‹‹ምትሕብባር፤ ምፉኽኻርን ምምኽኻርን ኣብ ዘድልዮም ጉዳያት ትኹረት ብምግባር ክንሰርሕ ይግባእ›› -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ተወከልቲ ፓርትታት ፖለቲካ ዘተ ኣካይዶም ‘ዮም ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓለለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ምስ ተወከልቲ ፓርቲታት ብምርኻብ ኣብ ሃገራዊ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ምክያዶም ድሕሪ ምዝካር፤ ኣብቲ እዋን በቢብርኩ እቶም ዘተታት ንክቕፅሉ ኣንፈታት ምቕማጦም ገሊፆም።

ኸዚ ዝተኻየደ ዘተ መቐፀልታ እቲ ናይ ወርሒ ሚያዚያ ከምዝኾነ ብምግልፅ፤ ቀፃልነት ዘለዎን ኩለ መዳያዊ ረብሓ ዘለዎን ሃገራዊ ዛዕባታት ምርድዳእ ምፍጣር ዘድሃበ ዘተ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ዝሃብዎ ሓሳብ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

‹‹ኣብ መጀመርያ ዝተልዓለ ሓሳበ ከመይ ኢልና ብምትሕብባር ንሃገር ረብሓ ክንሰርሕ ንኽእል፤ ምትሕብባር ብሕጊ ፣ብፖሊሲ፣ ብኣፈፃፅማ፣ ንሕቶትን መልሲ ብምሃብ ብምትእምማን ንሃገር ረብሓ ብሓድነት ጠጠው እንብለሉ ዕድል ከመይ ምፍጣር ይካኣል ዝብል ዋና ሓሳብ ተላዒሉ ‘ዩ።

እዚ ዋና ሓሳብ ሃገሩ ዝፎቱ ስለ ደቁ ዘተሓሳስቦ ፅባሕ ኣሪሕቑ ዝሪእን ዝሓስብን ውልቀ ሰብ ክሓስበሉን ክጭነቐሉን ዝግባእ ጉዳይ ‘ዩ። ከመይ ኢልካ ብምትሕብባር ጠጠው ምባል ይካኣል? ሓደ ሰብ ሓዳር እንትገብር ምስ በዓልቲ ገዝኡ ምንም ዓይነት ዘጨቓጭቕ ኣይፍጠርን ማለት ኣይኮነን። እዚ ንዝበለፀ ዓላማ ንደቁን ንፅባሕን ክብል ከመይ ኢሉ ተኸኣኢሉ ክነብር ኣለዎ ፤ እዚ ብሃገር ብርኪ ምስፋሕ ‘ዩ።

ምትሕብባር፣ ፍኹክርን ምኽክር ኢልና ተንኸፍሎ ፅቡቕ ‘ዩ። ብኹሉ ጉዳይ ምትሕብባር ምምፃእ ስለዝኸብድ ብምንታይ ጉዳይ ክንተሓባበር ኣለና፤ ብምንታይ ጉዳይ ንፎኻኸር ፤ብምንታይ ጉዳይስ ንመኻኸር እዚ እንድሕር ኾይኑ ንደቅና ፅቡቕ ነገር ክነውርስ ንኽእል ኢና። ንኣብነት ምትሕብባር ዘድሊ ብሃገር ረብሓን ኽብርን ጉዳይ ‘ዩ።

በሃገር ረብሓን ኽብርን ጉዳይ ፅባሕ ኣርሒቕኻ ብምሕሳብ ግቡእ ናተይን መንግስቲን ከይበለና ምትሕብባር የድሊ ‘ዩ። ንኣብነት ግብርና እንተሪእና ቅድሚ እቲ ለውጢ 14 ሚልየን ሄክታር ኢትዮጵያ ትሓርስ ነይራ። ሎሚ 25ሚልየን በፂሒና ኢና። እዚ ካብዚ ንላዕሊ ንክበፅሕ ናይ ኹላትና ምትሕብባር የድሊ ‘ዩ።

ንምንታየ እንድሕር ዘየምሪትና ክንልምን ኢና እንድሕር ለሚና ድማ ነፃነት ዝባሃል ነገር የለን። ኣብ ኣሰራርሓ ሕቶ ክፍጠር ይኽእል ‘ዩ። እቲ ልምዓት ንክመፅእ ግና ብሓባር ምስራሕ የድሊ ‘ዩ። ንሃገር ብጣዕሚ ወሳኒ ስለዝኾነ። ብምግቢ ልኣላውነቱ ዘየረጋገፀ ሃገር ብፖለቲካ ከረጋግፅ ኣይኽእልን። ካብ ልመና ምውፃእ እንኽእል መገዲ ብፓርተ ከይተሓፀርና ተንሰርሕ ንደቅና ዝረብሕ ‘ዩ ዝኾን።

ካልኣይ ፍኹክር ‘ዩ፤ እንፎኻኸረሎም ጉዳት ክህልዉ ኣለዎም። ኣብዚ ውሽጢ ምንቃሕ፣ ምምሃርን ዝበለፀ ሓሳብ ምውላድ ስለዝኽእል ።ንኣብነት ኣብ ጉዳይ ፖሊሲ ንርአ፤ ጉዳይ ፖሊሲ እንትባሃል መንግስቲ ብልፅግና ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ግብርና፣ ኢንዱስትሪ፣ ቱሪዝም እናበልና ምኻድ ስለዘየዋፅአና ዘፈር ብዙሕ ንክንገብሮ ተሓባባሪ እውን ክዓብይ ኣለዎም።

እዚ ለውጢ ንምምፃእ እንገብሮም ክርክራት ጉድኣት የብሎምን። ንህዝብና ባዕልና እንትንገልፅ ንመሃሃር ንፎኻኸር ዝሓሸ ዝግዝእ ሓሳብ ዘለዎ ውልቀ ሰብ የሸንፍ ማለት ‘ዩ። ኣብ ጉዳይ ፖሊሲ ኣይንፎኻኸርን እንተይልና ኣይኸውን። ምኽንያቱ ሕድ ሕድ ፓርቲ ጠጠው ዝበልሉ ዓምዲ እንተሃለወ ‘ውን ዝተፈላለይሉ ሓሳብ ስለዝህሉ እዚ ፈሊኻ ምርኣይ ዘኽእል ፍኹክር ፖሊሲ የድሊ ‘ዩ።

ሳልሳይ ብጣዕሚ ዘድልየና ጉዳይ ምኽክር ‘ዩ። ኸዚ እንገብሮ ናይ ምኽክር እታ ሓንቲ ጫፍ ክትኾን ትኽእል ‘ያ ፤ ዋና ምኽክር ግና ዘድልየና ናይ ትማሊ ስብራት ስለዘለዉ ‘ዩ። ከይተመኻኸርና እቲ ስብራት እቲ ቑስሊ ምፅጋን ስለዘይንኽእል መኺርና ተዛቲና ህዝብና ኣዛቲና ዘላቒ ዝኾነ ፍታሕ ንምቕማት ምኽክር ኣድላይ ‘ዩ።

ኸዚ ፀገም እናፈጠረ ዘሎ ኣብ ምንታይ ‘ዩ እንድሕር ኢልና ዉሑዳት ፓርትታት ኣብ ውሽጢ ፅባሕ ‘ዮም ዘለዉ። ፅባሕ ንምምሕያሽ ንምቕያርን ዝፅዕሩ ኣለዉ። ዉሑዳት ፓርታት ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ውሽጢ ትማሊ ‘ዮም ዘለዉ። ስልጣን ብትማሊ መንፈስ ዝሓስቡ ሰባት ኣለዉ ፤ካብ ሓደ ሰፈር መፂኦም ኢትዮጵያ ዝፈለጡ ዝመስሎም ሰባት ኣለዉ፤ ትማልን ፅባሕን ሎሚ ዝባሃል ድልድይ ከይሰራሕና ክንራኽብ ኣይንኽእልን።

ከመይ ኢልና ኢና ትማሊ ብምኽክር ኣታዕሪቕና፤ ፅባሕ ብሓባር ራይን ምልኸታን ሒዝና እንድሕር ከይተዛተና እንሓልማ ኢትዮጵያ ክነምፅኣ ኣይንኽእልን። ንስኹም ከምትዕዘብዎ ብዙሓት ድልየታት ኣለዉ። እዚኦም ድልየት ኣስማዕሚዕና ተሸኪምና ክንኸይድ እንኽእሎ ሃገር እንድሕር ኣቐዲምና ‘ዩ።

ካብ ናተይ ፓርቲ ኢትዮጵያ ትበልፅ። ኢትዮጵያ ትቕደም ህዝብታታ ይቕደሙ። ቀፂሉ ድልየት ፓርትን ድልየት ውልቀሰብን ክቅፅል ‘ዩ እንድሕር ኢልና ብብዙሕ ጉዳያት ክንስማዕማዕ ኢና። ንሕና ቐዲምና ጉዳይ ኢትዮጵያን ህዝብታታን ካልኣይ እንድሕር ኾይኑ ግና ብጣዕሚ ኣፀጋሚ ‘ዩ ዝኾን። ነዚ እዩ ኣብ ሓደ ሓደ ጉዳያት ግራ ዘእቱ ነገራት ዝረኣዩ።

ኣባይ ብዝምልከት ብዙሕ ዝተዛብዑ ነገራት ኣለዉ። ሰባት ንሕና ዝሓስቡና ካብ ካልእ ዝመፀ ማይ ገዲብና ኣቅሚጥና እንኽልክል ዝመስሎ ሰብ ኣሎ፤ ንሕና ማይ ሰቲና ረዊና ንምድፋእ እንሰርሕ ዝመሰሎ ሰብ ኣሎ፤ ሕፅረት ማይ ከምዘለና ብሓቂ ‘ውን ምርዳእ ኣይደሉዩን። እዚ ኹሉ ንምትዕራቕ መድረኽ ዝደሊ ‘ዩ።

ብጣዕሚ ዘሕዝን ናብራ ዘለዎም ዜጋታት ገዛ ይዋሃቦም ማለት ኣብዚ ሓሳብ ምፍልላይ ግቡእ ኣይመስለንን። ምንም ፀገም ኣይፍጠርን ማለት ኣይኮነን። ዋና ሓሳቡን ዓላምኡን ናይ ዜጋታት ህይወተ ምምሕያሽ ‘ዩ። ኣብዞም ዘጋጥሙ ፀገማት ምዝታይ ግና ፀገም ኣይኮነን። እዚኦም ጉዳያት ንስኹም ብቅንዕነት ክትሓስቡ ኣለኩም።

ሎሚ ኣብ ዓለም ቀውሲ ዘይብሉ ሃገር የለን። ካብ ዓበይቲ ዝባሃሉ ሃገራት ክሳብ ኣናእሽተን ሃገራት ቀውስ ኣሎ። ፖለቲካን ኢኮኖሚን ቀውስን ኣሎ። ቀውሲ ዘይብሉ ሃገር የለን። ፍልይ ዘብሎ እቲ ቀውስ ሃገር ንከየፍርስ መንነት ወለዶ ንከየጥፍእ ዝከላኸል ትካል ዘለዎም ሃገራት እቲ ጭቕጭቕ እናሃለወ ከም ሃገር ይቐፅሉ ‘ዮም። ትካል ዘይብሎም ሃገራት ይፈርሱ። ትካል እንድሕር ዘይፈጢርና ንሕና ‘ውን የቀታትለና የጠፋፍአና ካልኦት ከምዝኾኑ ንሕና ‘ውን ተመዛበልቲ ንኸውን።

ትካላት ንህነፅ። እቶም ትካላት ‘ውን ዝገዝአን ዝከራኸርን ዕድል ንፍጠረሎም። ኹሉ ብሕጊ ይገዛእ እንተይልና ናይ ምትሕብባር ሓሳብኹም ፍረ ዝህልዎ ይኾን። ንሕና ከም ፓርቲ ቐሪቡ ንምዝታይ ሓደሓድአኹም ብሽም ፓርቲ እንተይኾነስ ብብቅዓትኹም እናረእና ኣብ ዝኾነ ብርኪ ዘሎ ስልጣን ንምክታት ብጉዳይ ፖሊሲ ንምምኽኻር ብጣዕሚ ድልዋት ኢና።

ዝተረፈና ኽልተ ዓመት ‘ዩ ኣብዚ ኽልተ ዓመት ኣብ ዝኾነ ብርኪ ዝሕግዘና ሙያ ዘለዎ ሰብ ሃገሩ ዝፎቲ ሰብ ብጉዳይ ፖሊሲ እንተተፈለየ ‘ውን ብዕለታዊ ስራሕ ምግልጋል ንዝደሊ ሰብ ክፍቲ ኢና። ሞኪርና ኢና እኹል ንከይኆን ይኽእል ‘ዩ፤ ምሳኹም ተንሰርሕ ኢትዮጵያ ምፅናዕ ተንኽእል ጥቕሚ እንበር ጉድኣተ ኣለዎ ኢልና ኣይንኣምንን። እዚ እናረእና እናፈተሸና ንኸይድ ኢና።

ክሳብ መረፃ ዘለዋ ግዝያት ጠንካራ ዘተ እንተተኻይዶም ናትኩም ሓሳባት ዝበለፀ ተትድመፁ ንምንታይ ‘የ ብልፅግና ጥራሕ ዝመርፅ ክብል ይኽእል ‘ዩ ሓሳብኹም ሪኡ። እዚ ዘተ ንመረፃ ዝሕግዘና ‘ዩ ንፖሊሲ ‘ውን ዝሕግዘና ‘ዩ። ንዝበለፀ ምፍላጥና ንምትሕብባር ሕግዘና ‘ዩ። ናይ ትማሊና ንምፅጋን ዝሕግዘና ‘ዩ።

ብኣና ወገን ዝጎደሉና ኣሪምና ንምስራሕ ድልየት ኣለና ምድላው ‘ውን ኣለና። ዝወፁን ንዋጋእ ዝበሉ ‘ውን ንዑ ንዘራረብ እናበልና ኢና። ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ከውድቕ እየ ኢልካ ምፉካር ኣየድልን። ከምዚ ኾይኑ ‘ውን ንዛተይ ንሃገር ርብሓ ስለዝኾነ ‘ዩ።

ካልኣይ ዓብይ ጉዳይ ዝተልዓለ ፖለቲካ ምህዳር ብዝምልከት ‘ዩ። ኣብዚ ውሽጢ ማእሰርቲ ፣ንሕቶ መልሲ ዘይምሃብ ፣ ምስ ሚድያ ተዳሓሒዙ ሰፊሕ ዝኾነ ሓሳብ ተላዒሉ ‘ዩ። ፖለቲካ ምህዳር ኣብ ኢትዮጵያ ይስፋሕ እንትንብል ከለና ኣብ ኻሊእ እንሪኦ ከም ዘሎ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምፂእኻ ምሕሳብ ኸቢድ ‘ዩ። ብናትና ባህልን ብርክን ልክዕ እንተዘይኾይኑ ካልኦት ቦታ እንሪኦም ቀጥታ ምቕባል ኣድላይ ኣይመስለንን። ን

ሕና ከም መንግስቲ ካባኹም ዝሓሸ ሓበሬታ ኣለና። እንታይ ዓይነት ዝንባለ ከምዘለዉ ንግንዘብ ኢና። ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ፓርትታት ሰብእናን ሓሳብን ፖለቲካ ዘለዎም ውልቀ ሰባት ጉጅለታትን ኣብ ኣርባዕተ ዋና ዋና ዓይነት ክክፈሉ ይኽእሉ ‘ዮም። እዞም ኣርባዕተ ብሓባር ምትሕብባርን ሓቢርካ ምስራሕን ዝብል እንተተልዒሉ ኣየዋፅእን፤ ኣርባዕቲኦም ፈሊና ምስ መን ከምንተሓባበር እንድሕር ዘይፈሊጥና እቲ ውፅኢት ሓድነት ኢትዮጵያ፣ ልምዓትን ሰላምን ኣየምፅእን።

እቲ ሓደ ካታጎሪ ብሓደ መንገድ ንሃገሮም ዝሰርሑ ጉጅለ ኣለዉ። ሓሳብ ኣለዎም፣ ፓርቲ ኣለዎም ዋና ድልየቶም ብናይ ባዕሎም መንገዲ ንሃገሮም ምስራሕ ‘ዩ። መንገዱ ናይ ውልቀኦም ‘ዩ ሽተኦም ግና ንሃገር ‘ዩ። ንሃገረይ ክሰርሕ ‘የ ግና ብልፅግና ኣይኸውንን። ብልፅግና እንድሕር ዘይኾይንኻ ረብሓ የብሉን ኣይንብሎን። ካባኹም ሞኪርና ድማ ሓቂ ንምዝራብ ዝኾርዓናሎም ሰባት ኣለዉ።

ብፖሊሲ ዝጨቓጨቑ ኣብ ካልእ ጉዳይ ግና ሃገረይ ኢሎም እንትሰርሑ ሪእና ኢና። እዚ እንተሰፊሑ ክጠቕመና ‘ዩ። ብልፅግና ዝኾነ ኹሉ ዝሐሸ ካብ ብልፅግና ወፃኢ ዝኾነ ኣይሕሽን ዝብል ሓሳብ የብልናን። ብልፅግና ይሓይሽ ኢልና እንኣምን ብሓሳቡ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ብናይ ባዕሎም መንገዲ ንሃገር ዝሰርሑ ምትሕብባር ኣዋፃኢ ‘ዩ ኢልና ኢና ንኣምን።

ካልኣይ ካታጎሪ ብናይ ባዕሎም መንገዲ ንሃገሮም ዝሰርሑ ‘ዮም። እቲ መንገዲ ናይ ባዕሎም ‘ዩ። ኣብ ኹሉ ቦታ ሁከት ምፍጣር ‘ዩ፤ ውፅኢቶም ድማ ፅቡቕ ኣይኮነን። ሓሳቦም ትኽክል ኣይኮነን ግን ባዕሎም ‘ዮም ዝገብርዎ። ይዋግኡ ፣ ጎንፂ ንክፍጠር ይገብሩ እዚ ትኽክል ኣይኮነን። እዚኦም ኾሪኻ ንምምላስን ፃዕሪ ንገብር ኢና።

መበል ሳልሳይ ንእሽተን ኽብድ ዝብል ‘ዩ። ብናይ ባዕሎም መንገዲ ንኻልኦት ዝሰርሑ ‘ዮም። ዝዛረቡ ኣምሓረኛ ስሞም ፓርቲ ኢትዮጵያ፣ ንዓና ዝመስሉ መንገዱ ናይ ባዕሎም ‘ዩ ግልጋሎት ዝህቡ ግና ንኻሊእ ‘ዩ። ሓሳብ የብሎምን ፣ፕሮግራም የብሎምን፣ ራእይ የብሎምን ኹሉ ሓሳብ ዝተቐድሐ ‘ዩ ዘግልግሉ ንኻሊእ ሰብ ‘ዩ። ናይዚኦም ስራሕ ፍረኡ ንኻልኦት ስለዝኾነ ምስዚኦም ምትሕብባር ኣፀጋሚ ‘ዩ።

እቲ ራብዓይ ብኻልኦት መገዲ ንኻልኦት ዝሰርሑ ‘ዮም። መንገዱ ኾነ እቲ ስራሕ ናታቶም ኣይኮነን። ደመወዞም ዝኸፍሎም ካልእ ሰብ ‘ዩ፣ ዝስብስቦም ካልእ ኣካል ‘ዩ፤ መንገዱ፣ ሓሳቡ ፣እቲ ዓውዲ ናታቶም ኣይኮነን። ስለ ዝዛረብዎ ህዝቢ ‘ውን ኣይፈልጡን። እዚኦም ብሕጊ ኢና ንሓቶም፤ ብኻሊእ ሓይልታት ንኻልኦት እናሰርሑ እናፈለጥና ንኢትዮጵያ ይረብሕ ‘ዩ ኢልና ባዕልና ኣይነታልልን።

ኣባኩም ውሽጢ ከም ፓርቲ እዚኦም ዘቕመጥክዎም ኣበየኖኦም ከምትዓርፉ ባዕልኹም ገምግሙ። ኣነ ደረጃ ኣይምድብን። ግና ዘረጋግፀልኩም ጉዳይ ሓደ ሓደ ግዜ ብርኪ ፓርቲ እዚ ነገር ዘይረሰርሕ እንተኾነ ‘ውን ብውልቀ ሰብ ግና ይሰርሕ ‘ዩ። ክትፈልጥዎ ዝግባእ ግና ፖለቲካ ፓርትታት ስብስብ ሓደ ሓደ ብቅንዕና ንሃገረይ ኢሉ ዝፅዕር ከምዘሎ ኹሉ ተቖፂሩ ልክዕ ከም መንግስቲ ስራሕ ንካሊእ ዓላማ ‘ውን ከምዘለዎ ምግማትን ምፍላጥ ኣድላይ ‘ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ብቀዳሞት ፖለቲከኛታት ዝሕተቱ ዝነብሩ ሕቶታት መልሲ እናረኸቡ እንትኸዱ እቶም መልስታት ባዕሎም ሕቶታት እናኾኑ መፂኦም ግቡእ ድዩ? ንኣብነት ኢህውደግ ንገጠር ልምዓት እናበለ ገጠር ‘ውን ከየልምዐ ከታማው እኮ ግዲፍዎ እናተብሃለ ፀኒሑ፤ ሐዚ ናይ ከተማ ድኻ ስራሕ ንክረክብ ናብርኡ ክዝምን ክብሃል ከሎ መሊስና እንቃወም እንተኾይንና፣ ምኽክር ውይይት የድሊ ‘ዩ ኢሎም ዝፅሕፉ ዝዛረቡ ዝከራኸሩ ሰባት ሐዚ እንኩም ምኽክር የድሊ እንትብሃሉ ሐዚ እማ ምኽክር ኣየድልን ዝብል መትከል ምሓዞም፤ እቲ ስብራት ንምፅጋን ዘይኮነስ እቲ ስብራት ናይ ፖለቲካ ኣጀንዳ ንክኸውን ‘ዩ ዝድለይ ዘሎ ማለት ዩ።

ንኣብነት ሓደ ነገር ከልዕል ሐዚ ቅድምያ ዝወሃቦ ስንዳይ ድዩ? ሐዚ ቅድምያ ዝወሃቦ ልምዓት ኮሪደር ድዩ?፤ ሓምላዋይ ኣሰር ልምዓት ድዩ? ይብሉ እዮም ሰባት። ዝተኽበርኩም ፖለቲካ ፓርትታት ብትሕትና ክንግረኩም ዝደሊ ብልፅግና ኣንሕናን ኣብዚ ዘለና ነሃትኩም ዝቅድም ነገር ንምልዓል ኣይኮነን። ንሃትኩም ቀዳምነት ዝትፈልጥዎ ባዕልኹም ኢኹም። ብልፅግና ፓርቲ ኣብ መረፃ ክርክር እዋን ነቲ ህዝቢ ዕድል እንተረኺበ ስልጣን እንተረኺበ እዙይ እዙይ ከሳኽዕየ ኢሉ ‘ዩ ተመሪፁ ንሓሙሽተ ዓመት ኮንትራት ሂብዎ ‘ዩ።

ኮንትራት ድሕሪ ምውሃቡ ክሰርሖ ዝደልዮ ናይ ባዕሉ ሕልምን ዘቀድሞን ባዕሉ ‘ዩ ዝሰርሕ እምበር ሰባት ኣብ ኣመሪካ ኮፍ ኢሎም እዚ ‘ዩ ዝቅድም ክብሉሉ ኣይግባእን። እቲ ዝቅድም ባዕልና ኢና ንፈልጦ። እቲ ኸይዲ እንተኣሚናሉ እቲ ዝቅፅል ውፅኢት ‘ውን ክንቅበሎ ኣለና።

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ካሊእ ንምንታይ ‘ዩ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ እንትምውፅእ መንግስታት እንትቅየሩ ናይ ዲሞክራሲ ለውጢ ናይ ተስፋ ጭላንጭን ተራእዮም ደሓር ቀስ ብቀስ እናፀበቡ ዝመፅኡ? ልኡል ኣልጋ ወራሽ ናብ ስልጣን እንትመፅኡ ተስፋታት ነይሮም ምንቅቃሓት ዕድላት ትምህርቲ ነይሮም ደሓር ደኣ እንታይ እናፅቦቦ መፂኡ? ደርጊ ናብ ስልጣን እንትመፅእ ‘ውን ሚድያ

ፓርቲ ምምስራት ተጀሚሩ ፅቡቅ ቃልሲ ተጀሚሩ ንምንታይ ናብ ድሕሪት ተመሊሱ? ኢህወድግ እንትመፅእ ‘ውን ናይ ውልቂ ምድያ ጀሚሩ ደሓር እንታይ ኣጥፊኡ ምምርማር ጠቃሚ ‘ዩ። ኢድና ናብ መንግስታት ምውጥዋጥ ከይኮነስ ኣንሕና ከም ፖለቲካዊ ውድባት ዝግባእ ክንፅወት ዘይከኣልና ክንምርምሮ ኣለና።

ዝተፈናቀሉ ሰባት ዝፈረሱ ንብረታት መሊስካ ኣብ ምህናፅ ዝተልዓሉ ዝምልከት ካብ ዝተፈናቀሉ ብፍላይ ኣብዚ ዓመት ካብ ትግራይ ናብ ኣምሓራ ካብ ኣምሓራ ድማ ናብ ኦሮምያ ምምላስ ፅቡቅ ዝብሃል ጅማሮታት ኣለው እዮም። ህንፀት ትካላት ብዝምልከት ብተመሳሳሊ ቤት ትምህርታት፣ ጥዕና ጣብያታት ዝኣምሰሉ ብስፍሓት ንምህናፅ ተሞኪሩ ‘ዩ። እኹል ግና ኣይኮኑን ተወሳኺ ስራሕ ዝሓቱ እዮም።

ምሕዳር ፖለትካ ዝሰፍሕ ወይ ዝፅብብ ብናይ ሓባር ምትሕብባርን ፅዕሪን ‘ዩ። ብኣና ወገን ምርጫና ሃገር ዘቀደመን ማእኸላዊ ድልየቱ ናይ ሓባር ዝኾነ ብዘተ ብምኽከ ብድርድር ዝተመስረተን ሃገር ዘፅንዕን ትካል ዝሃንፅን ዘቅፅልን ንክኸውን ‘ዩ ድሌትና። እንስርሖ ነዚ ‘ዩ ይኹን እምበር ስሕተት ዘይብሉ ኣይኮነን ኣብ ዝኾነ ወረዳ ዞን ዘንገልትዑ ዝኣስሩ ሰባት የለውን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ውሽጥና ብዙሕ ንግምግም ኢና ንስኹም ጥቆማ ሃቡና ክንስተኻኽል ኢና።

ሓዚ ዘሎ ምስ ናይ ትማሊ ንምውድዳር ምሙካር ‘ዩ ፀገም ዘሎ። ትማሊ ብትኽክል ዘይርኣየ ሰብ ፅባሕ ‘ውን ክርኢ ኣይኽእልን። ብንእሽተይ እንኾነ ‘ውን ካብ ትማሊ ዝሐሸ ለውጢ ኣሎ ‘ዩ። ንምንታይ ንሱ ዘይዓቢ? ነቲ ዘሎ ነስፍሐዮ ንበል እምበር ዝኾነ ጭላንጭል የለን ኣይንበል።

ከምዝፍለጥ ከም ፓርቲና ክነሽንፍ ንደሊ ኢና ይኹን እምበር ኣብ ቤት ምኽና ኣብ መንግስትና ናይ ካል ኦት ፓርቲ እንተሃልዮም ይጠቅሙና እዮም ኢልና ኢና ነኣምን። ከም ጉድ ኣት ኣይንሪኦን ብዝትፈልየ ኩርናዕ ንክንርኢ ይሕግዙና እዮም።

ክንምሃረሎም ንኽእል ኢና ንሃትና ሓሳብ ብዝሐሸ ንምፍፃም ይሕግዙና እዮም ኢልና ኢና ንኣምን። ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዝተፈላልዩ ቤት ዕዮታት ዘእተናዮም ሓደ ሓደ ሰባት ፅቡቅ ዝሰርሑ ነሃትና ተዝኾኑ እንብሎም ኣለው ‘ዮም። ነዚ እናስፋሕና ክንኸይድ ኢና። ንስኹም ‘ውን ሓጉዙና።

ሰላም ብዝምልከት ብተደጋጋሚ ንምልዓል ሞኪርና ኢና። ዝኸበርኩም ናይ ፖልቲካ ፓርትታት ኣመራርሓ ንድሕሪት ምልስ ኢልኩም ርኢኹም ንሃትና ናይ ሓድነትና ዓምዲ እንታይ ኢዮም ኢልኩም ትትሪእዎ ፅቡቅ ‘ዩ። ብዙሕ ግዜ ኣንሕና ኢትዮጵያውያን ኣብ ሰላም እዋን ንባላዕ ኢና።

ካልእ ፀላኢ መፅኢና ክብሃል ከሎ ግና ፀላኢ መፂኡ ከብልዓኒ ‘ዩ ብዝብል ዝግበር ሓድነት ‘ዩ ዝህልወና። ሐዚ ሓደ ፖለቲካ ፓርቲ ኣምሓራ እንተኾይኑ ኦሮማ ክበልዐካ ‘ዩ ከይበል ዐካ ኣነ ኣልኹልካ። ኦሮሞ እንተኾይኑ ድማ ኣምሓራ ክበልዐካ ‘ዩ ከይበልዐካ ኣነ ኣለኹልካ ዋላይታ እንተኾኑ ሲዳማ ከይበልዐካ ‘ዩ ከምዚ እናበሉ እዮም ፖልቲካ ዝሰርሑ።

ጠፊእኻ ክትብላዕ ኢኻ ኣነ ኣልኹልካ ብዝብል እምበር ምስ ካልኦት ተሓባቢርካ ከምይ ትምዕብል ብዝብል ሓሳብ ኣይኮነን። እዚ ጠንካራ ዘለዎ ሓድነት ኣየምፅእን። እቲ ኹነታት ምስ ሓለፈ ማለት እቲ ፀላኢ ምስ ጠፍአ እቲ ኩነታት ይቅየር። ከምኡ ከምዝኸውን ግና ብምትሕብባር ኢትዮጵያውያን ኩሎም ዜጋታት ማዕረ ዕድል ረኺቦም ዝሰርሑላ ዕድል ንፈጥር ተዝብሃል ፅቡቅ ነይሩ ግና ምበገሲኡ እዚ ኣይኮነን።

እዚ ኹሉን ምንታይ ‘ዩ ሱር ሰዲዱ ናባና ዝመፅእ ዘሎ ንምንታይ ‘ዩ እንተይልኩም ካብ ዝነበርናዮ ልማድ ንምልቃቅ ንምፍታሕ ብዙሕ ዝወሰንና ኣይመስለንን።ኣንሕና ኢትዮጳያውያን ድኽነት ኣየድልየናን ንብል እምበር ምዕባለ ንምምፃእ ዝወሰንና ኣይመስለንን።

ሰላም የድልየና ‘ዩ ንብል እምበር ሰላም ንምምፃእ ዝኽፈል ዋጋ ኸፊልና ሰላም ንምምፃእ እንሙክር ኣይመስለንን። ኣንሕና ካብ ዝነብርናዮ ዘይምችው ኩነታት ካብ ልመና ካብ ሰላም ምስኣን ናብ ዝሐሸ ነገር ንምኽዳ ቀሊል ገይርና ኣይንውሰዶ። ኣብዚ ሰለስተ ፀገማት ኣለው። ሓደ ምስቲ ነባር ፀገም ተላሚዱ ክነብር ዝደሊ ዝኾነ ለውጢ ዘይደሊ ኩሉ ለውጢ ዘማርር ዝሓለፈ ይሓይሽ ዝብል ኣካል ኣሎ።

ካልኣይ ድማ ተጠራጠርቲ እዮም። እዚ ነገር ዝ ዝልቅዶ ይኾን ዝብሉ ኩሉ ነገር ብጥርጣረ ዝሪኡ ‘ዮም። ጥርጣረ ድማ ንዘይ ምስራሕን ጉልበት ዘባኽን ‘ዩ። ስለዚ ጥርጣረ ኢትዮጵያ እናጎድአ ‘ዩ ዘሎ። ሳልሳይ ካብ ዝነብሮ ፀገም ተላዒሉ ለውጢ ከምፅእ ዝሰርሕ ሓይሊ ኮይኑ ብጣዕሚ ውሱን ‘ዩ። ብሓፈሻ ብብዙሕ ነገር ለውጢ ኣሎ ‘ዩ ግና እኹል ኣይኮነን እናገምገምና ድማ ክነማሕይሽ ኢና።

መሰረት ገብረዮሃንስን አብርሃ ሓጎስን

ወጋሕታ 18 ሓምለ 2016  ዓ.ም

Recommended For You