
ፀገም ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተሓላለኸን እናገደዶን ዝኸደሉ ዘሎ ምኽንያት ካብ ኣፈንጭኡ ኣርሒቑ ዝሓስብ ፖለቲካዊ ሊሂቅ ዘይምህላዉ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ነዚ ከምዚ ዝበለ ፖለቲካዊ ኢሊት ወይ ሓይሊ ክንድዝከኣል ብሰላማዊ መንገዲ ዝቓለስ ሓይሊ ብዘይ ምህላዉ’ውን ‘ዩ።
ብምትህልላኽ ዝመፅእ ጉድኣት ከቢድ ምዃኑ ዝስቖሮ ፖለቲካ መራሒን ሊሂቅን እንተዘይሃልዩ መፍትሒኡ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቓልሲ ምክያድ ‘ዩ። ቅድሚ ሕዚ ኣትሒዙ እቲ ፖለቲካዊ ምትህልላኽ ንትግራይ ከም ትግራይ ይጎድኣ ኣሎ ‘ምበር ኣይጠቐማን። ስለዚ ሕዚ ዘድሊ ነዚ እናተሓላለኸ መፂኡ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕመቕ ብሓባር ምሕካም ‘ዩ።
እቲ ፀገም ሰፊሕን ዓሚቑን ስለዝኾነ መፍትሕታት የድልዮ፤ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ሐዚ’ውን ከይጉዳእ ኣብ ምፍታሕ እቲ ፀገም ብቐንዱ ክስረሐሉ ኣለዎ። እቲ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ሰላማዊን ንህዝቢ ዝጠቕምን ሰላማዊን ፖለቲካዊን ቓልሲ ምክያድ ‘ዩ።
ቓልሲ ክበሃል እንተሎ ኣብ ምጉናፅ ዘድሀበ እንተይኮነስ ሰላማዊ ፍታሕ ከምፅእ ኣብ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ። ሕዚ ከምእቲ ንሪኦ ዘለና ግና ነንበዓልኻ ምድምማፅን ምስምዕማዕን የለን። ማእኸሉ ረብሓ ህዝቢ ዘይገበረ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ይርአ ኣሎ። ስልጣን ጥራሕ ማእኸል ዝገበረ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ንህዝቢ ኣይጠቅምን፡፡
ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ንህዝቢ ብግልፂ ይኹን ብስውር ዝጎድእ ምንቅስቓስ እንተገይሩ ብሰላማዊ ቓልሲ መልክዕ ምትሓዝ የድሊ። ንዚ ዝኸውን ፖለቲካዊ ሃዋህው ኣብ ትግራይ ክህሉ ምስራሕ ግድን ይኸውን። ምኽንያቱ ንህዝቢ ትግራይ እናጎድአ ንበዓሉ ክጥቐም ጥራሕ ዝደሊ እንተሃልዩ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ‘ምበር ፈታዊ ህዝቢ ትግራይ ክኽውን ስለዘይኽእል ተወዲቢካ ምቕላስ የድሊ። ንህዝቢ ናብ ሓደጋ እናእተወ ስኽኢልካ ምርኣይ ግቡእ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝጠቕም መሰረት ገይርካ ምዝርራብን መፍትሒ ምቕማጥን ግና እቲ እዋን ዝጠልቦ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።
ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ህልውናኡ ኣረጋጊፁ ክቕፅል ዝኽእል፤ ናይ ህዝቢ ትግራይ ድሌትን ባህግን ክዕወት ዝኽእል ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ማእኸል ዝገበረ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ትግራይ እንትህልው ስለዝኾነ ንዚ ክውን ንምግባር ምቕላስ እዋኑ ዝጠልቦ ውራይ ‘ዩ፡፡
ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ፖለቲካዊ ሕማምን ፀገም ክሕከም እንተኾይኑ ኣብ ኢሂን ምሂን ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ክህሉ ኣለዎ ወይ ክነማዕብል ኣለና። ኣብ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ግዜ ፀገማት ዘጋጥሙ መልዐሊኦም ፖለቲካዊ ሕመቓትን ሓሳብካ ብሓይልን ብረትን ንምፍፃም ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ምዃኖም ብኣግባቡ ተረዲእኻ ንዚ ብመሰረታዊነትን ዘላቒነት ምፍታሕ ዘኽእል ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቓልሲ ምክያድ የድሊ።
ሐዚ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕማም ንምኽካም ከም ሓደ መማረፂ ብሄራዊ ምኽክር ወይ ብሄራዊ ዕርቒ ኣብ ትግራይ ምክያድ የድሊ። ብፍላይ ካብ ለውጢ ንነዘ ጀሚሩ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ክልል ትግራይ ኣዝዩ እናተባላሸወን እናተሓላላኸን ብምምፅኡ ህዝቢ ከቢድ ዋጋ ክኸፍል ተገዲዱ ‘ዩ። እዚ ከይድገም እቲ ፀገም ብብሄራዊ ምኽክርን ዕርቒን ምሕካም የድሊ፡፡
እቲ ቕድሚ ኸባቢ ክልተ ዓመት ኣጋጢሙ ዝነበረ ኵናት ብስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ድምፂ ጥይት ጠጠው ዋላ ይበል ፖለቲካዊ ፀገም ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ግና ሕዚ ‘ውን ኣይተፈትሐን። ብፍላይ ፖለቲካዊ ሊሂቃት ኢና በሃልቲ ተጋሩ ነንበዓሎም ምስምዕማዕ ስኢኖም ንህዝቢ ኣብ ስግኣት ኣውዲቖሞ ‘ዮም ዝረከቡ። ክሳራን ረብሓን ዘማዛዝን ተሳኢኑ ትግራይ ኣብ ዝሓመቐ ፖለቲካዊ ኩነታትን ኣብ ደበና ኹናትን ኣትያ ኣላ።
ትግራይ ብሰንኪ ውድቀት መሪሕነት ፖለቲካ ሐዚ ካብ ዘላቶ ዕንኪልል ከመይ ከትወፅእ ትኽእል ኢልካ ብምሕሳብን ናይ እቶም ፀገማት መልዐሊኦም ተረዲእኻን ኣብ መፍትሕታቶም ምትኳር የድሊ። ብጀካ ናይ ህዝቢ ድሌት መሰረት ገይሩ ዝኸይድ ናይ ውልቁ ዕላማ ዘስጉም
ኢሊት ክህሉ የብሉን። ናይ ውልቐ ዕላማ እናሰጎምካ ናይ ህዝቢ ዕላማ ‘የ ዘስጉም ዘለኹ ዝብል ፖለቲካዊ ኣካይዳን ሸፈጥን ክውገዝን ክኹነን ኣለዎ። ኩሉ ደፊሩ ንረብሓ ህዝቢ ክቓለስ ኣለዎ። ፖለቲካ ትግራይ ማእኸሉ ኣብ ረብሓን ድሌት ህዝቢን መሰረት ዝገበረ ክኸውን ይግባእ።
ናይ ውልቕኻ ረብሓ መሰረት ብምግባር ፀገም ፖለቲካ ክፍታሕ ኣይኽእልን። ውልቐ ረብሓ መሰረት ዝገበረ ፖለቲካ፣ መንገዲ ጥፍኣትን ኩናትን ‘ምበር መንገዲ ልምዓት ወይ ድማ ንህዝቢ ዝጠቅም ፖለቲካ ክኸውን ኣይኽእልን። ኮይኑ ‘ውን ኣይፈልጥን፡፡ስለዝኾነ እዚ ውልቓውነት ብሰላማዊን ፖለቲካዊን ቓልሲ ክውገድ ኣለዎ፡፡
ንህልውና ህዝብና ናብ ሓደጋ ዘአቱ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኣካይዳ ክውገድ ኣለዎ፤ ሓድነትን ምድምማፅን ክህሉ ኣለዎ። ተባታቲንካ ረብሓ ህዝቢ ክተኽብር ኣይትኽእልን። ተበታቲንካ እትገብሮ ቓልሲ ናይ ህዝቢ ድሌትን ረብሓን ምምላእ ይቕረ ንበዓልኻ ‘ውን ዝጎድእ ‘ዩ። ዘሎ ዕድላት እናተጠቐምካ ንህዝብኻ እተድሕነሉ ጥበብን ብልሓትን ክህሉ ይግባእ።
ስለዚ ነዚ ሚዘን እዚ ዘስተኻኽል ወይ ዝሕክም ስራሕ ክስራሕ ካብ ኩሉ ትግራዋይ ትፅቢት ይግበር። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብዋናነት መላእ ህዝቢ ትግራይ፣ ማሕበረሰብ መንቓሕቲ፣ ሙሁራት፣ ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ዕዙዝ ግደ ክፃወቱ ይግባእ። ብኣውራኡ መንእሰይ ትግራይ ድማ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምርግጋፅን ዝሓመመ ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ምሕካምን እጃሙ ዝያዳ ክፃወት ይግባእ፡፡
ስለዚ ፀገም ፖለቲካ ትግራይ ክድሕን ዝኽእል ነቲ ሕመቕ ተወዲብካ ብሰላማዊ መንገዲ ምቕላስ፤ ዕርቒ ምክያድን ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮይንካ ብምምያጥን ‘ዩ። ነዚ ኩሉ ድልው ክኸውን ኣለዎ። ብፍላይ ድማ መጀመርያ እቲ ኣመራርሓ ነዚ ንምስትእንጋድ ተጊሁ ክሰርሐሉ ኣለዎ።
ፖለቲካዊ ዕርቒ ክህሉ ኣበርቲዑ ክሰርሐሉ ኣለዎ። ትግራይ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሕዚ ፖለቲካዊ ዕርቒ የድልያ ‘ዩ። ነዚ ሓሊኹ ዝሕዝን ዝዕንቕፍን ክህሉ የብሉን። ብኢሂን ምሂን ፖለቲካዊ ፀገም ምፍታሕ ናብ መማረፂ ዘይኣቱ ጉዳይ ክኸውን ኣለዎ።
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 19 ሰነ 2017 ዓ.ም