎንጋ) ናይ መጀመር ወርሒ እንትኾን ፣ናይቲ ህዝቢ ሓድሽ ዘመን በዓል ባህላዊነቱ ሓልዩ ብፍሉይ ድምቐት ብናይ ባዕሉ ቀለም ፀቢቑን ፣ኣብ አደባባይ ደሚቑ ካብ ሓድሽ ዓመት ብሩህ ተስፋን ስንቅን ብሓባር ብደስታ ዘኽብሮ ‘ዩ፡፡ ዝተረሓሓቁን ዝተነፋፈቑን ዝረኻብሉ ዝተፃልኡ ይቕረ ዝባሃልሉ በዓል፣ ህዝቢ ኣሪ እቲ ዓመት ብሰላም ንክዛዘም ምኞትን ምርቓቱን ንፈጣሪ ዝበፅሓሉ ናይ ምስጋና ባዓል ‘ዩ፡፡ ዲሽታ ጊና ናይ ሰላም ፣ፍቕርን ሓድነትን ፣ናይ ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ባህሉ ብዝሓቐፈ ባህላዊ ስርዓት ዝተዓጀበ ብምዃኑ ማሕበራውን ኢኮኖምውን ረብሕኡ ዓብይ ‘ዩ፡፡

ብሄረሰብ ኣሪ መን ‘ዩ?

ኣብ ደቡብ ኦሞ ዞን ዝርከብ ብሄረሰብ ኣሪ ብዋና ብሰሜን ኣሪን ብደቡብ ኣሪ ወረዳታት ዝነብር እንትኾን ዝተረፈ ግን ምስ ጎፋ ፣ ኦይዳ፣ ምስ ከበናን ማሌን ብሄረሰብ ተሓዊሱ ዝነብር ‘ዩ፡፡ ከምኡ ‘ውን ብሄረሰብ ኣባላት ካብ ዝነብርሉ ናይ ገጠርን ከተማን ቀበሌታት ውሽጢ ናይ ጎፋ ፣ወላይታ ፣ ኮንሶ፣ ኣማራ፣ ኦሮሞ ፣ ጋሞን ትግራይን ማሕበረሰብ ምስቲ ብሄረሰብ ተሓዊሱ ዝነብር ‘ዩ፡፡ እቲ ብሄረሰብ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣን ኣሰፋፈርን ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ሓሳባት እንተተውሃቡ ‘ውን ብዋናነት ዝጥቀስ ግና ‹‹ነባር ህዝቢ›› ‘ዩ ዝብል እንትኾን ናይቲ ብሄረሰብ መፀውዒ ‘ዩ፡፡ እዚ ድማ ‹‹ኣዕሪ›› ዝብል ስም ኣብ ከይዲ ናብ ኣሪ እንተተለወጠ ‘ውን ትርጉሙ ድማ ‹‹መውለድ ወይም ምፍጣር ›› ማለት ስለዝኾነ እቲ ብሄረሰብ ‹‹ ኣብዚ ልተፈጠረ ‘ዩ›› ብምባል ሓበሬታ ብምሃብ ሓሳቦም የቕምጡ፡፡ ናይ ኣሪ ብሄረሰብ ናይ ኣፍ መፍትሒ ቋንቋ ‹‹ኣሪኛ›› እትኾን እቲ ቋንቋ ኦማዊ ቤተሰብ ዝምደብ ‘ዩ፡፡

ስርዓት ኣከፋፋላን ስም ኣዋርሕን ዓመታትን ኣሪ

ኣሪ ግዝያትን ኣዋርሕን ምስ ኸባቢ ኩነታት ተፈጥሮ ብምርኻብ ንስራሕ ኾነ ንማሕበራዊ ህይወቶም ምረዳድእን መጥቀምን ገይሮምዎ ‘ዮም፡፡ ብሄረሰብ ኣሪ ሓደ ማዓልቲ ‹‹ሰፃ›› እንትባሃል ሓደ ወርሒ ዝሕዝዎ መዓልትታት ብወርሒ (ኣርፊ) ምውፃእን ምእታውን ዝተወሰነ ‘ዩ፡፡ ወርሒ እንትትወፅእ ናይ ወርሒ መጀመርያ ተገይሩ ይቁፀር፡፡ ምስ እቲ ብሄረሰብ ባህልን ተፈጥሮን ፍልጠት ብምድሕሓዝ ሓደ ዓመት ብዓሰርተ ኽልተ ኣዋርሕ ተኸፋፊሎም ኣብ ምግልጋል ይርከቡ ። ሓድሽ ዘመን ዝጅምር ኣብ ወርሒ‹‹ተማ›› ‘ዩ፡፡ ኣብዚ ወርሒ እኽልን ሰዓርን ስለዝበፅሕ ከምኡ ‘ውን እቲ ኸባቢ ለምለም ስለዝኾን ሓድሽ ወርሒ መእተዊ ተገይሩ ይቑፀር፡፡ ብሄረሰብ ኣሪ ዝጥቀምሎም ኣዋርሕ ተማ፣ በግሳ፣ ሶምዛ፣ ሎንጋ ፣ቶራ ፣ማከን ፣ኣይዲ ፣ ዶላ ፣ላ ፣ ተብዛ፣ ዜታ፣ ሰግላ ‘ዮም፡፡

ስርዓት ቁፅሪ

ኣቆፃፅራ ካብ ሓደ ክሳብ ዓሰርተ ዘለዉ ቁፅርታት ‘ዮም፡፡ ዝተወሰኑ ቁፅርታት ካብ ጎረቤት ኦሞቲክ ብሄረሰባት ዝመሳሳሉ ‘ዮም፡፡ ንሶም ድማ 1 ኦላካ ፣ 2 ቀስተን፣ 3 መካን ፣ 4 ኦይዲ ፣ 5 ዶ፣ 6 ላ፣ 7 ተብዛ ፣ 8 ቀስተን ተመር ፣ 9 ኦልካን ተመርን ፣ 10 ተማ ‘ዮም፡፡ በቲ ብሄረሰብ ኣያይማ ‹‹ቦንዳ›› ማለት ዒስራ ማለት ‘ዩ፡፡

ስርዓት ባህላዊ ምምሕዳር

ብሄረሰብ ኣሪ ባህላዊ ምምሕዳር መሓውር ብዋናነት ዝምራሕ ብንጉስ ‹‹ባቢ›› እንትኾን ኣብቲ ትሕቲ ንጉስ ድማ ‹‹ ዚስ ፣ ጎድሚ፣ ፃይኪ ›› እናተብሃሉ ዝወርዱ ናይ ስልጣን ብርኪ ዘለዎም ክፍልታት ኣለዉ፡፡ ኣብቲ ብሄረሰብ ዝተፈላለዩ ፀገማት እንትፍጠሩ እቲ ህዝቢ ኢድ መንስኢ ሒዙ ናብቲ ንጉስ ይኸይድ፡፡ እቲ ንጉስ ድማ ናብ ዝተፈላለዩ ‹‹ጎዲሚዎች›› ብምኻድ እቲ ፀገም ንክቕረፍ ወይም ንክፍታሕ ትእዛዝ ዘመሓላላፍ ‘ዩ፡፡ ናይቲ ሕብረተሰብ ፀገም ፈታሕቲ ተገይሮም ዝውሰዱ ጎድሚታት ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ስራሕቲ ዝሰርሑ ብምዃኖም ካብ ዱር እንስሳት፣ ካብ ኹናት ፣ ካብ ዝናብ፣ ካብ ዒፍ ሕማም ካብ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ተደሓሒዙ ባህላዊ ስርዓት ብምፍፃም እቲ ፀገም ንክቃለል ውሳኔ ዝህቡ ‘ዮም፡፡

ሕድሕድ ጉድሚ ናይ ባዕሉ ባህላዊ ስርዓት ይሰርሕ እንበር ብኻሊእ ጉድሚ ስራሕ ጣልቃ ኣይኣቱን፡፡ ብባህላዊ ናይ ፍትሒ ኣወሃህባ ብርኪ ቤተሰብ ዘለዉ ጉዳያት ዝምልከቱ ‹‹ቶይድ›› ብምባል ዝፍለጡ ክፍልታት ኣለዉ፡፡ ቶይዲ ጉዳይ ቤተሰብ ፈፃሚ ብምዃኑ ሓደሽቲ ንዝውለዱ ህፃናት ንወዲ ተባዕታይ ካብ ኣርባዕተ ወርሒ ፤ ንጓል ኣንስተይቲ ድማ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ብቤተሰብ ስርዓት ባህላዊ ስርዓት መፈፀሚ ቦታ እኽሊ የጥዕሙ፡፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ መንጎ ቤተሰብ ፀገም እንትፍጠር ናይ ምትዕራቕ ስራሕ ዝሰርሕ ‘ዩ፡፡

ሓድሸ ከፍቲ እንትግዛእ ድማ ‹‹ቦሌ›› ናይ ሓመድ ምጥዓምን ምምራቕ ምስ ካልኦት ከፍትታት ንክቀላቐል ካብ ምግባር ብተወሳኺ ላሕሚ እንትትውለድ ዝተጠራቐመ ‹‹እንገር›› ድሕሪ ምጥዓም ቤተሰብ ንክሰቲ ይግበር፡፡ ቶይዲ ዘይመረቐ ምስ ከፍትታት ዝሕወስ ከፍቲ እንተሃልዩ ባዓል ንብረቱ እቲ ከፍቲ ካብ ገዛ ንከውፅእ ማዕቐብ ይዋሃቦ፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 3 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም

Recommended For You