ደቡብ ሱዳን ስምምዕነት ማዕቐፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል ምፅዳቃ ዘለዎ ትረጉምን ረብሓን

ዜና ትንታኔ

ኣብ ቀረባ እዋን ደቡብ ሱዳን ስምምዕነት ማዕቐፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል ምፅዳቃ ዝዝከር ‘ዩ። እዚ ስምምዕነት ምፅዳቓ ንኢትዮጵያ ታሪካዊ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ‘ውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምሕባር፤ ደቡብ ሱዳን እቲ ስምምዕነት ምፅዳቓ ናይ ናይል ተፋሰስ ሃገራት ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ዘለወን ባህጊ ዕላዊ ንምግባር ንዝግበር ፃዕሪ ርኡይ ስጉምቲ ‘ዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሓሳብ ዝሃቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ጥራሕ ዘይኮኑስ ብዙሓት ሙሁራት ‘ውን ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ትንተናታት እናሃቡ ቀንዮም ‘ዮም። ደቡብ ሱዳን ነዚ ስምምዕነት ምፅዳቃን ናብቲ ስምምዕነት ውሽጢ ምሕዋሳን ኣብ ኢኒሽቲቭ እቲ ተፋሰስን ብሓፈሻ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ምንቕስቓስ እንታይ ትርጉም ይህልዎ?

ኣብ ዝብልን ሓሳባት ካብ ዝሃቡ ሙሁራት ሓደ ናይ ዶብ ተሳጋሪ ሩባታት ላዕላዋይ ኣማኻሪ ዝኾኑ ኢንጂነር ጌዲዮን አስፋው ከምዝብልዎ፤ ብመንፅር ታሪኽ ሩባ ናይል ብዝምልከት ስምምዕነታት ማይ ብሓባር ምጥቃም ዝተፈረሙ ኣብ ዘመን ባዕዳዊ መግዛቲ ኾይኑ ብፍላይ ኣብ 1929 ን 1959ን ዝተፈረሙ ስምምዕነታት ግብፅን ሱዳንን ‘ዮም።

ከም ገለፃ ‘ቶም ኢንጂነር እዞም ስምምዓት ከም ኢትዮጵያ ንዝበሉ ሃገራት ተፋሰስቲ ረብሓ ዘሕልው ኣይነብሩን። ስለዚ እቲ ሓዱሽ ማዕቐፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ተፋሰስ ናይል ዘሎ ምርድዳእ ብዘንፀባርቅ ብፍትሓውነት ክፍፍል ሃፍቲ ኣባይ ንምፍጣር ዝዓለመ ‘ዩ።

እቲ ማዕቐፍ ፕሮጀክታት ከመይ ክትግበር ከምዘለዎ ዝዝርዝሩ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ‘ውን ዝሓዘ ኾይኑ፤ ኣድላይነት ምልውዋጥ ሓበሬታን ምትሕብባርን እዛ ሃገር ትኹረት ዝሓትት ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን እቲ ማዕቐፍ ተግባራዊ ዝኸውን ካብ 11አን ሃገራት ብ6አን እንትፀድቅን ናብ ሕብረት ኣፍሪካ እንትቀርብን ‘ዩ።

እዚ ስምምዕነት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ1929ን 1959ን ዝተፈረሙ ናይ ባዕዳዊ ግዝኣት ስምምዕነታት ብምትካእ ትኹረቱ ናብ ዝተሓባበረ ምምሕዳር ሩባ ኣባይ ዘሳግርን ትሕዝቶን ስርጭት ማይን ዝተመልከቱ 45 ዓንቀፃት ዝሓዘ ‘ዩ። ስለዝኾነ ደቡብ ሱዳን ነቲ ማዕቐፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል ብፓርላማኣ ማፅዳቃ እቲ ኮሚሽን ንምምስራትን እቲ ስምምዕነት ድማ ተግባራዊ ንምግባር ዓብይ ስጉምቲ ምዃኑ ‘ዮም ዝሕብሩ።

እቲ ኮሚሽን እንትምስረት ከም ግድብ ኣባይ ኣብ ዝበሉ ፕሮጀክታት ሓበሬታ ንምልውዋጥን ምትሕብባር ሃገራትን መምርሒታት ናብ መደበኛ ብርኪ ከምዝኣትው ብምርዳእ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2005 ሕጊ ፓርላማ ነቲ ማዕቐፍ ናይ ምፍፃም ሓላፍነት ዝተውሃቦ ድማ ንሚኒስቴር ማይን ኢነርጂ ‘ዩ ክብሉ ኢንጂነር ጌዲዮን ይገልፁ።

ካሊእ ደቡብ ሱዳን ነቲ ስምምዕነት ምፅዳቃ ኣብ ከባቢ ተፋሰስ ናይል ዘሎ ምትሕብባርን ምርግጋዕን ብጣዕሚ ከዕቢ ከምዝኽእል ‘ዮም እቶም ኢንጂነር ዝፅገልፁ። ሰፊሕቲ ረግረጋማ ቦታታት ዝሓዘት ደቡብ ሱዳን ፍሰት ሩባ ናይል ኣብ ምቁፅፃር ወሳኒ ግደ ክትፃውት ትኽእል ‘ያ ኢሎም።

ሩባ ፃዕዳ ኣባይ ምስ ሩባ ኣባይ ቅድሚ ምትሕውዋሱ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝፈስስ ሩባ ባሮ ኢትዮጵያ ‘ውን ሓዊሱ እዚ ማዕቐፍ ምትሕብባር ኣድላይ ከምዝኾነ ‘ውን ‘ዮም ዝዛረቡ። ንኢትዮጵያን ሓዊሱ ኣብ ሞንጎ ተፋሰስ ኣባይ ሃገራት ንምጥንኻር ስራሕቲ ምትሕብባር ተሳትፎ ደቡብ ሱዳን ወሳኒ ምዃኑ ‘ውን ኣስሚሮምሉ።

ብተወሳኺ እዚ ማዕቐፍ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ተፋሰስ ናይል ብፍላይ ምስ ግብፅን ሱዳንን ብዘለዋ ርክብ ፅዕንቶ ከምዘሕድር ብምሕባር፤ ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ናብዚ ማዕቐፍ ንክሕወሱ ኣማራፂ ከምዝገጥሞም ተዛሪቦም። ተሳትፎ ግብፂ ንምብርትታዕ ግብዣታትን ኣኼባታትን ዘካተተ ብዙሕ ፃዕርታት እንተተገብረ ‘ውን ክሳብ ሐዚ ኣይተቀበለትን ብምባል፤ ንቀፃሊ ምስ ካልኦት ኣባል ሃገራት ብምትሕብባር ምስራሕ ስለዝጠቅማ ናብቲ ምዕቐፍ ክትሕወስ ከምእትኽእል ከዓ ኣብራህሪሆም።

ኣብቲ ማዕቐፍ ምትሕብባር ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት ዝለዓለ ምትሕብባር ንክህልው ዕድላት ይፈጥር ‘ዩ ዝበሉ ኢንጂነር ጌዲዮን፤ ኢትዮጵያ ኣብቲ ስምምነት ውሽጢ ካብ ዝተኻተቱ ፍትሓዊ መርህታት ከፍፍል ማይ ክትጥቀም ከም እትኽእል ኣፍሊጦም ‘ዮም።

“ንኣብነት ፍትሓዊ ኣጠቃቀማ ማይ ዘርእዩ ትሽዓተ ጉዳያት ዘለው እንትኾኑ፤ እቲ ሓደ ድማ ነኒሕድሕዱ ሃገር ምውፃእ ማይ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ንናይል ዝተበርክቶ ልዑል ናይ ማይ ግደ ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ፍትሓዊ ዝኾነ ብኣንፃር ስርጭት ማይ ተረባሒት ክትኸውን ‘ያ ” ክብሉ ‘ውን ገሊፆም።

ደቡብ ሱዳን ዘፅደቀቶ ማዕቐፍ ኣብቲ ቐጠና ሰፊሕ ትርጉም ዘለዎ ዓወት ‘ዩ ዝበሉ ድማ ዓለም ለኸ ተንታኒ ፖለቲካ ዝኾኑ ኣይተ ሙሳ ሸኮ ኾይኖም፤ ማይ ሩባ ናይል ፍትሓውን ምኽንያታውን ኣጠቃቀማ ዘበረታትዕ ከምዝኾነን እቲ ማዕቐፍ ብ2010 ብተፋሰስ ሃገራት ናይል ኣብ ስምምዕነት ምብፅሖም ብምዝኽኻር፤ እዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ሓባራዊ ኣጠቃቅማ ማይ ኣባይ ዝነበራ ዝፀንሐ መትከል ከምዘጠናኽር ኣብሪሆም።

ከመ ገለፃ ኣይተ ሙሳ፤ ብ2010 ዝተፈረመ ማዕቐፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል፤ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ተፋሰስ ኣባይ ወሳኒ ስምምዕነት ነይሩ። ዋና ዓላማኡ ድማ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ተፋሰስ ተጠቃምነት ሩባ ናይል ፍትሓዊነቱ ምርግጋፅ ነይሩ። ከም ኣውሮፓውያን ኣቆፃፅራ ኣብ 1929ን 1959ን ብዝተገብረ ስምምዕነት ንግብፂ 55 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ኪዩቢክ ሜትር፤ ንሱዳን ድማ 18 ነጥቢ ሓሙሽተ ቢሊዮን ኪዩብ ሜትር ማይ ንክጥቀሙ፤ ማይ ሩባ ኣባይ ሙሉእ ንሙሉእ ንኽልቲኦም ጥራሕ ተኻፊሎም ንብዙሕ ዓመታት ንምጥቃም ስምምዕነት ገይሮም ነይሮም።

ካብዞም ስምምዕነታት ግብፅን ሱዳንን ሃፍቲ ሩባ ናይል ብብሕታውነት ንክቆፃፀርዎ ብምግባር ካልኦት ሃገራት እቲ ተፋሰስ ናብ ጎኒ ብምሕዳግ ብናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣተሓሳስባ ዝተገብረ ፌርማ ‘ዩ። ማዕቐፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል ምምሕዳር ሃፍቲ ማይ ብዝበለፀ ኣሳታፊን ፍትሓዊ ኣሰራርሓን ብምፍላጥ እቲ ዝተዛብዐ ሚዛን ንምስተኽኻል ፃዕሪ እናተገብረ ተፀኒሑ ‘ዩ።

ካብ 1902 ዓ.ም ጀሚሩ ዘሎ መትከል ኢትዮጵያ ማይ ሩባ ናይል ፍትሓዊ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ምክፈፋል ዘተኮረ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ሙሳ፤ እቲ ማዕቐፍ ሐዚ ብደቡብ ሱዳን መፅዳቁ መትከል ኢትዮጵያን ብዝልዓለ ብርኪ ዘጠናኽር ምዃኑ ይዛረቡ። በዚ ማዕቐፍ ናይ ኢትዮጵያን ታሪካዊ ሕቶታት ዘረጋገፀን ዘለዎ ፍትሓዊ መብት ንምኽባር ሓደ ሱጉምቲ ተገይሩ ክውሰድ ይኽእል ‘ዩ ኢሎም።

እቲ ማዕቐፍ ብደቡብ ሱዳን ወገን ‘ውን ተቀባልነት ምርካቡ ንኢትዮጵያ ስትራቴጂካዊ ዓወት ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ። ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ኢትዮጵያ ከምዘጠናኽር፣ ምስ ጎሮቤት ሃገራትን ምስ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዘሎ ርክብ ከምዘቅንዐላ ‘ውን ገሊፆም።

ካሊእ እቲ ስምምዕነት ግብፅን ሱዳንን ኣብ ሃፍቲ ሩባ ናይል ዝነብሮም ናይ ነዊሕ እዋን ላዕላውነት ዝዓፅፍ፣ ታሪኻዊ ስምምዕነታቶም ዘቅይርን ናይ ኩሎም ሃገራት ተፋሰስ ናይል ብሓባር መብታቶም ዘረጋግፅ ምዃኑ ‘ውን ኣረዲኦም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ፖለቲካ ሳይንስን ርክብ ዓለም ለኸ መምህርን ኣብ ማይ ሩባ ናይል ተመራማሪ ዝኾኑፕሮፌሰር ያዕቆብ ኣርሳኖ ብወገኖም፤ ደቡብ ሱዳን ማዕቐፍ ምትሕብ ባር ተፋሰስ ናይል ምፅዳቃ ንኢትዮጵያ ልዑል ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ዝውክል፣ ናይዛ ሃገር ድሕንነት ማይ ብምጥንኻርን ሃፍቲ ኣባይ ፍትሓዊ ተጠቃምነቱ ምርግጋፅ ዘኽእል ‘ዩ ይብሉ።

ከም ግድብ ኣባይ፣ መፈልፈሊ ሓይሊ ማይ ጣና በለስን ግድብፊንጫን ዝኣምሰሉ ፕሮጆክታት ምትሕብባር ልምዓት ዘመቻችው እዚ ማዕቐፍ፤ ኢትዮጵያ ናይ ማይ መብታታ ብምሕላው ኣጀንዳታት ልምዓታ ንምሱጓም ዘለዋ ቁርፀኝነት ዘርኢ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም።

ካሊእ እዚ ማዕቐፍ ምስ ጎሮባብተን ሃገራት እቲ ተፋሰስን ሰፊሕ ተቀባልነት ምርካባ ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሕዛ ማይ ኣባይ ዘለዋ ናይ መሪሕነት ግደ ዝበለፀ ከምዘጠናኽር ሓቢሮም። እዚ ኹነታት መትከል ዲፕሎማሲያዊ ኢትዮጵያ ዘጠናኽር ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ነዊሕ እዋን ድሕንነት ማይ ዘረጋግፅ ምዃኑ ፕሮፌሰር ያዕቆብ ገሊፆም። እዚ ማዕቐፍ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ቀፃልነት ዘለዎ ዘተን ምትሕብባርን ንክህልው ከምዝገብር ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ እቲ ማዕቐፍ ታሪኻዊ ቅሬታታት ዝፈትሕን ናይ ኩሉን ሃገራት ተፋሰስ ረብሓ ንምትዕራቅ ልዑል ግደ ዘለዎ ምዃኑን፤ እዚ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ንድሕንነት ማይ ኢትዮጵያን ኣካያይዳ ስትራቴጂካዊ ልምዓትን ከምዘረጋግፅ ብምሕባር፤ እዛ ሃገር ፕሮጆክታት መሰረተ ልምዓታ ንቅድሚት ንምሱጓም ኣብቲ ቀጣና ኣብ ምምሕዳር ማይ ዘለዋ መትከል ንምጥንኻር ይሕግዛ ‘ዩ ኢሎም።

ደቡብ ሱዳን ነዚ ማዕቐፍ ምፅደቃ ቀጣናዊ ምትሕብባር ከምዘጠናኽርን ምምሕዳር ሃፍቲ ማይ ብዝምልከት ሚዛናዊ ኣከያይዳ ንክህልው ይገብር ‘ዩ ብምባል፤ እዚ ስጉምቲ ኢትዮጵያ ግድብ ኣባይ ንምምላእ ምስ ዝትገብሮ ፃዕቲ ተተሓሒዙ ኣብ ወሳኒ እዋን ምውሳኑ ዕዙዝ ረብሓ ከምዘለዎ ኣመላኺቶም።

ትግበራ እቲ ማዕቐፍ ኣብ ግብፅን ኣብ ሱዳንን ዝርከቡ ምራኸብቲ ብዙሓት በቢዓመቱ ኣብ ፖሊሲታት ምምሕዳር ማይ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘመቻን ትርክትን ኣብ ምቅያር ናይ ይግብኣኒ ሕጋዊ ሕቶታት ኢትዮጵያ ክጉልህ ከምዘኽእል ኣብራሪሆም።

ብመንፅር ኣበሃህላ ‘ቶም ምሑራን፤ እቲ ማዕቐፍ ድሕንነት ማይ ኢትዮጵያን ተስፋ ልምዓትን ካብ ምጥንኻር ብዝሓለፈ ኣብ ተፋሰስ ናይል ውሽጢ ብምትሕብባር ኣተሓሕዛ ማይ ‘ውን መርኣያ ዝኸውን ‘ዩ። እዚ ድማ እቲ ማዕቐፍ ሰፊሕ ተቀባልነትን እናርኸበ እንትኸይድ ንምትሕብባር እቲ ቀጣና፣ ንዘላቂ ልምዓትን ስላምን መንገዲ ዝኸፍት’ዩ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 18 ሓምለ 2016  ዓ.ም

Recommended For You