ኣብ ዝብልዑን ኢኮኖምያዊ ረብሓ ዘርክቡን ተኽልታት ትኹረት ብምግባር ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፡ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ማይጨው ብማሕበር መናእሰይን ሊግ መናእሰይን ዞባን ወረዳናን ኣብ ዝተዳለዉ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ዝብልዑን ኢኮኖምያዊ ረብሓን ዘርክቡ ተኽልታት ንምትካል ትኹረት ገይሩ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ምምሕዳር ከተማ ማይጨው ሓቢሩ።

ከንቲባ ከተማ ማይጨዉ ኣይተ የማነ ንጉስ ከምዝበሉዎ፣ኣብ ክረምታዊ መደብ ፈልሲ ተኸላ ልዕሊ 75 ሽሕ ተኽሊ ንምትካል ትልሚ ከም ዘሎን ልዕሊ 60 ሚእታዊ ዝብልዑ ተኽልታት ከም ዝትከሉን ኣብ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ህዝቢ እናተሳተፈ ከምዘሎን ሐዚ ድማ ብማሕበር መናእሰይን ሊግ መናእሰይን ዞባን ወረዳናን ዝተዳለዉ ወፍሪ ከምተሳለጠ ሓቢሮም።

መንእሰይ እቲ ከተማ ስራሕን ልምዓትን ዝደሊ፣ክትቐርቦ ከለኻ ዝቐርበካ፣ምኽንያታዊ ዝኾነን፣ ብፍላይ መናእሰይና ከይስደዱ፣ተጠቀምቲ መዐወኒ ከይኾኑ፣ኣብ ዘየድሊ ቦታ ከይውዕሉን ዝኣመሰሉ ስራሕቲ ከም ዝነበሩ ኣረዲኦም። ሕዚ ግና ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኣብ ከተማና ምስ ዘለዋ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ተኣሳሲርና ስራሕ ዕድል ዝፍጠረሉ ኩነታት ካብ ብሕዚኡ ኣብ ምስራሕ ንርከብ ክብሉ ‘ውን ሓቢሮም።

ብሓፈሻ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዘሎ ምንቕስቓስ መንእሰይ ሰብ ዋና ኾይኖም አሐይሎም እናቐፀሉ ዝርከቡ ዘሎዉ ንናይ ቐፃሊ ልምዓት ‘ውን ክደግሙዎ ክንሰርሕን መናእሰይና ‘ውን ብዓርሰ ተበግሶ ክዋስኡን ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣቦ ወንበር ማሕበር መንእሰይ ከተማ ማይጨዉ በርሀ ኣውዓሎም ብግዲኡ ኣብ ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብርክት ዝበሉ መናእሰይ እቲ ከተማ ተኽሊ ይተኽሉ ከም ዘለዉን ኣብ ክረምቲ ሎሚ ዓመት ከም ማሕበር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ንምስራሕ ትልሚ ከም ዘለዎምን ብፍላይ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ፣ፅሬት ከባቢ፣ ስፖርታዊ ውድድራት ምክያድ፣ሓገዝ ንስድራ ስዉኣትን ንዝተፀገሙ ወገናትን ከምዝካየዱን በዚ ድማ መናእሰይ ኣዚዮም ሕጉሳት ከም ዝኾኑን ኣብዚ ታሪካዊ ወፍሪ ኹሉ መንእሰይ ክሳተፍ ኣብ እንብህጎን እንምነዮን ልምዓት ከተማና እጃሙ ክዋፃእ ንፅውዕ ኢሎም።

ገሰሰ ንጉስ (ዶ/ር)፣ ካብ ዩኑቨርስቲ ራያ ካብ መንጎ ኣብቲ ወፍሪ ዝተሳተፉ ‘ዮም። እዚ ሎሚ መናእሰይ ከተማና ዝሰርሕዎ ስራሕ ኣዚዩ ዘሐብን ‘ዩ።ትግራይና በፂሑዋ ካብ ዘሎ ፀገም ኣብ ምንጋፍ ተኸላ ፈልሲ መተካእታ ስለዘይብሉ ትኹረት ክንገብረሎም ኣብ ዝግባእ ተኽልታት እንተነተኩር ይብሉ።

ብፍላይ ከም ኣፕል፣ማንጎን ቡንን ዝኣመሰሉ ተኽልታት እናተተኸሉ ከም ዝረኣዩን እዚ ድማ ዓብይ ረብሓ ኢኮኖሚ ዘለዎን ብኣግባቡ እንተተኸናኺንናዮም ድማ ካብ ከተማና ሓሊፉ ናብ መላእ ትግራይ ክበፅሕ ዝኽእል ሰፊሕ ሽፋን ከም ዝኾነን ኻልኦት ከተማታትና ዉን ካብዚ ተሞክሮ ወሲደን ትግራይ ብኢኮኖሚ ዓርሳ እትኽእለሉ ኹነታት ምፍጣር ከም ዝከኣልን ገሊፆም።

ሓንቲ ዓዲ ክትዓቢ ተኾይና ግደ መናእሰይ ወሳኒ ከም ዝኾነን መናእሰይና ናብ ልምዓት ዝወፍርሉ ኹነታት ንምፍጣር ኹሉ ወገን ኣበርቲዑ ክሰርሕ ከም ዝግባእ ዶ/ር ገሰሰ ገሊፆም። መንእሰይ ኣበባ ዘነበ ነባሪት ከተማ ማይጨዉ ‘ያ።

ኣብቲ ተኸላ ፈልሲ ምስታፋ ኣዚያ ሕጉስቲ ከም ዝኾነት ብምግላፅ ዓድና ሓምለወይቲ ንክትኸዉን ተኽሊ ምትካል ወሳኒ ከም ዝኾነን መፃኢ ትግራይ ኣብዚ ውዑይ ሓይሊ መንእሰይ ዕድል ከም ዝተመስረተ ብምርዳእ ኹላትና መናእሰይ ብሓድሽ መንፈስን ወነን ኣብ ኩለመዳይ ምንቅስቓስ ከተማና ሰብ ዋና ኾይንና ክንነጥፍ ይግባእ ኢላ ከም ሓበሬታን ርክብን ከተማ ማይጨዉ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 18 ሓምለ 2016  ዓ.ም

Recommended For You