ውድድር ኢትዮ-ከህሎት ንምሕዞ ቴክኖሎጂ

ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ካብ መደበኛ ናይ ዕለት ዕለት ስራሕቲ ምቕራብ ሓበሬታቱ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ፅሑፋትን መፃሕፍትን ምድላው ሓዊሱ ምስ ዝተፈላላዩ ቤት ዕዮታት ብምዃን ንሃገር ብዙሕ ረብሓ ዘለዎም ሃገርለኸ መደረኻት የዳልው ‘ዩ። ከምቲ ኩሉ ግዘ ዘዳልዎም ዝሓለፈ ሰሙን ‘ውን ንሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ‹‹ብሩህ ኣእምሮታት፣ብኽእለት ዝበቕዑ ዜጋታት›› ብዝብል ቴማ መበል ራብዓይ ሃገርለኸ ውድድር ኢትዮ ክህሎትን ኤግዚቢሽን ዘዳለወ ኮይኑ፤ ካብ ሚያዝያ 28 ጀሚሩ ንሽዱሽተ መዓልቲ ዝፀንሐ ውድድርን ስራሕቲ ሚዲያን ኮሚንኬሽን ዘጠቃለለ ተኸናዊኑ ‘ዩ።

ኣብ መበል ራብዓይ ውድድር ኢትዮ-ከህሎት  መርሃ ግብሪ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ሚኒስትር ስራሕን ክህሎትን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ሓዊሱ ብዝተፈላላዩ ላዕለወት ሓለፍቲ ቤት ዕዮታትን ካልኦት ተሳተፍትን ዝተመሓለላፉ መልእኽታትን ዝተንፀባረቁ ሓሳባትን ናይ ሎሚ እዋናዊ ዓምድና ንክኸውን ከምዝስዕብ ኣቅሪበረናዮ ኣለና።

ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ መኽፈቲ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ክእለት፣ ፈጠራ፣ ቅልጣፈን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ከም ዝተተኮሰ መንኮራኩር ካብ ድኽነት መንዚዖም ዘውፅኡ  ‘ዮም። እዚ ዘመን መንታ ገፅ ሓርበኝነት ዝተላበሰ ክኽውን ይግባእ። ብኻሊእ ወገን ሉኣላዊነት ሃገርና፣ ነፃነትን ክብርን ንምሕላው እንትኾን ብኻሊእ ድኽነትን ድሕረትን  ብምሽናፍ ብልፅግና ምርግጋፅ ‘ዩ። ሙሉእ ሓርበኛነት ወለዲ ዝኸውን እዚ ናይ ሐዚ ወለዶ ማንታ ሓርበኝነትን እንተተላቢሱ ጥራሕ ‘ዩ።

ወለዲ እዚ ዘበን ሉኣላዊነት ሃገር ካብምሕላው ብዝሓለፈ ንድኽነትን ድሕረትን ብምሽናፍ ኢትዮጵያ ኣብነት ብልፅግና ኣፍሪካ ብምግባር ሓላፊነት ተዋሂብዎ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ክእለት፣ ፈጠራ፣ ቅልጣፈን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ከም ዝተተኮሰ መንኮራኩር ካብ ድኽነት መንዚዖም ዘውፅኡ ‘ዮም ብምባል፤ ልምዓት ክእለት ንዕብየት ሃገርናን ብልፅግናን ወሳኒ ምዃኑ ብምእማን ስራሕቲ ምስረሖም ኣዘኻኺሮም ‘ዮም። ዝሓለፉ ናይ ልውጢ ዓመታት ብዝተሰርሑ ተግባራት ‘ውን ብፈጠራ ዝበሰሉ ብሩህ አእምሮዎች፣ ዝተፍታትሑ ኣእዳው፣ ብክእሎም ዝበቅዑ ዜጋታት ንምፍራይ ኣኽኢሎም ‘ዮም።

ኢትዮጵያ ወራሪ ፀላኢ ተኸላኺላ ሉኣላዊነታ ዘሐለወት ሓርበኛታት ጀግናታት ክምዝነበርዋ ኩሉ ፤ ሎሚ ድማ  ዓቅሚ ክእለትን ሞያን ብምጥቃም ግብርና ዘዘምኑ፣ ንዕብየት ኢንዱስትሪ ወሳኒ መበገሲ ዝኾኑ፣ ዘፈር ቱሪዝም ውፅኢታማ ዝገብሩ፣ ዲጂታላይዜሽንን ዘቀላጥፉ ብቁዕ ሰብ ሞያ ዘለዋ ምዃና ብምግላፅ፤ ልምዓት ክእለት ንሃገርና ፍቱን መድሓኒት ‘ዩ። ነዚ ድማ ዝተበታተኑ ሃገራዊ ዓቅምታት ብዘይ ምቁርራፅ ንክምራሕ ሚኒስቴር ስራሕን ክለትን ተመስሪቱ ‘ዩ። በቲ ሚኒስቴር ኣቢሉ በቢዓመቱ ዝዳለው ውድድራት ብፈጠራ ዝበሰሉ ብሩህ ኣእምሮታት ዝተፍታሕትሑ ኣእዳው ንምፍራይ የኽእሉ። ስለዝኾነ ሃፍቲ ሃገር  ብግቡእ ንምጥቃም ክእለት ወሳኒ ብምዃኑ መንግስቲ ነቲ ዘፈር ንምዕባይ እናሰርሐ ‘ዩ።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ብወገነን ከምዝበልኦ፤ መበል ራብዓይ ሃገርለኸ ውድድር ብክእለትን ቴክኖሎጂን ብተግባራዊ ዘፈር ፅንዓትን ምርምርን ትኹረት ዝገበረ ‘ዩ። እቲ ውድድር ብኮሌጅ፣ ብክላስተር፣ ብክልል እናተኻየደ ፀኒሑ ሐዚ ብብርኪ ሃገርለኸ ኣሸነፍቲ ዝተፈለዩሉ ‘ዩ። እቲ ውድድር ኣብ 22 ዘፈራት ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ብኣርባዕተ ብርክታት ማለት ብኮሌጅ፣ ብክላስተር፣ ብብርኪ ክልልን ሃገር ለኸ ልዕሊ100 ሽሕ  ተሳተፍትን ተመልከትትን ነቲ ውድድር ዘድምቅዎ እንትኾኑ፤ በቲ ውድድር ዝርከቡ ቴክኖሎጂታት ናብ መሬት ንምውራድ ዝተፈላላዩ ሓገዛት በቲ ሚኒስቴር ይግበር ‘ዩ።

በዚ ‘ውን እቶም  ፈጠራታት ናብ ዕዳጋ ዝሸጋገሩሉ ኩነታት ናይ ምምቻው ስራሕ ከምዝስራሕ ዝተሓበረ ኮይኑ፤ በዚ ዓመት ኢትዮጵያ ኣባል ዓለም ለኸ ማሕበር ክእለት ምዃን ክኢላ ‘ያ። እዚ ድማ በቢብርኩ ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት  ዝተረኸበ ዓወት ምዃኑ ‘ውን ተገሊፁ ‘ዩ። ካብ ውድድር ክእለት ዝሓፈ ‘ዩ እንትብሃል ናብ ብዝሓ ምፍራይ ዝተሸጋገሩ ቴክኖሎጂታት ዝተረኸብሉን ናይ ብዙሓት ፀገማት ዝፈትሑ ብምዃኖም ከምዝኾነ ተሓቢሩ ‘ዩ።

ስራሕቲ ምህዞ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዘምፅእ፣ ፀገማት ዝፈትሕ፣ መነባብሮ ማሕበረሰብ ዘመሓይሽ ‘ዩ። ብተወሳኺ እቲ ውድድር ኽእለት ድማ ማሕበረሰብ ኣብ ትምህርታት ሞያ ዘለዎ ግንዛበ ዘዕብይን መናእሰይ ንስልጠና ዘለዓዕልን፣ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ምህዞ ደረጅኦም ንምምሕያሽ ዝሕግዝን ምዃኑ ተላዒሉ።

ብኻሊእ ገፅ ኣካል እቲ መበል 4ይ ሃገር ለኸ ውድድር ዝኾነ ዘተ ፓናል “ መዳርግትነት መንግስትን ውልቀን ንዲጂታላይዜሽን ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን” ብዝብል ርእሲ ተሳሊጡ ‘ዩ። ኣብቲ ዝተገበረ መድረኽ ዘተ ኢንጂነር ተሾመ ወርቁ ከምዝበልዎ፤ ምውዳድ መንግስትን ውልቃዊ ሴክተርን ንውፅኢታውነት ዘፈር ቴክኒክ ወሳኒ’ ዩ። እቲ ዘፈር ብፃዕሪ መንግስቲ ጥራሕ ውፅኢታዊ ክኸውን ከምዘይኽእል ብምግላፅ፤ እዚ ወለዶ ቴክኖሎጂ ዝፈትው ብምዃኑ ንስልጠና ቴክኒክን ሞያን ዲጂታላይዝድ ምግባር ከምዝግባእ ‘ውን ‘ዮም ዝሕብሩ።

ዶክተር ተምትም ኣሰፋ ብወገኖም ከምዝገለፅዎ፤  ቴክኒክን ሞያን ዲጂታላይዝ ንምግባር እኹል ህንፀት መሰረተ ልምዓት ምክያድ ወሳኒ ‘ዩ። ኣብቲ ዘፈር ዝሕንፀፁ ፕሮግራማት ትምህርትን ኮርስታትን ቐለልትን ኣብ ኸይዲ ስልጠና ንተምሃሮ ኣሳተፍትን ምዃኖም ብምርግጋፅ ክትግበሩ ከምዘለዎምን ቴክኖሎጂ ዓብዪ ፍልጠት ዝርከበሉ ኣብ ዝኾነሉ ኣብዚ ዘመን ግደ መምህራን ንተምሃሮ ኣንፈት ምርኣይን ዓርሶም ብዓርሶም ከብቅዑ ምግባርን ‘ዩ።

ካሊእ ናይቲ መድረኽ ተሳታፊ ዝኾኑ ኣይተ ኣለማየው ዘውዴ ከምዝገለፅዎ፤ ብልምዲ ንዝተረኸበ ፍልጠት ኣፍልጦ ብምሃብ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዘለዎም ኽእለት ኣብ ተግባር ብምቕያር ክጥቀምሉ ምግባር ይግባእ ብምባል፤ ኢትዮጵያ ብዙሓት ስደተኛታት ትቕበል ሃገር ከም ምዃና ስደተኛታት ዘለዎም ኽእለትን ኣብ ሃገሮም ዘኻዕበትዎ ልምድን ምስ ሕብረተሰብ ተዋሂዶም ናብ ተግባር ንኸሽርፍዎ ብምግባር ሓባራዊ ተጠቃምነት ምዕባይ ይግባእ ኢሎም።

ብልምዲ ንዝተረኸበ ኽእለት ኣፍልጦ ምሃብ ሰባት ብዘይስሩዕ መገዲ ንዝረኸብዎ ፍልጠት ኣፍልጦ ብምሃብ ዜጋታት ዘለዎም ኽእለት ንኽጥቀምሉ ምኽኣል ‘ዩ። ብልምዲ ንዝርከብ ኽእለት ኣፍልጦ ምሃብ ናብ ስራሕ ናይ ምእታው ዕድል የዕብይ፣ ዕዳጋ ስራሕ የመሓይሽን ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ፍትሓዊ ተጠቃምነት ዘረጋግፅን ከምዝኾነ ‘ውን ተገሊፁ።

ኣብ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ እቲ 4ይ ሃገር ለኸ ውድድር ኽእለት ተረኺቦም ንኣሸነፍቲ ሽልማት ዝሃቡን መጠቓለሊ መደረ ዝገበሩ ብብርኪ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ  ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን  ምክትል ፕሬዝዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራሕ፤ ልምዓት ኽእለትን መፍረያይነት ስራሕቲ ምህዞን፤ ተወዳዳራይነትን ኹለመዳያዊ ዕብየትን ንምምዝጋብ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ መንግስቲ ብፍልጠት ኽእለት ንዝለምዑ ቴክኖሎጅታት ምህዞ ናብ ቢዝነስ ብምቕያር ኹለመዳያዊ ብልፅግና ጋህዲ ንምግባር ብቖራፅነት እናሰርሐ ከምዘሎ ‘ውን ገሊፆም ‘ዮም።

ኣብቲ ውድድር ዝተርኣዩ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ናይ ኢትዮጵያ ብሩህ ተስፋ ዘርእዩን እቲ ብልፅግና ‘ውን ዘይተርፍ ምዃኑ ዘመላኸቱ ‘ዮም ዝበሉ ኣይተ ኣደም፤ ስለዝኾነ ኩሉ ሰብ ሞያ ስራቲ ፈጠራ ንፃዕሮምን ንቆራፅነቶምን ምስጋና ከምዝግብኦም ብምግላፅ፤ ኣብ ልምዓት ክእለት ብትኹረት ምስራሕ ዘለቄታዊ  ዕብየት ኢኮኖሚ ንምምፃእ ዝሕግዝ ፈጠራ የዕቢ’ዩ፣ ብተወሳኺ ስእነት ሰራሕ ‘ውን ዝቅንስ ‘ዩ፡፡

ብመንግስቲ ወገን ትካላት ቴክኒክን ሙያን ንምስፍሕፋሕ፤ ፅርየት ዘለዎ ስልጠና ንክህቡ ንምግባር ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኑን ብምሕባር፤ ብትካላት ቴክኒክን ሙያን ዕዳጋ ኢንዱስትሪ ዘማልኡ ዜጋታት ንምፍራይ ስራሕቲ እናተሰርሐ ‘ዩ። እቲ ዝተዛዘመ ውድድር ክእለት ዓቅሚ ፈጠራ ንምዕባይ እናተርሐ ዘሎ ስራሕ ዘርኢ ‘ዩ ክበሉ ኣብሪሖም ‘ዮም።

እቲ ውድድር ክእለት ነቲ ማሕበረሰብ ብሞያን ክእለትን ኣብ ቤት ትምህርቲታት ዘሎ ርድኢት ዘዕብይ መናእሰይ ንስልጠና ዘለዓዕል፤ እናተሰርሑ ዘለው ስራሕቲ ፈጠራ ደረጃ ፅርየት ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ውድድር ኣብ መናእሰይ ኣወንታዊ ተፅዕኖ ንምዕባይ ዝረብሕ፣ ዓርሶም ንዓርሶም ንክመሃሃሩ ዕድል ዝፈጥር፣ ደረጃ ክእለታት ብምርኣይ በቢዘርፉ ክስርሑ ዝግብኦም ስራሕቲ ንመዳርግቲ ኣካላት ዘርኢ ‘ዩ። ናይቲ ውድድር ኣሸነፍቲ መርኣይ ጅማሮ ክእለቶም ‘ምበር  ናይ መወዳእትኦም ኣይኮነን፡፡ ገና ብዙሕ ‘ውን ከምዝተርፎም ዮም ዘረድኡ።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ብወገነን ከምዝበልኦ፤ እቲ ውድድር ካብ መላእ  እታ ሃገር ዝተወፃፅኡ ስራሕቲ ቴክኖሎጂን  ክእለትን ዝሓዙ ተወዳደርቲ ዝተረኸብሉ ምዃኑ ብምገላፅ፤  ዝቀረቡ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝነበሩ ውድድራት ፈታሕቲ ፀገም ዝኾኑ ምዃኖም ተዘሪበን ‘የን።

ከም ገለፃ እተን ሚንስትር፤ እቲ ውድድር ልዑል ስምዒት ንሕንሕን ሓርበኝነትን ዝተርኣየሉ ‘ዩ። ካብዚ ልዑል ትምህርቲ ‘ውን ተወሲዱሉ ‘ዩ። ብዓይነቱን ብፅርየቱን ዝሓሸ ውድድር ነይሩ። ውድድር ስለዝኾነ ግና ምብልላፅ ስለዘድሊ ‘ምበር ኩሎም ተወዳዳርቲ አእምሮኦምን ኣእዳዎምን ተጠቂሞም ሓዱሽ ነገር ምፍራይ ስለዝኸኣሉ ኣሸነፍቲ ‘ዮም። እቲ ዳኝነት ግልፅን ፍትሓዊን ንምግባር ብበይነ መረብ ንክመሓላለፍ ተገይሩ ‘ዩ። እቲ ውድድር ልዕሊ ውድድር ኮይኑ ንክጠናቀቅ ዝገበሩ ኩሉ ምስጋና  ይግብኦም ዝበላ እተን ሚንስትር፤ ክልላት ንዝነበረን ግደ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ።

እቲ ውድድር ብኣሰልጣኒ፣ ብሰልጣኒን ብምድብ ኢንተርፕራይዝ ተኸፊሉ ዝተኻየደ እንትኾን ካብቲ ውድድር ጎና ጎኒ ናይ ቴክኖሎጂን ኢንተርፕራይዛትን ምህርትታት ኣገልግሎታቶም ዘፋልጡሉን ዝሸጡሉን ኤግዚቢሽን’ውን ነይሩ ‘ዩ፡፡

ኣብዚ ውድድር ኽእለት ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ንዝሰዓሩ ተወዳደርቲ  ሜዳልያን ወረቐት ምስክርን ከምኡ ‘ውን ካብ 300 ሽሕ ክሳብ 500 ሽሕ ብር ናይ ገንዘብ ሽልማት ዝተበርከተ ኮይኑ፤ቐዳማይ ንዝወፅኡ 500 ሽሕ ብር፣ምስክር ወረቐት፣ሜዳልያ ወርቅን ክርስታል ዋንጫን፣ ኻልኣይ ንዝወፅኡ 400 ሽሕ ብር፣ምስክር ወረቀትን ሜዳሊያ ብሩርን፣ ሳልሳይ ንዝወፅኡ 300 ሽሕን ብር ምስክር ወረቀትን ሜዳሊያ ነሓስን  ተሸሊሞም’ዮም፡፡

ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ክህሎት  ንኢትዮጵያ ብሙሉእ ኣባልነት ድሕሪ ምቕባሉ ዓለምለኸ መምዘንታት /መለኪዒታት መሰረት ብምግባር ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣዲስ ኣበባ 10 ወርቂ፣4 ብሩርን 4 ነሓስን ሜዳልያታት ብምውሳድ ናይ መበል ራብዓይ ውድድር ክህሎት 2017 ሓፈሻዊ ሰዓራይ ኮይኑ ኣሎ፡፡ክልል ኦሮሚያ ብ5 ወርቂ፣ብ10 ብሩር፣ ብ6 ነሓስ ሜዳልያታት ካልኣይ፣ክልል ኣምሓራ ድማ  በ2 ወርቂ፣ብ5 ብሩርን  ብ6 ነሓስ ሜዳልያታት ብምውሳድ ሳልሳይ ኮይኖም ንቲ ውድድር ዛዚሞም፡፡ኣብዚ ውድድር ንፈለማ ግዜ ዝተወዳደረ ክልል ትግራይ ሓደ ወርቂን ሓደ ብሩርን ሜዳሊያታት ብምርካብ ንቲ ውድድር ዛዚሙ ኣሎ፡፡

ነዚ ሽልማት ካብ ዝወሰዱ ሓደ ማሽን ሽመና ዝሰርሐ መንእሰይ ደምስ ኪዳነ ናይ 500 ሽሕ ብር ተሸላሚ ምዃኑ ዝገለፀ ኮይኑ፤ እቲ ዝተበረከተሉ ገንዘብ ናይ ባዕሉ ስራሕ ንምፍጣር ዘኽእሎ ምዃኑ ተዛሪቡ። እቲ ውድድር ዘዳለው ትካላትን መማህራንን ዘመስገነ እንትኾን፤ኣብ ቐፃሊ ተመሳሳሊ ውድድራት በዓል ሙያታት ፈጠራ ዝበረታትዕሉ ብምዃኑ ክቕፅል ከምዘለዎ ሓቢሩ፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 7 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You