ካብ መገዲ ሰላም ወፃኢ ካሊእ ዕንወት’ዩ

ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝነበረ ኹናት ብስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ምዝዛሙ ይፍለጥ። በቲ ስምምዕነት መሰረት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ፤ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ድማ ኣሎ፣መሰረታዊ ግልጋሎት ኣብ ምምላስ ዘድልዩ ስራሕቲ ሰርሑ፤ንቲ ክልል ዘድሊ በጀት ይም ድብ ኣሎ ።

ብዝተረኸበ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ዝተረጋግዐ ናብራ ጀሚሩ ነይሩ፡፡ካብ ዝሓለፈ ዓመት መወዳእታ ጀሚሩ ግና ኣብ መንጎ መሪሕነት ነበር ህወሓት ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ህዝቢ ኣንፃራዊ ሰላሙ ‘ውን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእትው ኹነታት ተፈጢሩ ኣሎ።ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ድማ ኣንፃር ሕጊን ሕገ መንግስታዊ ትካላት ሃገር ጠጠው ብዝበለ ነበር መሪሕነት ህወሓት ደበና ጎንፂን ኹናት’ውን ኣንፀላልዩ ኣሎ፡፡

ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ከም ኣብ ካሊእ ዓለምን መላእ ሃገርን ዘሎ ህዝቢ ሰላም፤ልምዓት፣ሰናይ ምምሕዳርን ቅልጡፍ ግልጋሎት ምርካብ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ንዚ ባህጉን ድሌቱን ኣብ ፀገም ዘእትው ኹነታት ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ኣሎ። ብሰንኪ ውደቀት መሪሒነት ክልል ትግራይ ሐዚ’ውን ኣብ ቅልውላውን ዕንኪልልን ትርከብ። ስግኣት ጎንፂን ኹናት’ውን ኣንፀላልዩ ኣሎ፡፡መላእ ህዝቢ ድማ ብሓፈሻ፣ብፍላይ ድማ መንእሰይ ትግራይ ንዚ ኹናት ከትርፍ ዝኽእል ስራሕ ክሰርሑን ክቃወሙን ይግባእ፡፡ካብ መገዲ ሰላም ወፃኢ ካሊእ ኣማራፂ መገዲ ዕንወት’ዩ።

ሐዚ’ውን መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ። ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስ ‘ዩ። ሰናይ ምምሕዳርን መንግስታዊ ግልጋሎት ብቕልጡፍ ምርካብ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ብፍላይ ነበር ኣመራርሓ ህወሓት ዝኽተሎ ዘሎ መገዲ ኣንፃር ሰላምን መገዲ ኹናት’ዩ።

ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ዘለዎ ምዕባለታት ጎንፂን ኹናትን ናይ ምፍጣር ስለዝኾነ ህዝቢ ኣብ ስግኣት ክወድቕ ገይሮምዎ ኣለዎ። ብጎንፂን ኹናትን ድሌትካ ንምፍፃም ኣብ እትንቀሳቐሰሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ጉድኣት ምብፃሑ ኣይተርፍን። እዚ ግና ንህዝቢ ትግራይ ዘይግብኦን ዘይምጥኖን ተግባር ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ካብ መገዲ ሰላም ወፃኢ ዘሎ ተግባር ኩሉ መገዲ ዕንወት ስለዝኾነ፡፡

ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን’ምበር ህወከት፣ዕግርግርን ጎንፅን ኹናትን ኣይኮነን። ዝተረጋገዐ ናብራ ‘ምበር ስግኣትን ዘይምርግጋዕ ኣይኮነን።

ኣብ ትግራይ ብዙሕ ዘይተፈትሑ ፀገማት ኣለው። ስእነት ስራሕ ኣሎ። ዝተመዛበለ ህዝቢ ኣሎ። ካልኦት ፀገማት ‘ውን ኣለው። እዞም ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ኣብ ክንዲ ምንጣፍ ንቶም ፀገማት ዘጋድድ ጎንፂን ኹናትን ምንዳይ ብሞራልን ብሕግን ተሓታቲ ዝገብር መገዲ ዕንወት’ዩ።

ሰላም ትግራይ ሰላም ኢትዮጵያ’ዩ፡፡ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ’ውን’ዩ። ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ደበና ጎንፂን ኹናትን ጠጠው ክብል ይግባእ። ኣብ ትግራይ ብተደጋጋሚ ብዘጋጠመ ኹናት ህዝቢ ትግራይ ብማሕበራዊ፣ ብኢኮኖሚያዊን ብፖለቲካውን መዳይ ንክጉዳእ ዝገበር ብምዃኑ ሊሂቅን ፖለቲከኛታት ትግራይ ብዝግባእ ክርድኡን ደበና ኹናት ክተርፍ ዘኽእል ስራሕ ክሰርሑ ግድን ይኸውን፡፡

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ከምኡ’ውን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ እዚ ሐዚ ኣንፀላልዩ ዘሎ ደበና ጎንፅን ኹናትን ብግልፂ ክፈልጥዎን ክኹንንዎን ግድን’ዩ፡ ህዝቢ ትግራይ ንናይ ውሕዳት ውልቀ ሰባት ወንበር ንምሕላው ክብል ናብ ኩናት ክኣትው ኣይግባእን፡፡ምኽንያቱ ወፅኢቱ ዕንወት ስለዝኾነ፡፡

መንግስቲ ፌደራል ውዕሊ ፕሪቶሪያ ሙሉእ ብሙሉእ ንኽትግበር እናሰርሐ ‘ዩ። መንግስቲ ንእዋናዊ ኹነታት እቲ ክልል ብፅሞና እናተኸታተለ ኮይኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ‘ውን ኣብቲ ክልል ክፍጠር ዝኽእል ፀገም ንምፍታሕ ኣድላዪ ሓገዝ ንኽገብር ቅድም ክብል ፃውዒት ምቕራቡ እቲ ኹነታት ኣዝዩ መተሓሳሰቡ ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ፡፡

ስለዚ ህዝቢ ትግራይ እዞም ናይ ጎንፅን ኹናትን ኣመል ዘለዎም ወሑዳት ውልቀሰባት ኣደብ ክገዝኡ ክገብር ይግባእ። እዞም ውልቀሰባት ንህዝቢ ትግራይ ሰላም ዝሓልዩ እንተኾይኖም ንውልቀን ጉጅሊያዊ ረብሓ ክብሉ መገዲ ጎንፂ፣ ኹናትን ዕንወትን ጠጠው ክብልዎ ኣለዎም፡፡ውፅኢቱ ዕንወት ስለዝኾነ፡፡

ወጋሕታ 28 ግንቦት 2017 ዓ.ም

Recommended For You