
ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊ ፀገማት እንተጋጥሙ ብዘተ ክፍትሑ ኣይረኣዩን። ፖለቲካዊ ሕመቓት ብኢሂን ምሂን ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ናብ ህልኽ ብምትእትታው ንምፍታሕ ይሙከር። ብህልኽ ዝፍታሕ ፀገም የለን። ብህልኽ ንምፍታሕ ከም ባህሊ እናተለመደ ብምምፅኡ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ሕመቕ ንርከብ። ፖለቲካዊ ኣካይዳ እቲ ክልል ኣዝዩ እናተባላሸወ ዘሎ ምኽንያት ድማ እቲ ቐንዲ ውልቓዊን ጉጅለኣዊን ረብሓ መሰረት ዝገበረ ስለንኽተል ‘ዩ። ረብሓ ህዝቢ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ስለነቕርቦ ‘ዩ።
ፖለቲካ ትግራይ ጥበብ እንተይኮነስ ግትርነት ዝተመልኦ ‘ዩ። ነበር መሪሕነት ህወሓት ነንበዓሎም ይኹን ምስ መንግስቲ ፌዴራል ምስምዕማዕ ስኢኖም ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ስግኣት ኣውዲቖሞ ይርከቡ ጥራሕ እንተይኮኑስ ናብ ዝኸፍአ ፀገም እናጎተትዎ ‘ዮም ዝረከቡ። ካብ ዝሓለፈ ምምሃር ኣብይዎም ኣብ ዝሓመቐ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ተሸኺሎም ሕዚ ‘ውን ካብ ሕጊ ወፃኢ ፅምዶ ምናምን እናበሉ ጌጋታት እና ፈፀሙ ይርከቡ።
ነበር መሪሕነት ህወሓት ምስ ሻዕብያ ፅምዶ ንምፍጣር ዝኸድሉ ዘለዉ መገዲ ንህዝቢ ትግራይ እንታይ ዋጋ ከኽፍሎ ይኽእል እንተይልና፤ ብዙሕ ዋጋ ከኽፍሎ ይኽእል ‘ዩ። ኩሉ ትግራዋይ ከምዝፈልጦ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኩናት ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ‘ዩ። መንግስቲ ሻዕብያ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ኣመላኻኽታ ዝጠፍኦ ኣካል ዘሎ ኣይመስለንን። ባህሪ ኢሳይያስን ሻዕብያን ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ኣመላኻኽታ ኣሉታዊ ከምዝኾነ ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቒ ‘ዩ። እዚ ርክብ ብረብሓ ህዝቢ ምሕሳብ የድሊ።
እዚ ንህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ከምዝኾነ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ከምዚ እናሃለወ ሕዚ ነበር መሪሕነት ህወሓት ዝኸድዎ ዘለዉ ኣካይዳ ኢሕጋዊ ‘ዩ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣዝዩ ዋጋ ዘኽፍል ተግባርን ገበነን ‘ዩ። ንህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ‘ምበር ዝጠቕም ኣካይዳ ኣይኮነን፤ መንግስቲ ሻዕቢብያ ንናይ በዓሉ ህዝቢ ዘይጠቐመ ንህዝቢ ትግራይ ክጠቕም ‘ዩ ኢልካ ምሕሳብ ጥዕና ዘለዎ ኣተሓሳስባ ኣይኮነን።
ምስ ሻዕብያን ኢሳይያስን ምፅማድ ማለት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሓዊ ምእጓድ ማለት ‘ዩ። ንህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ‘ምበር ዝጠቕም ኣይኮነን። ገበን ‘ውን ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ተጠቓሚ ክኸውን እንተኾይኑ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተሓባቢርካን ተስማዕምዒኻን ምስራሕ ‘ምበር እንደጋና ምስ ኢሳይያስ ርክብ እፈጥር ኣለኹ እናበልካ ብህዝቢ ምቕላድ ዋጋ ዘኽፍል ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ንህዝቢ ትግራይ ከይወዳእኹ ብሰንኪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ተኾሊፈ ምስ ዝበለ ኣካል ፅምዶ ምፍጣር ማ ለት ንህዝብኻ ንዕቐት ‘ዩ።
ቅድሚ ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ዝኸፈሎ ዋጋ ከይኣኽሎ ካሊእ ተወሳኺ ዋጋ ከይኸፍል እዚ ፅምዶ ዝበሃል ኣካይዳ እዚ ክቐሪ ኣለዎ። ነዚ ንምቕራይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ተወዲቡ ክቓለሶ ኣለዎ። ነዚ ዘስጉሙ ዘለዉ ኣካላት ይኣኽለኩም ክበሃሉ ይግባእ። ንኹሉ ትግራዋይ ስለዝምልከቶ ኩሉ ኣትሪሩ ክቓወሞ ‘ዩ ዘለዎ። እዚ ኣካይዳ እዚ ከም ሃገር ‘ውን ዝጎድእ ስለዝኾነ ካሊእ ኢትዮጵያዊ ‘ውን እንተኾነ ክቓወሞን ከውግዞን ኣለዎ። ብፍላይ ቅድሚ ኩሉ ንትግራይ ኣዝዩ ሓደጋ ስለዝኾነ ኩልና ተጋሩ ከንቓወሞን ከንቓለሶን ኣለና።
ፅምዶ ምናምን ዝብል ኣካይዳ ቐርዩ ንህዝቢ ዝጠቕም ስራሕ ክስራሕ ፖለቲካዊ ፓርቲታት፣ መንቓሕቲ ህዝቢን ሙሁራትን ኣብዚ ጉዳይ እዚ እጃምና ክነውፊ ኣለና። እዚ ምስ ድሌት ውልቀ ኣካላት ዝኸይድ ‘ምበር ምስ ድሌት ህዝቢ ዘይኸይድ ስለዘይኮነ ብጋንኡ ክእረምን መልክዕ ክሕዝን ይግባእ። ሒዝዎ ዝመፅእ ሓደጋ ግልፂ ስለዝኾነ ኩልና ነዚ ነቒሕና ብጋንኡ ክነውግዞን ከንቓለሶን ‘ዩ ዝግበአና። ካብ መንግስቲ ኤርትራ ጉድኣት ‘ምበር ረብሓ ከምዘየለ ኩልና ከንርድኦ ኣለና።
ኣጀንዳ ክኸውን ዝግበኦ በቲ ኩናት ዝተጎድኡ መሰረተ ልምዓታት ናብ ንቡር ምምላስ፤ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ምምላስ ‘ምበር እንዚኦም ገና ከይሰራሕኻ ካሊእ ፅምዶ እናበልካ እሞ ድማ ንህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘአቱ ነገር ምስራሕ ኣዝዩ ዓብዪ ስሕተትን ዋጋ ዘኽፍልን ‘ዩ። ህዝብኻ ከይሓወየ ናብ ከምዚ ዝበለ ነገር ምእታው እሞ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ ትግራይ ክፀንት ኣለዎ ኢሉ ምስ ዝኣምን ኣራዊት ፍጠረት ምሕዝነት ንምፍጣር ምጅምር ዓብዪ ጥፍኣት ዘስዕብ ‘ዩ።
ትግራይ ብሰንኪ ውድቀት መሪሕነት ኣብ ከምዚ ዓይነት ዕንኪልል ክትኣቱ ዝገብሩ ዘለዉ ንህዝቢ ዘይሓስቡ ፖለቲከኛታት ኢና ባህልቲ’ዮም። ኢሊታት ተጋሩ ወይ ፖለቲከኛታት ትግራይ ንባዕሎም ረብሓን ስልጣንን እንተይኮኑስ ንህዝቢ ክሓስቡ ኣለዎም። ከምቲ ልዕል ኢለ ዝበልክዎ ካብ ሕገ መንግስቲ ወፃኢ ፅምዶ እናበልካን ካልኦትን ኣካይዳ እሞ ድማ ንህዝቢ ዘይጠቕሙ እናተኸተልካ ናብ ዕንክሊል ዘእትወካን ዋጋ ዘኽፍለካን ኣካይዳ ምኻድ ቐርዩ ሕጊ ተኸቲልካ ምኻድ የድሊ። ካብ ፖለቲካዊ ዕንኪሊል ወፂእኻ፤ ንውልቕኻን ጉጅለኻን ረብሓ ምሕሳብ ተሪፉ፤ ረብሓ ህዝቢ ማእኸል ጌርካ ምስራሕ የድሊ።
ስለዚ ንህዝቢ ኣብ ዘይጠቕሙ ዕንክሊል ከንብል የብልናን፤ ንህዝቢ ዝጎድኡ ነገራትን ገዲፍና ኣብ ዝጠቕሙ ነገራት ትኹረት ከንገብር ኣለና። ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንኽወፅእ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ሓሳብ ሒዝና ከንርከብ ኣለና፤ ኩልና ተጋሩ ተቓራሪብና ምስራሕ ከም ባህሊ ክነማዕብሎ ኣለና፤ ኩሉ ትግራዋይ ንህዝቢ ኣብ ዝጠቕሙ ነገራት ብምስራሕ እጃምና ክንዋፃእ ኣለና። ንህዝቢ ኣብ ዝጠቕሙ ነገራት ትኹረት ገይርና እንተሰሪሕና ንቕድሚት ዘይንጎዓዘሉ ኩነታት ኣይህሉን። ካብ ፖለቲካዊ ሕመቕ ብምውፃእ ማእኸልና ረብሓ ህዝቢ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ረብሓ ህዝቢ ኣተኩርካ ምስራሕ ናብ መማረፂ ክቐርብ ዘይግበኦ ጉዳይ ‘ዩ።
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 12 ሰነ 2017 ዓ.ም