‹‹ብዝጀመርናዮ መንገዲ ቀትርን ለይትን ብምስራሕ ዝኣተናዮ ቃል ብተግባር ክንምፍፃም ኢና›› -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ቤት ምኽሪ ፌዴሪኢ መበል ሻድሻይ፣ ሳልሳይ ዓመት ዘበን ስራሕ፣ መበል36 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዘሳለጠሉ፤ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ዝተልዓሉ ሕቶታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሰላም፣ ኢኮኖሚያ ፣ ፖለቲካ፣ ማህበራዊን ዲፕላማሲያዊን ዘተኮሩ ሕቶታት መልስን መብርህን ምሃቦም ዝፍለጥ ‘ዩ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብ ጉዳይ ኢኮኖሚ፣ ሰላም፣ ኢሉ ‘ውን ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘድሀበ ዝሃብዎ መልስን መብርህን ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ:: ሰናይ ንባብ!

ኢኮኖሚ

“ንዝተልዓሉ ሕቶታት ብዝተኽኣለ መጠን ሓበሬታ ንምሃብ ብዝኽእል መልክዑ መልሲ ንምሃብ ክፍትን ‘የ። ነዚ ድማ ኣብ ጉዳያት ኢኮኖሚ ንምሃብ ዝጅምሮ ይኸውን” ብምባል መልሲ ምሃብ ዝጀመሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ከምዚ ይብሉ፡- ብቀዳምነት ዝተኸበረ ቤት ምኽሪ ከምዝርድኦ ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን፣ ከምኡ ‘ውን ቅድሚኡ ኣብ ዝነብረ ዓመት ብሓፈሻ ዓለምና ብሰብ ስራሕን ብሓደጋ ተፈጥሮን ብተኸታታሊ ዘምፅኦ ግዳይ ክነዝሕሎ ከይከኣልና፣ ካሊእ ጉድኣት፣ ካሊእ ሓደጋ፣ ካሊእ ፀገም እናኸተለ ኣብ ልዑል ቀውሲ ውሽጢ ኢና ዘለና::

ተላበድቲ ሕማማት፣ ውግኣት፣ ኣብ ቀረባ ኣብ ከባቢታት ቀይሕ ባሕሪ ወይ ድማ ከባቢ ወሽመጥ ባሕሪ ኤደንን ዘጋጠመ ፀገም ሓዊሱ ኢኮኖሚን ምንቅስቃስ ንግድን ዓለም ብልዑል ብርኪ ዝሃወኸን እቲ ህውከት ክሳብ ሐዚ ምሉእ ንሙሉእ ብዝተማልአ መንገዲ ዘይረግአን ኢኮኖሚ ዓለም እናፈተነ ዘለሉ ኩነታት ይርኣይ ኣሎ::

እዞም ኣብ ቀረባን ርሑቅን ዘለው ሓደጋታትን ጉድኣቶምን ናባና ክመፅኡ ከለው፤ በሙሉእ ዓቅሞም ጉዕዞ ኢኮኖሚና ክፍትኑ ዘኽእል ኩነታት ሓደጋ ገጢምና ነይሩ ‘ዩ። ተላበድቲን ናይ ወፃኢ ውግእን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሃገር ውሽጢ ዘጋጠመና ውግእ ዓርስ ብዓርሳና ‘ውን ምስዚኦም ተደማሚሮም ጉዕዞ ኢኮኖሚ ብጣዕሚ ፈታኒ፣ ብጣዕሚ ከቢድ፣ ዝተልምካዮን ዝደላኻዮን ንምስኻዕ ብጣዕሚ ፃዕሪ ዝሓትት ዘበን ኮይኑ ‘ዩ::

እዚ ፀገም ምስ ዓለምና ብሓባር እንወስዶን እንወርሶን እንተኾነ ‘ውን ብፍላይ ኣንሕና ናይ ለውጢ መንግስቲ ብዝተፈለየ ዘጋጠሙና ፈተናታት ነይሮም ‘ዮም:: ሓደ ዝወረስናዮ ዕዳ ‘ዩ:: ከም ሃገር ልዑል ሕቐ ሃገር ዘጉበጠ ዕዳ ውሽጢ ዓድን ወፃዕን ኢና ተረኪብና። ብዙሕ ቃል ዝተኣተወሎም ይኹን እምበር ሓፈት ክብሉ ዘይኽእሉ ሰፋሕቲ ሰራሕቲ ብዙሓት ፕሮጀክታት ደው ዘሉሉ ኩነታት ኩነታት ‘ዩ ነይሩ።

ኣብ ዓለም ካብ ዘጋጠመ ፈተና ብተወሳኺ ኣንሕና ዝተረከብናዮ ዕዳ ተወሲኽዎ ክንጎዮ ካብ ዝግባእ ልክዕ ንምጉያይ ናይ ባዕሉ ፈተና እንተኾነና ‘ውን፤ ካብ ውሽጢ ‘ቶም ፈተናታት ዕድል ፈልቂቅና ብምውፃእን ናብ ረብሓ ብምቅያርን ብዝተቀየረ ኣመለኻኽታ፣ ብዝተቀየረ ስርዓት ኣሰራርሓን ባህሊ ስራሕን ምኽታል ብምኽኣልና ብጣዕሚ ኣደማሚ ብዝኾነ መንገዲ ዕውት ዓመት ኢና ኣሕሊፍና::

እዚ ቦግ ህልም ከይብል ኣብ ዝቕፅል ዓመት በዚ መንገዲ ምቅፃል እንተኽኢልና ብዘይ ዝኾነ ጥርጥር ካብ ፀገማትና ተናጊፍና ብልፅግናና ንምርግጋፅ ኣብ ዘኽእለና ጉዕዞ ከምዘለና ብኹሎም ኣመልከቲ ዝርኣይ ብጣዕሚ ዘደምም ተስፋ ወሃብቲ ውፅኢታት ክረኣዩ ‘ዮም::

ኣታዊን ወፃኢን ብዝምለከት፡- ኣብዚ ዓመት መንግስቲ 529 ቢሊየን ብር ኣታዊ ንምእካብ ተሊሙ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ሓደ ኣዋርሕ /ናይዚ ወርሒ ከይተጠቀሰ/ 466 ቢሊየን ብር ወይ 96 ሚእታዊ ኣታዊ ተኣኪቡ ‘ዩ:: እዚ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነወዳድሮ ከለና ልዑል ምምሕያሽ ዘለዎ ‘ዩ ተባሂሉ ክውሰድ ይኽእል ‘ዩ። ምክንያቱ እቲ ትልሚ ዝተለጠጠ ስለነበረ በዚ ኣንፃር ዕውትነቱ ብቀሊሉ ዝርኣይ ኣይከውንን::

ወፃኢ ክንርኢ ከለና ድማ 730 ቢሊየን ብር ንምውፃእ ተሊምና 716 ቢሊዮን ብር ወፃኢ ወይ 98 ሚእታዊ ኣውፂእና :: ኣብ ወፃኢናን ኣታዊናን ዘሎ ጉድለት በጀት / በጀት ደፊሲት/ ኣተሓሳሳቢ ብዝኾነ መንገዲ ክርኣይ ዘለዎ ጉድለት በጀት ዘምፅኦ ፅዕንቶ /ኮንሲኮዮንስ/ ሰለዘለዎ ‘ዩ።

ሬሜታንስ ድማ ልዕሊ 6 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ተረኺቡ። እዚ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ምምሕያሽ ኣለዎ። ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለው ተመሳሳሊ ሃገራት ኣንፃር እንትርኣይ ግና ብጣዕሚ ብጣዕሚ ንእሽተይ ‘ዩ።

ወፂኢ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ብዝምልከት ‘ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ፍልፍል ምንጭታት ከምዝሰማእኽዎ ሐዚ ‘ውን ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪካ ዓብዪ ወፃኢ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ዝትስሕብ ሃገር ‘ያ፤ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ ሰለስተ ቢሊዮን ዶላር ምስሓብ ተኻኢሉ ‘ዩ። ካልኦት ዓውድታት ሓዊሱ ብሓፈሻ ልዕሊ 23 ቢሊዮን ዶላር ምርካብ ተኻኢሉ ‘ዩ።

ብሓፈሻ ካብ ዝነብረ ውግእ፣ ምንኣስ ሓገዝ፣ ምስኣን ልቃሕን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝገጠመና ፀገምን ኣንፃር እንትርኣይ ሎሚ ዓመት ዕውት ኢልና ገምጊምና። ይኹን እምበር ካብዚ ብላዕሊ ክንኸይድ ንደሊ ኢና:: ዝነበረ ደጋዊ ፀገም ካብዚ ንላዕሊ ንምጉያይ ዘለና ድልየት ብዝተወሰነ መልክዑ ገዲብዎ ‘ዩ።

ናብ ዘፈር ኣፍራያይ ኢንዱስትሪ እንትንርኢ፤ ኣብዚ ዓመት ሓደ ብጣዕሚ ዝተሳኸዐልና ዓውዲ እንተሃልዩ ኢንዱስትሪ ‘ዩ:: 10 ነጥቢ1 ሚእታዊ ዕብየት ትፅቢት ዝግበሮ ኣብ ሴክተር ኢንዱስትሪ እዩ:: እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ‹‹ኢትዮጵያ ተፍሪ›› ዝብል ምልዕዓል ልዕሊ390 ፋብሪካታት ምፍራይ ብምጅማረን ‘ዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ 217 ከባቢ ዞኾና ፋብሪካታት ፍርያት ጀሚረን ‘የን:: ሎሚ ዓመት ብኢንዱስትሪ ዘምፃእናዮ ዕብየት 10 ነጥቢ 1 ሚእታዊ ብዘቅፅል መንገዲ ቁሩብ ዓመታት ምኻድ እንተኽኢልና፤ ብእንሓስቦ ልክዕ ቀፃልነት ዘለዎ ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ክሕግዝ ‘ዩ:: እዚ ድማ ንክኸውን ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ እኹል ስለዘይኾነ ነፃ ናይ ንግዲ ቀጠና ጀሚርና ኣለና::

ብሓፈሻ እዚ ኢኮኖሚ እንትርኣይ ሎሚ ዓመት 7 ነጥቢ 9 ሚእታዊ ዕብየት ትፅቢት ይግበረሉ:: ኣብ ግብርና 6 ነጥቢ 2 ሚእታዊ ትፅቢት ይግበር:: ኣብ መዓር፣ ዓሳ፣ ምህርቲ ኣዝርእቲ ንቡና ሓዊሱ ኣብ ሻሂ አደማሚ ምምሕያሽ ኣለው:: እዚ ዕብየት ግብርና ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝሳኻዕ ምንም ዘጠራጥር የብሉን::

ሳልሳይ ድማ ኣገልግሎት ‘ዩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ቴሌ ኮምዩኒኬሽን፣ ፋይናንሻል ሴክተር ከምዘለው ኮይኖም ቱሪዝም እንተወሲድና ኣብዚ ዓመት ውሽጢ ሃገር ቱሪዝም ናብ 37 ሚሊየን ከባቢ በፂሑ ‘ዩ:: ኣብዚ ኣፍቲ ንዓይኒ ዝማርኹ ነገራት እናተሰርሑ እንትኸዱ ሰባት ንመዝንጋዕ፣ ንምዝንናይ ምውፃእ ልማድ እናገብረ ‘ዩ:: እዚ ሰላምና ብዝተማልአ ኩነታት እንተተረጋጊፁ ኣብ ውሽጢን ኣብ ወፃእን ሃገር ዓብዪ ዕዳጋ ክኸውን ከምዝኽእል ትፅቢት ይግበረሉ::

እዚ ዕብየት ኣብ ዝቅፅል ዓመት ንምቅፃል ወይ ንምምሕያሽ ዝተታሕዘ በጀት 971 ቢሊየን ብር ‘ዩ:: አብዝሓ በጀት ንቅነሳ ድኽነት፣ ንስራሕቲ ልምዓት፣ ንመፍትሒ ጉዳያት ማሕበራዊ ንክኾኑ ዝተዳለወ ‘ዩ:: ሓቂ ንምዝራብ እዚ በጀት እኹል ኣይኮነን ፤ ይኹን እምበር ናይ በጀት ዴፊሲት ሐዚ ካብ ዘቕመጥናዮ ብላዕሊ ክኸውን ኣይተደለየን:: ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ከባቢ ምስ ኣይኤምኤፍን ባንኪ ዓለምን ሰፊሕ ዝርርብ፣ ዘተ፣ ድርድር ክግበር ከምዝፀንሐ ትፈልጡ ኢኹም::

ሓሙሽተ ዓመታት ሙሉእ ዝወሰደ ኣጀንዳታት ሪፎርም ነይሮም ‘ዮም:: ሐዚ ሓደ ሓደ ፈተውቲ ሃገራት ብዝገብሩልና ሓገዝ ኣብዝሓ ሓሳባታትና ተቀባልነት ዝረኸቡ ይመስሉ ኣለዉ። እዚ ጉዳይ ተሳኺዑ እቲ ሪፎርም እንተፅዲቅና ተወሳኺ 10 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ኢትዮጵያ ኣብ ዝቅፅሉ ዓመታት ክትረክብ እያ::

እዚ ገንዘብ ስለዝትረክብ ነዚ ተሓሳቢ ዝገብረ ምምሕያሻት በጀት ክግብር ይኽእል:: ንሎሚ ዘበን ዘቅረብናዮ በጀት ተወሳኺ ሃፍቲ ረኺብና ክሳብ ነመሓይሾ ዝተኸበረ ቤት ምኽሪ እንተፅዲቅልና ብዝጀመርናዮ መንገዲ ቀትርን ለይትን ብምስራሕ ዝኣተናዮ ቃል ብተግባር ንምፍፃም ኣድላይ ዘበለ ፃዕሪ ከምእንገብር ዳግማይ ቃል ክኣትወልኩም ይደሊ::

ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ

ፕሪቶሪያ ብዝምልከት ፕሪቶሪያ ኣካል ለውጢ ባህሊ ‘ዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፅባሕ ብውግእ ጀሚሩ ብውግእ ዝውድእ ኣየድልን ዝብል ኣካል ‘ዩ ክብሉ ይቅፅሉ፤ በጣዕሚ ፅቡቅ ዕድል ‘ዩ:: ብምኽንያት ፕሩቶሪያ ቶኽሲ ደው ኢሉ፤ ዝጠፍኡ ሕይወታት ደው ኢሉ፣ ዝቆሰሉ ሰባት ሕክምና እናረኸቡ ‘ዮም፣ ተፍላልዮም ዝነብሩ ቤተሰባት ተራኺቦም፣ ምንቅስቃስ ዝፅገሙ ሰባት ምንቅስቃስ ጀሚሮም፣ ዝተኣሰሩ ተፈቲሖም፣ ካብ ስራሕ ዝተኣገዱ ስራሕ ሒዞም::

መብራቲ፣ ባንኪ፣ መንገዲ ኣየር ፣ ቴሌኮሚኒኬሽን በጣዕሚ ብዙሓት ኣገልግሎታት ስራሕ ጀሚሮም:: እዚ ኹሉ ዓወት ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ዝረኸቦ እፎይታ ንሃትና ‘ውን እፎይታ ‘ዩ:: ኣብ ዝሓለፈ ካብ ትግራይ ምስ ዝተወፃፅኡ ሰባት እንትንዝትይ ክልተ ዓበይቲ ነገራት ኣልዒሎምና። ምምስራት መንግስቲ ፅቡቅ ነገር ‘ዩ፤ ኣገልግሎት ምጅማሩ ፅቡቅ ነገር ‘ዩ::

ዝተጀመረ ልምዓት ይጠናኸር፤ ንኣብነት ዩኒቨርስቲ እኳ እንተወሲድና ክንደይ ዝኣክል ከምዝተሃነፃን ልክዕ ኣብ ዝጀመሩሉ ሰሙን ከመርቁ ርኢኹም ክትኾኑ ትኽእሉ ኢኹም:: ልክዕ ከም ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ሕቶ ኣለወን ‘ዩ:: ሕቶ በጀት፤ ሕቶ ህንፀት ኣለዎም:: ይኹን እምበር ሙልእ ንሙልእ ስራሕ ደው ካብ ምባል ግና ምጅማሮም ፅቡቅ ነገር ‘ዩ።

ዓበይቲ ጉዳያት ካብ ዝነብሩ ዳግመ እግሪ ምትካልን ዝተፈናቀሉ ሰባትን ዝምልከት ‘ዩ። ልክዕ ኣብ ኢኮኖሚ ከምዘልዐልዎ ኣብ ዝተፈናቀሉ ሰባት ‘ውን ብጣዕሚ ፅቡቅ ምንቅስቃስ ‘ዩ ዘሎ:: ካብ ራያን ፀለምትን ዝተፈናቀሉ ሰባት ናይ ምምላስ ስራሕ ፅቡቅ ጅማሮታት ኣለው:: ኣብ ራያ ዝነበረ ኣመላልሳ ፀገም ነይርዎ ‘ዩ:: ካብ ዘቅመጥናዮ ኣንፈት፣ ካብ ዘቅመጥናዮ መንገዲ ውፅእ ዝበለ ‘ዩ:: ኣንሕና ግና ውፅእ ስለዝበለ ንዋጋእ ኣይበልናን::

ቅድም ከምዝበልክዎ ፀዊዕና ተዛቲናን ተመኻኺርናን ክእረም ዘለዎ ንክእረም ገይርና ነገር ግና እቲ ዝተመለሰ ህዝቢ ድማ ንስኹም ስለ ዘጥፋእኹም ተመለሱ ተባሂሉ ካብ ዝወፅእ ብዘቅመጥናዮ ኣንፈት ዝፀንሐሉ መንገዲ ይፈጠር ኢልና ንምስኽኻል ፈቲና ኢና:: ኣብ ፀለምቲ ድማ ካብ ራያ ተማሂርና ዝሐሸ ጅማሮታት ኣለው::

እዚ ማለት ኩሉ ምችው ማለት ‘ዩ ኣይኮነን:: ሓደ ካብዚ ሓደ ካፍቲ ዕንቅፋት ይፈጥሩ ‘ዮም። ንዛተ፣ ንስማዕማዕ፣ ንዳለው ኢና ይኹን እምበር ዝኾኑ ሰባት ተልዒሎም ዕንቅፋት ይፈጥሩ:: ኣነ ዘለኒ እምነት ስግግር መንግስቲ ክልል ትግራይን ዋና ዋና ሓለፍቲ ህውሓትን ጉዳዩ ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ልዑል ድልየት ኣለዎም። በዚ ኣግባብ ‘ውን እናሰርሑ ‘ዮም:: ካብቲ መንግስትን ሓላፍቲ ህወሓትን ወፃኢ ግና ነገር ክባለሸይ ዝደልዩ ሰባት ኣለው:: ሐዚ ‘ውን ህልኽነቶም ዘይቀነሰ፣ ሐዚ ‘ውን ዝበዝሐ ቁጠዐ ዘለዎም ወልቀ ሰባት ኣለው::

ነዚኦም ዘለኒ ምኽሪ ህልኸኝነትን ዝበዝሐ ቁጣዐን መጀመሪያ ነዓኹም ‘ዩ ዝጎድእ፤ ንኣሕዋትኹም ይጎድእ ‘ዩ፤ ፅቡቅ ኣይኮነን ሕደግዎ:: ናይ ትማሊ ጥፍኣት ብዝደግም መንገዲ ኣይትኺዱ፣ መንግስቲ እቲ ኽልል ሓግዙ፤ ኣብ ዝሓለፈ ኢለ ‘የ:: ሓግዙ ማለት ብፅቡቅ ሓሳባት ሓቢርኩም ኹኑ::

ፀገም እንተሃልዩ ድማ ኣርሕቁ፣ ኣርሙ፣ ማለት ‘ዩ:: በዚ ኣግባብ እንተኸይድና ትግራይ ዘሎ ቁስሊ ብሓደ ግዘ ክሓዊ ‘ዩ እንተዘይተብሃለ ‘ውን ብጣዕሚ ብጣዕሚ ልዑል ስጉምቲ ‘ዩ:: እስኪ ሕሰብዎ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝነብረ ዝርርብ፣ ቐንዲ ዝርርብ ኣገልግሎት ይመለስ ‘ዩ:: እዚ ሚኢቲ ፐርሰንት ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ስግግር መንግስቲ ይመስረት ‘ዩ:: ሚእቲ ፐርሰንት ተመሊሱ ‘ዩ::

ኣብኡ ውሽጢ ውሽጢ ዘእተናዮ ሓረግ ዝተፈናቀሉ ሰባትን ኣከራኻሪ ቦታታት ብሕገመንግስቲ ይምለስ ኢና ዝበልና እምበር ሐዚ ብንኸዶ ዘለና መንገዲ ዝርዝር ትልሚ ኣብ ፕሪቶሪያ የለን:: ይኹን እምበር ኣብ ዝርዝር ትልምና ነቲ ሕገመንግስቲ መሰረት ገይርና ዝተፈናቀሉ ሰባት ካብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ይኹን ክምለስ ኣለዎ ብዝበልናዮ ኣንፈት መሰረት ኣብ ትግራይ ተፈናቂሎም ዝፀንሑ ሰባት ብውሕድ ቁፅሩ ‘ውን ይኹን ምምላስ ጀሚርና ኢና::

ካብ ኣምሓራ እንተኾነ ‘ውን ናብ ኦሮምያ ብኣማኢት ኣሸሓት ተመሊሶም ‘ዮም:: እዚ ክጠናኸር ኣለዎ:: ዜጋታት ተንቀሳቂሶም ምስራሕ ምንባር ዝኽእልሉ ነገር ክሰፍሕ ኣለዎ:: ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዉሽጢ ኤርትራዉያን፣ ሱዳናዉያንን ሶሞላዉያን ኣብ ዝንቀሳቀሱሉን ብስደተኛ ካምፕ ውሽጢ ዝቅመጡላ ሃገር ኢትዮጵያዉያን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቃስ ክፅገሙ የብሎምን:: እዚ ድኹም ጎንና ‘ዩ ክነስተኻኽሎ ኣለና:: በዚ ኣግባብ ‘ውን እዩ እናተኸደ ዘሎ::

ስምምዕ ፕሪቶሪያ ናብ ድሕሪት ከይምለስ፣ ዳግማይ ህልቂት ከይንሰምዕ፣ ካልኣይ ሰብ ከይመውት ብዝተኽኣለ መጠን ብልዑል ትዕግስቲ ነቲ ነገር ምምራሕ ጠቃሚ ‘ዩ:: በዚ መንገዲ ኢና ንኸይድ ዘለና:: ብዙሕ ጊዜ ፀገማት እንትፍጠሩ ብቅልጡፍ ናብ ጎንፂ ንክእተው ዝደፋፍኡ ሓይልታት ካብ ፀጋምን ካብ የማንን ኣለው:: ኣንሕና ጎንፂ ኣይንደልን::

ብትግራይ፣ብኣማሓራ፣ብኦሮሚያን ኣብ ካልኦትን ከባቢ ጎንፂ ኣየድልየናን:: ጊዜና፣ጉልበትናን ኣኪብና ኣብ ልምዓት ምውዓል ኢና ንደሊ:: ሰላም ግና ብነፃ ኣይንረኽባን:: ብብዙሕ ትዕግስቲን፣ ብብዙሕ ድኻምን ኢና ንረኽባ:: ስለዝኾነ ክንኸፍሎ ዝግብአና ዋጋ ንምኽፋል ልዑል ፃዕሪ እናተገብረ ይርከብ::

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 4 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You