
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ንሓምለዋይ ኢኮኖሚ፣ ሓለዋ ከባቢ፣ ምዕቃብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ልዑል ትኹረት ሂቦም እናሰርሑሉ ይርከቡ፡፡ ካብ ክረምቲ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ሓምለዋይ ዓሻራ በቢ ዓመቱ ብስፍሓት እናተሰረሐሉ መፂኡ ‘ዩ። እቲ መደብ ንኹሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ካብ ዝለዓለ ክሳብ ዝተሓተ ኣብ መላእ ሃገር ብምስታፍ ክሳብ ሕዚ ብዝተፈላላየ መሪሕ ሓሳብ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ፡፡
ናይ ሎሚዘበን መርሃ ግብር ሓምለዋይ ዓሻራ ‹‹በመትከል ማንሰራራት›› ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተወሃቦ ኮይኑ፤ ኣብዚ ዓመት 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል መደብ ተታሒዙ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡ ኣብዚ ዓመት ብዝትከል ተኸላ ፈልሲ ሓዊስካ ድማ ኣስታት 47.5 ቢልዮን ከምዝበፅሕ፤ ኣብዚ ዓመት ምስ ዝውሰኽ ድማ 54 ቢልዮን ከምዝበፅሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) 20 ሰነ 2017 ዓ.ም ነዚ መደብ ከጅምሩ እንተለዉ ገሊፆም ‘ዮም፡፡
ኣብቲ እዋን ነዚ መደብ ኣሚንኩም፣ ተሳቲፍኩም፣ ነቲ ጭቃ ብኢድኩም ተንኪፍኩም ዝተኸልኩም፣ ዝሓብሓብኩም፣ እንኳዕ ሓጎሰኩም ክብለኩም ይፈቱ ክብሉ ብምግላፅ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት እንተይቐረዩ፣ ካብቲ ወቕቲ ጀሚሩ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብን ዲፕሎማስያዊ ማሕበረሰብን ኣብ መደብ ሓምለዋይ ዓሻራ ክሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም ‘ዮም፡፡
እዚ ፃውዒት ዝበራታታዕን ዝድገፍን ተግባር ‘ዩ፤ ሳላ ከምዚ ዝተገበረ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካን ዓለም ለኸ መድረኽን ምልክት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኮይና ‘ያ። ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ብዝተኻየደ መደብ ሓምለዋይ ዓሻራ ናይዚ ደረጃ እዚ ምብፃሕ ተኻኢሉ ‘ዩ።
ብዝሃ ህይወት ምዕቃብን ምሕብሓብን ቅንጦት ዘይኮነስ ናይ ህልውና ጉዳይ ‘ዩ፤ ኢትዮጵያ ናብ ፈተናታት ለውጢ ነባሪ ኣየር፣ ውሕጅ፣ ምሽርሻር ሓመድ፣ ምብራስ ኣግራብን ምጥፋእ ብዝሃ ህይወትን ከይትቓላዕ ምትካል ፈልሲ ኣገዳሲ ‘ዩ፡፡ ፕሮግራም ሓምለዋይ ዓሻራ ሓምለዋይ ቁጠባዊ ዕብየት ኩነታት ንምፍጣር ኣዝዩ ወሳኒ ‘ዩ፡፡
ፈልሲ ምትካል ጥዑይ ከባቢ ኣየር ክህል ምግባር ጥራይ ኣይኮነን፤ ኣግራብ ንምግራብ፤ ንቀለብ እንስሳ፣ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ‘ውን ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ፡፡ ከባቢ ብምልማዕ ጥዑይ ሕብረተሰብ ንምፍጣር ዘለዎ ግደ ልዑል ‘ዩ፡፡ እዚ ምትካል ፈልሲ ንመንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ሓዊሱ ንብዙሓት ናይ እቶትን ናይ ስራሕ ዕድላት ምፍጣርን ኣኽኢሉ ‘ዩ፡፡
ዝተበላሸወ ከባቢታትን እናደረቑ ዝነበሩ መፋስሳት ማይን ክምለሱ ኣኽኢሉ ‘ዩ። ኣብቲ ዝተሓደሰ ማይ ዝፈስሰሉ ቦታታት ብዙሓት ሓረስቶትን ጓሶትን ኣብ ምህርቲ ንህቢን ቀለብ እንስሳን ክሳተፉ ብምኽኣሎም ተወሳኺ እቶት ብምርካብን ምህርትን ኣፍራይነትን ብምዕባይን ቁጠባዊ ረብሓታቶም ክውስኽን ኣኽኢልዎም ‘ዩ፡፡
ነዚ ‘ዩ ድማ ልምዓት ኣግራብ ቅንጦት ዘይኮነስ ናይ ህላወ ጉዳይ ‘ዩ ዝበሃል። እዚ ድማ ብሰፊሕ መሰረት ዘለዎ ማሕበረሰብ ብመልክዕ ጎስጓስ ክፍፀም ትፅቢት ይግበር። ሓምለዋይ ዓሻራ ቅርስን ሕድሪን ቀፃሊ ወለዶን ‘ዩ፤ ኩሉ ሰብ ዓሻራኡ ከቐምጥ ትፅቢት ይግበር። ምትካል ፈልሲ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ኣብ ምትካል ፈልሲ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ክሳተፍ ይግባእ።
ብሓፈሻ ሓምለዋይ ዓሻራ ብዙሕ ረብሓ ‘ዩ ዘለዎ፡፡ ክሳብ ሕዚ ዝተተኸሉ እንተሪእና ብዙሕ ረብሓታት ኣምፂኦም ‘ዮም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ተግባራዊ ዝኾኑ ፕሮጀክትታት ሓምለዋይ ዓሻራ ብምትግባር ዝደረቑ ዓይኒ ማያትን ቀላያትን ናብ ንቡር ክምለሱ ክኢሎም ‘ዮም፡፡
ሓምላዋይ ዓሻራ ምህርትን መፍረያይነትን ንምድንፋዕ ዘለዎ ግደ ልዑል ምዃኑ ብምርዳእ ኩሉ ሕብረተሰብ ብትኹረት ክሰርሐሉ ይግባእ፡፡ ኩሉ ሕብረተሰብ ኣብ ሓምለዋይ ዓሻራ ብምስታፍ ብልፅግናን ትንሳኤን ኢትዮጵያ ክውን ክኸውን እጃሙ ከወፍይን ንመፃኢ ወለዶ ሓምለወይቲ፣ ዝማዕበለትን ንዜጋታታ ምችውቲ ሃገር ከመሓላልፍን ግድን ይኸውን፡፡
ወጋሕታ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም