ብ500 ሚሊዮን ዶላር 14 ፕሮጀክትታት መከፋፈሊ ሓይሊ ክስርሑ ‘ዮም

ኣዲስ ኣበባ:- ብ500 ሚሊዮን ዶላር በጀት 14 ጣብያታትን መስመራትን መከፋፈሊ ሓይሊ ከምዝስርሑ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ ‘ውን ዝተፈላለዩ ፅገናን ሕድሳትን ዝደልዩ ጣብያታት ፍልፍልን መከፋፈልን ሓይሊ ናይ ምሕዳስ ንጥፈታት እናተሰርሑ ምዃኖም ተገሊፁ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ኣሸብር ባልቻ ከምዝገለፅዎ፤ 14 ፕሮጀክትታት መከፋፈሊ ሓይሊ ክስርሑ ‘ዮም። እቶም ፕሮጀክትታት ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ድጋፍ ገንዘብ ዝስርሑ እንትኸውን ልዕሊ 500 ሚሊዮን ዶላር በጀት ተታሒዙሎም።

ኣብዚ ሕዚ ስራሕቲ ቅድሚ ምድላው እናተሰርሑ ይርከቡ ዝበሉ ኢንጂነር ኣሸብር፤ እቶም ፕሮጀክትታት ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ውሽጢ ተሰሪሖም ከምዝዛዘሙ ሓቢሮም። እቶም ፕሮጀክትታት ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ንዝሰርሖም ‘ውን ዘካትቱ ብምዃኖም በዚ ‘ውን ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ፀገም ብምቕራፍ ካብ ተበፃሕነት ኣንፃር ንዝለዓሉ ሕቶታት ክምልሱ ዝኽእሉ ምዃኖም ኢንጂነር ኣሸብር ተዛሪቦም።

ፀገም ምቁርራፅ ኤሌክትሪክ ዝፍጠር ምስ ምፍልፋል ሓይሊ ተተሓሒዙ ዘይኾነስ ምስ ፅገናን ዕንወትን መሰረተ ልምዓት ተተሓሒዙ ‘ዩ ዝበሉ ኢንጂነር ኣሸብር፤ ነዚ ፀገም ንምቕራፍ ‘ውን ሕድሳት መመሓላለፊታት ሓይሊ እናተኻየደ ‘ዩ ኢሎም። መፈልፈሊ ሓይልታት እንትስርሑ ካብ 50 ክሳብ 100 ዓመት ክፀንሑ እንተኽኣሉ ‘ውን ኣብ ኤሌክትሮ መካኒካል ዘለዉ ኣቑሑት በቢ 20 ዓመት ክሕደሱ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ካብ ፀሓይን ሃፋን ክሳብ 10 ሽሕ ሜጋ ዋት ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ከምዘለዋ ዝገለፁ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፤ ብተወሳኺ ‘ውን ፕሮጀክት መፈልፈሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ ኣብ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ከምዝርከብን ዛጊድ ‘ውን 65 ሚኢታዊ ዝኸውን ከምዝተዛዘመን ተዛሪቦም። ኣብዚ ሕዚ ሕድሳት ዝደልዩ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ሓይሊ ምህላዎም ኣልዒሎም፤ ፍልፍል ሓይሊ ተከዜ ኣብ ሕድሳት ከምዝርከብ ኣረዲኦም።

ኢንጂነር ኣሸብር፤ እቲ ትካል ካብ መሸጣ ኤሌክትሪክ ወፃኢ ዝረኽቦ ኣታዊ ንፍልፍል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻን ኻልኦት ሕድሳት ዝደልዩ መፈልፈልታትን መከፋፈልታትን ሓይሊ እናውዓለ ከምዝርከብ ኣተሓሒዞም ገሊፆም። እቲ ትካል ኣብ ቀረባ ካብ ባንኪ ዓለም ዝረኸቦ ኽዉንነት ነዞም ፕሮጀክትታት ንምስኻዕ ብፅሒቱ ከምዝዋፃእ ኢንጂነር ኣሸብር ኣመላኺቶም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You