‹‹ግብፂ ንባዕላ ክትብል ካብ ዝመፀትሉ ኣነ ጥራሕ እናተጠቀምኩ ክቕፅል ዝብል ኣተሓሳብኣ ክትወፅእ ይግባእ›› ኣይተ እምሩ ታምራት

ኣዲስ ኣበባ፡- ግብፂ ንባዕላ ክትብል ንዘመናት ዝፀንሐትሉ ኹሉግዜ ኣነ ጥራሕ እናተጠቐምኩ ክቕፅል ዝብል ኣተሓሳስባ ተዘይወፂኣ ድርድር ናብ ኣፍሪካ ሕብረት እንተመፀ ‘ውን ኸዚ መገዳ ቀይራ ፅዕንቶ ንምፍጣር ምፍታና ዘይተርፍ ብምዃኑ ኣብ ኣጠቃቅማ ሩባ ኣባይ ዙርያ ልዕሊ ሰላሳ ዓመት በኣዳራዳርነትን ኣማኻርነትን ዝሰርሑ ኤክስፐርት ዓለምለኸ ሕግታት ማይ ኣይተ እምሩ ታምራት ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያ ክሳብ መጨረሻ ብዝሓዘቶ ቅዋም ብምፅናዕ .ንፀገማት መልሲ ብምሃብ ጥራሕ እንይኾነስ ጥቕማ ዘኽበርላ ፖለቲካውን ዲፕሎማስን ስራሕቲ ስትራቴጂ ነዲፋ ቐፃልነት ብዘለዎ መገዲ ጠንኪራ እንተሰሪሓ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ፅዕንቶ ኹሉ ተፃዊራ ብድርድር ስዒራ ምውፃእ ከምትኽእል ኣፍሊጦም።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ዙርያ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝገበሮ ዘተ ኣመልኪቱ ኣይተ እምሩ ብፍላይ ንኣዲስ ዘመን ከምዘገለፅዎ፤ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ከምዚ ዓይነት ጉዳያት ናይ ምምልካት ስልጣን ከምዘይብሉ ኣፍሊጦም እዮም።

 ‹‹ግብፅን ሱዳንን እዚ ይፈልጡ እዮም ኾይኑ ግና እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ምውሳድ ዝደለዩ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጠናኸረ ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ፈጢሮም ኣብ ዘመን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝረኸብዎ ናታቶም ግቡእን ሚዛናዊ ዘይኾነ ጥቕሚ ንምቕፃል ብምሕሳብ እዩ›› ኢሎም።

ሃገራት ጉዳዩ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ እንትወስድዎ እዚ ናይ መጀመሪኦም ከምዘይኾነ ፤ንኻልኣይ እዋን ከምዝኾነ ዝተዛረቡ ኣይተ እምሩ፤ ምናልባት እዚ ንእሽተይ ፉሉይ ዝገብሮ ግብፅን ሱዳንን ንሳቶም ጥራሕ እንተይኾነስ ሓገዝ ዝግበረሎም ካልኦት ሃገራት’ውን ኣተሓባባሮም ቤት ምኽሪ ብምጥቃም ኣብ ኢትዮጵያ ዝበለፀ ፅእንቶ ንምፍጣር ከምዝሞከሩ ኣፍሊጦም እዮም።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ተፋሰስ ሃገራት ካብ ሩባ ኣባይ ምንም ዓይነት ማይ ንከይረኽቡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተረከብዎ ኢ-ፍትሓዊ ስምምዕነት ኢትዮጵያ ብፅዕንቶ ንክትፍርም ዝተገበረ ፃዕሪ ከምዝነበረ ኣመለኪቶም እዮም።እዚ ብፍፁም ዘይኸውን ነገር እዩ።ኢትዮጵያ ብናታ ማይ ምጥቃም መሰል ኣለዋ።እቲ ጉዳይ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ናይ ምርኣይ ስልጣን ከምዘይበሉ ‘ውን ኣፍሊጦም እዮም።

ኢትዮጵያ ካብ መጀመርያ ጀሚራ ዝተኸተለቶ ‹‹ንማንም ብዘይጎድእ መገዲ ሩባ ኣባይ ብፍትሓውነት ንምጥቃምን ብሓባር ንምብልፃግ መትከል›› ትኽክለኛን ኣዋፅእን መገዲ ከምዝኾነ ዘፍለጡ ኣይተ እምሩ፣ ግብፅን ኣብ ጎና ዝተሰለፉ ሃገራትን ፅዕንቶ ንምሕዳር እንተፃዓሩ’ውን ከምዘይሳኸዐሎም ኣፍሊጦም እዮም።

ኢትዮጵያ ሰዓሪት ንክትኾን ክሳብ መወዳእታ ብዝሓዘቶ ቅዋም ምፅናዕን ንፀገማት ምላሽ ብምሃብ ጥራሕ እንይኾነስ ጥቕማ ዘኽብሩላ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲ ስራሕትን ስትራቴጅን ቐፃልነት ብዘለዎ መገዲ ጠንኪራ ምስራሕ ኣለዋ ኢሎም።

ብፍላይ ጉዳዩ ሸሞንተ ዝኣኽሉ ካልኦት ሃገራት ተፋሰስ ጥቕሚ ብዝምልከት ብም’ዃኑ እዚአን ሃገራት ብምትሕብባር ፅዕንቶ ምፍጣር ዘኽእል ጠንካራ ዲፕሎማሲን ፖለቲካውን ስራሕቲ ክትሰርሕ ኣለዋ።እዚ ምስራሕ እንተተኻኢሉ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ፅዕንቶ ብምፍጣር ኣብ መወዳእታ ብድርድር ክትስዕር ከምትኽእል ኣፍሊጦም እዮም።

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013

Recommended For You