ኣብ ጎኒ ጀጋኑ ስፖርተኛታት ጠጠው ብምባል ምብርትታዕ የድሊ

ንመበል ሳልሳይ ግዜ ኣብ ፈረንሳይ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝካየድ ናይ 2024 ኦሎሚፒክ ዝሳተፍ ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ መሰነይታ ተገይርሎም፡፡ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዝዳንት ኢፌድሪ ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን፤ ኮሚቴ ኦሎምፒክን ኣመራርሓ ነቲ ልኡኽ መበረታትዕን መነቃቅሒ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ‘ዮም፡፡ እቶም ስፖርተኛታት ናይ ሓደራ ባንዴራ ተቐቢሎም ‘ዮም፡፡

ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ነቶም ልኡኻን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ ‹‹ኣብ ወለዶ ቅብብል ናይ ሃገርና ባንዴራ ክውልበለብ ዝገበሩ ጀጋኑ ምስግና ይግበኦም›› ኢለን፡፡ ኣብ ናይ ሎሚ ናይ ፓሪስ 2024 ኢሎምፒክ ኢትዮጵያውያን ዘኹርዕ ውፅኢት ከምዝምዝገብ ዘለወን እምነት ገሊፀን፡፡ ናይ ሃገርና ባንዴራ ኣብ መድረኽ ዓለም ልዕል ምስ ዘብሉ ጀጋኑ ስፖርተኛታት ጎኒ ጠጠው ብምባል ምብርትታዕ ከምዝግባእ ተዛሪበን፡፡

ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ወይዘሮ ሸዊት ሻንካ ብወገነን፣ እቶም ስፖርተኛታት ምድላው ኣብ ዝገብርሉ እዋን ኣብ ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዮጵያ ተረኺበን ነቶም ኣትሌት ኣበረታቲዐን እየን፡፡ ኣብቲ እዋን ታሪኽ ተሳትፎ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ብምዝካር፤ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝካየድ ውድድር እዚ ዓወት ብምቕፃል ባንዴራ ኢትዮጵያ ልዕል ብምባል ሃገሮም ከምዘፀዉዑ እምነተን ገሊፀን እየን፡፡

ናይቲ ጉጅለ ኣትሌታትን ኣሰልጠንትን ነዚ ዓለም ለኸ ውድድር እናገበርዎ ዝነበሩ ምድላው ኣብ ፓሪስ ንምምዝጋብ ትልሚ ከምዘለዎም ገሊፆም ‘ዮም፡፡ ናይ ማእኸላይን ነዉሕን ርሕቐት ኣሰልጣኒ ሕሉፍ ይሕደጎ፤ ንኽልተ ኣዋርሕ ብዝተፈላለየ ፀባይ ኣየር ምድላዎም እናገበሩ ከምዝፀንሑን እቶም ኣትሌታት ‘ውን ብጉጅለን ብውልቀን ውፅኢት ንምምፃእ ከምዝተዳለዉ ገሊፆም ‘ዮም፡፡

ካልእ ናይቲ ጉጅለ ኣሰልጣኒ ቶሌራ ዲንቃ ፤ ቅድሚ ኸዚ ኣብ ሲድኒን ለንደንን ኦሎምፒክ እናቐነሱ ዝመፁ ውፅኢት፤ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ንምመላስ ክፍተታት ንምፍላይ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡ ዝሓሸ ውፅኢት ንምምዝጋብ ክሳብ መጨረሻ ጠንኪሮም ከምዝሰርሑን እቶም ኣትሌታት ‘ውን ምድላዎም ብፅቡቕ ቅዋምን ካብ ጉድኣት ነፃ ብምዃን ልምምድ እናካየዱ ከምዝነበሩ ኣረዲኦም፡፡

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ፣ ሓጎስ ገብርሂወትን ሃፍታም ኣለሙን ነቲ ውድድር ምድላዎም ብኣግባቡ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ብምዝራብ ፅቡቕ ውፅኢት ንምምዝጋብ ጠንኪሮም ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም ‘ዮም፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 18 ሓምለ 2016  ዓ.ም

Recommended For You