መጠን ፅድቀት ፈልስታት ሓምለዋይ ዓሻራ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ:- ኣብ ሓምሻይ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ዝተተኸሉ ፈልስታት መጠን ፅድቀቶም 90 ነጥቢ ኣርባዕተ ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።

ኣብ ሚኒስቴር ግብርና ኣብ ልምዓት፣ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ተፈጥሮ ሓላፊ ዴስክ ሓለዋ ስነ- ህይወታዊ ሓመድን ማይን ሕርሻ ጥሙር ደኒን ኣይተ በፍቃዱ ብርሃኑ ንትፕኢ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቶም ኣብቲ ሓምሻይ ዙር ዝተተኸሉ ፈልስታት ፈላማይ ዙር ምዘና ፅድቀት ተገይሩ። በዚ ‘ውን መጠን ፅድቀት እቶም ፈልስታት 90 ነጥቢ ኣርባዕተ ኾይኑ ኣሎ።

ምዘና ፅድቀት ተኽልታት ዝስራሕ ኣብ ዓመት ኽልተ ግዜ ከምዝኾነ ዝተዛረቡ ኣይተ በፍቃዱ፤ እቲ ዝተመዝገበ 90 ነጥቢ ኣርባዕተ ሚኢታዊ መጠን ፅድቀት ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ዝሓሸ ውፅኢት ዝተረኣየሉ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ከምገለፃ እቶም ሓላፊ፤ እቲ መጠን ፅድቀት ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሰኸ እንትኸውን፤ ቅድሚ ሕዚ በቢዓመቱ ኣብ ዝነበረ ምዘና መጠን ፅድቀት ኣብ 80ታት ውሽጢ ‘ዩ ነይሩ። እቲ ናይ ሎሚ ዓመት ቑፅሪ ልዕል ምባሉ ሕብረተሰብ ብስምዒት ወናንነት ከምዝሰርሐ ዘመላኽት ‘ዩ።

ኣብ ስራሕቲ ክንክን ፈልስታት ብጠመተ እናተሰርሐ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ በፍቃዱ፤ መጠን ፅድቀት ፈልስታት ኣብ ፈላማይ ዙር ካብ ዝነበረ እናተመሓየሸ ምምፅኡ ተዛሪቦም። እዚ ‘ውን ሕብረተሰብ ፈልሲ ተኺሉ ምግዳፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ክከናኸን ከምዘለዎ ኣሚኑ እናሰርሐ ምዃኑ የርእይ ኢሎም።

ሕብረተሰብ ዝተኸሎም ፈልስታት ንኽከናኸን ‘ውን ግንዛበ ናይ ምዕባይ ንጥፈታት ብዝተፈላለዩ መገድታት እናተሰርሑ ከምዝነበሩ ኣፍሊጦም። እቶም ሓላፊ ከምዝበልዎ፤ ብሓሙሽተ ዙር 32 ቢሊዮን ዝኾኑ ዘፈር ብዙሕ ረብሓ ዘለዎም ፈልስታት ተተኺሎም። እቶም ዝትከሉ ነባሪ ኣየር ክፃወሩ ዝኽእሉ ዓሌታትን ቁጠባዊ ፀገም ማሕበረሰብ ክፈትሑ ዝኽእሉ ከም ፍራምረ ዝበሉን ንምግብነት ክውዕሉ ዝኽእሉን ፈልስታት ‘ዮም።

ናብ ወፃኢ እናተለኣኸ ዝርከብ ፍርያት ኣቮካዶ ሓዊሱ ዝለዓለ ፍርያት ፍራምረ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ምስኻዕ ከምዝተኽኣለ ‘ውን ኣተሓሒዞም ገሊፆም። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ካብ ዝጅመር ንሓሙሽተ ዓመት ዝኣክል ፈልሲ ምትካል ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፤ ነዚ መርሃ ግብሪ ምክያድ መማረፂ ወይ ድማ ተወሳኺ ስራሕ ዘይኮነስ ሕቶ ምንባርን ዘይምንባርን ‘ዩ ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ካብ ዘሎ ሽፋን ደኒ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1960ታት ክሳብ 80ታት ሰለስተ ርብዒ ዝኸውን ደኒ ከምዝሰኣነት ብምግላፅ፤ ዝለዓለ ምምንማን ሃፍቲ ተፈጥሮ በፂሑ ከምዝነበረ መፅናዕትታት ከምዝሕብሩ ተዛሪቦም። ፅንሕ ኣብ ዝበሉ ግዜታት ድርቂ ኣብ 10 ዓመት ሓደ ግዜ ይፍጠር ከምዝነበረ ሓቢሮም፤ ኣብዚ ሕዚ እቲ ግዜ እናፀበበ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ዘሎ ግዜ ውሽጢ እናተፈጠረ ከምዝርከብ ኣገንዚቦም።

እዚ ‘ውን ለውጢ ነባሪ ኣየር ክንደየናይ ፅዕንቶ እናፈጠረ ምዃኑ ዘርእይ ምዃኑ ብምሕባር፤ ትግበራ ሓምለዋይ ዓሻራ ጉዳይ ህልውና ‘ምበር ጉዳይ ተወሳኺ ድልየት ከምዘይኮነ ተሰሚሩሉ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም። እቶም ሓላፊ ኣተሓሒዞም ‘ውን ኻልኣይ ምዘና መጠን ፅድቀት ንምግባር ምድላው እናተገበረ ከምዝርከብ ገሊፆም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

 

Recommended For You