
ኣዲስ ኣበባ:-ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኹሎም ዘፈራት ቴክኖሎጂ ምጥቃም ግድን ከምዘድሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ “ቴክ ቶክ ሰለሞን” ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝተዛረብዎ፤ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ሚኢቲ ሚኢታዊ ዝተሳኽዐ ትልሚ ‘ዩ።ሕዚ ትልሚ ዲጂታል 2030 እናተዳለወ ይርከብ። እዚ ጋህዲ ክኸውን እንተኾይኑ ኣብ ሃገርና ፍልጠት ዝመርሖ ኢኮኖሚ ንምህናፅ መሰረት የንብር ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ድኽነት፣ ዕዳ፣ ረድኤት ምፅባይ፣ ፖለቲካዊ ፀገምን ኻልኦት ብርክት ዝበሉ ዝተሓላለኹ ፀገማትን ኣለዉ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሓደ ፀገም ጥራሕ ብምፍታሕ ናይ ኢትዮጵያ ድልየት ምምላእ ኣይከኣልን። ብመንፅር እዚ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ኹሎም ዘፈራት ቴክኖሎጂ ምጥቃም ግድን ከምዘድሊ ተዛሪቦም።
ንኣብነት ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ግዕዝይና፣ ምዝንጋዕ ግልጋሎትን ኻልኦት ብርክት ዝበሉ ፀገማትን ምህላዎም ብምሕባር፤ ነዚ ንምፍታሕ ‘ውን ግልጋሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ምጥያሹ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ትካላት ድሕንነት ዲጂልታ ካሜራታትን ኻልኦት ቴክኖሎጅታትን እናተጠቀሙ ምዃኖም ገሊፆም፤ በዚ ‘ውን ፖሊስ ኣብ ዘይብሎም ኸባቢታት ዝፍፀሙ ገበናት ናይ ምምርማር ዓቕሚ ተፈጢሩ። ቴክኖሎጂ ኣብ ኹሎም ዘፈራት ንምጥቃም እናተሰርሐ ንዝርከብ ስራሕ እዞም ስራሕቲ ከምዘመላኽቱ ሓቢሮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኹሎም ዘፈራት ቴክኖሎጂ ናይ ምጥቃም ልምምድ እናዓበየ ምምፅኡ ሓቢሮም።
ከም ገለፃ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሎጂስቲክስ ንኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘበርክቶ ኣበርክቶ ልዑል ‘ዩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ‘ዩ። ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ሸውዓተ ቢሊዮን ዶላር መኽሰብ ኣመዝጊቡ። ሕዚ ድማ ብዓመት ልዕሊ 100 ሚሊዮን መንገደኛታት ዘጎዓዕዝ መዕርፎ ነፈርቲ ክስራሕ ‘ዩ። እዚ ማለት ብመዓልቲ 300 ሽሕ ዝበፅሑ መንገደኛታት ይጎዓዓዙ ማለት ምዃኑ ሓቢሮም፤ ኽንድዚ ዝኣክል ልዑል ቑፅሪ ዘለዎ ህዝቢ ንምስትእንጋድ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ምዕባይ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ብምዕባይ ነቲ ሕዚ ዘለዎ ዓቕምን ሽምን ክህልው ከምዝኽእል ተዛሪቦም። እንተዘይኾይኑ ግና ሽሙን ዝንኡን ክሕልው ኣይኽእልን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንዝመፅእ ዘመን ብዝብጀው መገዲ እቲ መንገዲ ኣየር ሽሙ፣ ኽብርክን ቦትኡን ሓሊዉ ዝቕፅል ይመስለኒ። በዝሒ ኣውሮፕላናትን ቑፅሪ ተሳፈርትን እቲ መንገዲ ኣየር እናበዝሐ መፂኡ ‘ዩ። እዚ ዕብየቱ ቐፃልነት ንክህልዎ ቴክኖሎጂ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም።
ኢትዮ ቴሌኮም ዕድመ ፀገብ ትካል ‘ዩ። ድሕሪ ለውጢ ቑፅሪ ተጠቀምቲ ስልኪ ሞባይል ምዕባይ ተኻኢሉ። ካብዚ ሓሊፉ ‘ውን ኢንተርኔት 4ጂን 5ጂን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሃገርና ምስፍሕፋሕ ተኻኢሉ። ኸምኡ ‘ውን ግልጋሎት ገንዘብ ሞባይል ተጀሚሩ ኢሎም። እዚ ‘ውን ንኢትዮ ቴሌኮም ንውድድር ኽፍቲ ምግባር ብምኽኣሉ ዝተረኸበ ዓወት ምዃኑ ሓቢሮም፤ በዚ ‘ውን ኣብ ዘፈር ቴሌኮም ቴሌኮማት ኻልኦት ሃገራት ንኽኣትዉ ተፈቒዱ። እዚ ‘ውን ገንዘብ፣ ፍልጠትን ዘፍር ቴሌኮምን ንኽዓቢ ምግባሩ ገሊፆም።
ነዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ናይ ምዕባይ ስራሕ እናተሰርሐ እንትኸውን በዚ ‘ውን ዘፈር ፋይናንስ ንባንክታት ሃገራት ወፃኢ ኽፍቲ ንኽግበር ተገይሩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ በዚ ‘ውን ኣብ ዘፈር ቴሌኮም ዝተረኸበ ዓወት ኣብ ዘፈር ፋይናንስ ዝድገመሉ ሃዋህው ከምዝህልው ተዛሪቦም። ከምቲ ቕድሚ ዒስራ ዓመታት ስልኪ ኣብ ናይ ኩሉ ሰብ ገዛ ክህልው ‘ዩ እንትበሃል ዘይጭበጥ ዝመሰለና፤ ሎሚ’ውን ንዝተፈላለየ ዕላማ ዘገልግሉ ሮቦታት ኣብ ገዛ ሕድሕድ ውልቀሰብ ክህልው ‘ዩ ተባሂሉ እንተተዘረበ ‘ውን ንምእማን ዘፀግም ‘ዩ ክኸውን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኾይኑ ግና እዚ ጋህዲ ክኸውን ‘ዩ፤ ሮቦታት በቢገዝኡ ክህልዉ ‘ዮም ክብሉ ተዛሪቦም። ኾይኑ ግና እዞም ሮቦታት ካብቶም ቕድሚ ሕዚ ዝፍለጡ ቴክኖሎጅታት ዝተፈለዩ ከምዝኾኑ ኣመላኺቶም።
ቕድሚ ሕዚ ዝፍለጡ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ንሓደ ዕላማ ጥራሕ ዘገልግሉ ምዃኖም ዝጠቐሱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፤ ሮቦታት ግና በቢገዝኡ ሰባት ንዘለዎም ፀገማት፣ ንዝደልይዎ ዕላማ ዝጥቀሙሎም ከምዝኾኑ ተዛሪቦም። ነዚ እንተብራህርሁ ‘ውን፤ ብውሱንነት ኣእምሮ ዝፅገም ውላድ ዘለዎ ስድራቤት ውላዱ ናብ ቤት ትምህርቲ ክልእኽ እንተዘይደልዩ ንውላዱ ብዝምችው መልክዕ ዝተዳለወ ትምህርቲ ሮቦት ኣብ ውሽጢ ገዛ ንኸምህረሉ ክቖፅር ወይ ድማ ክዕድግ ይኽእል ኢሎም።
ብተመሳሳሊ ዝሓመመ፣ በቢእዋኑ መድሓኒት ክወስድ ዝግብኦ ኣባል ዘለዎ ስድራቤት ሮቦት ግዚኡ ሓሊዉ መድሓኒት ንክህቦ ክገብር ይኽእል ‘ዩ ኢሎም። ፀላእትና ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሃይማኖት፣ ብዘርኢ ምክፍፋል ቐንዲ ዕላምኦምን መዓልታዊ ስርሖምን ‘ዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ነዚ እናፅንዐ፣ እናፍሸለ፣ ኢትዮጵያውያን ንሓባራዊ ሕልሚ፣ ንሓባራዊ ትርኽቲ ብሓባር ደው ንኽብሉ ዝገብር ሮቦት ንክህልዎም ከምዝመርፁ ገሊፆም።
ሰባት ኣብ ዝኾነ ግዜ ይደኽሙ ‘ዮም፤ ቀትሪ ቀትሪ ይሰርሑ፣ ለይቲ ለይቲ ይድቅሱ፤ ሮቦት ግና ቐትርን ለይትን ስለዘይድቅስ፣ ካብ ዝኾነ ዓለም ንዝለዓል ኣሉታዊ ኣጀንዳ እናተኸታተለ ንምፍሻል፣ ንኢትዮጵያውያን ንምንቃሕ ዘኽእል ብቕዓት ይህልዎ ኢሎም። ልዕሊ ኹሉ ግና “ኢትዮጵያ ክትብልፅግ ትኽእል
‘ያ” ዝብል እምነት ኣብ ውሽጢ ወለዶ ዘስርፅ ሮቦት እንተዝህልዎም ኣዝዩ ባህ ከምዝብሎም ኣመላኺቶም። ፍልጠት ፀገም እንተዘይፈቲሑ ከም ፍልጠት ተለኪዑ ክረኣይ ዘኽእል ብቕዓት ኣይህልዎን ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ቐፃሊ ዓመት ብሓፈሻ ናብ 55 ቢሊዮን ፈልስታት ንምትካል ምድላው እናተገበረ ይርከብ፤ እዚ ‘ውን ኣብ ዓለም ዝዓበየ ደኒ ናይ ምልማዕ ስራሕ ይኸውን ኢሎም።
ኣብ ሃገርና ቴክኖሎጂ ኣብ ዘፈራት ሲቪል ሰርቪስ፣ ሕጊ ኣብ ምኽባር፣ ኣብ ምክልኻል፣ ኣብ ሚድያ፣ ኣብ ግብርናን ኢንዱስትሪን ዘለዉ ስራሕቲ ንምስኻዕን ንምስላጥን ኣብ ረብሓ እናወዓለ ምዃኑ ገሊፆም፤ ንኣብነት ‘ውን ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ሎጂስቲክስ ዘጎዓዕዛ ድሮናት ኸምኡ ‘ውን ብሰብ ሰራሕ ኣስተውዕሎት (ኤ ኣይ) ዝንቀሳቐሱ ተዋጋእቲ ጄታት ኣብ ረብሓ እናወዓሉ ይርከቡ ኢሎም።
ሰብ ሰራሕ ኣስተውዕሎት (ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ -ኤ ኣይ) ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብደረጃ ፒኤችዲ ክወሃብ ምጅማሩ ሓቢሮም፤ ብኢንስቲትዩት ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ምስ “ቻት ጂፒቲ” ወይ “ዲፕ ሲክ” ዝመሳሰል “መላ” ዝተብሃለ ናይ ውሽጢ ሃገር ቋንቋ ብሰፊሑ ዝጥቀም ስርዓት ኤኣይ ከምዝተሃነፀ ተዛሪቦም።
ከምገለፃ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣኼባ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ (ኤኣይ) ኣፍሪካ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ’ዩ። ኣብቲ ግዜ ከባቢ ሓደ ሽሕ ድሮናት ብኤኣይ ተሓጊዞም ምርኢት ከቕርቡ ‘ዮም። ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢኣፍሪካ ቐዳማይ ተራ ከምዘለዎ ሓቢሮም፤ ከም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢትዮ ቴሌኮምን ኹርዓት ኢትዮጵያ ክኸውን ከምዝኽእል ‘ውን ተዛሪቦም።
እዚ ዘመን ናይ መረዳእታ ‘ዩ፤ መረዳእታ ምምራት፣ ምፍጣር የድሊ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ከምኡ እንተዘይኮይኑ ብልፅግና ከምዘይመፅእ ገሊፆም። ምብልፃግ 4 ቐንዲ ነጥብታት ዝሓዘ ምዃኑ ገሊፆም፤ እቲ ቐዳማይ ብሃርድዌር ወይ ብህንፀት መሰረተ ልምዓት ምዃኑ ሓቢሮም። እዚ ‘ውን ንደልዮ ለውጢ ንምስላጥ ኣዝዩ ረብሓ ዘለዎን ንኻልኦት ‘ውን መሰረት ዝኾነን ‘ዩ ክብሉ ገሊፆምዎ።
ከም መንገዲ፣ መስመር ኤሌክትሪክ፣ ዝርግሐ ማእኸል መረዳእታ ቴሌኮሙኒኬሽንን ዝኣመሰሉን ከምዘካትት ኣብሪሆም። እቲ ኻልኣይ ምብልፃግ ብሂውማንዌር ወይ ብሃፍቲ ሰብ ምዃኑ ብምሕባር፤ እዚ ‘ውን ዝተሃነፁ መሰረተ ልምዓታት ንምጥቃም፣ ንምምሕያሽ፣ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ሓደሽቲ ምህዞታት ንምፍልፋል ወዲሰብ ብቕዓት ንኽህልዎን ፍልጠት ንኽረክብን ምኽኣል ‘ዩ ኢሎም።
ሳልሳይ ምብልፃግ ብኢንፎዌር ወይ ብመረዳእታ ምዃኑ ጠቒሶም፤ ሕዚ ኣብ ዝበፃሕናዮ ዘመን ሰባት ከም ኣጠቓቕማ መረዳእትኦም ብቕፅበት ብቢልዮን ዝቑፀር ሃፍቲ ከኸስቡ ወይ ድማ ክኸስሩ ከምዝኽእሉ ኣልዒሎም።
ራብዓይ ምብልፃግ ብትካላዊ ህንፀት ምዃኑ ሓቢሮም፤ እዚ ‘ውን ሓደ ሰብ እንትመፅእ ዝህነፅ፣ እንትኸይድ ድማ ዝፈርስ ክኸውን የብሉን ኢሎም። ዝኾነ ነገር እንትጅመር መወዳእትኡ ክፍለጥ ኣለዎ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ወዲኡ ዝጅምር እንተኾይኑን ተግባር እንተሃልዩን ዓወት ይስዕብ፤ ዘይተርፍ’ዩ ክብሉ ገሊፆም።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 7 ጉንበት 2017 ዓ.ም