
ኣብ መንጎ ነበር ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ብዝተፈጠረ ኹናት ኣብ ትግራይነ ህዝቢ ትግራይ ከምኡ’ውን ከም ሃገር ዝበፅሐ ጉድኣት ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን። ኮይኑ ግና እዚ ድሕሪ ብዙሕ ደም ምፍሳስን ኩሉ ዓይነት ክሳራታትን ብፖለቲካዊ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ መዕለቢ ረኺቡ ‘ዩ።
መንግስቲ ፌዴራል ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ንምትግባር ተወፋይነት ብዘርአዮ መሰረት ብዙሓት ነገራት እናፈፀመ መፂኡ ‘ዩ። ብወገን ነበር ህወሓት ‘ውን ከም ከበድቲ ዕጥቒ ካብ ምርካብ ጀሚሩ ኣወንታዊ ግደ ዋላ እንተፃወተ ክንዲቲ ዝድለን ንህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ኣፈፃፀማ ኣየርአየን፡፡
ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ምስተፈረመ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልቲታት መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ግልጋሎታት ንምቅራብ ኣብ ቴሌኮም፣ መንገዲ ኣየር፣ ባንኪ፣ መብራህቲ፣ መንገዲ፣ ኢንዳስትሪን ኣብ ካልኦት ትካላት መሰረተ ልምዓታትን ብፍጥነት ብምስራሕ ህዝቢ ናብ ንቡር ምንቕስቃስ ክምለስ ገይሩ ‘ዩ።
እቲ ዝመፀ ሰላም ክጠናኸርን ዘይተጀመሩ መሰረተ ልምዓታት ብቕልጡፍ ክጅመርን መንግስቲ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሐ መፂኡ ‘ዩ ከንብል እንተለና ንሰላምን ልምዓትን ካብ ዘለዎ ባህጊ ብምብጋስ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ዝቀረዩ ነገራት እናፈፀመ ሓደሽቲ መሰረተ ልምዓታትን ‘ውን እናሳለጠ ‘ዩ።
መንግስቲ ፌዴራል ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት እንትወስድ ንሰላም፣ ልምዓትን ዕቤትን ሃገር ካብ ዘለዎ ድሌትን ባህግን ዝብገስ ኮይኑ እዚ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ምንቕቓሕን ሰላም ኣብ ምጥንኻርን ዘለዎ ግደ ልዑል ኮይኑ እዚኦም ተጣናኺሮም ክቕፅሉ ድማ ግድን ይኸውን።
ኣብ ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲ’ውን ኣብ ራያን ፀለምትን ናብ መረበቶም ንክምለሱ ተገይሩ ኣሎ። እቶም ዝተረፉን ዞባ ምዕራብን ካልኦትን ድማ መንግስቲ ፌደራል ንቶም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ድልው ምዃኑ ብተደጋጋሚ ገሊፁ ኣሎ፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን’ውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ መራሕቲ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ‹‹…ዝተመዛበሉ ሰባት ናይ ምምላስ ጉዳይ ንሕና ሚኢቲ ፐርሰንት ድልዋት ኢና፤ ቕድሚ ሕዚ ‘ውን ድልዋት ነይርና ሕዚ ‘ውን ድልዋት ኢና፤ ኣብ ራያ ‘ኮ ዝተመዛበሉ ሰባት መሊስና ኢና። ኣብ ወልቃይት (ምዕራብ ትግራይ) ‘ውን ተመሳሳሊ ድሌት ‘ዩ ዘለና።
ምስ ግዝያዊ መንግስቲ ዝተዘራረብናሉ እዞም ተመዛቢሎም ዘለዉ ሰባት ንፖለቲካ መጥቐሚ እንተይኮኑስ ናብ ቦተኦም እንተዝምለሱ ዝብል ‘ዩ። ናብ ቦተኦም እንትምለሱ ካብ ማንም ንላዕሊ ኢትዮጵያ ተጠቓሚት ‘ያ። ብኣና ወገን ሓደ ግዜ ጥራሕ ኣይኮነን ዓሰርተ ግዜ ኢና ትልሚ ኣውፂኢና›› ክብሉ ምግላፆም መንግስቲ ፌደራል ተመዛበልቲ ንምምላስ ዘለዎ ድልውነት መርኣያ’ዩ።
ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ነበር ኣመራርሓ ህወሓትን ሰዓብቱን ጉዳይ ተመዛበልቲ ንፖለቲካ መጥቀሚ እናገበርዎ ይርከቡ። ‹‹ውድብ ከይደሓነት ተመዛባላይ ክምለስ የብሉን›› ዝዓይነቱ መደረ በቢ መድረኹ እናስምዑ ብስቓይን ፀገምን ተመዛበልቲ ፖለቲካዊ ሸቐጥ ይሽቅጡ ምህላዎም ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። ምምላስ ተመዛበልቲ ጉዳይ ሰብኣዊነት ኮይኑ እናሃለው ከም ፖለቲካ መትሐጃ ምግባር ገበን’ዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ተመዛበልቲ ኣብ ድንኳንን ኬንዳን ኮይኖም፤ ኣብ ሱዳን’ውን ብተመሳሳሊ ኹነታት ኣብ ስደት ዝርከቡ ዜጋታት ናብ መረበቶም ምምላስ መሰልን ሰብኣዊነትን ‘ዩ። እዚ ጉዳይ ምስ ፖለቲካ ክደሓሓዝ የብሉን።
ምስ መንግስቲ ፌደራል ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣብ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያን ህገ መንግስትን ብዝተቐመጠ መሰረት ብዘተ ምፍታሕ ዝከኣለሉ ዕድል ነይሩ’ዩ። ኣሎ’ውን። ምስ ምምላስ ተመዛበልቲ ክደሓሓዝ ኣይነበሮን። ኣይግባእን።
መሪሒነት ነበር ህወሓት ግና ምስ ህላወ ውድቡን ውልቀ ኣመራርሓን ጥራሕ ብምድሕሓዝ ክሳብ ሐዚ ኩሉም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን። እዚ ጌጋን ገበንን ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ኣለዎ፡፡ንፖለቲካ ረብሓ ህዝቢ ከም ጅሆ ምሃዝ ትኽክል ኣይኮነን። ህዝቢ ናብ መረበቱ ይመለስ። መጥቀሚ ፖለቲካ ክኾን ኣይግብኦን።
ወጋሕታ 19 ሰነ 2017 ዓ.ም