
ነበር ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሐዚ ድማ ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣማኻሪ ሚኒስትር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዘተኮረ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ምክያዶም ዝዝከር ‘ዩ።
ኣብዚ ቃለ መሕትት ሃገራውን ዞባውን ጉዳያት ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ከምኡ ‘ውን ሰላምን ድሕንነትን ኣጀንዳታት፤ ንህወሓት(ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ካብ ፖለቲካ ፓርቲነት ተሰሪዙ ኣሎ) ዝምልከቱ ነጥብታት ‘ውን ተላዒሎም ‘ዮም። ካብቲ ቃለ መሕትት ዝተመረፁ ጉዳያት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና።
ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓደ ‘ዮም ዝብል ኣበሃህላ፡-
ህዝቢ ትግራይ በዚ ኣተሓሳስባ ህዝቢ ብዓቢይኡ ተሃስዩ ‘ዩ። እቲ መሪሕነት ብሓደ መንገዲ ንህዝቢ ንምቑፅፃር ንኽምችወሉ ገይሩ ‘ዩ። ሐዚ ንህዝቢ ትግራይ ዘጋጥሞ ዘሎ ፀገም እንታይ ‘ዩ? ህወሓት ናይ ባዕለይ ውድብ ‘ዩ ኢሉ ዝኣምን ብሚልዮን ዝቑፀር ትግራዋይ ኣሎ፤ ህወሓት፣ ህዝቢ ትግራይ ዝተወደበ ቓልሲ ክገብር ኣብ ምምራሕ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረ ፓርቲ ‘ዩ። ብመንፅር ዝተወደበ ቃልሲ እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ቃልሲ ዝተበታተነ ‘ዩ ነይሩ። በዚ መሰረት ዝዋሃቦ ድጋፍ ኣሎ፤ እዚ ማለት ግና መሪሕነት ህወሓት ነዚ ብዘይግቡእ ስልጣኑ ንምንዋሕ ይጥቀመሉን ነይሩ ‘ዩ። እዙይ ‘ዩ ዝበሃል ለውጢ ኣየምፅአን።
ከምዚ ዝበለ ዝተወደበ ህዝቢ ሒዝካ፤ ከምዚ ዝበለ ሓያል፤ ስራሕ ዝፈቱ፤ ንሃገሩ ዝፈቱ ህዝቢ ሒዝካ ትግራይ ክትበፅሖ ዝግባእ ብርኪ ኣብ ክንዲ ምብፃሕ ብታሪኻዊ ኣጋጣም ኣብ ኢዱ ዝኣተዉ ኣማራፂታት ስልጣንን ረብሓን ጥራሕ መሰረት ዝገበረ ጉጅለን ናይ በዓሉ ረብሓ ኣብ ምርግጋፅ ትኹረት እናገበረ ዝፀንሐ መሪሕነት ‘ዩ። ኣብ ዕብየት ህዝብን ሃገርን ኣበርክቶ ዝገበሩ መራሕቲ ነይሮም።
ዘጠራጥር ነገር የለን። ኣብ መወዳእታ ግን ኩሉ ናብ ምንታይ ወሪዱ? ናብ ፀቢብ ጉጅላዊ ረብሓታት ጥራይ ዘተኮረ ኮይኑ። ኣነ እንታይ ይብል ከም ዘለኹ ከይፈለጠ እቲ ኣነ ዝበልክዎ ጥራሕ ‘ዩ ቅኑዕ ይብል። ኩሉ ግዜ ካብ ድቃሱ ባህሪሩ ኣብ ዝተሰአሉ ዝመፀሉ ጉዳያት ህዝባዊ ኣጀንዳታት ኣምሲሉ የደናግር። እቲ ኣመራርሓ ብሽም ህዝቢ እናማሓለ ህዝባዊ ኣጀንዳን ጉዳያትን ገዲፉ ናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓ ዝስዕብ ሓይሊ ኮይኑ ‘ዩ መፂኡ።
ሕዚ ስኽ ኢልካ ደገ ወፂእኻ እገለ እገለ ኢልካ ምውቃስ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ኩላትና ዝሓለፍናዮ መስርሕ ኣጀንዳ ህዝቢ ቀዳምነት ኣብ ምቕማጥ እንታይ ሰሪሕና? ምርኣይ ግቡእ ‘ዩ። ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓደ ‘ዮም ዝብል ምትላል ይጥቀም። ኣብ መንግስታዊ ሓላፍነት ኮይንካ እትፍፅሞም በደላት ተሓታቲ ንዘይምዃን፤ ኩሉ ዝሰርሖ ስራሕ ብናይ ህዝቢ ተቐባልነትን ደገፍን ከም ዝሰርሖ ገይሩ ንምእማን ይፍትን።
እቲ ኣመራርሓ ንባዕሉ ወኪል ህዝቢ ገይሩ፤ ህዝቢ ክሰግደሉ ይግብር፤ ህዝቢ ዝኾነ ናይ ተቓውሞ ምልክት ከየልዕል ዓፊኑ፤ ኣብ ኣጀንዳ ስርቂ ብደም ተጠልቕሊቑ እናሃለወ ኮይኑ ግና ህወሓትን ህዝብን ሓደ ‘ዩ እንዳበለ ነብሱ ሓራ ከውፅእ ዝፍትነሉ ኩነታት ኣሎ። እዚ ዓይነት ኣካይዳ እዚ ጆርጅ ኦርዌል ዝተባህለ እንግሊዛዊ ከምዘቐመጦ፣ ካባኻ ዝተፈለየ ሓሳብ ከይህሉ (ዝተፈልየ ሓሳብ ከይሓስብ) ዝገብሩ ባህልታት ንበዓሉ (protective stupidity) ዝበሃል ዓይነት ‘ዩ።
ከምኡ ‘ውን መሪሕነት ህወሓት ብመሰረቱ (essentially) ዜጋታት ሓሳቦም ከይገልፁን ንውድቦም ብምንቓፍ ናብ ግቡእ ቦታኦም ዝምለስሉ ኬይዲ ከይፍጠር ንሚድያታት ምቑፅፃር ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ንኹሉ መስርሕ ኣተሓሳስባ ተቖፃፂሩ ብኸምዚ ኣገባብ ከም እተምልኽ ይገብረካ። ብዙሕ ግዜ ሕዚ ሰባት መናእሰይ ትግራይ ንህወሓት ክነቅፉ ኣብ ዝደልይሉ እዋን ብኣምሓርኛ እንተነቒፎም ብዙሕ ሰብ ቅር ይብሎ። ምክንያቱ ከም ናይ ውሽጣዊ ጉዳይ ተገይሩ ‘ዩ ዝቕመጥ።
መሪሕነት ህወሓት እዚ ‘ዩ ዝደልዮ። ክወቕሶ ዝደልዮ ነገር፣ ትግራዋይ መሪርዎ ነቲ ክዛረቦ ዝደሊ ጉዳይ ብኻልእ ቋንቋ ኣይትገልፅን ጥራይ ዘይኮነስ ውፅእ ኢልካ ድምፅኻ ከይተስምዕ ዝኽልክል ስርዓት ‘ዩ ክተክል ዝደሊ። እዚ ሓደገኛ ‘ዩ።
ብኻልኣይ ደረጃ ብስንፍና ኣተሓሳስባ ዝተዋሕጡ ብዙሓት ‘ዮም። ቀዳማይ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ቃልሱ ፀግዖም ዘትሐዞም ኣተሓሳስባታት ኣለዉ። ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብዝተወደበ ኩናት (resistance) ለውጢ ንምምፃእ ኣብ ዝግበር መስርሕ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረ ህዝቢ ‘ዩ። በዚ ኣጋጣሚ እቶም ካብ እንጀረኦም ዝተፈናቐሉ፤ ካብ ስልጣኖም ዝተፈናቐሉ ወገናት በዚ ደረጃ ንሰባት ዝጎድእ ህዝቢ የለን። ንህዝቢ ትግራይ ከም መሰረታዊ ፍልፍል ፀገማቶም ዝቖፅሩ ኣለው።
ናይ ሰነፍ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ኣብ ህወሓት ወይ መሪሕነት ህወሓት ዘለዎም ፀገም መፅናዕቲ ዝሓትት ‘ዩ፤ ነዚ ፈላሊኻ ተንቲንካ መሪሕነት ህወሓት ከምዚ ጌሩ፤ ኣባል ህወሓት ዘይኮነስ ላዕለዋይ መራሒ ህወሓት ‘ዩ፣ ኢልካ ምትንታን ንእሽተይ ፃዕሪ ስለ ዝሓትትን ድማ ሰነፋት ስለዝኾኑ ንህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብሓባር ንህወሓት ወይ መሪሕነት ህወሓት ንምጥፋእ ዘለዎም ኣጀንዳ ምስቲ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዘለዎም ኣጀንዳ ኣታሓሒዞም ‘ዮም ዝንቐሳቐሱ። ከምዚ ዝበለ ሰነፍ ሓደገኛ ኣተሓሳስባ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ‘ዩ።
ኣብዚ እንርእዮም ኣጋጣሚታ ብተወሰነ ደረጃ ኣብ ስርቂ ዝተሳተፈ ሰብ ክህሉ ይኽእል ‘ዩ። ብተወሰነ ደረጃ ስልጣን ሒዙ ገበን ፈፂሙ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ኣብ ክንዲ ብመጠኑ ዝወስዶ፤ ንህዝቢ ከም ህዝቢ እናፈረጅካ ህዝቢ ኣካል ኢትዮጵያ ዘይኮነስ ንኢትዮጵያ ሽግር ከም ዝኾነ ተገይሩ ክሕሰብ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ በደል ክፍጠር ዓቢዪ ኣበርክቶ ዝገበረ ፍረጃ ‘ዩ።
ክልቲኦም ፍረጃታት ካብዝኾነ ይምፃእ ኣመራርሓ ህወሓት ዘካየዶ ኮነ ካሊእ ሰነፍ ይፈርጆ ሕዚ ‘ውን ንህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ‘ዩ። ስለዚ ብኹሉ ኩነታት ፖለቲካዊ ሓቒ ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ሓሳባት ምትእንጋድ ብዝከኣለሉ ከም ሓዱሽ ክቕረፅ ኣለዎ። ካብ መሪሕነት ህወሓት ወፃኢ (beyond) ክሕሰብ ክኽእል ኣለዎ።
ኣነ ኣብዘለኽዎ ኣመራርሓ ህወሓት ናይ ሰሙን ምትንባይ ኣብይዎ፤ ህዝቢ ናብ ኲናት ምስ ኣተወ ብመስዋእቱ ክሳብ ዝደለዮ ርሕቐት ክኸይድ ዝኽእል ዝነበረ ነቲ ሓደጋ ቐልቢሱ ናብ ሰላም ምስ መፃና ሰሙን ሰሙን ዝቕየር ሓደገኛ መሪሕነት ፤ ሰሙን ሰሙን ዕድላት እናረኣየ ክጥቐም ኣለኒ ዝብል ሓደገኛ ኣመራርሓ እናሃብና፣ ህዝቢ ብልምዓት ተጠቓሚ ከይኸውን ህልውናኡ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ ኩነታት ንምፍጣር ዓብዪ እጃሙ ዘበርከተ መሪሕነት ‘ዩ።
እዚ ኣመራርሓ እዚ ሕጂ’ውን “ኣነ እየ ዝፈልጠልካ” ብምባል ክቕፅል ይደሊ። እዚ ክኸውን ኣይክእልን ‘ዩ። ድሕሪ ሕጂ ምትላል ኣይከኣልን። እንተወሓደ ተነሲሀ ‘የ፤ ነዚ መንእሰይ ኣታሊለ ክነብር ዝኽእለሉ ግዜ ኣብቂዑ ‘ዩ ኢሉ ክኣምን ኣለዎ። ካብ መጀመርታ ከምኡ ‘የ ዝሓስብ ነይረ። ቅድሚኡ ከም ኣካል ናይቲ መሪሕነት ዝገበርክዎ ጌጋታት ሓላፍነት ክወስድ ድሉው ‘የ ክብል ኣለዎ።
እዚ መሪሕነት እዚ ነቲ ዕድል ሰላም ተጠቒሙ ሰላምና ክንሕሉ ኣለና ክብል ኣለዎ። ብህይወት እናሃለና ህዝብና እነገልግሎ ሃዋህው ተፈጢሩ ኣሎ። ነዚ ክንጥቀመሉ ምስ ወሰንና ‘ውን ጥቕሙን ስልጣኑን፣ ናይ ስርቒ ኔትወርክ ጥራሕ ማእኸል ዝገበረ ኣመራርሓ፤ ሕዚ ‘ውን ዋላ ሰላም እንተኾነ ነዚ ሰላም ብዘይ ምግዳስ ንህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዋላ አእትዬ ህልውናይ ከቕፅል ‘የ ኢሉ ፋሕጠርጠር ክብል ብተግባር ይርአ ኣሎ።
በዚ ኣተሓሳስባ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ምቕፃል ኣይከኣልን ጥራይ ዘይኮነስ መንእሰይ ትግራይ በቲ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ደረጃ ንቕሓት ብዝደለኻዮ ዓይነት ምጭብርባር ክትመርሖ ትኽእል ኣይኮንካን። በዚ መንገዲ እዚ ሓደ ዓመት ‘ውን ምቕፃል ኣይከኣልን። ፖለቲካዊ ባህልና ክሰፍሕ ኣለዎ፤ ኩሎም ሓሳባት ክተኣናገዱ ኣለዎም። ናይ ህዝቢ ኣጀንዳ ልዕሊ ረብሓ መራሕቲ ክኸውን ኣለዎ።
ኣብ እዋን ግጭት/ኹናት ዝተፈፀሙ ገበናት፡-
ዓቢዪ ገበን ‘ዩ ተፈፂሙ፤ ፌደራል መንግስቲ ገበን ንዝፈፀሙ ቀፂዕና ይብል፤ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣይከራኸርን ‘የ። እቶም ክቕፅዑ ዝግብኦም ክቕፅዑ ኣለዎም። ከምቲ ዝተገለፀ ገበናት ማዕረ ምግባር ግቡእ ‘ኳ እንተዘይኮነ ብኣና ዝተፈፀሙ ገበናት እንተሃልዮም፤ በቲ ክንሓቶ ዝግበኣና ደረጃ ክንሓትት ክንክእል ኣለና ዝብል እምነት ኣለኒ። ዕጡቓትና ብሓደ ወይ ብኻሊእ ምኽንያት ካብ ግንባር ኣንሰሓሒብካ ኢሉ ዝረሸነ ኣሎ፤ በዚ ደረጃ ክንሓትት ክንክእል ኣለና። ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝኣተወሉ ከባቢታት ዘፈፀሞ ገበን እንተልዩ ሕዚ ‘ውን ክሕተት ክኽእል ኣለዎ።
ሓይሊ ምክልኻል ሰራዊት ካልእ ምስ ሰራዊት ሓይሊ ምክልኻል ተሰሊፉ ዝመፀ ሓይሊ ዝፈፀሞም ገበናት፣ ወይ ድማ ዕጡቓት ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝፈፀምዎ ገበናት ብግልፂ ክንዛተየሉ ክንክእል ኣለና። ሓደ ሰብ ነቲ ካልእ ሰብ ጥራይ ዝወቕሰሉ ኩነታት ክህሉ የብሉን። ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝወረደ ስቓይ ግን ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ንምክሕኸሓስ ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ።
ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ተደጋጋሚ ስቃይ በፂሕዎን ‘ዩ። ከም ደቂ ኣንስትዮ ብተፈጥሮ ዝተዋህበን ከም በረኸት ዘይኮነስ ከም መርገም ተራእዩ ዝተዓመፃሉ ኩነታት ብሰፊሑ ተራእዩ ‘ዩ። ኣብዚ መን እንታይ ኣጥፊኡ ዝብል ከምዝተባህለ ኮይኑ ንኣብነት ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ገሊፀዮ ክኸውን ይኽእል ‘የ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ ዩኒቨርሲታት ኣብ ዘካየዶ መፅናዕቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ፆታዊ ጥቕዓታት ብ10 ኣሽሓት ዝቑፀራ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፣ 76 ሚኢታዊ ብሰራዊት ኤርትራ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ምዃኑ ይሕብር።
ሰራዊት ኤርትራ 76 ሚኢታዊ ፈፂምዎ ማለት እቲ 24 ሚኢታዊ ዝፈፀመ ካልእ ተሓታቲ ክኸውን ኣይኽእልን ማለት ኣይኮነን። ሓደ ሰብ ዋላ ሓንቲ ጌጋ ፈፂሙ ተሓታቲ ‘ዩ። ስለዚ 24 ሚኢታዊ ዝኾኑ ፋኖ ወዘተ ኩሉ ሓዊሱ ናብ ትግራይ ዝመፀ ብምዃኑ ብመንፅር ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት መንግስቲ ፌደራል ብምፅራይ ስርሑ ይስራሕ ኢልና ነይርና ኢና።
ሓደ ነገር ክነግረካ፤ ፈለማ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ኩናት ኣብ ትግራይ ምስተወለዐ ፋሕ ኢልና ኔርና። እቲ ሰራዊት ፋሕ ኢሉ፤ ንሕና ‘ውን ኣብ ገጠር ፋሕ ኢልና ነይርና፣ ኣብ ከባቢ ዓድዋ ኣብ ዓዲ ኦሮ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ፀሊም ሰሌዳ ሰባቢሮም ኔሮም። ግና ብትግርኛ እንታይ ተፃሒፉ? 30 ዓመት ንድሕሪት መሊስኩምና፤ 40 ዓመት ንድሕሪት ክንመልሰኩም ኢና ይብል።
ዝተወደበ ምንቅስቓስ ይካየድ ነይሩ፤ ኣብ ኩሉ ቦታታት ብዛዕባ ኣስማትና ገለ መስሐቒ ነገራት ተፃሒፉ ነይሩ፤ ኣቓልቦ ዝስሕብ ኮነ ተባሂሉ ዝስራሕ ዝነበረ ይመስል። ህዝቢ ትግራይ ከም ሰብ ናይ ምውራድ ድሌት ከምዝነበረ ክፍለጥ ይግባእ። ስለዚ ዋላ ነቲ 24 ሚኢታዊ ዝፈፀሙ ሓይልታት ‘ውን ክሕተቱ ክኽእሉ ይግባእ።
እዚ ዝብሎ ዘለኹ 76ን 24ን ንምንፅፃር ኣይኮንኩን፣ እንታይ ደኣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝተፈፀሙ በደላት ሓቒ ‘ዩ። ሓቂ ጥራይ ዘይኮነስ ብዝግባእ ክንርእዮ ዝግበኣና ነገር ‘ዩ። ምስዚ ክውንነት’ዚ ከይተሰማምዕና ካልእ ምልባስ ኣየድልን። እዚ ማለት ግን ኣባል ሓይልታት ምክልኻልን ፋኖን ንሰባት ኣይጨፍጨፉን ማለት ኣይኮነን፤ በቢደረጅኡ ምሕታት ይግባእ። ክውሰዱ ዘለዎም ስጉምትታት ክውሰዱ ኣለዎም።
መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይካ ውሑዳት ለያቡ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ስርዓት ንምኽባር ይፅዕሩ ‘ዮም። እዚ ክፍለጥ ይግባእ። ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ስርዓት ንምሕላው ኣብ ዝገብርዎ ፃዕሪ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓመፅ ዝፈፀሙ ስጉምትታት ዝወሰዱ ወተሃደራዊ መራሕቲ ከምዘለዉ እፈልጥ ‘የ። ስጉምቲ ምውሳድ ድዩ ቅኑዕ ወይስ ፍትሒ ምድላይ ዘብል ካሊእ ጉዳይ ‘ኳ እንተኾነ ብናተይ ኣረኣእያ ግን ከምዚ ዓይነት ገበን ብምፍፃም ስጉምቲ ዝተወሰደሎም ዕጡቓት ከምዘለዉ እፈልጥ ‘የ።
ብዘይካ ምዝማትን ናይ ሕነ ምፍዳይ ስምዒትን ካልእ እምነት ዘይብሎም ውሱናት ወተሃደራዊ መራሕቲ ኣለዉ ‘ዮም። ጀነራላት ንበዓሎም 90 ኪሎ ሜትር ርሒቖም ዘካይዱዎ ኩናት ዕጡቓቶም እቲ ኩናት ልዕሊ ዓቕሞም ኮይንዎም ንደሓር ክስሕቡ እንተለዉ ዝርሽኑ ሰባት ኣለው። እዚ ብርግፀኝነት ‘የ ዝነግረካ ዘለኹ። ኮይኑ ግና ኩሉ ኣብ ሓደ ሳንዱቕ ምቕማጥ ኣይከኣልን ‘ዩ። ኩልና ንዝፈፀምናዮ ገበን ተሓተትቲ ንምዃን ድሉዋት ክንኸውን ኣለና። ኣይተፈፀመን ኢልካ ምምጓት ገበን ‘ዩ። ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ብወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሐ መከራ ዓብዪ ‘ዩ።
እዚ ርኡይ ሓቒ ‘ዩ፤ ሽመን ዝፍለጣ ደቂ ኣንስትዮ ዋጋ ከፊለን ‘የን። እዚ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ተወሲኑ ዝተፈፀመ ‘ዩ፤ ሕዚ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ወገንና ‘ዩ ኢሎም ዝፍክሩ ሰባት ኣለዉ። እንተ ወሓደ መንግስቲ ኤርትራ ንስሃ ይእቶ፤ በደሉ ክኣምን ይግባእ። ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ትግራይ ክሰፍር ተሰማሚዕና መፂእና ኢና፤ ምስ ፌደራል መንግስቲ ዘለዉ ጥፍኣታት ንምምርማርን ስጉምቲ ንምውሳድን ድልዋት ኢና።
ተሓታትነት ንምርግጋፅ ፈሪምና ኢና። በቲ ዝፈረምናዮ መሰረት ተሓታትነት ኣረጋጊፅና ዶ ኣየረጋገፅናን ክርአ ዝግበኦ ጉዳይ ‘ዩ። ብመንፅር ተሓታትነት ኣብ ትግራይ ዝተፍፀሙ ግሕሰታት ከምቲ ኣብ ካልኦት ክልላት ዝተፍፀሙ ግሕሰታት ክድብዝዝ ኣይግባእን። ኣብ ትግራይ ብዙሕ ግሕሰት ስለዝተፈፀመ ድማ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ግሕሰት ኣይተፈፀመን ተባሂሉ ክውሰድ የብሉን።
ኣብ ዘረፋ ወርቂ፣ ንግዲ ኣብ ደቂ ሰባት፣ ውራ መሬትን፡-
ከም ከማይ ‹‹ፕሮቴክቲቭ ስቱፒዲቲ›› ፖለቲከኛታት ብናይ ምድባቕ ሕማም ይጥቕዑ፤ ኣብ እዋን ኲናት ዝተፈፀሙ ገበናት ብስምምዕ ሰላም ክውዳእ ኣለዎ ጥራሕ እንተይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሕዚ ንደሓር ብዘይካ ተገዲዱ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ብናይ ፖለቲካ መሪሕነት ምኽንያት ናብ ኩናት ክኣቱ የብሉን ዝብል እምነት ዘለኒ ሰብ ‘ውን ከምዚ ዓይነት ገበናት እናተፈፀሙ ሓድነትና ሓይልና ‘ዩ ኢልና ስለ እንኣምን ከምዚ ዓይነት ገበን ናይ ምሕባእ ዝንባለ ነይሩና ‘ዩ።
ሓድነት ሓይሊ ‘ዩ ይበሃል። ሓድነት ኩሉ ግዜ ሓይሊ ከምዘይኾን ንኣብነት ሓዊ ከሰል ብዝተቓረቡ መጠን ሓይሎም እናደኸመ ይኸይድ። እቲ ሓዊ ብዝተፀጋግዑ መጠን ነንበዓሎም እናተጠፋፍኡ ‘ዮም ዝኸዱ። ስለዚ ሓድነት ኩሉ ግዜ ሓይሊ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ካብ ቁፅሩ ንላዕሊ ዓቕሚ ክህልዎ ዝገበረ ተወዲቡ ናይ ምንቅስቓስ ባህሊ ዘለዎ ህዝቢ ‘ዩ።
ነዚ ባህሊ ምንቅስቓስ ንውልቃዊ ረብሓኦም ክምዝምዙ ዝደልዩ ሓይልታት እንተሃልዮም ግና ነዚኦም እንድሕር ዘየውጊድዎም ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ሓይሊ ኮይኑ ክቕፅል ኣይክእል ‘ዩ። ስለዚ በዚ መንፅር እዚ ነዚ ሓድነት ዝብል ፅውፅዋይ ንነዊሕ እዋን ተሓቚፉ ናይ ምቕፃል ልክዕ ከም ከሰል ነንሕድሕዱ እናተቓፀለ ዝጠፋፈአሉእ መስርሕ ‘ዩ ኮይኑ ዝቕፅል።
ኣብነት ክነግረካ፤ ንግዲ ወርቂ፤ ብዙሓት ሰባት ንግዲ ወርቂ ድሕሪ ምፍርራም ስምምዕነት ፕሪቶርያ ከምዝጀመረ ገይሮም ዝወስዱ ኣለዉ። ኣብ ኲናት ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኣነ ብዝኣምነሉ መንገዲ ‘የ ተቓሊሰ ዝብል እምነት ኣለኒ፤ ኣብቲ ዝኣምነሉ ቃልሲ ብዙሓት ብኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ ዝተቓለሱ ወተሃደራዊ መኮንናት ኣለዉ ‘ዮም።
ነቲ ዝገበርዎ ስራሕ ዘለኒ ኣኽብሮት ፈፂሙ ክቕንስ ኣይክእልን ‘ዩ። እቲ ኲናት ኣሽሓት መንእሰያት ኣብ ዝወስደሉ ዝነበረ እዋን ’ውን እንተኾነ ንዃዕቲ ዕርድታት ዝወሰድናየን ኤክስካቫተራት ወርቂ ንምእራይ ዝጥቐሙለን ኣዘዝቲ ነይሮም ‘ዮም። እዚ ንፈልጦ ኢና። ክሕስዉ ከለዉ ብጣዕሚ ‘ዩ ዝገርመኒ። ኣነ ክሳብ ሕዚ ዝሓሰኽዎ ይኣኽለኒ ‘ዩ።
ክሳብ ሕዚ ዝተዓገስክዎ ይኣኽለኒ ‘ዩ። ሰባት ብምሻጥ ዝነብሩ ሰባት ‘ውን ኣለዉ። ኤርትራዊ ምሻጥ ንብረት ‘ዩ ዝበሃል፤ “ንብረት” ኣውሪድና ኣለና ‘ዩ ዝባሃል፤ ሰብ እናዓፈንካ ኣውሪድናዮ ይበሃል። እቲ ዕላማ ብወገንና ንሰራዊት ኤርትራ ንምፍራስ ‘ዩ ነይሩ። ሰራዊት ኤርትራ ንምፍራስ ሰባት ክኣትዉ ወይ ክመፁ ምግባር የድሊ። ወፍሪ ምፍራስ ሰራዊት ኤርትራ ጀሚረ ኣለኹ ኢሉ ነዚ ዝመርሕ ወገን ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ‘ዩ ከፍርስ ዝኽእል፤ ስለዚ ወዲ ድኻ ወጢሩ ክቃለስ ይግደድ።
ኣብዚ ኣብ ደገ ኣካውንት ከፊቶም ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ሰባት እናሸጡ፤ እናዓገቱ እዚ ብኤርትራውያን ዝተጀመረ ናብ ተጋሩ ዝዞረ እንትኸውን ነዚ ዝመርሑ ላፅለዎት ኣመራርሓ ኣለዉ። ስጉምቲ ክውሰዶም ኣለዎ ኢልና ወሲና ነዚ ንኸፍፅሙ ሓላፍነት ዝተዋሃቦም ሰባት ናተይ ሰባት ‘ዮም፤ መራሕቲ ፀጥታ ‘ዮም ብምባል ስጉምቲ ኣይተወስደን፤ ናይ ፀጥታ መሪሕነት ብባህሪኡ ገበን ዝፈፀመን ዘይፈፀመን ናይ ምድግጋፍ ባህሪ ኣለዎ።
ኣብ ንግዲ ወርቂ ዝተዋፈረ ጀነራል ንናፅነት ትግራይ ህይወተይ ክኸፍል ‘የ እናበለ ይፍክር። ኣብ ንግዲ ወርቂ ኢኻ ዘለኻ ክበሃል ይግባእ። እኒበዓል ምግበይ ዝሰርሕዎ ጅግንነት ኣብ መስዋእቲ መንእሰይ ዝተመስረተ ጅግንነት ‘ዩ። እንደገና ነቲ መንእሰይ ናብ ካሊእ ከአትውዎ ክንቐሳቐሱ ከትርኢ እንተለኻ ትሓዝን፤ ብእኒ ሃይለስላሴ(ወደ እምበይተይ) ዝተዘረፈ ገንዘብ ኣሎ። ካብ ናይ መንግስቲ ካዝና ብሚልዮናት ዝቑፀር ገንዘብ ዝዘረፉ ሰባት ሕዚ ብሽም ሓድነት ህዝቢ ትግራይ መንእሰያት ትግራይን ኤርትራን ብሓባር ናብ ሓዊ ንምእታው ይፍክር።
ካብ ልቦም ንህዝቦም ከገልግሉ ዝደልዩ መኮንናት ኣለዉ፤ ካብ ልቦም ሰላም ዝደልዩ ኣለዉ። እቶም ምግበይን ሃይለስላሴን ብገበን ጠልቕዮም ብዝኾነ ይኹን ሃንደበት ሰላም እንተተፈጢሩ ክንሕተት ኢና ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ህውከት ከብቅዕ ኣይደልዩን ‘ዮም። ህዝቢ ትግራይ ናብ ካሊእ ኩናት ንምእታው እናተሓሰበ ዘሎ፤ መንግስቲ ፌዴራል ኣጀንዳ ወደብ ወዘተ ብዝብል ሃንደበት ኲናት ክገጥመና ይኽእል ‘ዩ ብዝብል ስግኣት እቲ ውግእ ኣብ ትግራይ ክኸውን ዘኽእል ስትራቴጂ ‘ዩ ተቐይሱ ዝስራሕ ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ የብሉን። እዚ ናተይ እምነት ‘ዩ። ግና ክመርፅ እንተድኣ ተገዲደ ህዝቢ ትግራይ መሊሱ ዓውደ ኩናት ከይከውን ክሳብ መወዳእታ ክቃለስ ‘ዩ። ነዚ ንምግባር ኣብ ቃልስና ዕንቅፋት ዝኾኑ ዘለዉ ኣብ ንግዲ ወርቂ ዝነጥፉ ሸፋቱ ‘ዮም።
ኣብ እዋን ውግእ ኣብ ኣካውንት ዘሎ ገንዘብ ንምእካብ ካብ ዝተመደቡ ሰባት፤ እቲ ሓደ ናይ ግንባር ኣዛዚ ዝበሃል ሃይለስላሴ ብሚልዮናት ዝግመት ገንዘብ ዝወሰደ ኢንፋክት ከባቢ ሓደ ቢልዮን ‘ዩ ወሲዱ። ኣብ ትሕቲኡ ኮይኖም ዝቓላጠፉን ኣገልገልቱን ዝኾኑን ብፅሒቶም ዝወሰዱን ኣለዉ። ዝበዝሕ ሰብ ኣብቲ ቃልሲ ዝተሳተፈሉ ምኽንያት ንህላወ ትግራይ ዝጠቅም ስለዝነበረ ጥራሕ ‘ዩ። ገንዘብ ክንረክብ ኢና ኢሉ ኣይኮነን ተሳቲፉ፤ ስለዚ ኩሉ ብሓደ ዓይኒ ከትርእዮ ኣይትኽእልን።
ኣብ ምዝራፍ ገንዘብ ኣብቲ እዋን ዘተሓባብር ዝነበረ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ከምዝዋዓለ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ኣብ ደገ ‘የ ነይረ ከም ዝበለ ሰሚዐ ኣለኹ። ኣብ ፅንዓትና ኔሩ ‘ዩ፤ እቲ መፅናዕቲ ብዶ/ር ደብረፅዮን ዝምራሕ ዝተፀንዐ መፅናዕቲ ‘ዩ። እዚ ኩሉ ዝርዝር መፅናዕቲ ኣሎ ‘ዩ ተቐሚጡ፤ ንኣብነት እዚ ሃይለ ዝተባህለ ሰብን ካልኦት ናይ ፖለቲካ መራሕትን ናይ ወርቒ ማሽን ኣብ ምእታው ‘ዮም ዝውዕሉ። እዞም ሰባት እዚኦም ምስ ኣመራርሓ ፌደራል መንግስቲ ይዘራረቡ ‘ዮም። እቲ ሓጥያት ብዙሕ ‘ዩ።
ብናይ ፌደራል ሰባት ማሽኖም ክተሓዝ እንተሎ ‹‹ንዓኹም ዝመስል ሰብ እኮ የለን›› ብምባል እናተለማመፁ ማሽኖም ከልቕቑ ይፍትኑ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝርዝር ሓበሬታ ‘ዩ ዘለኒ። ብዛዕባ እዚ ናይተይ ምኽትል ዝነበረ ይፈልጥ ‘ዩ። ምስ ሓለፍቲ ፀጥታ ስጉምቲ ንምውሳድ፤ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ተዘራሪብና ኔርና፤ ዝተገብረ መፅናዕቲ ‘የ ዝነግረካ ዘለኹ። ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ ኣስታት 300 ሚልዮን ዝወሰደ ኣብ ቀይዲ ይውዓል፤ እንእገለ ክንድዚ ዝኣክል ማሽን ወሲዶም ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ይውዓሉ ስጉምቲ ንውሰድ ካብ ዝባሃል ኽልተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ።
ሕዚ ንዓይ ‹‹ክሒድካ›› ዝብል ዘሎ ኣመራርሓ፤ ንገበነኛታት ከም ናቱ ስርዓት ‘ዩ ዝቖፅሮም። እቲ ዝምድና ገበናዊ መርበብ ‘ዩ፤ ነቲ ኣብ ንግዲ ወርቂ ዝነጥፍ ጀነራል ዝተኣማመነሉ ምኽንት፤ ብግልፂ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እንትዛረብ ሰሚዕኹም ኢኹም ትኾኑ፤ ሕዚ ናይ በዓልና ሰብ ስለዝመፀ ከም እቲ ንጌታቸው ዘተዓናቐፍናዮ ክነታሓናኹሎ የብልናን ይብል። ምኽንያቱ ንጌታቸው የዐንቕፍ ከምዝነበረ ስለ ዝፈልጥ፤ ንጌታቸው ዘዐንቕፈሉ ምኽንያት ኣነ ኣካል ናይቲ ናይ ስርቂ ኔትውርክ ስለዘይኮንኩ ‘ዩ። ካልእ ምኽንያት የለን።
ኣብ ናተይ ኣካውንት ክረኽብዎ ዝኽእሉ ናይ ስርቒ ገንዘብ የለን፤ ክረኽብዎ ዝትኽእሉ ካርታ መሬት የለን። ሓደ ሓደ ግዜ ኣዝዩ የሕዝነኒ፤ ምስ ፌደራል መንግስቲ ዘለዎም ጉዳይ፤ መሬት ኣምልሰልና፤ ሸምግለና ይብሉኒ፤ ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ወተሃደራዊ መሪሕነት ሰላማዊ ህልውና ትግራይ ክሳብ ዝተረጋገፀ ናይ ምትኳስ ድሌት የብሉን። ተገዲዱ እንተኣትይዎ ይዋጋእ ‘ዩ ዘጠራጥር የብሉን። ካብዚ ወፃኢ እዞም ናይ ወርቒ ነጋዶታት ንግዶም፣ ዘረፋኦም ንኸቕፅሉ ክብል ኣይዋጋእን።
ኣብ ንግዲ ወርቂ ዝነጥፉ ሰባት ብግልፂ ኣይተሓተቱን፤ ነዚ ከዕንቅፍ ዝፀንሐ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ፤ ተሓተትቲ ክኾኑ ኣይደልን፤ ክሕተቱ ዘይደለየሉ ምኽንያት ባዕሉ ተሓታቲ ስለዝኾነ ‘ዩ። እዚ ናይ ገበን ኢንተርፕራይዝ ‘ዩ። ምስ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ዘራኽብ የብሉን፤ ሕዚ ንጌታቸው ካብ ስልጣን ኣወጊድናዮ ኣለና። ስለዚ መንግስቲ ፌደራል ናብ ካልእ ነገር ክኣቱ ስለዘይደሊ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክብ ተጠቒምካ ንግዲ ወርቂ ምቕልጣፍ፤ ኮንትሮባንድ ምጥንኻር፤ እቲ ቀንዲ ነገር ሕዚ ዘሎ እዙይ ‘ዩ። ንህላወ ህዝቢ ትግራይ ሓደ ግዜ ምዕራብ ደሓር ደቡብ ትግራይ ክነምልስ ኢና ይብሉ፤ እዚ መሕፈሪ ‘ዩ፤ ምስ ናይ ባዕልኻ ህዝቢ ተዋጊእኻ ኣይኮነን ተምልስ፤ ብሰላም ክውደአሉ ዝኽእል ኩሉ ፀንቒቕና ክንጥቐም ክንኽእል ኣለና።
ብዛዕባ ገበን ዝሕተቱ ሰባት ሓደ ሓደ ግዜ ይግርመኒ፤ ብዛዕባ መስዋእቲ ምናምን ይብሉ እዚ ኩሉ ሓሶት ‘ዩ፤ ናይ መስዋእቲ ድሌት የብሎምን፤ መስዋእቲ ክኸፍሉ ኣይደልዩን፣ ብመስዋእቲ መንእሰይ ክረብሑ ‘ዮም ዝደልዩ። ብመሰረቱ ክሕተቱ ኢልና ፅንዓት ተገይሩ ተረጋጊፁ ኣነ ኣብ መወዳእታ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ናብ ክፍሊ ፍትሕን ፖሊስን ዝተወሰነ ዶኩመንትታት ድማ ናብ ፀረ ግዕዝይና ክኣቱ ገይረ እየ፤ ብጭቡጥ ይሕተቱ ድዮም ኣይሕተቱን ካልእ ጉዳይ ‘ዩ።
ንኣብነት ኣብዚ ጉዳይ ብበዝሒ ተሳታፊ ዝነበረ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ክእሰር ኣለዎ ኢልና እንኣምኖ ሰብ ናብ ወፃኢ ሃገር ከይዱ ኣሎ። ሕዚ ‘ውን ካልኦት እቲ ንግዲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ዝደልዩ ኣለዉ። ስለዚ እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ኣካል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ነዚ ናይ ገበን ማሕውር (መርበብ ገበን) ከቕፅሎ ‘ዩ ዝደሊ።
ሕዚ ምስ ፋኖ ብሓደ ኮይና ምናምን ዝብል ፈኸራ ትሰምዕ ኢኻ እዚ ነታ ናይ ገበን ኔትወርክ ንኸቕፅል ‘ምበር ናይ ፋኖ ኣጀንዳ ምስ ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ዝተኣሳሰረ ‘ዩ ኢሉ ብምትንታን ኣይኮነን። ሓቂ ንምዝራብ መንግስቲ ኤርትራን ፋኖን ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ናብ ጎንፂ ዝኣተውሉ ምኽንያት ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ብስምምዕ ፕሪቶርያን ስለዝሃድአ ‘ዩ። ስለዚ ዝጀመርናዮ ወፍሪ ክንዛዝሞ ኣይከኣልናን።
እዚ ብዕሊ ዝተዘርበ ‘ዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ “ተኾሊፍና” ኢሉ ‘ዩ፤ ወፍርና ክሳብ መወዳእታ ናብ መቐለ ብምእታው ህዝቢ ትግራይ ድማ ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ተበታቲኑ፤ ዝመውት ሞይቱ፤ ትግራይ ትበሃል ኣካል ንምጥፋእ ኣጀንዳ ሒዙ ዝመፀ ሓይሊ ‘ዩ፤ ሕዚ ምስ እዚ ሓይሊ እዚ መሰረታዊ ስምምዕ ምፍጣር ድዩ ዘድልስ ወይስ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ማእከል ገይርካ ምኻድ ‘ዩ።
ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ማእኸል እንተገይርካ እንተነኣሰ ነቲ ብፌደራል መንግስቲ ዝጀመርካዮ ስምምዕነት ሰላም ንምውዳእ ክትንቀሳቐስ ይግባእ። እንተነኣሰ ምስ ፌደራል መንግስቲ ዝተፈለጠ ስምምዕነት ኣሎ፤ ኣካል ኢትዮጵያ ኢኻ፤ ዓለም ዝፈልጦ ስምምዕ ‘ውን ጌርካ ኣለኻ። ሓደ ዓርከይ ከምዚ ይብለኒ፣ ‹‹እዚ ሓይሊ እዚ ሓይልታት ብርሃን ኣብ ብርሃን ‘ዮም ዝንቐሳቐሱ፤ ኣብ ፀልማት ክንቀሳቐስ ዝደሊ ሓይሊ መብራህቲ እንተበሪሁ ብጣዕሚ ‘ዩ ዝጨንቖ። ›› ሰላም ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት፤ ንኸምዚኦም ዝበሉ ናይ ገበን(ክርሚናል) ኢንተርፕራዝ ሓደጋ ‘ዩ።
ናይ ምቅላዕ ብርሃን ‘ዩ ዝኾኖ። ስለዚ ብሓደ መንገዲ ወይ ብኻልእ መንገዲ ህውከት ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ካልእ ስራሕ ኣሎ ኢሉ ኣይኣምንን። ውሑዳት ሰባት ከም ድላዮም ዝዝውርሉ፤ መብዛሕትኡ ሓይሊ ግን ሆስቴጅ ዝኾነሉ ምኽንያት ‘ዩ ዘሎ። ኩሉ ኣብ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ዘሎ ኣይኮነን፤ ነዚ ኔትወርክ ገበን ክሳብ መወዳእታ ክቕፅል ዝደሊ ውሑዳት ሰባት ‘ዮም።
በቓ ሃገረይ ናፃ ኮይና ኣላ እናበሉ ናይ ወርቂ ማሽን እናእተዉ ‘ዮም። ከምቲ ዝበልኩኻ ኣነ ‘ኳ ክሳብ ዝፈለጥክዎ ማሽናት ኣትሒዘ ኣለኹ፤ ብመሰረት ስልኪ ክደዋወሉ እንተለዉ ዝነበረኒ ሓበሬታ ኣትሒዘ ኣለኹ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ ዓውደ ኲናት ከይከውን መንእሰይ ትግራይ ነዚ ገበነኛ ኢንተርፕራይዝ ኣብ ምፍራስ ክሳተፍ ክኽእል ኣለዎ። ውሑዳት ኣባላት ጥራይ ‘ዮም ዘለዉ።
ግን ብሽም ህዝቢ ትግራይ ስለዝምሕሉን ዝግዘቱን፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ዋሕስ ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ጥራሕ ‘ዩ ዝብል ፅውፅዋይ ፈጢሮም ብዙሕ ስለዘደናገሩ ብዙሓት ‘ዮም ዝመስሉ። ግና ውሑዳት ‘ዮም። ብሓፈሻ ግና ዝበዝሐ መሪሕነት ትግራይ ሰላም ጥራሕ ‘ዩ ዝደሊ ዘይኮነስ ኣብ ስርቂ ‘ውን የለን። እቶም ኣብቲ ስርቂ ዝርከቡ ውሑዳት ሰባት ግና ንኹሉ መትሐጃ(ሆስቴጅ) ገይረሞ ‘ዮም።
ፖቲካዊ ንቕሓት መንእሰይ፡-
እቲ መንእሰይ ብዙሕ ይሰምዕ ‘ዩ፤ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ‘ውን ንጡፍ ‘ዩ። እንተነኣሰ እቲ ዝበሃል ብዘየገድስ እቲ መንእሰይ ብኸምዚ ዝበለ ስብከት ከምዘይዕሸው እፈልጥ ‘የ። ከም እገለ ዝበለ ሰብ የለን። እዚ ኣመራርሓ እዚ ‘ዩ ካብ ሓደጋ ዘውፀኣና ዝብል እምነት የብሉን።
ጌታቸው ትኽክል ‘ዩ ኢሉ ኣመነ ኣይኣመነ ትርጉም የብሉን። ብተግባር እዚ ኣመራርሓ ኣብ ዝኾነ ቦታ ከብፅሓኒ ‘ዩ ዝብል እምነት የብሉን። ነዚ ምትእምማን እዚ ግን ብዝበለፀ ክትሃንፆ ኣለካ። እቶም ስቕ ኢሎም፣ ብኹርዓት ብስም ጅግንነት፣ ናብዙይ ናብዙይ ዝብሉ፤ ተራ ለያቡ እንተዘይኣቃሊዕኻሉ መጀመርያ ንኹሎም ወተሃደራዊ ኣባላት ብስርቂ ክጥርጥር ይኽእል ‘ዩ። 99 ሚኢታዊ ስርሖም ጥራይ ዝሰርሑን ኣብ ስርቂ ዘይሳተፉን ሰባት ብውሑዳት ሰባት ጥርጡራት ክኾኑ ዝገብር ‘ዩ።
መንእሰይ በብግዚኡ ክቃለስ ክኽእል ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነስ ክቃለስ ዘኽእሎ ሃዋህው ምፍጣር ‘ውን የድሊ። ሓበሬታ ሓይሊ ‘ዩ። ንኣብነት ከምዚ ዝበለ ሰብ ክሰርቕ ኣይትፍቀደሉ። ኣካውንቱ ክነግረካ ‘የ፤ እገለ እገለ ዝበሃል ገንዘቡ ኣበይ ከም ዘቐምጥ እፈልጥ ‘የ። ነዚ እናፈለጥና ‘ውን እኮ ኢና ስጉምቲ ክንወስድ ዘይከኣልና።
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተጋሩ እንተይቐረየ ብምሻጥ ኣብ ናይ ወፃኢ ኣካውንት ገንዘብ ከም ዘእተወ እፈልጥ ‘የ። መን ናይ ድለላ ገንዘብ ከም ዝወሰዶ እፈልጥ ‘የ። ነዚ ኩሉ እዚ ሒዝና ኢና ስጉምቲ ምውሳድ ኣብዩና። ስጉምቲ ምውሳድ ዘይተደለየሉ ምኽንያት በርግፅ ኣነ ‘ውን ኣብኡ ስለዘየለኹ ‘ዩ። ምኽንያቱ ኣነ ኣካል ናይቲ ገበን ኢንተርፕራይዝ ኣይኮንኩን፤ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ ‘ዩ።
ናብ መን ከይዶም ነዚ ሰብ እዚ ዓቕሊ ክገብር ግበሩልና ክብሉ ከም ዝኽእሉ ኣይፈልጡን ‘ዮም። ‹እዚ ቆልዓ ከጥፍኣና ይኽእል’ዩ› ዝብል ስግኣት ‘ዩ ነይሩ። ፖለቲካዊ ፍልልይ ዝበሃል ሓሶት ‘ዩ። ፖለቲካዊ ትንታነ ቀሪቡ ኣይፈልጥን። ኣብ መራሕቲ ህወሓት ሕዚ ‘ውን ተመሳሳሊ ጭርሖታት ‘ዩ ዘሎ። ብዘይካ ምፅርራፍ ትርጉም ዘለዎ ሓሳብ ቀሪቡ ኣይፈልጥን። ስለዚ ፍልልይና ናይ ሓሳብ ኣይኮነን። ፍልልይና እንተወሓደ ኣነ ንስሃ ኣትዬ ኣለኹ። ነዚ ህዝቢ ናብ ተወሳኺ ጥፍኣት ንምምራሕ ዘሎ ዕድል ክዕፆ ኣለዎ ዝብል እምነት ሒዘ ተንቐሳቒሰ ኣለኹ።
ብተወሳኺ ክሕተቱ ዘለዎም ክሕተቱ ኣለዎም፤ ንዓይ ክጥርጥርሉን ከፈራርሕሉን ዝኽእልሉ ምኽንያት የብሎምን። ኣነ ኣብ ኔትወርኮም የለኹን። ንሓደ ፖለቲካዊ ድርጅት፣ ንሓደ ፖለቲካዊ ዕላማ፣ ወይ ንሓደ ከባቢ ዝበሃል ነገር ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ ኣካል ናይቲ ገበን ኢንተርፕራዝ ‘ዩ። ከነቃልዖ ክንኽእል ኣለና። መብዛሕትኡ መንእሰይ ነዚ ብዝግባእ እናተረደኦ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፤ ግና እቲ ስራሕ ክቕፅል ኣለዎ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 14 ጉንበት 2017 ዓ.ም