
ቀንዲ ጠንቂ ፀገም ድሕንነትን ሰላምን ኢትዮጵያ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ‘ዩ። ውፅኢት ፀቢብነት ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ‘ዩ። ናይዚ ቀንዲ ኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ሕመቅ ዝፈጠሮ ፀገም ‘ዩ። ፖለቲካዊ ሕመቕ ኣብ ሃገርና ሰፊሕ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ፖለቲካዊ ድንቁርና ዝወለዶ ጎንፅን ባእስን ይፈጥር ኣሎ።
ድሌት ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላምን ልምዓትን ‘ምበር ጎንፅን ሁከትን ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ከም ኣብነት እንተልዒልና ከም ማንም ህዝቢ ሰላምን ልምዓትን ይደሊ፤ ንህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ከምዘድልዮ መንግስቲ ‘ውን ይርዳእ። ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ኵናት ብስምምነት ሰላም ፕሪቶርያ ክሃድእ ብምኽኣሉ ህዝቢ ትግራይ እፎይታ ረኺቡ ‘ዩ። እቲ ስምምዕነት ሰላም፣ ህዝቢ ትግራይ ደቁ ካብ ሞት ክድሕኑ ገይሩ ‘ዩ። ንኢትዮጵያ ‘ውን ፖለቲካዊ ፀገማት ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ሓዱሽ ባህሊ ፈጢሩሉ ‘ዩ።
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ቴሌኮሙኒኬሽን፣ መብራህቲ፣ ባንኪ፣ መጓዓዝያ ኣየር፣ ትምህርቲ፣ ፋብሪካታትን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያዊን ሰብኣዊ ኣገልግሎታትን ክጅመር ገይሩ ‘ዩ። ብምኽንያት እቲ ኵናት ፈሪሱ ዝነበረ መንግስቲ ዳግም ክምለስ ክኢሉ ‘ዩ። ፈሪሱ ዝነበረ መሓውር መንግስቲ ናብ ንቡር ንምምላስ ኣዝዩ በዳሂ ‘ኳ እንተኾነ ኣብቲ ክልል መንግስቲ ምህላው ኣገዳሲ ስለዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ተጣይሹ ‘ዩ፤ እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ሰላም ስለዝተረኸበ ስለዝኾነ እዚ ሰላም እዚ ምዕቓብ የድሊ። ፀገማት እንተጋጥሙ ‘ውን ብልዝብ ምፍታሕ የድሊ።
ይኹን ‘ምበር ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ዘይተፈፀሙ ነጥቢታት ኣለዉ፤ ዲዲኣር ብተወሰነ መልክዑ ተፈፂሙ ‘ኳ እንተኾነ ሙሉእ ብሙሉእ ግና ኣብ ግብሪ ኣይውዓለን። እዚ ሰላም ንምጥንኻር ክበሃል ክፍፀም ኣለዎ። ካሊእ ኩሉ ተማዛባላይ ናብ መረበቱ ኣይተመልሰን። መንግስቲ ዋላ ኣብ ከባቢታት ራያን ፀለምትን ዝተመዛበሉ ዜጋታት ክምለሱ ዝገበረ እንተኾነ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ግና ዝተረፉ ኣለዉ። ነዞም ዘይተመለሱ ተመዛበልቲ ንምምላስ መንግስቲ ፅኑዕ መርገፂ ኣለዎ። ተመዛበልቲ ዜጋታት ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣለዎም። ነዚ ድማ ብኹሉ ወገን ምትሕብባርን ሰላምን የድሊ።
መንግስቲ ፌደራል ጉዳይ ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ልዑል ድሌት ኣለዎ። ትግራይ እንተዘይተቐይራ ኢትዮጵያ በይና ክትቅየር ኣይትኽእልን። መንግስቲ ምስቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ተተሓሒዙ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተጋሩ ምእንተ ሰላም ክብል ፈቲሕዎም ‘ዩ። ቅድሚኣ ንሰላም ዝህብ መንግስቲ ስለዘሎ ዘጋጥሙ ፖለቲካዊ ፀገማት ብልዝብ ምፍታሕ የድሊ። ነዚ መንግስቲ ድልው ‘ዩ።
ህዝቢ ትግራይ ኲናት እንተይኮነስ ድሌቱ ሰላም ‘ዩ፤ ፖለቲካዊ ሓይልታት ድሌት ህዝቢ ክርድኡ ኣለዎም። ንሰላም ክሰርሑ ኣለዎም። ካብ ሰላም ‘ምበር ካብ ኩናት መኽሰብ የለን። ካብ ድሌት ህዝቢ ወፃኢ ምኻድ ኣየድልን። ንትግራይ ዘድልያ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ። ድሌት መንግስቲ ‘ውን ሰላም ምስፋንን ምልማዕን ‘ዩ።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ብዝርርብን ዘተን ክፍታሕ ኣለዎ። ኵናት ኣየድልን፤ ብኹናት ዕንወት ‘ምበር ዝፍታሕ ፀገም የለን። ኩሉ ንሰላም ክሰርሕ ኣለዎ። ኵናት ከይለዓል መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ምእንተ ሰላም ኣበርቲዖም ክሰርሑ ይግባእ። ብወገን መንግስቲ ኣብ ትግራይ ጥይት ናይ ምትኳስ ድሌት የብሉን። ከም እቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ድሌት መንግስቲ ምልማዕን ሰላም ምስፋንን ‘ዩ።
መንግስቲ ኵናት ከምዘይደሊ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ሙሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ክፈልጥ ይግባእ። ልምዓትን ሰላምን ‘ምበር ኵናት ኣይደልን። ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ብምዝርራብን ዘተን ምፍታሕ ይከኣል ‘ዩ። ስለዚ ኵናት ከየጋጥም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ጥንቃቐ ክገብሩ ይግባእ። ኩናት ንማንም ስለዘይጠቅም ኣፈላላያት ብጎንፂ ዘይኮነስ ብዝርርብን ዘተን ክፍትሑ ኣለዎም።
ክልል ኣምሓራ ይኹን ኦሮሚያ፣ ትግራይ ይኹን ካልእ ክልል ፍልልያት እንተሃልዮም ብዘተ ክፍታሕ ይግባእ። ሰባት ሕገመንግስቲ ኣኽቢሮም፣ ከላሽን ኣቐሚጦም፤ ሓሳብ ተዓጢቖም ናብ ጠረጴዛ ክመፁ ምእንቲ ከም ዓባይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካኦት መዳርግቲ ኣካላትን እጃሞም ክፍፅሙ ይግባእ። ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብዘተ ጥራሕ ‘ዩ ክፍታሕ ዘሎዎ።
ወጋሕታ 3 ሓምለ 2017 ዓ.ም