ምስ ተጋሩ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ዘተ

ኣብዚ ሰሙን ዋና ተደራዳሪ ዝርርብ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝነበሩን ነበር ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሕዚ ድማ ኣማኻሪ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ሚኒስትር መስኖን ከባቢታት ቆላማን ኣብርሃም በላይን (ዶ/ር) ብሓባር ምስ ተጋሩ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ብዝምልከት ዘተ ኣካይዶም ‘ዮም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፣ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ምፍራሙ ኣብቲ ክልል ትግራይ ሰላም ክረጋገፅ ርኡይ ተራ ተፃዊቱ ‘ዩ። ትግራይ ዓውደ ኩናት ናይ ምግባር ድሌት ዝነበሮም ኣካላት ነይሮም ‘ዮም፤ ኮይኑ ግና በቲ ስምምዕነት ሰላም ድሌቶም ከቕሪ ክኢሉ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም።

እቲ ስምምዕነት ምስተፈረመ ‘ውን እንተኾነ ከምቲ ቅዋምን ስምምዕነት ፕሪቶርያን ዝጠልቦ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ከምዘይተገብረ ብምግላፅ፤ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሓይሊ ኣብ ክንዲ ናይ ህዝቢ ኣጀንዳ ምቕዳም፣ ኣብ ስልጣንን ስልጣንን ጥራሕ ዘተኮረ ስለዝኾነ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ስለዘይሰርሐ ‘ዩ ክብሉ ‘ዮም ዘረድኡ።

ኣብ ስልጣን ክቕፅሉ ዝደልዩ ውሑዳት ናይ ኣመራርሓ ጉጅለታት ደቆም ኣቐሚጦም ደቒ ድኻታት ናብ ሓደጋ የእትዉ ከምዘለዉ ብተግባር የርእዩ ኣለዉ፤ እዚ ሓይሊ እዚ ማለት ስልጣነይ እንተዘይተረጋጊፁ ኩሉ ናብ ዓዘቕቲ ይእቶ ዝብል ኮይኑ እቲ ዕላማ ድማ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ምዃኑ ኣይተ ጌታቸው የብርሁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዝረኣዩ ፀገማት ብፖለቲከኛታት ትግራይ ዝተፈጠሩ ‘ዮም፤ እቲ ኣመራርሓ ዘለዎ ድርቅናን መርገፂን ትግራይ ካብ ሓደጋ ንኸይትወፅእ ይዓግታ ኣሎ፤ ዕላማ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ፀገማት ብሕገ መንግስታዊ መሰረት ንምፍታሕ ዝዓለመ ‘ኳ እንተኾነ ካብ ጌጋታቶም ዘይመሃሩ ውሑዳት ሓይልታት ነበር ህወሓት ንስልጣን ክብሉ ናብ ጎንፂ ንምእታው ድሌት ከምዘለዎም ሓቢሮም ‘ዮም።

እቲ ኣቐዲሙ ዘጋጠመ ጎንፂ ንህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ዋጋ ከምዘኽፈሎ ዝገለፁ እቶም ኣማኻሪ ሚኒስትር፤ ህዝቢ ትግራይ ተመሳሳሊ ነገር ከይገጥሞ እከይ ዕላማ ንዘሓዙ ሓይልታት ነቃልዕ ኣለና ክብሉ ብምግላፅ፤ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ዝደሊ ህዝቢ ‘ዩ፤ እዚ ሓይሊ እዚ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ህዝቢ ትግራይ ናብ ጎንፂ ንምምላስ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ክቃላዕ ኣለዎ ይብሉ።

ክልል ትግራይ ምስ ፌደራል መንግስቲ ርክብ ክህልዎ ኣገዳሲ ‘ዩ፤ ምስ እገለ ኮይነ ከጥቕዕ እኽእል ‘የ ዝብል ነገር ክነቓልዕ ኣለና ዝበሉ እቶም ኣማኻሪ፤ ኣብቲ ክልል ንዘሎ ረብሓ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይኮነስ ብሓይሊ ድሌቱ ንምዕዋት እናፀዓረ ይርከብ፤ ነቲ ክልል ናብ ጎንፂ ንምእታው ዝፅዕሩ ውሑዳት ነበር ኣባላት ኣመራርሓ ህወሓት እቲ ህዝቢ ይኣኽለኩም ክብሎም ይግባእ ክብሉ የተሓሳስቡ።

ኩሉ ትግራዋይ ንህዝቢ ዳግም ናብ ጎንፂ ከየአትውዎ ይኣኽለኩም ክብሎምን ክቓለሶምን ኣለዎ፤ እዞም ነቲ ህዝቢ ደጊሞም ናብ ፀገም ከእትውዎ ዝፅዕሩ ዘለዉ ሒደት ነበር ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓት ካብ ዓቕሚ ህዝቢ ንላዕሊ ክኾኑ ኣይኽእሉን ‘ዮም ክብሉ ኣይተ ጌታቸው ይገልፁ፡፡

ብተመሳሳሊ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበልዎ፤ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ምፍራሙ ንትግራይ ማእኸል ዅናት ንምግባር ድሌት ዘለዎም ኣካላት ሕልሞም ዘትረፈ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ምስ ተፈረመ ሕገ-መንግስቲን ስምምዕነት ፕሪቶሪያን መሰረት ብምግባር ተመዛበልቲ ብዝድለ መልክዑ ናብ መረበቶም ምምላስ ከምዘይተኽኣለ ይገልፁ።

ምኽንያቱ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ናይ ህዝቢ ኣጀንዳ ኣብ ክንዲ ምቕዳም ረብሓይ ይረጋገፅ ኢሉ ብምሕሳቡ፤ ኣብዚ እቶ ዘይበሃል ስራሕ ብዘይምስርሑን ከምዝኾነ ሓሳብ ኣይተ ጌታቸው ብምጥንኻር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጠረ ፀገም ፖለቲከኛታት ትግራይ ዝፈጠሩዎ ከምዝኾነን ኣመራርሓ ዝሓዞ ግትር ቅዋም ትግራይ ካብ ስግኣት ሓደጋ ከይትወፅእ እናገበራ ከምዝርከብ ይገልፁ።

ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዕላምኡ ፀገማት ብሕገ- መንግስታዊ ዓውዲ ክፍትሑ ምግባር ይኹን ‘ምበር፤ ካብ ስሕተቶም ዘይመሃሩ ሒደት ነበር ሓይሊታት ህወሓትን ንስልጣን ክብሉ ናብ ጎንፂ ንምእታው ድሌት ከምዘለዎም እናገለፁ ከምዝርከቡ ብምዝራብ፤ ቅድሚ ሕዚ ዝተፈጠረ ጎንፂ ንህዝቢ ትግራይ ዋጋ ከምዘኽፈሎ፤ ህዝቢ ትግራይ ተመሳሳሊ ነገር ከየጋጥሞ ናይዞም ሓይልታት እከይ ድሌት ፈሊጡ ክቓለሶም ይግባእ ኢሎም።

ነበር መራሕቲ ህወሓት ደቒ ድኻ ናብ ሓዊ ብምእታው ስልጣኖምን ረብሐኦምን ካብ ምርግጋፅ ወፃኢ ካሊእ ድሌት የብሎምን፤ ስልጣነይ እንተዘይተረጋጊፁ ኩሉ ነገር ገደል ይእቶ ዝብል ሓይሊ ዕላማኡ ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ ‘ዩ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ነበር ውሑዳት ኣባላት ኣመራርሓ ህወሓት ተታሊሉ መስዋእትነት ዝኸፍል ኣይኮነን ዝበሉ ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፤ ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ዓይነት ፕሮፖጋንዳ እንዳተሰብከ ዝተፈላለየ ሓሳባት ክረክብ ኣይከኣለን ይብሉ።

ህዝቢ ትግራይ ስልጣን ዝደልዩ ውሑዳት ጉጅለታት ድምፂ ካብ ዝሰምዕ ዓመታት ኣቑፂሩ ከምዝፀንሐ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ካብ ሕዚ ንደሓር ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ዝደናገር ሰብ የለን፤ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስተጣየሸ ህዝቢ ሓሳቡ ብናፃነት ክገልፅ ጀሚሩ ‘ዩ፤ ህዝቢ ኣካል ሰላም ንክኸውን ቐፃልነት ዘለዎ መድረኽ ከምዝዳሎ ገሊፆም ‘ዮም።

ህዝቢ ትግራይ ናይ ውሑዳት ኣካላት ፅምኢ ስልጣን ንምርዋይ ክብል ክመውት ከምዘይብሉ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ድሕሪ ሕዚ ድሌት ውሑዳት ኣካላት ንምምላእ ክበሃል ዝኽፈል መስዋእቲ ክህሉ የብሉን፤ ቀንዲ ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ‘ዩ፤ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ብሓባር ምስራሕን ምምኻርን ይግባእ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም።

ኣብቲ ዘተ ተጋሩ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ክልል ዳግማይ ናብ ኩናትን ጎንፂ ከይኣቱ መንግስቲ ፌዴራል ምስ መንግስቲ እቲ ክልልን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምትሕብባር ክሰርሕ ይግባእ ክብሉ ንመንግስቲ ፌዴራል ሓቲቶም ‘ዮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ደላዪ ሰላም ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ተጋሩ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ እዚ ክረጋገፅ ግና ብሓባር ምስራሕ የድሊ ይብሉ። ምስ እዚ ብተወሳኺ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበር ‘ውን ሓቲቶም ‘ዮም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፤ ኣብ ክልል ትግራይ ውሑዳት ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝፈጠርዎ ጎንፂ ንህዝቢ ትግራይ ኣይውክሉን፤ ብኻልእ መንገዲ ስልጣን ናይ ምድላይ ዝንባለ ምዃኑ ገሊፆም ‘ዮም።

እዞም ሓይልታት ንህዝቢ ትግራይ ዝውክሉ ኣይኮኑን ዝበሉ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ፤ ስለዝኾነ ብኢትዮጵያዊ መንነቱ ዘይደራደር ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሖ ክሳራ ተረዲኡ ንሰላም ቀዳምነት ዝህብ ‘ዩ ኢሎም።

ሓቲ ንእስቲ ነባሪት እቲ ከተማ ከምዝበለቶ፤ ህዝቢ ትግራይ ደላዪ ሰላም ‘ዩ፤ ኣጋጣሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለና ተጋሩ ሰላም ‘ዩ ድሌትና፤ ኩሉ ግዜ ንሰላም ጠጠው በሃልቲ ኢና፤ ንሰላም ዝኽፈል መስዋእቲ ከንኸፍል ኢና ኢላ። ካሊእ ተሳታፊ ዝኾነ መንእሰይ ‘ውን ኣብዝኾነ እዋን ንሰላም ዝኽፈል ዋጋ ብምኽፋል ንሰላም ከንሰርሕ ኢና፤ ቕድሚ ሕዚ ዝነበረ ኩናት እንተይደለናዮ ‘ዩ መፂኡና፤ ሕዚ ‘ውን ከምዚ ዓይነት ኵናት ተመሊሱ ክመፀና ኣይንደልን።

ንሕና ንሰላም ደላዪ ኣካል ካብ ምሕጋዝ ሓሊፍና ሰላም ንዘይደሊ ወገን ንሕግዘሉ ዕድል የብልናን። ንሕና ኩሉ ግዜ ናይ ሰላም ተምሳሌት ከንኸውን ኣለና ይብሉ። ብተመሳሳሊ ሓንቲ ወላዲት፣ ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ፤ ሰላም ክኸውን ድማ ከንሰርሕ ኢና፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣካል ምስ መንግስቲ ፌዴራል ልቢ ንልቢ ተወሃሂዱ ክሰርሕ ኢና ንደሊ ‘ምበር ናብ ኩናት ክኣቱ ኣይንደልን ኢለን። ህዝቢ ትግራይ ድሌቱ ሰላም ‘ዩ፤ ወለዶ ከቕፅል ‘ዩ ዝደሊ፤ ሕዚ ዘሎ ወለዶ ነቒሑ ‘ዩ እቲ ፀገም ኣብ መን ‘ዩ ዘሎ ይፈልጥ ‘ዩ ክብላ’ውን ሓቢረን።

ስለዚ ኩሉ ግዜ ምስ ሰላም ደላዩ ‘ዩ ጠጠው ዝብል። ሰላም ምስ ዝደሊ ሓይሊ ጠጠው ከንብል ይግባእ። ንሕና ንውክለካ ኢና ዝብሉ ዘለዉ ኣካላት ኩነታት ንመረፃ ኣመቻችዮም ስልጣን ንመንእሰይ ወለዶ ከርክቡ ኣለዎም። ክመርሕ ዝኽእል በሊሕ መንእሰይ ስለዘሎ ነዚ ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ።

ቕድሚ ሕዚ ብዙሕ መንእሰይ በቲ ዝነበረ ኩናት ስዒቡ ሂወቱ ስኢኑ ‘ዩ፤ ወለዲ ብዘይ ውላድ ቀርዮም ‘ዮም፤ ሕዚ ድማ እዚ ይኣክል ‘ዩ፤ ኣብ ርእሲ ቁስሊ ቑስሊ ምውሳኽ ከይኸውን ምጥንቃቕ ድሊ፤ ሕዚ ‘ውን ናብ ኩናት ንምእታው ምንቕስቓስ እንተልዩ ፍፁም ስሕተት ‘ዩ፤ ዘድሊ ሰላም ‘ዩ፤ መንግስቲ ሰላም ንዘይደሊ ሓይሊ ስርዓት ክሕዝ ክገብር ኣለዎ።

ብተወሳኺ ካሊእ ተሳታፊ እቲ መድረኽ ዝኾኑ ከምዚ ይብሉ፤ ቕድሚ ሕዚ ብዝተሰሓሓተ መንገዲ ተኸይዱ ናብ ጎንፂ ተኣትዩ ብዙሕ ህዝቢ ሂወቱ ስኢኑ ‘ዩ፤ ህይወቱ ተጎሳቂሉ ‘ዩ፤ ብዙሕ መሰረተ ልምዓት ‘ውን ዓንዩ ተሪፉ ‘ዩ። እዚ ስሕተት እዚ መሊሱ ከይድገም ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ክትግበር ኣለዎ። እዚ ክትግበር እናተኻኣለ ካሊእ ኩናት ኣየድልን።

ዘድሊ መሰረተ ልምዓት ምፅጋን፣ ዝተፋናቀሉ ምምላስ፣ ካልኢት ነገራትን ክስርሑ እናተኻኣለ ናብ ቅድድም ወንበር ተኣትዩ ሕዚ ድማ ንህዝቢ ናብ ተወሳኺ ስቓይ ንምእታው ይስራሕ ኣሎ። ኮይኑ ግና መንእሰይ ይኹን ካሊእ ህዝቢ ዝደሊ ሰላም ‘ዩ፤ ድሌት ህዝቢ ክኽበር ኣለዎ።

ህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ሕዚ ብዝገበሮ ሰላማዊ ሰልፊ ‘ውን ድሌቱ ሰላም ከምዝኾነ ገሊፁ ‘ዩ። ክልል ትግራይ ዳግማይ ናብ ጎንፂ ከይትኣቱ ኣብ ጉዳይ ሰላም ፀቒጥካ ምስራሕ የድሊ ክብሉ ንመንግስቲ ሓቲቶም ‘ዮም። ኣብቲ ክልል እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ኣብዝግበር ዘተ ቐፃልነት ከምዝህልዎ’ውን ተጠቚሙ ‘ዩ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 21 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You