ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ተሽከርከርቲ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም መቐለ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፡- ሰብኣዊ ሓገዝ ሒዘን ናብ ትግራይ እናተጓዓዛ ዝነበራ ተሽከርከርቲ ናብ ከተማ መቐለ ከምዝኣተዋ ፡- ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፁ ከምዝገለፆ፣ ኣብ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ዘድሊዮም 2 ነጥቢ 1 ሚሊየን ወገናት ኣለዉ። ነዚኦም 1 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ሓገዝ ምግቢ የድሊ ። ስለዝኾነ እቲ ሓገዝ ንምብፃሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝሓዛ 40 ተሽከርከርቲ መቐለ ከምዝኣተዋ ኣፍሊጡ።

ዓለም ለኻዊ ትካላት ረድኤት ኣብ ትግራይ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ረድኤት ንኸቕርባ መንግስቲ ብመሰረት ዘቕረቦ ፃውዒት ልዕሊ 40 ዝኾና ናይ ፅዕነት መካይን ካብ ከተማ ሰመራ ሰብኣዊ ሓገዝ ፅዒነን ምእታወን ይዝከር።

ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013

Recommended For You