‹‹ጎርጎራ ሃገር ብኣእዳው ‘ምበር ብመልሓስ ከምዘይትስራሕ ዘምሀረ ፕሮጀክት ዩ››  – ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ኣካል ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ዝኾነን ፕሮጀክት ጎርጎራ ኣብዝሓለፈ ቐረባ እዋን ተመሪቑ ‘ዩ። ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምረቓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ፣ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን፣ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ተረኺቦም ‘ዮም። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ፕሮጀክት ጎርጎራ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዘመሓላላፍዎ መልእኽቲ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና ።

‹‹ ፕሮጀክት ጎርጎራ ፅቡቕ ስራሕ ‘ዩ። ጎርጎራ ብዘድንቕ ኣሳራርሓ ተዛዚሙ ‘ዩ። ጎርጎራ ዘምሀረና ነገር ሃገር ብኣእዳው እንበር ብምልሓስ ከምዘይትስራሕ ‘ዩ። ሃገር ንምስራሕ ጠንካራ ኣእዳው፣ ሓመድ ዘይፅየፉ ኣእዳው፣ ብዝናብ ዘይስኮኑ ኣእዳው እንበር ብዩቱብ ዝዛረቡ ሃገር ከምዘይፅንዑ ጎርጎራ መምህር ኾይኑ ሓሊፉ ‘ዩ።

ሃገር ብመልሓስ ኣይፍጠርን፣ ኣይህነፅን። ሃገር ብምፅናዕ፣ ሃገር ኣመልኪዕኻ ንወለዶ ንምሽጋር ዝፅዕሩ ዝሰርሑ ኣኣዳው እንታይ ምግባር ከምዝኽእሉ ጎርጎራ ኣብ ዝነበረኒ ምምልላስ ምርኣይ ኽኢለ ‘የ። ንመጀመርያ እዋን ዝመፃኹ እቲ ፕሮጀክት ንምጅማር ‘ዩ። ኣብቲ እዋን እንታይ ከምዝመስል ይዝክር ‘የ።

እዚ ፕሮጀክት ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ዓሰርተ ሸውዓተ ግዜ መፂአ ‘የ። ኣብዚ ግዜ ጎርጎራ ካብ ምንታይ ተላዒሉ ናበይ እናተጉዓዘ ከምዘሎ ንምርኣይ ዕድል ረኺበ ‘የ። ካብ ኹሉ ግዜ እቲ ሓደ ብጣዕሚ ዝዝክሮ ምስ ህወሓት ኣብ ዉግእ ኣብ ዝነበረናሉ እዋን ናብዚ ከባቢ መፂአ ነይረ ‘የ። ኣብቲ እዋን እቲ ዉግእ ዘፍረሖም ሰባት ናብ ጎርጎራ ምኻድ ኣይኸብድን ዶ ይብሉኒ ነይሮም።

ኣነ ግን ዝኣምን ብሓደ ኢድ ዉግእ ብሓደ ኢድ ልምዓት፣ ብሓደ ኢድ ሕርሻ ብሓደ ኢድ ከተማ፣ ብሓደ ኢድ ግድብ ብሓደ ኢድ ኢንዱስትሪ እናገበርካ ኢትዮጵያ መቕያር ይካኣል ‘ዩ ዝብል ኣነን ናተይ ፓርቲን ኣብ ውግእ ኾይኑ እዚ ዝኣመሰለ ዝኹርዕ ፕሮጀክት እናሰርሐ ነይሩ።

ጎርጎራ ትማሊ እንትሪኦ ዝተረደአኒ ጎርጎራ ፊደል ‘ዩ፣ ጎርጎራ ድምፂ ‘ዩ፣ ጎርጎራ ምስሊ ‘ዩ። ጎርጎራ ፊደል ኾይኑ ማንም ዘየጥፍኦን ዘይድምስሶን ታሪኽ ፅሒፉ ‘ዩ። ጎርጎራ ድምፂ ኾይኑ ሕልምና ንህዝብና ድምፂ ክኸውን ኽኢሉ ‘ዩ። ንጎርጎራ ሪኡ ሕልምና ምግማት ዘይኽእል ኣይህሉን። ጎርጎራ ስእሊ ‘ዩ።

ሓሳብና ዘይተረደኡና ግልፅ ኣቢሉ ዘርኢ ‘ዩ። ጎርጎራ ታሪኽ ፅሒፉ ሕልሚ ፈቲሑ፣ ሓሳብና ገሊፁ ዘርኣየ ፕሮጀክት ቅድሚ ኸዚ እንትንዛረብ ራእይና እንትትንገልፅ ዘይተገንዘቡ፣ ዘይኣመኑና፣ ዘይተረዳኡና ኣሕዋትና ሎሚ ጎርጎራ ሪኦም ስራሕና ሪኦም ሓሳብና ምግንዛብ እንድሕር ዘይኽኢሎም ኸቢድ ‘ዩ ዝኾን።

ቃልና ምስ ስራሕና ተመሳኺሩ ልብና ገሊፁ ዘርኣየ ፕሮጀክት ስለዝኾነ ዝፃዓርኩም ዝለፋዕኹም እንኳዕ ደስ በለኩም ክብል እፎቱ። በዚ ፕሮጀክት ቅድም ከምዝበልኽዎ ታሪኽን ወለዶን መስከርቲ ክኾኑ ‘ዮም። ንህዝብና ዘለና ሕልምን ድልየትን ጎርጎራ ንወለዶ ክገለፅ ‘ዩ። ኾይኑ ግና ናይ ብልፅግና ድልየትና ናይ ህዝብና ናብራ ንምቕያር ድልየትና ጎርጎራ ፕሮጀክት ብምስራሕ ጥራሕ ዝዛዘም ኣይኾነን።

ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝተፈላለየ ስራሕቲ እናሰራሕና ንርከብ፤ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ከተማ ባህርዳር በዚ ልክዕ ኢንቨስት እናገበረሉ ዘሎ ዋና ምኽንያት ምልክዕቲ ከተማ ስለዝኾነት ብሕፅረት ኤርፖርት፣ ብሕፅረት መንገዲ፣ ብሕፅረት ሆቴላት፣ እዚ መልከዓ ከይተገለፀ ከይተርፍ ንምኽኣል ‘ዩ። ከምዚ ዝበለ ፕሮጀክት ድማ ኣብ ባህርዳር ጫፍ እናተሰርሐ ይርከብ።

መንገዲ እንድሕር ሰሪሕና ምቹው መጓዓዝያ እንድሕር ሃልዩ ካብ ባህርዳር ናብዚ ንምምፃእ መርከብ እንድሕር ሃልይና ብቐሊሉ ቱሪስታት ናብዚ ስፍራ መፂኦም ናይዚ ስፍራ መልክዕ ምድናቕ ይኽእሉ ‘ዮም፡፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝገበርናዮ ግምገማ ናይ መገጭ ፕሮጀክት ተወሳኺ ሸውዓተ ቢልየን ብር ስለዝሓተተ ህንፀቱ ጀሚሩ ‘ዩ።

ካብ ኣዘዞ ክሳብ ኤርፖርት ዘሎ መንገዲ ባዓል ስልጣን መንገዲ ፌደራል እናሰርሖ ይርከብ። እዚ እኹል ብዘይምዃኑ ቤተ መንግስቲ ፋሲል ድጋሚ ኣብ ቀረባ ስርሑ ጀሚሩ ‘ዩ። ቅድሚ ኸዚ ጎንደር እንትንመፅእ ናይ ፋሲል ፕሮጀክት እንትጅመር ተዘይቋረፅ ነይሩ ሎሚ ፋሲል ምስ ጎርጎራ ክምረቕ ነይሩ ‘ዩ።

ኾይኑ ግና ልምዓት ብደንቢ ዘይተረድኡ ሰባት ተዓንቂፉ ፀኒሑ ኸዚ ህዝቡ ብዝሓተተና መሰረት ፋሲል ኣመልኪዕና ንምሃብ ጀሚርና ኢና። ኾይኑ ግና ፋሲል ኣብ ማእኸል ከተማ ዘሎ ብምዃኑ በይኑ ተነፂሉ ከም ጎርጎራ ምዃን ስለዘይኽእል ብፋሲል ግንቢ ተትሕፀር መልክዑ ስለዘይጎልህ ፒያሳ ምስ ፋሲል ኣተሓሒዝና ፕሮጀክት ኮሪደር ሎሚ ኣብ ጎንደር ተጀሚሩ ‘ዩ።

ምንም ዕንቅፋት እንድሕር ዘይገጢምና እዚ ፕሮጀክት ሓደ ዓመት ብዘይመልአ ግዜ ክንዛዝሞ ኢና። እዚ ፕሮጀክት መላእ ህዝቢ ጎንደር ንክዛዝምዎ፣ ንክድግፉ፣ ኣብ ጎኒ ጠጠው ንክብሉን ንክሕልዉን ሓደራ ክብል ይፎቱ። ሓደ ግዜ እቲ ዕድል ኣምሊጡ ‘ዩ ንካልኣይ እዋን ንከየምልጥ ጥንቃቐ ምግባር ፅቡቕ ‘ዩ።

ንመላእ ህዝቢ ኣምሓራን ኣብዚ ዘለኹም ሓለፍቲ መንግስቲ ብደጋሚ ከገንዝብ ዝደልዮ ነገር ሃገር ንወለዶ ምህናፅ እንትንደሊ ብጣዕሚ ኸበድቲ ዝኾኑ ውሳነታት ዝሓትት ‘ዩ። እዚኦም ውሳነታት ኣብቲ እዋን ተቐባልነት ንከይህልዎም ይኽእል ‘ዩ። መስካሪ ታሪኽ ፈራዲ ድማ ወለዶ ‘ዩ ዝኸውን።

ልክዕ ከም ናትና ድኻ ሃገር ዝነበሮም ሃገር ዝሃነፁ ሰባት ዝሓለፍዎ መገዲ ከምዘርእዮ ጥንክር ዝበለ ዉሳነ ወሲኖም ንወለዶ ምልክዕቲ ሃገር ኣረኪቦም ምሕላፎም ‘ዩ። ንኣብነነት ሲንጋፖር እንተወሲድና መላእ ህዝቢ ሲንጋፖር እንግሊዘኛ ቋንቋ መረዳድኢ ክኾን ይግባእ፣ ትምህርትን ብሄራዊ ቋንቋን እንግሊዘኛ ክኾን ይግባእ ዝብል ውሳነ እንትውስን ዓብይ ፀገም ፈጢሩ።

ናይ ባዕሉ ባህሊን ቋንቋን ዘለዎ ህዝቢ ስለዝኾነ ብኸመይ እንግሊዘኛ ቋንቋ ንክንማሃር ንግደድ ዝብል ተቃዉሞ በፂሕዎም ነይሩ። እቶም ፕሬዝደንት ግና ንዓና ኣይጠቕመናን ንደቅና ግና ክጠቅም ‘ዩ ኸዚ እንድሕር ዘይጀሚርናዮ ፅቡቕ ኣይመፅእን ብዝብል ስረሖም ጀሚሮም። ኣብቲ እዋን ኸቢድን ኣወዛጋብን ነይሩ ሎሚ ግና ጠቒምዎም ‘ዩ።

ካልኣይ ኸቢድ ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ባዓል ሞያ ሓይሊ እኹል ስለዘይነበረ ካብ ወፃኢ ብቅዓት ዘለዎም ካብ ካልእ ሃገር ክነምፅእ ኢና ዝብል ውሳነ እንትውስኑ ንሕና ስራሕ ስኢና ደቅና ስራሕ ስኢኖም ኣብ እንችገረሉ ኣብዚ እዋን ከመይ ገይሩ ‘ዩ ካብ ወፃኢ ባዓል ሞያ ኣምፂእና ሃገር ክሃንፅ እየ ትብል ዝብል ዓብይ ተቃዉሞ በፂሕዎም ነይሩ። ን

ሶም ግና ልምዲ ዘለዎ ደቅና መፂኡ እንድሕር ዘየምሂሩ ሃገር ምህናፅን ምሽጋርን ኣይካኣልን ኢሎም ኣብቲ እዋን ኸቢድ ውሳነ ወሲኖም ነይሮም። እቶም ባዓል ሞያ መፂኦም ደቆም ኣምሂሮም ካብ ዝመፅሉ ሃገር ዝበለፀ ሃገር ሰሪሖም ኸይዶም። ሳልሳይ ብጣዕሚ ኣከራኻሪ ዝነበረ ወሰኽ ደሞወዝ ‘ዩ ነይሩ።

ኣብ ሲንጋፖር ሙስና ክህሉ ኣይግባእን፤ ሙስና ንምጥፋእ ሽሞኛታት ልዑል ደሞወዝ ክኽፈሎም ኣለዎ ዝብል ሓሳብ የልዕሉ፤ ንሕና ድኻ ኾይና ናይ ሃገር በጀት ኹሉ ብደመዎዝ ክባኽን ድዩ እዚ ዝኾን ኣይኽእልን ዝብል ዓብይ ተቃዉሞን ፅዕንቶን በፂሕዎም ነይሩ። ንሶም ግና እኹል ተኸፋሊ ሙስና ዝፅየፍ፣ እኹል ዝኽፈሎ ሹመኛ ንህዝቢ ዘገልግል እንድሕር ዘይፈጢርና ሃገር ምህናፅ ኣይንኽእልን ዝብል ውሳነ ወሲኖም።

ሎሚ ሲንጋፖር ሙስና ብዙሕ ካብ ዘይረኣየን ሃገራት እታ ሓንቲ ‘ያ። ኾይኑ ግና ቀዳማይ ሚኒስትር ሲንጋፖር ብዓመት እንተይኾነስ ብወርሒ ዝኽፈሎም ደመዎዝ ኢትዮጵያ ውሽጢ ናይ ኹሎም ሚኒስትራት ደሞወዝ ተደሚሮም ናቶም ናይ ሓደ ወርሒ ደመዎዝ ኣይረኽቡን። ከምዚ ዓይነት ጭካነ ዝተሞልኦ ውሳነ ፍረ እንተፍረየ ‘ውን ንወለዶ መሰረት እንተቕምጡ መጀመርያ ግን ምችው ኣይኾነን፡፡

ናትና ኩነታት ‘ውን ከምዚ ‘ዩ። ንስራሕ መሰረት ነቕምጥ እንትንብል ሎሚ ኣከራኻሪ ፣ዘሰልቹ ከምዝኾነ ንግንዘብ ኢና። ኾይኑ ግና በዚ መንገዲ እንድሕር ዘይሓሊፍና ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ንመፃኢ ወለዶ ምስጋር ስለዘይንኽእል ስለዝኾነ ድማ ሓደ ሓደ ውሳነታትንን ተግባራትና ሎሚ ግልፅ ኢሎም ተዘይተረድኡና ስራሕትና እናረኣኹም ተሓባባርትን ደገፍትን ንክትኾኑ ዘለናሉ ግዜ ዓብይ ሓላፍነት ምውሰድ፣ ጠንካራ ውሳነ ምውሳን፣ ብፃዕሪ ምስራሕ ዝሓትት ‘ዩ።

እዚ እንድሕር ገይርና ዝበልፀገት ሃገር ክንፈጥር ኢና። ኢትዮጵያ ፈጣሪ ባሪኹ ዝፈጠራ ሃገር ‘ያ ከምዚ ዝተፈጠረት ሃገር እንትህበና ንህና ድማ ካብ ልመና ክነውፅኣ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቁርፀኛን ተሓባበርትን ክኾን ይግባእ። ኣብ መወዳእታ ሚስጥር ዓወትና ተዛሪብና ናይ ምጅማርና ናይ ምዝዛምና ዋና ሚስጥር ፈጣሪ ምሳና ስለዝኾነ ‘ዩ።

ህዳሰ ሰሪሕና ኢና፤ ግሪን ሌጋሲ ኣሳኺዕና ኢና፤ ስርናይ ኣሳኺዕና ኢና፤ ከተማታት ኣሳኺዕና ኢና፤ ብቴክኖሎጂ ዘገርም ውፅኢት እናምፃእና ኢና፤ ዝጀመርናዮ ኹሉ ፍረ ኣፍሪዩ ንወለዶ ኹሉ መሰረት ንከቕምጥ እናገበረ ዘሎ ፈጣሪ ምሳና ስለዘሎ ‘ዩ። ንሱ ምሳና ክሳብ ዘሎ ክንሰርሕ ኢና ክንውደኦ ኢና። ካብዚ ወፃኢ ዘለዉ ኸንቱ ሙከራታት ግና ስራሕ ካብ ምዕንቃፍ ሓሊፎም ውፅኢት ስለዘይምፅኡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምንቃሕ፣ ምምሃር፣ ምስትውዓል ኣለዎ።

ብዝተውሃበና ግዜ ወዲእና ንመፃኢ ወለዶ መሰረት ንክነቕምጥ ዕድል ብዝተውሃበና ዕድል ተሓባባሪ ምዃን እንድሕር ዘይኽኢሉ ከም ቅድሚ ኸዚ ግዜ ምብኻን ስለዝኾን ንፍጠን፣ንበርትዕ ፣ ንስራሕ ሰላም ኣብዚሕና ንድለይ ውፅኢት ንምምፃእ ደቅና ንሕና ብዝሓለፍናዮ ዘሕፍርን ዘሕዝንን መንገዲ ከይሓልፉ ታሪኽና ብሓድሽ ገፅ ንክንጅመር ናይ ኹለኹም ብርትዐን ሓገዝን ከይፍለየና እናበልኩ ፈጣሪ ብቡዙሕ ነገር ስለዘሳኸዐና እዚ ሃገር ዝበለፀ ኣመልኪዕና ንደቅና ንክነረክብ ስለዝሓገዘና ክብር ምስጋና ንኣምላኽና ይኹን ክብል ይፈቱ።

ከምዝበልናዮ ኣመልኪዕና ጎርጎራ ሎሚ ኣረኪብና ኢና፤ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ዘሎ ጉዳይ ናትኩም ጉዳይ ‘ዩ ዝኸውን። ድሕሪ ኸዚ ቱሪስታት ብምስሓብን ብምትእንጋድን ተጠቃሚ ንክትኾኑን ኢሉ ‘ውን ደቅኹም ተጠቃሚ ክትገብሩን ሓደራ ይብል የመስግን።››

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You