
ውሑሉል ምጥቓምን ምሕደራን ሃፍቲ ተፈጥሮ እንተሃልዩ ድኻ እትብሃል ሃገር የላን። ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዳርጋ ካብእተን ዝዓበያ ሃገራት ክበልፅ እንተኾይኑ ‘ምበር ዝንእስ ኣይኮነን።
ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ሉኣላውነት ምግቢ ክተረጋግፅ ዘይከኣለትሉ ቐንዲ ምኽንያት ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ኣለልያ ብኣግባቡ ብዘይምጥቓማ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ድሕሪ ለውጢ ዋላ ‘ኳ እኹል ኣይኹን መንግስቲ ብዝሃቦ ትኹረት ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት ይረኣዩ ኣለዉ ‘ዮም።
ኣብ ከባቢታት ቆላ ኢትዮጵያ ዘሎ ሃፍቲ ሰብ፣መሬትን ማይን ንልምዓት እታዎት ንክኸውን ትኹረት ተዋሂቡዎ እናተሰርሐ ‘ዩ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ሃፍቲን ዓቕምን ሃገር ብኣግባቡ ብምርዳእ እቲ ዝሓሰቦ ብልፅግና ኣብ ምርግጋፅ ይርከብ፤ ኣብ ከም ደቡብ ኦሞ ዝበሉ ከባቢታት ውፅኢታዊ ስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ። ብፍላይ ማሽን ብምጥቃም ምልማዕ እንተተኻኢሉ ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣልን ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅን ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ልዑል ስለዝኾነ ቴክኖሎጂ ብምጥቓም ይስራሕ ኣሎ ‘ዩ።
ከባቢታት ቆላ ብምኽንያት ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣ መሬት፣ ሃፍቲ ማይን መሬትን ብማሽን ንምጥቃም ምችው ኩነታት ዘለዎ ‘ዩ፤ ስለዝኾነ ‘ውን እዞም ከባብታት ከየልማዕኻ ሉኣላዊነት ምግብን ብልፅግናን ብዝተማልአ መንገዲ ምርግጋፅ ኣይከኣልን።
ኢትዮጵያ ካብ ተፀባይነት ሙሉእ ብሙሉእ ሓራ ብምውፃእ ዓርሳ ንክትኽእል መንግስቲ ዝሓዞ ሽቶ ንኽዕወት ብዝለዓለ ትግሃት ምስራሕ የድሊ፤ ተፀባይነት ሓደገኛ ስምብራት ኢትዮጵያ ‘ዩ፤ ኢትዮጵያ ትኣክል ዓባይ ሃገር ዓርሳ ምምጋብን ዓርሳ ምኽኣልን ኣብይዋ ንካልኦት ከትልምን ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ ጉዳይ ‘ዩ።
እዚ ወለዶ እዚ ተፀባይነት ከውርስ የብሉን፤ ልመና ናብ ወለዶ ከሰጋግር የብሉን፤ ተፀባይነት ኣብዚ ወለዶ እዚ ከብቕዕ ኣለዎ። መንግስቲ ተፀባይነት ዝፈጠሮ ልዑል ስምብራት ብምፅጋን ካብ ተፀባይነት ምውፃእ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኻልኦት ረዳኢ ወይ ድማ ሓጋዚ ብምዃን ለውጢ ንምምፃእ ፅኑዕ ቅዋም ሒዙ እናሰርሐ ይርከብ።
እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ክሳብ ታሕተዋይ ብርኪ ኣመራርሓ ብምውራድ ኣብቲ ጉዳይ ምስ ህዝቢ ሰፊሕ ዘተ ተገይሩ ‘ዩ። ህዝቢ ናይ ስራሕ ድሌት ኣለዎ፤ ንቐልጥፍ፣ ንስራሕ፣ ልመና ይኣኽለና ዝብሉ ሓባራዊ ድምፂ ኢትዮጵያውያን ‘ዮም። ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ ሓባራውን መንግስታውን ቅዋም ‘ዩ። መንግስትን ህዝብን ብዘሳለጥዎም ስራሕቲ ዝረኣዩን ዝጭበጡን ለውጥታት መፂኦም ‘ውን ‘ዮም።
ነዚ ድማ ኣብ 2013 ዓ/ም ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ 27 ሚልዮን ተመፅዋታይ ነይሩ ‘ዩ፤ እዚ ቁፅሪ ተመፅዋታይነት ኣብ 2017 ዓ.ም ናብ 3 ነጥቢ 9 ሚልዮን ወሪዱ ‘ዩ፤ 23 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ተፀባይነት ምውፃእ ሓደ መርኣያ ውፅኢታዊ ስራሕ ‘ዩ፤ እቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ዓብይ ዓወት ‘ዩ። ኮይኑ ግና እዚ እኹል ስለዘይኮነ ካብዚ ንለዓሊ ምስራሕ የድሊ።
መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት ኢትዮጰያ ካብ ተፀባይነት ሙሉእ ብሙሉእ ሓራ ንምውፃእ ትልሚ ኣቐሚጡ እናሰርሐ ‘ዩ፤ ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ ዓርስኻ ንምኽኣልን ከምኡ ‘ውን ንካልኦት ንምሕጋዝ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ህዝቢ ዝጀመሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።
መንግስቲ ብዝሃ ዓውድታት መሰረት ብምግባር ዘሳልጦም ዘሎ ስራሕቲ ኣብ ኢኮኖሚን ልምዓትን ኢትዮጵያ ጭቡጥ ለውጢ እናምፅኡ ‘ዮም። ብልፅግና ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ዓውዲ ጥራሕ ፅግዕተኛ ብምግባር ምርግጋፅ ኣይከኣልን፤ መንግስቲ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ነፀላ ናብ ብዝሃ ዓውዲ ስግግር ብምግባር ልምዓት ንምርግጋፅን እቲ ኢኮኖሚ ንምቕያርን እናሰርሐ ይርከብ።
ግብርና፣ ኢንዱስትሪ፣ መዓድን፣ ቱሪዝምን ቴክኖሎጂ ኢንፎርሜሽንን ኮሙኒኬሽንን (ኣይሲቲ) ቀንዲ ዓምድታት ልምዓት ተገይሮም ተፈልዮም ‘ዮም። ኣብቶም ዝተፈለዩ ዓውድታት ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ዓቕምታት ኣለዋ፤ እቶም ዓውድታት ነንባዕሎም ዝመጋገብ ረብሓ ዘለዎም ‘ዮም፡፡
ስለዝኾነ ‘ውን ኣብ ግብርና መፍረያይነት፣ኣብ ኢንዱስትሪ ዕቤት፣ኣብ ቱሪዝም ልምዓት፣ኣብ መዓድን ንግዲ ወፃኢን ኣብ ቴክኖሎጂ ተጠቃምነትን ውፅኢታት ተረኺቦም ‘ዮም። ስለዚ ካብ ተመፅዋትነት ወፂእና ሉኣላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ከምዚኦምን ካልኦትን ዘፈራት ዝተረኽቡ ውፅኢታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ በርትዒና ከንስርሕ ይግባእ።
ወጋሕታ 5 ሰነ 2017 ዓ.ም