ዘተ-ንልምዓትን ዘላቒ ሰላምን

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘላቒ ሰላምን ልምዓት ምስ ኩሎም ተፈኻኸርቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ዘለዎ ኣፈላላይ ብሰላምን ብፖለቲካዊ ዘተን ንምፍታሕ ድሌት ኣለዎ። ብተግባር’ውን ይፍፅም ኣሉ።

ንክልተ ዓመታት ኣብ ክፋል ሰሜን ሃገርና ዝተኻየደ ኹናት’ውን ብስምምዕነት ሰላም ጠጠው ንክብል ከምዝገበረ ይፍለጥ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶክተር) ምስ ኩሎም ተፈኻኸርቲ ፓርቲታት ዝገበርዎ ዘተ መንግስቲ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ከም ፀጋ ተቐቢሉ ንምትእንጋድ ዘለዎ ድሌት መረጋገፂ’ዩ። እዚ ንፖለቲካዊ ባህሊ ሃገርና ኣዝዩ ጠቓሚ ስለዝኾነ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት)ን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶሪያ ብዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም መሰረት ንክልተ ዓመታት ዝፀንሐ ኹናት ጠጠው ኢሉ ኣብ ትግራይ ሰላምን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕውየት ንክጅምር ዓብይ እጃም ኣበርኪቱ’ዩ። ተኹሲ ጠጠው ምባሉ ንህዝቢ ትግራይ ራሕዋን ቅሳነትን ዝፈጠረ ካብ ምዃን ሓሊፉ ህዝቢ ናብ ንቡር ናብራኡ ንክምለስ ዝገበረን እፎይታ ዝፈጠረን’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ክሰርሖም ዝግብኦም ስራሕቲ እናሰርሐን ኣወንታዊ ምንቅስቃስ ይገብር ኣሎ ።ምእንቲ ሰላም፣ ልምዓትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ሙሉእ ብሙሉእ ዘተግብሩ ክልላዊ ትልምታት ናብ መሬት ብምምፃእ፤ ኣብቶም ጭቡጣጥ ፀገማት ህዝቢ እቲ ክልል ክፈትሑ ዝኽእሉ ስራሕቲ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምትሕብባር ሰርሑ ኣሎ። እናሰርሐ’ውን ይርከብ።

ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ መንግስቲ ፌዴራል ብኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዝተመርሐን ናይ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣመራርሓ ዘለውዎ ጉጅለ ናብ ትግራይ ልኢኹ ‘ዩ። ትካላት መንግስቲ ፌዴራልን ክልላትን ንህዝቢ ትግራይ ድጋፎም ዘርኣዩ ሽዑ ንሽዑ ‘ዩ። ፕሬዚዳንታት ክልላት ኣብ መቐለ ተረኺቦም ነቲ ህዝቢ ዘለዎም ኣጋርነት ብምርኣይ ዝተኽኣሎም ድጋፍ ብዓይነትን ብገንዘብን ገይሮም ‘ዮም።

ንህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ግልጋሎታት ንምቕራብ ባንኪ፣ ቴሌኮም፣ መንገዲ፣ትራንስፖርት ኣየር፣ መብራህቲ፣ ጥዕና፣ ትምህርትን ሕርሻን ካልኦት ዘፈራትን ሓገዛት ዝመርሑ ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ትግራይ ተረኺቦም ምስ ቢሮታት ክልል ትግራይ ተዛትዮም እተን መሰረታዊ ግልጋሎ ታት ንክጅምራ ተገይሩ ኣሎ።

ግልጋሎት ከተማን መሰረተ ልምዓትን ንምጥንኻር ናውቲ ቤት ፅሕፈትን ተሽከርከርትን ድጋፍ ተገይሩ ‘ዩ። ንመሰረተ ልምዓት እቲ ክልል ንምህናፅን ንምፅጋንን ልዑል ወፃኢ ዝቕንሱ ማሽነሪታት ህንፀትን ፅገናን ነቲ ክልል ተወሂቦም ‘ዮም። ብዂናት ዝተሃሰዩ ድልድላት መንገድታትን ብምፅጋን ንግልጋሎት ከፍቲ ክኾኑ ተገይሩ’ዩ።

ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኩለን ዩኒቨርስትታት ፣ሆስፒታላትን ጣብያታት ጥዕናን ስራሕ ንክጅምራ፤ ፀገም ትራንስፖርት ንምፍታሕ ቀዲሙ ትራንስፖርት ኣየር ብምኽፋት ብዙሓት ፀገማት ንክፍታሑ ሰሪሑ ኣሎ። ግልጋሎት ቴሌ ንምጅማር ልዕሊ ሓደ ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ፅገና ኦፕቲካል ፋይበር ብምስራሕ ኣብ ዓሰርተ ከተማታት ትግራይ ቅድሚ ሕዚ ዘይነበረ ግልጋሎት ራብዓይ ትውልዲ (4 ጂ) ጀሚሩ ኣሎ።

መስመራት ኤሌክትሪክ ብምፅጋን’ውን ግልጋሎት መብራህቲ ምቕራብ ተኻኢሉ’ዩ። ካልኦት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዝፈትሑ ስራሕቲ ሰርሑ ኣሎ። መንግስቲ ፌዴራል ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ብምዝታይን ብምስራሕን ማሕበራዊን ፖለቲካዊ ፀገማት እቲ ክልል ንምፍታሕ ዝገበሮ ፃዕሪ ዝነኣድ’ዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ፌደራል ዝመርሕ ገዛኢ ፓርቲ ብልፅግና ድማ ምስ ህወሓት ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንምፍታሕን ዝቐረዩ ስራሕቲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንምውጋንን ዘተ ምክያድ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 2016 ዓ.ም ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ዘተ መቐፀልታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ’ውን ተኻይዱ ኣሎ። እዚ ፅቡቕ ጅማሮ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።

ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ፓርቲታትን ዝፍጠር ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኮነ ፀገም መፍትሒኡ ዘተ’ዩ። ንዚ ዝተረደአ መንግስቲ ፌደራል ቅድሚ ኹናት’ውን ብዘተ ንምፍታሕ ድሌት ከምዝነበሮን ፃዕሪ ከምዝገበረ ይዝከር። ሐዚ’ውን እዚ ድሌትን ፃዕሩ ኣብ ቦታኡ ኣሎ።

እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ ከም ሃገር ኮነ ከም ክልል ዘላቒ ልምዓትን ሰላምን ዘምፅእ ስለዝኾነ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ። ማሕበራዊ ኢኮኖሚያዊን ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ዝተረኸበ ኣወንታዊ ውፂኢት ኣብ ፖለቲካዊ ዘተ’ውን ንክምዝገብ ክልቲኦም ወገናት ብዕቱብ ክሰርሑን ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ’ውን ከጠናኽርዎን ይግባእ።

ወጋሕታ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You