ግዕዝይና- ኩሉ ክዋገኦ ዝግባእ ጉዳይ

ግዕዝይና ንሓባራዊ ረብሓ ሃገር ኣዝዩ ዝጎድእ ዓቢዪ ብልሽውና ‘ዩ። ብልሽውና ማለት መንግስታዊ ስልጣን ሒዝካ ገንዘብ ብዘይግቡእ ምጥቃም፤ ወይ ዘይሕጋዊ ተግባራት ምፍፃም ‘ዩ። ግዕዝይና ብሰራሕተኛታት ትካላት መንግስታዊ ወይ ውልቐ ትካላትን ሰባትን ክፍፀም ዝኽእል ኮይኑ ብዝተሓላለኸ ተርእዮን ብዝተፈላለየ ደረጃታትን ክኽሰት ይኽእል ‘ዩ።

ግዕዝይና ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዳርጋ ባህሊ እናኾነ ብምምፅኡ እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ነዚ ንምግታእ ዝተፈላላዩ ስጉምትታት እናወሰደ ‘ኳ እንተኾነ ዘዕግብ ውፅኢት ግና ክመፅእ ኣይከኣለን። ብትካል ፀረ ግዕዝይናን ኮሚቴ ብምጥያሽ መፅናዕትታት ብምክያድን እናሰርሐ ዋላ ይኹን ኮይኑ ግና ሕበረተሰብ ክንድእቲ ዝከኣል ተሓባባሪ ብዘይምዃኑ ዝድለ ለውጢ ኣይመፀን።

እዚ ዘሪአካ ሓደጋታት ብልሽውናን ጉቦን ንምምካት ሕብረተሰብ ግቡእ ምትሕብባር ክገብር እንተዘይክኢሉ መንግስቲ ጥራሕ ዘዕግብ ስራሕ ክስርሕ ከምዘይኽእል ‘ዩ። ነዚ ጠጠው ንምባል ሓባራዊ ስጉምቲ የድሊ። ናይ ሓበር ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም። ኣብ ሃገርና ግዕዝይና ልክዕ ከም ባህሊ እናተለመደ ብምምፅኡ ኣብ መንግስታዊ ስራሕ ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናሕደረ ይርከብ። ራእይ መንግስቲ ንምዕዋት ኩሉ ሕብረተሰብ ግዕዝይና ክዋጋእ ኣለዎ፤ እዚ ግእዝይና እዚ ዓብይ ስብራት ሃገር ኮይኑ ስለዝርከብ እዚ እንተዘይተገቲኡ መንግስቲ ዝሓሰቦ ብልፅግና ንምዕዋት ቐንዲ ዕንቅፋት ‘ዩ።

ግዕዝይና ወይ ስርቂ ኣዝዩ ሓደገኛ ፍልፍል ጥፍኣት ‘ዩ። ግዕዝይና ከንብል እንተለና ስርቂ ገንዘብ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ስርቂ ግዜ ዝመሳሰሉ ‘ውን ‘ዮም። እዚኦም ተጊሂኻ ብምቕላስ ‘ዮም ዝፍትሑ።

መንግስቲ ነዚኦም ብምቕላስ ኣወንታዊ ውፅኢት ንምምፃእ ኣፀጋሚ ኮይንዎ ዘሎ ስርቂ ናይ ሓባር ባህሊ እናኾነ ብምምፅኡ ‘ዩ። ክብርታት፣ ሞራላት፣ እምነታት ሃገርና ተሸርሺሮም ‘ዮም። ቕድም ክብል ግዕዝይና ከም ንቡር ዝወስድ ማሕበረሰብ ተፈጢሩ ‘ዩ። ሰባት ብግዕዝይና እንትጥልቕዩ ተሓባቢርካ ኣብ ክንዲ ምቕላስ እንታይ ኣእተወኒ ኢሉ ስኽ ዝመርፅ ወይ ተሓባበሪ ዝኸውን ሰብ ውሑድ ኣይኮነን።

ኣብ ክንዲ ምቕላዕን ምቕላስን ብዙሕ ሰብ ኣብ ስርቂ ተሓባባሪ ወይ ኣብ ዘይሕጋውነት ተሓባባሪ እንትኸውን እንተሎ ድማ እቲ ሌባ ነቲ ዘይሕጋዊ ወይ ግዕዝይና ንጥፈት ይቕፅለሉ። ሓደ ሰብ ኣብ ግዕዝይና ወይ ስርቒ ክርከብ እንተሎ ማሕበረሰብ ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብ ተሓባሪ ክኸውን ኣለዎ። ግዕዝይና ክፍፀም ከሎ ንሌባ ምሕጋዝ እንተይኮነስ ብትሪ ም ውጋእ የድሊ። ኣብ ሕ ብረተሰብ ተቐባልነት ከይረክብ ምቕላስ።

እዚ ሱር እናሰደደ ስለዝኸደ ብመንግስቲ ጥራሕ ኣድላይ ውፅኢት ክመፅእ ኣይኽእልን። ማሕበረሰብ ተሓባባሪ ተዘይኮይኑ መንግስቲ ብዘረባ ይኹን ብፖሊሲ ጥራይ ክፈትሖ ዝኽእል ጉዳይ ኣይኮነን። መንግስቲ ነዚ ንምውጋእ ፀረ ግዕዝይናን ኮሚቴን ኣጣይሹ ብዙሓት ኣሲሩ፣ ኣባሪሩ፤ ሰባት ቀያይሩ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና እቲ ባህሊ ክሳብ ዘይተቐየረ እዚ ዝበሃል ለውጢ ኣይተረኣየን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ክፋል ተኸታታሊ ቃለ መሕትት ኣብ ዝገበርዎ፣ ካብ ዘልዐልዎም ዋና ዋና ነጥቢታት እቲ ሓደ ብዛዕባ ግዕዝይና ኣብ ሃገርና እንታይ ከምዝመስል ነይሩ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ብዝምልከት እንትዛረቡ፣ መንግስቲ መጀመርያ መንግስታዊ ስርቒ፣ ትካላዊ ስርቒ ጠጠው ክብል ገይሩ ‘ዩ። መንግስቲ ኮንትራት ሃብዎ፣ ልቓሕ ሃብዎ እናበለ ቢልዮነር ዝገብሮ ኩባንያ የለን።

ምስ ከንቲባ፣ ምስ ምምሕዳር ዞባ፣ ምስ ሚኒስትር ብምዝርራብ ዝሰርቆ ወይ ዝሓብኦ ዝኾነ ወርቂ የለን። ኮይኑ ግና ግዕዝይና ካብዚ ወፃኢ የለን ማለት ኣይኮነን። እዚ መንግስቲ ከም ዓቢዪ ዓወት ‘ኳ እንተወሰዶ ውልቀ-ሰረቕቲ የለዉን ማለት ግና ኣይኮነን። ብውልቂ ዝህብ የለን፤ ዝደራደር የለን ማለት ግና ኣይኮነን፤ ግዕዝና ሓደገኛ ነገር ‘ዩ፤ ብዛዕባ ወርቅን ካልኦት ነገራትን ብዝተወደበ መልክዕ ዘረፋ ይካየድ ‘ዩ፤ ብውልቂ ዘይኮነስ ብጉጅለ እንትስራሕ ድማ ንልምዓት ሃገር ብዓቢይኡ የዳኽሞ። ስለዚ እዚ ኣትሪሪካ ምቅላስ ይግባእ።

ስርቂ ዝፅየፍ ባህሊ ምህናፅ የድሊ። ጠቓሚ ትርክት ብምህናፅ ግዕዝይና ዝፅየፍ ማሕበረሰብ ክፈጠር ኣለዎ፤ ከምዚኦም እናመዓበሉ እንትኸዱን መንግስቲ ብሲስተም ዝሕገዝ ቕልጡፍ ኣገልግሎት እናሃበ እንትኸድን ግዕዝይና እናቀነሰ ይኸይድ። ስለዚ ግዕዝይና ንምቕናስ መንግስትን ህዝብን ብሓባር ክቓለስዎ ይግባእ። ንስርቒ ዝዋጋእ ማሕበረሰብ ክህነፅ ኣለዎ።

ወጋሕታ 12 ሰነ 2017 ዓ.ም

Recommended For You