ውሕጅ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድኣት ንኸየብፅሕ ጥንቃቐ ምግባር ከምዝግባእ እቲ ኢንስቲትዩት ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ:- ኣብቶም ዝመፁ ዓሰርተ መዓልትታት ውሕጅ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ፣ እንሰሳትን ንብረትን ጉድኣት ንኸየብፅሕ ግቡእ ጥንቃቐ ምግባር ከምዝግባእ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኢንስቲትዩት ናብ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝገለፆ፤ ኣብቶም ዝቕፅሉ ዓሰርተ መዓልትታት ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ትፅቢት ምስ ዝግበር ከቢድ ማይ ተተሓሒዙ ሃንደበታዊ ውሕጅን ምንቅጥቃጥ መሬትን ክፍጠር ይኽእል እዩ።

ብፍላይ ‘ውን ብተኸታታሊ ማይ እናረኸቡ ኣብ ዝርከቡን ከቢድ ማይ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሎም ቦታታትን ሓረስቶትን ዝምልከቶም ኣካላትን ብሓባር ብምዃን ኣብ ልዕል ዝራእቲ፣ እንሰሳትን ንብረትም ጉድኣት ንኸየብፅሕ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣለዎም። እቲ ኢንስቲትዩት ራሕሲ ልዕሊ መጠን ክኸውን ስለዝኽእል በዚ ምኽንያት ‘ውን ማይ ኣብ ልዕሊ ሕርሻ ንኸይድቅስ ዝውሕዘሉ ጉድጓዳት ብምውፃእ ንኽውሕዝ ምግባርን ስራሕቲ ምክልኻልን ምስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መዳይ ፃህያይ ብእዋኑ ምፅሃይ፣ ፀረ- ፃህያይን ፀረ-ባልዕን ኬሚካላት ብእዋኑ ካብ ሰብ ሞያ ግብርና ብዝርከብ ምኽረ ሓሳብ መሰረት ንኹነታት እቲ ማይ ብዘገናዘበ መልክዑ ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊፁ።

ኣብ ዝቕፅሉ መዓልትታት ኣብ ቀውዒ ዘፍርዩን ኣብ ኽረምቲ ተጠቀምቲ ኣብ ዝኾኑን ከባቢታት ሃገርና ዝተስፋሕፍሐ ኩነታት ራሕሲ ከምዝህልዎም ትፅቢት ይግበር። እዚ ኩነታት ‘ውን ንምንቅስቓስ ስራሕቲ ሕርሻ ዝዓዘዘ ረብሓ ከምዝህልዎ ኣብ መግለፂኡ ኣመላኺቱ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ‘ውን ቐዲሞም ተዘሪኦም ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዕብየት ንዝርከቡ ዝራእቲ ቀውዒ ፅቡቕ ግደ ከምዝህልዎ ዝገለፀ እቲ መግለፂ፤ ንምንቅስቓስ ሕርሻ ወቕቲ ቀውዒ ዘንጊዖም ንዝጀመሩ ከባቢታት ራሕሲ ውሽጢ ሓመድ ከምዘመሓይሽን ዝራእቲ ቀውዒ ብእዋኑ ንምዝራእ ምቹው ኩነታት ከምዝፈጥርን ትፅቢት ይግበር ተባሂሉ።

ኣብቶም ዝቕፅሉ ዓሰርተ መዓልትታት ኣብ መብዛሕቲኦም ተፋሰሳት ኣባይ፣ ተከዘ፣ ኣዋሽ፣ ባሮኣኮቦ፣ ላዕለዋይን ማእኸላይን ኦሞጊቤ፣ መታሕት ዓፋር ደናከል፣ ዋቢ ሸበሌን ገናሌ ዳዋን ካብ ማእኸላይ ክሳብ ዝለዓለ ኩነታት ራሕሲ ከምዝህልው ተገሊፁ። እዚ ኩነታት ራሕሲ ‘ውን ብመንፅር ማይ ገፀ ምድርን ከርሰ-ምድርን ምምሕያሽ ከምኡ ‘ውን ዓቕሚ ማይ ግድባትን ሩባታትን ምጥንኻር ፅቡቕ ኣዎንታዊ ግደ ይህልዎ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ሓደ ሓደ ተፋሰሳት ክህልው ምስ ዝኽእል ዝለዓለ ኩነታት ራሕሲ ተተሓሒዙ ሃንደበታዊ ውሕጅ ከምኡ ‘ውን ኣብ ወሰን ሩባታት ክስተታት ማይ ምምላእ ብፍላይ ‘ውን ናብ ውሕጅ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከተማታትን ከባቢታትን ፅዕንቶ ንኸየጋጥም ካብ ብሕዚኡ ኣድላዪ ምድላው ምግባር ከምዘድሊ ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 18 ሓምለ 2016  ዓ.ም

Recommended For You