ንህዝቢ ትግራይ ዝተውሃቡ ዕድላት ኣብ መዓላ ይውዓሉ

መንግስቲ ፌደራል ኮነ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ድሕሪ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝነበረ ግዘ ንህዝቢ ረድኤት ንምብፃሕ፣መንግስታዊ ግልጋሎት ንምጅማር፣ናይ ፀጥታን ፍትሕን ኣካላት ምስልጣንን ምውፋርን፣መሰረተ ልምዓት መሊሲካ ኣብ ምህናፅ፣መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ምኽፋልን ቅድም ክብል ህወሓት ምስ ዘቖራረፆ ወገኑ ህዝቢ ንክራኸብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ሰሪሖም እዮም።

ሕዚ ዘለናዮ እዋን ኽረምቲ ድማ ናይ ሕርሻ ወቕቲ እዩ። ኣብዚ ወቕቲ እዚ ሓረስታይ ናብ ማሕረሱ እንተዘይኣትዩ ናይ ዘርኢ እዋን ስለ ዝሓልፍ ንቐፃሊ ሓረስታይ ንዓመታት ስርናይ ዝስፈረሉን ረድኤት ተፀባያይ ኮይኑ ክነብር ዝገብር እዩ።ስለዚ እዚ ከይኸውን ንሓረስታይ ምቹው ኩነታት ምፍጣር ግድን ይኸውን።

ጉጅለ ህወሓት ክነብር ዝኽእል ህዝቢ ትግራይ እንትሞትን መከራ እንትገጥሞን ጥራሕ ስለዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ወርሒ መንግስትን ትካላት ረድኤትን ሓገዝ ከየብፅሑ፣ ንሓረስታይ ምሩፅ ዘርእን ማዳባርያን ከየቕርቡ ዕንቕፋት እናኾነ ህዝቢ ጠምዩ ብምባል ይእዊ ነይሩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተወሳኺ ጉድኣት ብዘየስዕብ መልክዑ ኣብ ሰብኣዊነት ዝተመስረተ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ (Humanitarian Ceasefire) ክገብር ብሽም ህዝቢ ትግራይን ሰላም ፈታዊ ህዝብን ንመንግስቲ ፌዴራልን ብዝሓተቶ መሰረት ንህዝቢ ትግራይ ክብል መንግስቲ ፌደራል በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስጉምቲ ወሲዱ እዩ።

ሓረስታይ ተረጋጊኡ ስርሑ ንኸሳልጥ፣ ስራሕቲ ሓገዝ ካብ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ናፃ ኮይኖም ንኽከፋፈል፣ ሰላም ዝመረፁ ተረፍ መረፍ ኣካላት ጉጅለ ህወሓት እንትሃልዮም ናብ መኣዲ ሰላም ንኽመፅኡ፤ እንተይተረደኦም ናብቲ ተረፍ መረፍ ሓይሊ ጥፍኣት ዝኣተዉ ኣካላት ከምብሓዱሽ ንኸሓስቡሉን ናብ ሰላማዊ መገዲ ንምምፃእን ዕድል ክረኽቡ ንምግባር፣ እቲ እዋን ክረምቲ ክሳብ ዝዛዘም ዝፀንሕ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኹነት ኣብ ሰብኣውነት ዝተመርኮሰ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ካብ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ መንግስቲ ኣዊጁ ኣሎ።ስለዚ በዚ ሰናይ ተበግሶ ዝተውሃበ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ክኸውን ኣለዎ።እቲ ዕድልው’ን ኣብ መዓላኡ ክውዕል ይግባእ።

ኮይኑ ግና ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ በዚ ዕድል ተጠቃሚ ከይኾን እናሰርሐ ይርከብ።ሐዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። ህዝቢ ኣብ ከቢድ መከራ እዩ ዘሎ። ተረፍ መረፍ ህወሓት ብሓይሊ ዝኣምኑ እዮም። ስለዝኾነ መንግስቲ እቲ ፀገም ንክፍታሕ ሙሉእ ትኹረት ሂቡ ክንቐሳቐስ ይግባእ።ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ዝተውሃበ ዕድል ኣብ መዓላኡ ውዒሉ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጭንቂን መከራን ክወፅእ ኣለዎ።

ህዝቢ ትግራይ ንብዙሕ ዘመናት ተጨቚኑ ሓሊፉ እዩ ። ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ወሳኒ ንክኸውን ስልጣን ኣብ ኢዱ ከኣቱ ክሰርሕ ኣለዎ።ዝተውሃቦ ናይ ፅሞና ግዘ በግቡእ ተጠቒሙ ኣንፃር ረብሓኡ ጠጠው ንዝበለ ጉጅለ ክኣልዮ ይግባእ።ብመንግስቲ ፌደራል ዝተወሰደ ስጉምቲ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ’ምበር ንቲ ጁንታ መዐንደሪ ኣይኮነን።

ድሌት ጁንታ ህዝቢ ትግራይ ብድኽነትን ጥሜትን እናሳቐየ ናይ ባዕሉ ስልጣን ምድልዳል እዩ ። ከም ሃገር እንተሪእና ‘ውን ብዙሕ ፀገም ዘሎ ኣብ ትግራይ እዩ።ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብመንግስቲ ናብ ሃገሮም ካብዝተመለሱ ስደተኛታት መብዛሕተኦም ተጋሩ እዮም። እዚ ዘሪእየካ ጁንታ ህወሓት ንባዕሉ’ምበር ንህዝቢ ዘይሓስብ ምዃኑ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ህዝቢታት ብፍላይ ምስ ክልል ኣምሓራን ኤርትራን ክላተም ብምግባር ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ካብ ናይ ቕድሚ ሕዚ ብዝኸፍአ መልክዑ ብትምህርቲ፣ ብኢኮኖሚ ኣዝዩ ክህሰ እናገበሮ እዩ።ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ ምውፅኡ ስዒቡ ህወሓት ካብዝነበሮ ብኢስዎ ናይ ብልፅግና ደገፍቲ ነይርኩም ኢኹም ብምባል ህዝቢ የሳቕይን ይቐትልን ኣሎ።ህዝቢ ሐዚ’ውን ይመዛበል ኣሎ።ስዘሊ ህዝቢ ትግራይ ለውጢ ንዘየምፀአሉ ፓርቲ ዕድል ክህቦ የብሉን፤ተወዲቡ ብንቕሓት ተቓሊሱ ካብ ድኽነትን ጭቖናን ነፃ ክወፅእ ኣለዎ።ዝተውሃቦ ዕድል’ውን ኣብ መዓላ ከውዕሎ ይግባእ።

ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013

Recommended For You