“ጀሚርና ዘይንውድኦ ስራሕ የለን” – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ናይዚ ሰሙን እዋናዊ ዛዕባና ኣብ ልምዓት ኮሪደር ኮይኑ፤ ብፍላይ ድማ ካብ ሜክሲኮ ክሳብ ሳር ቤት ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ኣብ ዝመርቅሉ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ዘሕለፍዎ መልእኽትን ከምኡ ‘ውን በዓል ስልጣን ትራፊክ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ልምዓት ኣብ ፍሰት ትራፊክ ዝሕልዎ ረብሓን ዝሃብዎ ሓሳብ ዘጠቃለለ ኮይኑ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣብ ልምዓት ኮሪደር ፕያሳ ኣብ ዝተራኸብናሉ መዓልቲ መሊስና ከምእንራኸብ ቃል ብዝ ኣተናዮ መሰረት ሎሚ ካብ ሜክሲኮ ክሳብ ሳር ቤት ዘሎ ልምዓት ኮሪደር ነዚ ምልኩዕ መንገዲ ክንርኢ ኢና መፂእና። እዚ ድማ ብጣዕሚ ደስ ዝብል ስራሕ ‘ዩ። ቅድሚ ሐዚ ተደጋጋሚ ከምዝበልክዎ፤ ከተማና ምፅባቕ፣ ምምልካዕን ምቅያርን ንደሊ ኢና።

ከምዚ ዝበለ ልዑል ድልየትን ፃምእን ኣለና ‘ዩ። ነዛ ከተመና ዝሰርሐልና ድማ ዝኾነ ካሊእ ሰብ ዘይኮነስ ባዕልና ኢና እንሰርሓ። ካሊእ ሓሳብ ክህብ ይኽእል ‘ዩ ምስራሕ ግና ባዕልና ኢና። እዛ ሃገር እንፈትዋ ሃገርና ‘ያ። ብትግሃትን ቅንዕነትን ክንሰርሕ ከምዘለና ‘ውን ንኣምን ኢና። ንህዝብና ብዝኣተናዮ ቃል መሰረት ድማ ዘሎ ነገር ምችው እንተዘይኮነ ‘ውን ብልዑል ትግሃት ነዚ ውቁብ ክስራሕ ተኻኢሉ ‘ዩ።

ኣብዚ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባን ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክፈልጦ ዘለዎ፤ ደቃ እንተሰሪሖምን እንድሕር ተሓቢሮምን ምልእቲ ኢትዮጵያ ‘ውን ከምዚ ውቅብቲ ቆንጆ ክትኸውን ትኽእል ‘ያ። ብርግፅ ናብ ብዙሓት ሃገራት ከይድና እንድነቀሉን እንድመመሉን ስራሕ ከምዚ ዝበለ ‘ዩ። ፅሩይ ኣስፓልት፣ ዝምችው መናፈሲ ከባቢ ‘ዩ ዝርኣይ።

ኣብኡ ከይድና ክንሪኦ ከለና እንድነቅ ኣብዚ ክንሰርሖ ከለና ግና ስሕተት ክኸውን ኣይኽእልን። ኣብኡ ክንሪኦ ከለና ስልጣነ ኣብዚ ክንሪኦ ከለና ድማ ድሕረት ክኸውን ኣይኽእልን ‘ዩ። ኣብኡ ክንሪኦ ከለና ውፅኢት ሓባራዊ ረብሓን ፃዕርን መንግስትን ህዝብን ኣብ ኣፍሪካ ክኸውን ከሎ ግና ዘይርኣይ ተገይሩ ዝግለፅ ነገር ስሕተት ከምዝኾነ ብተግባር ኣርኢና ኢና።

ኣብዚ ቦታ ብዘሎ ብዙሕ ስራሕ ክንምሃር ክኢልና ኢና። ብሰለስተ ሽፍት፣ ቀትርን ለይትን ምስራሕ ተማሂርና ኢና፤ ንፁህ ነገር ምስራሕ፣ ምትካል፣ ምስፋሕ ተማሂርና ኢና። ዝስራሕ ዘሎ መሰረተ ልምዓት እንተርኢኹም እንተነኣሰ ብሓደ ገፅ ሰለስተ መኪና ዘሕልፍ መንገዲ ከምኡ ‘ውን ኣብ ካሊእ ክሳብ ሓሙሽተ መኪና ዘሕልፍ መንገዲ ‘ዩ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ዘለዋ ከተማታት ዘሎ ስታንዳርድ መንገዲ ዝሓለወ ሰፊሕ መንገዲ ‘ዩ።

ብተወሳኺ ድማ ኣብዚ መሰረተ ልምዓት ኣሎ፣ ምኽኣል ልምምድ ስራሕ ኣሎ፣ ካሊእ ኣብዚ ውሽጢ ንሃፋትም መንግዲ መኪና ንድኻታት ድማ እግረኛ መንገዲ ንህፃናት መንገዲ ሳይክልን ስኮተርን ኣሎ። እዚ ብጣዕሚ ኹሉ ዘጠቃለለን ንሃፍታምን ድኻን ዝምችውን ክትሪኦ ከለኻ ደስ ዝብል ዘርክዕን ንብዙሓት ኣፍሪካ ሃገራት ትምህርቲ ክኸውን ዝኽእል ‘ዩ።

ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክዛረቦ ዝደሊ ነገርን ክርድኦ ‘ውን ዘለዎ፤ ኢትዮጵያ ትስራሕ ኣላ እያ። መንግስቲ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ። ከም ዋዛ እንሪኦ ኣብዚ ዘሎ ስራሕ ኣብ ብዙሕ ኣፍሪካ ሃገራት ዝርአ ኣይኮነን። ብዙሕ ፀገማት እንተሃለወና ‘ውን፤ እናሰራሕናን እናቀየርናን ኢና ዘለና። ካሊእ ከረጋግፆ ዘለኒ በዚ መንገዲ ከየቆራረፅና ንውሕድ ዓመታት ኣዲስ ኣበባ እንተሰሪሕና ብዘይ ዝኾነ ምጥርጣር ኣብ ዓለም ምሩፃት ካብ ዝብሃሉ ከተማታት ሓንቲ ክትኸውን ትኽእል ‘ያ።

ገፀ መሬታን ኣየር ፀባያን ‘ውን ምችው ‘ዩ። ክንሰርሕ ከለና ድማ እቲ ፅባቐኣ ምጉላህ ንኽእል ኢና። ንጥዕና ዝሐሸት፣ ንዓይኒ ዝትማርኽን ንምንባር ዝትምችውን ከተማ ክንገብራ ኢና። ክሳብ ሐዚ እናፈረሰ ዘሎ ገዛውቲ ብጣዕሚ መሕዘኒ ዓይነት ናብራ ዝነበረ ‘ዩ። ዝተጎሳቆለ ኣነባብራ ‘ዩ እንምነዮ ኣነባብራ ኣይኮነን። ስለዝኾነ እንተነኣሰ ናብ ደቅና ከይሓልፍ ኣባና የብቅዕ እንብለሉ ዓይነት ናባራ እምበር ብዙሕ ዘቅንእ ናብራ ኣይነብረን። ንዕኡ እናፍረስና ብቅልጡፍ እናሃነፅና ናብ ወሎዶ ክነመሓላልፎ ኣለና።

ነነበርቲ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ሰለስተ መልእኽቲ ኣለኒ:- ሓደ ምድናቅ፤ ፅቡቅ ውቁብ ከባቢን ስራሕ ክንርኢ ከለና ክነድንቅ ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ምድናቅ ውሽጢ ትምህርቲ ስለዘሎ። ካልኣይ ካብ ምድናቅ ቀፂሉ ዝመፅእ ድማ ንክቅፅል ምግባር ‘ዩ። በዚ ዘሎ ምርካዕ ፅቡቅ ኣይኮነን ክቅፅል ብዙሕ ክሰፍሕ ኣለዎ። ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወፂእና ናብ ካልኦት ከተማታት ክንበፅህ ኣለና።

እዚ ሐዚ እንሪኦ ዘለና ፅባቀ ናብ ኩሉ ክባፃሕ ኣለዎ። እንተተኻኢሉ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ‘ውን ክባፃሕ ኣለዎ። ምድናቅን ምቅፃልን እንተኽኢልና ሳልሳይን ወሳንን ድማ ምሕላው ‘ዩ። ቀፅልነት ዘለዎ ንክኸውን እናፀገኑ ክቅፅል ምግባር ‘ዩ። እዛ ከተማ ናይ ኩሉ ስለዝኾነት ቀፃልነት ንክህልዎ ምስራሕ ባህሊ ክኸውን ከምዝግባእ ሓደራ ይብል።

ብዝሓለፈ ኣብ ፕያሳ ከምዝበልክዎ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ካሊእ ተመሳስሊ ክንራኸብ ኢና። ብሓፈሻ ሐለሐሊፉ ዝናብ ብምህላው ምትእጉጓል እንተሃለወ ‘ውን ዘሎ ስራሕ ፅቡቅ ‘ዩ። ጀሚርና ዘይንውድኦ ስራሕ የለን ክንውድኦ ኢና። ቃል እንተኣቲና ካብ ልቢ ኢና ነተግብሮ። ፈተና ዝኾነና ነገር እንተሃልዩ ድማ ብግልፂ ንህዝብና ክንገልፅ ኢና።

ናይ መወዳእታ ዘለኒ መልእኽቲ እዚ መንገዲ እንትስራሕ ሰባት ኣንገላቲዕና ኢና መንገዲ ይዕፀው ትራፊክ ምጭንናቅን ነይሩ ‘ዩ። እዚ ኹሉ ግና ንከተማና ፅባቀ፣ መልክዕን ዕብየትን ‘ዩ። ነዚ ስራሕ ንሰርሐሉ ኣብ ዝነብርና እዋን ዝተንገላትዑ ዝተሰላቸው ሰባት እንተሃልዮም፤ በዚ ኣጋጣሚ ይቅርታ ክግብሩልናን ሃገርና ንምፅባቅ ካብ ዘለና ድልየት ዝተልዓለ ሓደ ሓደ ግዜ ሕልፊ እንተኸይድና ብዚ መንፈስ ክርድኡና ሓደራ እናበልኩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጀመርናዮ ስራሕ ገና ጅማሮ ‘ዩ።

ገና ብዙሕ ክንተግህ ኢና ንደሊ። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዙሕ ፃዕሪ ገይሩ ‘ዩ። ከምኡ ውን ሰራሕተኛታት ፌደራል መናእሰይ ኣብዚ ብዙሕ ፃዕሪ ገይሮም ‘ዮም። ኩላኹም ከምዝትፈልጥዎ ዲዛይኑ፣ ገንዘቡን ስርሑን ኣብዝሓ ነሃትና ‘ዩ። እዚ ንክቅፅል ድማ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባን ህዝቢ ኢትዮጵያን በዚ ክቅፅል የድሊ። ኩሉ ግዜ ከም እንብሎ ኣብ ሒደት ዓመታት ብልፅግና ኣብ ኢድና ክነእትዎ ኢና።

መልእኽቲ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ :-

ካብ መክሲኮ ሳር ቤት ዘሎ ካልኣይ ልምዓት ኮሪደር ‘ዩ። ናይ መጀመርያ ካብ ኣራት ኪሎ ፒያሳ ከባቢ ዘሎ ቅድሚ ሰሙን ገምጊምና ንግልጋሎት ህዝብና ክፍቲ ገይርና ኢና። እዚ ድማ ካልኣይ ልምዓት ኮሪደር መክሲኮ ሳርቤት ገምጊምና በዚ ብርኪ ብዝተማልኣ ግልጋሎት ንምሃብ ድልው ምዃኑ ዘፋለጥናሉ መዓልቲ ‘ዩ። ልምዓት ኮሪደር ክንብል ከለና ሓደ ፅባቀ ‘ዩ።

ምሃብ ግልጋሎት ከተማና ሓፈ ዘብል ኩነታት ‘ዩ። ኣብዚ ብምድናቅ ሰባት እናረእይዎም ዘለው መብራሕትታት ኣምፖል ናይ መጀመርያ ፍርያት ኢትዮጵያ ‘ዮም። ብኣፍረይቲ ኢትዮጵያውያን ዝፈረዩ ‘ዮም። ኣብ ወፃኢ እንሪኦም ፍርያታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክፈርዩ ‘ዮም ተባሂሎም ዘይሕሰቡ ዝመስሉ ኢንዱስትሪና ኣብዚ ብርኪ በፂሑ ንልምዓት ኮሪደርና ክበፅሐልና ክኢሉ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብዙሓት ስራሕቲ ልምዓት ኣሰር ተሰሪሖም ‘ዮም። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብዚ ብዝሓለፈ ንህዝብና መገልገሊ ዝኾኑ መናፈሲ መዘናግዒ ኮፍ መበሊ ዘለዎምን ንዓይኒ ሰሓብቲ ዝኾኑ ሓምላዋይ ከባቢ ክንርኢ ክኢልና ኢና። ንብዙሕ እዋናት ናይ ኻልኦት ኣድነቅቲ ኮይንና ፀኒሕና ኢና።

ሎሚ ግና ኢትዮጵያን ተሓባቢርና ኩሉ በቢዝመልከቶ ሓላፍነት ስራሕ ከም ኢትዮ ቴሌኮም፣ ሓይሊ መብራሕቲን ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ኢትዮጵያን በቢዝግብኦም ሓላፍነት ብምውፃእ ኣብዚ ልምዓት ኮሪደር ተሳቲፎም ንክዋፅኡ ብምግባር ምውሃድ ብዝተረጋገፀሉ ብዝተማልአ ኩነታት ተሰሪሑ ‘ዩ። መውሃቢ ግልጋሎት ትራንስፖርት ከምብሓድሽ ተሰሪሑ ዳርጋ ብዘብል ብርኪ መፅዓንን መውረድን ታክሲ ቦታት ተሰሪሑ ‘ዩ።

ከምኡ ‘ውን መንግድታት መኪና ደው መበሊ ከይኮኑ ሓደሽቲ መኪና ደው መበሊታት ተሰሪሖም ‘ዮም። ኣብዚ ከባቢ ቦታ የለን ተሃኒፅዎ ‘ዩ ተባሂሉ ዝነበረ ክፍትፍት ኣቢልናዮ ኣለና። ኣብዚ ብዙሓት ተሓባቢሮምና ‘ዮም ፍርቆም ኣብ ቅድሚቶም ዘሎ ብምፍራስ ንድሕሪት ብምስሓብ ካልኦት ድማ ተተካኢ ቦታ ብምሃብ ብምልዓልን ካልኦት ድማ ኣድላይ ዘይኮኑ ተለጣጢፎም ዝነበሩ ኣልዒሎምልና ከምዚ መንገዲ ንክሰፍሕን ናይ ሳይክልን እግረኛን መስመርን ከምኡ ‘ውን ናይ ታክስን ኣውቶብስን መፅዓንን መውረድን መንገደኛ መዕረን ክግበር ተኻኢሉ ‘ዩ።

እዚ ድማ ንሃገርና ሓዱሽ ስታንዳርድ ‘ዩ። እዚ ስራሕቲ ካልኣይ ልምዓት ኮሪደር ንህዝብና ቃል ብዝኣተናዮ መሰረት ፈፂምና ናብዚ ኣብፂሕና ኣለና። እዚ ሃሓብ ምምፍልፋል ጀሚሩ ክስባ ምትግባር ካብ ጎንና ከይተፈለዩ ዝተኸታተልዎ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ብልዑል ብርኪ ፅርየትን ብዝተበሃለሉ እዋንን ንክስራሕ ዓብይ ግደ ነይርዎም ‘ዩ።

ብተወሳኺ ብዙሓት ኣካላት ተሳቲፎሙሉ ‘ዮም። ሰብ ዋናታት ህንፃ ‘ውን ኣፅርዮም ዝቅየር ቀለም ቀይሮም ኣሊሙኔም ሽፋንን መብራሕትን ገይሮም ነቲ ኣከባቢ ዝበለፀ ፅቡቅ መልክዕ ንክላበስን ፅቡቅ ግልጋሎት ዝወሃበሉ ምግባር ክኢሎም ‘ዮም። እዚ ዝተሰርሐ ፅቡቅ ስራሕ ‘ዩ እናበልና ንቀፃሊ ድማ ዘነቃቕሕ ዝበለፀ እንሰርሐሉን ሳልሳይ ልምዓት ኮሪደር ቀፃሊ ሰሙን ተፀበዩና እንብለሉን ቃል ዝኣተናዮ ድማ ብተግባር ሰሪሕና ንህዝብና ግልጋሎት እነቅርበሉ ‘ዩ።

ኣብዚ ኸይዲ ስራሕ መንገዲ ዓፂና ስለ እንሰርሕ ፍሰት ትራፊክ ዝጨናነቅ ብምንባሩን ከምኡ ‘ውን ሓደ ሓደ ንልምዓት ምስ እነልዕሎም ነብርቲን እንህቦም ግልጋሎትን ህዝብና ተሓባባሪ ‘ዩ ነይሩ። ነዚ ድማ ልዑል ምስጋና ይግብኦ ‘ዩ። ከምዚ ብሕብረት እንትንሰርሕ ከምዚ ልዑል ግልጋሎት ክንረክብ ንኽእል ኢና።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ንወልቀ ሰብ ዘይኮነስ ንነበርቲ ከተማናን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብዚ ሓቢሮምና ዝሰርሑን ኣብዚ ግደ ዘበርከቱን ኩሎም ኣካላት ብስመይን ብስም ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባን የቐንየለይ ክብል ይፈቱ። እዚ ልምዓት ንግዝያዊ ኣይኮነን ነልምዖ ዘለና ዘላቂ ክኸውን እምበር ስለዝኾነ ክንዕቅቦን ክንሕብሕቦን ሓደራ ክብል ይፈትው።

ካብዚ ልምዓት ኮሪደር ከይወፃእና ብተመሳሳሊ ኣብ ምምሕዳር ክተማ ኣዲስ ኣበባ በዓልስልጣን ትራፊክ ቁፅፅርን ምኽባርን ትራፊክ መንገዲ ዳይሬክተር ኣይተ ኣያሌው አቲሳ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፤ እናተሃነፀ ዘሎ ልምዓት ኮሪደር መንገዲ ተሽከርከርቲ ዘስፍሕ፣ መንገዲ እግረኛታት ዝፈለየን ከምልቢ ንክንቀሳቀሱ ዘኽእል ብምዃኑ ኣብዛ ከተማ ዝስትውዓል ፀገም ፍሰት ትራፊክ ፈቲሑ ዝሐሸ ምንቅስቃስ ትራፊክ ንክህልው ዘኽእል ‘ዩ ኢሎም።

ኣብዛ ከተማ ዝስራሕ ዘሎ ልምዓት ኮሪደር ግልጋሎት ትራንስፖርት ዝህቡ ተሽከርከርቲ ደው መበሊ፣ መውረድን መፅዓንን ቦታታት ካብ ዋና እቲ መስመር ተፈልዮም እትው ኢሎም ዝተሃነፁ ከምዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር፤ እዚ ድማ ፍስት ትራፊክ እታ ከተማ ጥዕና ዘለዎን ድሕንነቱ ዝሓለወ ትራፊክ ፍሰት ምህላው ሓደጋ ትራፊክ ዘቅናስ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም።

ቅድሚ ልምዓት ኮሪደር ምጅማሩ እኹል ዝኾነ መንገዲ እግረኛ ኣይነብረን፤ ስለዝኾነ እቲ እግረኛ ብመንገዲ ተሽከርከርቲ ንክጥቀም ይግደድ ከምዝነብረ ብምዝኽኻር፤ በዚ ምኽንያት ድማ ልዕሊ 80 ምእታዊ ሓደጋ ትራፍክ ጉድኣት ይበፅሕ ምንባሩን መንገዲ ተሽከርከርቲ ውን ፀበብቲ ብምንባሮም ብፍላይ ኣብ ስራሕ ምእታውን ምውፃእን ሰዓታት ምጭንናቅ ትራፊክ ከምዝርኣይ ተዛሪቦም።

ልምዓት እቲ ኮሪደር ሙሉእ ንሙሉእ ተዛዚሙ ግልጋሎት ምሃብ እንትጅምር ፍሰት ትራፊክ እቲ ከተማ ዝተሳለጠ ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝበፅሕ ዝነበረ ሓደጋ ዝቅንስን ‘ዩ ዝኸውን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 27 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You